ስም ኣምላኽ ምጥቃም ጌጋ ድዩ፧
ኣብቲ መብዛሕትኡ ግዜ “ብሉይ ኪዳን” ተባሂሉ ዚጽዋዕ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ: ስም ኣምላኽ በተን יהוה ዚብላ (ካብ የማን ናብ ጸጋም ዚንበባ) ፊደላት ዳርጋ 7,000 ሳዕ ተጠቒሱ ይርከብ። ብኻልእ ኣበሃህላ: ስም ኣምላኽ በተን ዮድ: ሄ: ዋው: ሄ ዚብላ መብዛሕትኡ ግዜ የሀወሀ ንዚብላ ፊደላት ዜመልክታ ኣርባዕተ ናይ እብራይስጢ ፊደላት እዩ ዚውከል።
ብግዜ ጥንቲ ኣይሁድ: ስም ኣምላኽ ምጥቃም ጌጋ ኸም ዝዀነ ገይሮም ማሪታዊ እምነት ኣሕደሩ። በዚ ምኽንያት እዚ: ኣየድምጽዎን ነበሩ: ኣብ ጽሑፋቶም እውን መተካእታኡ ኺጥቀሙ ጀመሩ። ይኹን እምበር: ሓያሎ ተርጐምቲ መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ ስም እቲ “ያህወህ” ወይ “የሆዋ” ኢሎም ተርጒሞምዎ ኣለዉ። ሓደ ኻብቲ ኸምዚ ዝገበረ ትርጕማት ከኣ ካቶሊካውያን ዘዳለውዎ ጀሩሳሌም ባይብል እዩ። ብመሰረት እዚ ትርጕም እዚ: ሙሴ ንኣምላኽ: እስራኤላውያን ካብ መን ከም እተላእከ እንተ ሓቲቶምዎ: እንታይ ኢሉ ኺምልሰሎም ከም ዚግባእ ምስ ሓተቶ: ኣምላኽ ከምዚ ኢሉ መለሰሉ:- “ንደቂ እስራኤል ከምዚ በሎም:- ‘ያህወህ: ኣምላኽ ኣቦታትኩም: ኣምላኽ ኣብርሃም: ኣምላኽ ይስሃቅ: ኣምላኽ ያእቆብ ከኣ ናባኻትኩም ለኣኸኒ።’ እዚ ንዅሉ ግዜ ስመይ እዩ፣ ንውሉድ ወለዶ በዚ ስም እዚ ኽጽዋዕ እየ።”—ዘጸኣት 3:15
የሱስ ኪጽሊ ኸሎ: ብዛዕባ ስም ኣምላኽ ምጥቃም: “ስምካ ኣፍሊጠዮም አሎኹ ኸፍልጦምውን እየ” በለ። ኣብታ ብልማድ ኣቡነ-ዘበሰማያት ተባሂላ እትፍለጥ ጸሎት እውን: “ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና: ስምካ ይቀደስ” ኢሉ እዩ።—ዮሃንስ 17:26፣ ማቴዎስ 6:9
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክት መበል 16: ኣብታ ኣብ ቀረባ ግዜ ዝወጸት ጂሰስ ኦቭ ናዝሬት (የሱስ ብዓል ናዝሬት) ዘርእስታ መጽሓፎም ብዛዕባ ስም ኣምላኽ ምጥቃም ከምዚ ዚስዕብ ምባሎም ዜሰምብድ እዩ:- “እስራኤላውያን . . . ነቲ ኣምላኽ ንርእሱ ዝሃቦ የሀወሀ ብእትብል ቃል ዚግለጽ ስም: ናብ ስማት ኣማልኽቲ ኣረማውያን ትሕት ከየብልዎ ኢሎም: ኬድህይዎ ዘይምድላዮም ሓቆም እዮም። በዚ መሰረት እዚ: ኣብ ቀረባ ግዜ እተዳለወ ትርጕማት መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ እስራኤላውያን ወትሩ ኸም ምስጢራውን ዘይድሀን ገይሮም ዚርእይዎ ዝነበሩ ስም: ከም ሓደ ተራ ጥንታዊ ስም ጥራይ ከም ዝዀነ ገይሮም ምጽሓፎም ተጋግዮም እዮም።”
እንታይ ይመስለካ፧ ስም ኣምላኽ ምጥቃም ቅኑዕ ድዩ ጌጋ፧ የሆዋ ባዕሉ: “እዚ ንዅሉ ግዜ ስመይ እዩ፣ ንውሉድ ወለዶ በዚ ስም እዚ ኽጽዋዕ እየ” እንተ ኢሉ: ኪቃወሞ መሰል ዘለዎ ኣሎዶ፧
[ኣብ ገጽ 30 ዘሎ ስእሊ]
የሱስ ኣብ ጸሎቱ ስም ኣምላኽ ተጠቕመ