ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w08 1/7 ገጽ 11-13
  • መደባትካ ምስ ዕላማ ኣምላኽ ይሰማማዕ ድዩ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • መደባትካ ምስ ዕላማ ኣምላኽ ይሰማማዕ ድዩ፧
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ሰባት ንዕላማ ኣምላኽ ሸለል ኢሎም መደባት ኬውጽኡ ኸለዉ
  • ዕሽነት ሓደ ሃብታም ሰብኣይ
  • “ንቡር” ህይወት ንምምራሕ መደብ ምግባር
  • “ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሃብታም” ዲኻ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2007
  • “ኣብ ኵሉ ውጥናትካ . . . ኣሳልጦ ይሃብካ”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2017
  • ንኣምላኽ ንዘለኣለም ከተገልግሎ ብምሕሳብ ምስኡ ምምልላስ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1998
  • እቲ ብሓቂ ዜገድስ እንታይ እዩ፧
    ካብቲ ዓብዪ መምህር ተምሃር
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
w08 1/7 ገጽ 11-13

መደባትካ ምስ ዕላማ ኣምላኽ ይሰማማዕ ድዩ፧

ኣብቲ ኣብ ምዕራባዊ ኽፋል ሰሜን ኣመሪካ ዚርከብ ጫካ: ክላርክስ ናትክራከር እትበሃል ሓመዅሽታይ ዝሕብራ ዘማሪት ዑፍ ትርከብ። እዛ ዑፍ እዚኣ ነቲ ቘራሪ ወርሓት ምእንቲ ኪዀና: ኣብ ዓመት ዳርጋ 33,000 ኣዝርእቲ ኣኪባ ኣብ 2,500 ዚኸውን ቦታታት ትቐብሮ። ንመጻኢ ዚዀና ምግቢ ብምእካብ ዝመጸ ‘ኣዝያ ጥበበኛ’ እያ።—ምሳሌ 30:24

ሰባት ካብዚ ዚበልጽ ፍሉይ ክእለት ኣለዎም። ካብ ሕሉፍ ተመክሮ ብምምሃርን እቲ ዝረኸብዎ ትምህርቲ ነቲ ናይ መጻኢ መደቦም ከም ዚጸልዎ ብምግባርን ዝመጸ: ካብ ኵሎም ምድራውያን ፍጥረታት የሆዋ ንላዕሊ ብሉጽ ተኽእሎ ኣለዎም። እቲ ጥበበኛ ንጉስ ሰለሞን: “ኣብ ልቢ ሰብ ብዙሕ ሃቐና አሎ” በለ።—ምሳሌ 19:21

ብሓፈሻ ኽርአ ኸሎ ግን: ሰባት ብዛዕባ መጻኢ ኣብ ግምታት እተመርኰሰ መደብ ካብ ምውጻእ ሓሊፎም ካልእ ኣማራጺ የብሎምን። ንኣብነት: ጽባሕ ጸሓይ ከም እትበርቕን ንስኻ እውን ሎሚ ኸም እትሓድርን ሓሲብካ: ብዛዕባ ናይ ጽባሕ ንጥፈታትካ መደብ ተውጽእ ኢኻ። እቲ ቐዳማይ ግምት ርግጽ ኪኸውን ከሎ: እቲ ኻልኣይ ግን ዘይተረጋገጸ እዩ። እቲ ሓደ ኻብ ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበረ ያእቆብ: “ንስኻትኩም ነቲ ጽባሕ ዚኸውን ኣይትፈልጥዎን ኢኹም” በለ።—ያእቆብ 4:13, 14

የሆዋ ኣምላኽ ከም ሰባት ዓቕሙ ድሩት ኣይኰነን። ንሱ: “ካብ መጀመርታ ነቲ መወዳእታ” ይፈልጥ እዩ። ነቲ ዝኣተዎ መብጽዓ ኸም ዚፍጽሞ ዜጠራጥር ኣይኰነን። “ምኽረይ ኪቐውም እዩ: ፍቓደይ ኵሉውን ክፍጽም እየ” ኢሉ ገሊጹ ኣሎ። (ኢሳይያስ 46:10) እሞ ደኣ ሰባት ዜውጽእዎ መደባት ምስ ዕላማ ኣምላኽ ኪጋጮ ኸሎ እንታይ እዩ ዜጋጥም፧

ሰባት ንዕላማ ኣምላኽ ሸለል ኢሎም መደባት ኬውጽኡ ኸለዉ

ኣስታት 4,000 ዓመት ይገብር: እቶም ንግንቢ ባቤል ዝሃንጹ ዝነበሩ ሰባት: ነቲ ደቂ ሰባት ዚገብርዎ ምስፍሕፋሕ ንኺገትኡ መደብ ኣውጽኡ። ንሳቶም ድማ: “ክላ ግዳ: ኣብ ልዕሊ ገጽ ኵላ ምድሪ ምእንቲ ፋሕ ከይንብልሲ: ከተማን ርእሱ ሰማይ ዝጥንቍር ግንብን ንስራሕ: ስምና ኸኣ ነጸውዕ” በሉ።—ዘፍጥረት 11:4

ይኹን እምበር: ኣምላኽ ንምድሪ ዝነበሮ ዕላማ እተፈልየ እዩ ነይሩ። ንኖህን ንደቁን: “ፍረዩን ተባዝሑን ንምድሪ ኸኣ ምልእዋ” ኢሉ ኣዘዞም። (ዘፍጥረት 9:1) ኣምላኽ ንሸቶ እቶም ዓለወኛታት ህዝቢ ባቤል ብኸመይ ተመልከቶ፧ ንሓድሕዶም ምእንቲ ኸይረዳድኡ ንዘረባኦም ደባለቖ። ውጽኢቱኸ እንታይ ኰነ፧ “እግዚኣብሄር ድማ ካብኡ ናብ ልዕሊ ገጽ ኵላ ምድሪ ፋሕ ኣበሎም።” (ዘፍጥረት 11:5-8) እቶም ንባቤል ዝሃንጹ ዝነበሩ ሰባት: ሓደ ኣገዳሲ ትምህርቲ ንኺመሃሩ ተገዲዶም እዮም። መደባት ደቂ ሰብ ካብ ዕላማ ኣምላኽ እተፈልየ ኪኸውን ከሎ: ‘ምኽሪ እግዚኣብሄር ጸኒዑ ይነብር።’ (ምሳሌ 19:21) ካብ ዝሓለፈ ዝረኸብካዮ ኸምዚ ዝኣመሰለ ትምህርቲ ንህይወትካ ኺጸልዎ ተፍቅድ ዲኻ፧

ዕሽነት ሓደ ሃብታም ሰብኣይ

ግንቢ ንኽትሃንጽ መደብ የብልካን ይኸውን፣ ኣብዚ ግዜ እዚ ዘለዉ ብዙሓት ሰባት ግን: ጡረታ ድሕሪ ምውጻኦም ምሹእ ናብራ ምእንቲ ኺነብሩ: ኣብ ባንክ ብዙሕ ገንዘብ ኬዋህልሉን ስጋዊ ጥሪት ኪእክቡን መደብ የውጽኡ እዮም። ሓደ ሰብ ብፍረ ጻዕሩ ኺሕጐስ ምድላዩ ባህርያዊ እዩ። ሰሎሞን: “ሰብ እንተ በልዔን እንተ ሰተየን: ብዅሉ ጻዕሩ ጽቡቕ እንተ ረአየን: እዚውን ውህበት ኣምላኽ እዩ” ኢሉ ጸሓፈ።—መክብብ 3:13

ነዚ ውህበት እዚ እንጥቀመሉ መገዲ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ተሓተትቲ ይገብረና እዩ። ዳርጋ 2,000 ዓመት ይገብር: የሱስ ብምሳሌ ገይሩ ኣገዳስነት እዚ ነጥቢ እዚ ንደቀ መዛሙርቱ ኼጕልሓሎም ከሎ: ከምዚ በለ:- “ሓደ ሃብታም ሰብኣይ ግርሁኡ ቐደወሉ። ብልቡ ኸኣ፤ እኽለይ ዝእክበላ ስፍራ የብለይን: እንታይ ደኣ ኽገብር እየ፧ ኢሉ ሐሰበ። ንሱ ድማ፤ ከምዚ እገብር፤ ንማዕከነይ ኣፍሪሰ: ኣግፊሔ እሰርሖ: ኣብኡ ኸኣ ኵሉ እኽለይን ሃብተይን እእክብ። ንነፍሰይውን፤ ኣቲ ነፍሰይ: ብዙሕ እተደለበ ሃብቲ ንብዙሕ ዓመታት ዚአኽለኪ አሎኪ እሞ ዕረፊ: ብልዒ: ስተዪ: ተሐጐሲ: እብላ: በለ።” (ሉቃስ 12:16-19) እዚ ሃብታም ሰብኣይ እዚ ዘውጸኦ ሸቶ ርትዓዊዶ ኣይመስልን፧ ኣብዚ ምሳሌ እዚ እተገልጸ ሰብኣይ ከምታ ኣቐዲማ እተጠቕሰት ዑፍ: ንመጻኢ ዜድልዮ ነገር ዜዳሉ ዘሎ እዩ ዚመስል።

ኣተሓሳስባ እዚ ሰብኣይ እዚ ግን ጌጋ እዩ ነይሩ። የሱስ ቀጺሉ ኸምዚ በለ:- “ኣምላኽ ግና፤ ኣታ ዓሻ: ንነፍስኻ ኻባኻ ኺወስድዋ: በዛ ለይቲ እዚኣ ይደልይዋ አለዉ። እዚ ዝደለብካዮ ደኣ ንመን ኪኸውን እዩ፧ በሎ።” (ሉቃስ 12:20) የሱስ ነቲ ሰሎሞን ብዛዕባ ስራሕን ጽቡቕ ነገራትን ካብ ኣምላኽ እተዋህበ ውህበት ምዃኑ ዚገለጾ ሓሳብ ይቃወም ድዩ ነይሩ፧ ኣይፋሉን። እንታይ ደኣ እዩ ዚብል ነይሩ፧ የሱስ: “እቲ ንርእሱ መዝገብ ዚእክብ: ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሃብታም ዘይኰነ ኸምኡ እዩ” በለ።—ሉቃስ 12:21

የሱስ ንሰማዕቱ: መደባት ከነውጽእ ከለና የሆዋ ኣብ ግምት ከነእትዎ ኸም ዚደሊ እዩ ዚምህር ነይሩ። እዚ ሃብታም ሰብኣይ እዚ: ብኣምልኾን ብጥበብን ብፍቕርን ኪዓብየሉ ዚኽእል መገዲ ብምድላይ: ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሃብታም ኪኸውን ይኽእል ነይሩ እዩ። እቲ ሰብኣይ እተዛረቦ ቓላት ነዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ነገራት ተገዳስነት ከም ዘይነበሮ የርኢ፣ ካብቲ እኽሉ እተወሰነ ድኻታት ኪቕርሙ ንኼትርፍ ከምኡውን ንየሆዋ መስዋእቲ ምስጋና ንኬቕርብ ባህጊ ኣይነበሮን። ከምዚ ዝኣመሰለ መንፈሳዊ ነገራትን ስስዐ ዘይብሉ ተግባራትን ኣብ ህይወት እቲ ሃብታም ሰብኣይ ቦታ ኣይነበሮን። መደባቱ: ናይ ርእሱ ባህግን ምሾትን ኣብ ምዕጋብ ጥራይ እተሓጽረ እዩ ነይሩ።

ሎሚ ዘለዉ ብዙሓት ሰባት: እቲ ኣብ ህይወቶም ቀዳምነት ዚህብዎ ነገራት ልክዕ ከምቲ የሱስ ዚገለጾ ሃብታም ሰብኣይ ምዃኑ ኣስተውዒልካዶ፧ ሃብታማት ንኹን ድኻታት: ፍቕረ-ንዋያዊ ኣረኣእያ ኺህልወና ኸምኡውን እቲ ኣብ መዓልታዊ ህይወትና ዜድልየናን እንብህጎን ነገራት ንመንፈሳዊ ባህግታትና ሸለል ከም እንብሎ ኺገብር ይኽእል እዩ። እሞኸ ኻብዚ መፈንጠራ እዚ ንኽትርሕቕ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧

“ንቡር” ህይወት ንምምራሕ መደብ ምግባር

ከምቲ የሱስ ኣብ ዝመሰሎ ምሳሌ እተገልጸ ሃብታም ሰብኣይ ዘይኰነስ: ቍጠባዊ ጸገማት ይህልወካ ይኸውን። እንተዀነ ግን: ብዓል ሓዳር እንተ ዄንካ ንስድራ ቤትካ ዜድሊ ነገራት ንኸተማልእ ከምኡውን ደቅኻ ጽቡቕ መሰረታዊ ትምህርቲ ንኺረኽቡ መደብ ከም እተውጽእ ዜጠራጥር ኣይኰነን። ንጽል እንተ ዄንካ ድማ: ንኻልኦት ጾር ምእንቲ ኸይትኸውን ስራሕ ከተናዲ ወይ ነቲ ስራሕካ ሒዝካዮ ኽትቅጽል ትምድብ ትኸውን። እዚ ኸኣ ጠቓሚ ሸቶታት እዩ።—2 ተሰሎንቄ 3:10-12፣ 1 ጢሞቴዎስ 5:8

ኰይኑ ግን: ከም ምስራሕን ምብላዕን ምስታይን ዝኣመሰለ ነገራት ማለት እቲ ኸም ንቡር ህይወት ጌርካ ዚርአ ናብራ ምንባር: ንሓደ ሰብ ምስ ፍቓድ ኣምላኽ ኬጋጭዎ ይኽእል እዩ። ብኸመይ፧ የሱስ ከምዚ በለ:- “ከምቲ ብዘመን ኖህ ዝዀነ: ምጽኣት ወዲ ሰብ ከኣ ከምኡ ኪኸውን እዩ። ከምቲ ብቕድሚ ማይ ኣይሂ ዝነበረ: ክሳዕ እታ ኖህ ናብ መርከብ ዝአተወላ መዓልቲ: ይበልዑን ይሰትዩን የእትዉን የተኣታትዉን ነበሩ እሞ: ማይ ኣይሂ መጺኡ: ንዅሉ ኽሳዕ ዜጥፍእ ኣይፈለጡን። ምጽኣት ወዲ ሰብ ድማ ከምኡ ኪኸውን እዩ።”—ማቴዎስ 24:37-39

ቅድሚ ማይ ኣይሂ ዝነበሩ መብዛሕትኦም ሰባት: ንቡር ህይወት ከም ዝዀነ ዝሓስብዎ ናብራ ይነብሩ ነበሩ። እቲ ጸገሞም ግን: ኣምላኽ ነታ እክይቲ ዓለም ብማይ ኣይሂ ኣቢሉ ንኼጥፍኣ ዕላማ ኸም ዝነበሮ “ኣይፈለጡን።” ኣነባብራ ኖህ ዘይንቡር ከም ዝዀነ ርግጸኛታት ነበሩ። ማይ ኣይሂ ምስ መጸ ግን: ኖህን ስድራ ቤቱን ናይ ብሓቂ ጥበባዊ ናብራ ይነብሩ ኸም ዝነበሩ ተረጋገጸ።

ኵሉ እተረኽበ መርትዖታት ከም ዜረጋግጾ: ኣብ ግዜ መወዳእታ ኢና እንነብር ዘለና። (ማቴዎስ 24:3-12፣ 2 ጢሞቴዎስ 3:1-5) ድሕሪ ሓጺር እዋን: መንግስቲ ኣምላኽ ነዚ ሕጂ ዘሎ ስርዓት ‘ክትጭፍልቖን ከተጥፍኦን እያ።’ (ዳንኤል 2:44) ኣብ ትሕቲ እታ መንግስቲ: ምድሪ ናብ ገነት ክትልወጥ እያ። ንሕማምን ሞትን ድማ ከተወግድ እያ። (ኢሳይያስ 33:24፣ ራእይ 21:3-5) ኵሎም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ፍጡራት ተሰማሚዖም ኪነብሩ ኸምኡውን ኣይኪጠምዩን እዮም።—መዝሙር 72:16፣ ኢሳይያስ 11:6-9

የሆዋ ኸምዚ ቕድሚ ምግባሩ ግን: ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ “ንምስክር ኵሎም ኣህዛብ ኣብ ብዘላ ዓለም ኪስበኽ” ዕላማ ኣለዎ። (ማቴዎስ 24:14) ሸውዓተ ሚልዮን ዝዀኑ መሰኻኽር የሆዋ: ምስ ዕላማ ኣምላኽ ብምስምማዕ ነቲ ብስራት ኣብ 236 ሃገራት ብልዕሊ ኣርባዕተ ሚእቲ ቛንቋታት ይሰብኩ ኣለዉ።

ዓለም ንኣነባብራ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከም ዘይልሙድ: ሕሉፍ ሓሊፋ እውን ከም ዕሽነት ገይራ ትርእዮ እያ። (2 ጴጥሮስ 3:3, 4) ኣብዚ ግዜ እዚ ዘለዉ መብዛሕትኦም ሰባት: ልክዕ ከምቶም ቅድሚ ማይ ኣይሂ ዚነብሩ ዝነበሩ: ኣብ መዓልታዊ ህይወቶም ብዚገብርዎ ምንቅስቓሳት ትሑዛት እዮም። እቲ ማሕበረሰብ ከም ንቡር ዚሓስቦ ኣነባብራ ዘይነብር ዝዀነ ይኹን ሰብ: ሚዛናዊ ኸም ዘይኰነ ገይሮም እዮም ዚርእይዎ። ብኣረኣእያ እቶም ኣብ መብጽዓታት ኣምላኽ እምነት ዘለዎም ሰባት: ንኣምላኽ ኣብ ምግልጋል ዘተኰረት ህይወት ብሓቂ ሚዛናዊት እያ።

ስለዚ እምበኣር: ሃብታም ኩን ድኻ ወይ ማእከላይ ናብራ ዘሎካ: ነቲ ኣብ ቀረባ ግዜ ኽትገብሮ ዘውጻእካዮ መደባት በብግዜኡ ኽትምርምሮ ጥበባዊ እዩ። ከምዚ ኽትገብር ከለኻ: ‘መደባተይ ምስ ዕላማ ኣምላኽ ይሰማማዕ ድዩ፧’ ኢልካ ንርእስኻ ሕተት።

[ኣብ ገጽ 11 ዘሎ ስእሊ]

ሰባት ዜውጽእዎ መደባት ምስ ዕላማ ኣምላኽ ኪጋጮ ኸሎ: ምኽሪ የሆዋ እዩ ጸኒዑ ዚነብር

[ኣብ ገጽ 12 ዘሎ ስእሊ]

ኣብቲ የሱስ ዝገለጾ ምሳልያዊ ዛንታ ዘሎ ሃብታም ሰብኣይ: መደባት ኬውጽእ ከሎ ንዕላማ ኣምላኽ ኣብ ግምት ኣየእተወን

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ