ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w08 1/7 ገጽ 30
  • ስም ኣምላኽ ምጥቃም ጌጋ ድዩ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ስም ኣምላኽ ምጥቃም ጌጋ ድዩ፧
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣጠቓቕማን ትርጉምን መለኮታዊ ስም
    መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧
  • ስም ኣምላኽ
    ንቕሑ!—2017
  • ሀ4 ኣሰዃዅዓ መለኮታዊ ስም ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ
    መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • ስም ኣምላኽ ክንፈልጠሉ ዝግብኣና ምኽንያት
    መለኮታዊ ስም
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
w08 1/7 ገጽ 30

ስም ኣምላኽ ምጥቃም ጌጋ ድዩ፧

ኣብቲ መብዛሕትኡ ግዜ “ብሉይ ኪዳን” ተባሂሉ ዚጽዋዕ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ: ስም ኣምላኽ በተን יהוה ዚብላ (ካብ የማን ናብ ጸጋም ዚንበባ) ፊደላት ዳርጋ 7,000 ሳዕ ተጠቒሱ ይርከብ። ብኻልእ ኣበሃህላ: ስም ኣምላኽ በተን ዮድ: ሄ: ዋው: ሄ ዚብላ መብዛሕትኡ ግዜ የሀወሀ ንዚብላ ፊደላት ዜመልክታ ኣርባዕተ ናይ እብራይስጢ ፊደላት እዩ ዚውከል።

ብግዜ ጥንቲ ኣይሁድ: ስም ኣምላኽ ምጥቃም ጌጋ ኸም ዝዀነ ገይሮም ማሪታዊ እምነት ኣሕደሩ። በዚ ምኽንያት እዚ: ኣየድምጽዎን ነበሩ: ኣብ ጽሑፋቶም እውን መተካእታኡ ኺጥቀሙ ጀመሩ። ይኹን እምበር: ሓያሎ ተርጐምቲ መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ ስም እቲ “ያህወህ” ወይ “የሆዋ” ኢሎም ተርጒሞምዎ ኣለዉ። ሓደ ኻብቲ ኸምዚ ዝገበረ ትርጕማት ከኣ ካቶሊካውያን ዘዳለውዎ ጀሩሳሌም ባይብል እዩ። ብመሰረት እዚ ትርጕም እዚ: ሙሴ ንኣምላኽ: እስራኤላውያን ካብ መን ከም እተላእከ እንተ ሓቲቶምዎ: እንታይ ኢሉ ኺምልሰሎም ከም ዚግባእ ምስ ሓተቶ: ኣምላኽ ከምዚ ኢሉ መለሰሉ:- “ንደቂ እስራኤል ከምዚ በሎም:- ‘ያህወህ: ኣምላኽ ኣቦታትኩም: ኣምላኽ ኣብርሃም: ኣምላኽ ይስሃቅ: ኣምላኽ ያእቆብ ከኣ ናባኻትኩም ለኣኸኒ።’ እዚ ንዅሉ ግዜ ስመይ እዩ፣ ንውሉድ ወለዶ በዚ ስም እዚ ኽጽዋዕ እየ።”—ዘጸኣት 3:15

የሱስ ኪጽሊ ኸሎ: ብዛዕባ ስም ኣምላኽ ምጥቃም: “ስምካ ኣፍሊጠዮም አሎኹ ኸፍልጦምውን እየ” በለ። ኣብታ ብልማድ ኣቡነ-ዘበሰማያት ተባሂላ እትፍለጥ ጸሎት እውን: “ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና: ስምካ ይቀደስ” ኢሉ እዩ።—ዮሃንስ 17:26፣ ማቴዎስ 6:9

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክት መበል 16: ኣብታ ኣብ ቀረባ ግዜ ዝወጸት ጂሰስ ኦቭ ናዝሬት (የሱስ ብዓል ናዝሬት) ዘርእስታ መጽሓፎም ብዛዕባ ስም ኣምላኽ ምጥቃም ከምዚ ዚስዕብ ምባሎም ዜሰምብድ እዩ:- “እስራኤላውያን . . . ነቲ ኣምላኽ ንርእሱ ዝሃቦ የሀወሀ ብእትብል ቃል ዚግለጽ ስም: ናብ ስማት ኣማልኽቲ ኣረማውያን ትሕት ከየብልዎ ኢሎም: ኬድህይዎ ዘይምድላዮም ሓቆም እዮም። በዚ መሰረት እዚ: ኣብ ቀረባ ግዜ እተዳለወ ትርጕማት መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ እስራኤላውያን ወትሩ ኸም ምስጢራውን ዘይድሀን ገይሮም ዚርእይዎ ዝነበሩ ስም: ከም ሓደ ተራ ጥንታዊ ስም ጥራይ ከም ዝዀነ ገይሮም ምጽሓፎም ተጋግዮም እዮም።”

እንታይ ይመስለካ፧ ስም ኣምላኽ ምጥቃም ቅኑዕ ድዩ ጌጋ፧ የሆዋ ባዕሉ: “እዚ ንዅሉ ግዜ ስመይ እዩ፣ ንውሉድ ወለዶ በዚ ስም እዚ ኽጽዋዕ እየ” እንተ ኢሉ: ኪቃወሞ መሰል ዘለዎ ኣሎዶ፧

[ኣብ ገጽ 30 ዘሎ ስእሊ]

የሱስ ኣብ ጸሎቱ ስም ኣምላኽ ተጠቕመ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ