ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w08 1/7 ገጽ 31
  • ኵራ ሓው

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ኵራ ሓው
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ነቲ ፍጻመ መርምሮ።—ዘፍጥረት 4:1-12 ኣንብብ።
  • ነቲ እተመሃርካዮ ኣብ ግብሪ ኣውዕሎ። ብዛዕባ እዚ ዚስዕብ እንታይ ከም እተመሃርካ ጽሓፍ:-
  • ጥፍኣት ሶዶምን ጎሞራን
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
  • የሱስ ብተኣምር ኣሕወየ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
  • የሱስ ንሰማዕቱ ኣገረመ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
  • የሱስ ንዘጋጠሞ ፈተና ተቓወመ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
w08 1/7 ገጽ 31

ንመንእሰያትና

ኵራ ሓው

መምርሒታት:- ነዚ መላመዲ ኣብ ጸጥ ዝበለ ቦታ ዄንካ ዕየዮ። ነቲ ጥቕስታት ከተንብቦ ኸለኻ: ንርእስኻ ኣብቲ ፍጻመ እትውቲ ኸም ዝዀነት ጌርካ ሕሰብ። ነቲ ፍጻመ ብኣእምሮኻ ስኣሎ። ነቲ ድምጽታት ስምዓዮ። ስምዒታት እቶም ቀንዲ ገጸ-ባህርያት ይሰማዕካ። ነቲ ዛንታ ድማ ህያው ጌርካ ርኣዮ።

ነቲ ፍጻመ መርምሮ።—ዘፍጥረት 4:1-12 ኣንብብ።

ቃየል እንታይ ይመስል ከም ዝነበረን ኣብ ገጹ ዚንበብ ዝነበረ ነገራትን ባህርያቱን ብኸመይ ምገለጽካዮ፧ ኣቤልከ፧

․․․․․

ኣብ ቃየል እንታይ “ግብሪ ስጋ” እዩ ብግሁድ እተራእየ፧ እዚ እተጋህደኸ ብኸመይ እዩ፧ (ገላትያ 5:19-21)

․․․․․

ዝያዳ ምርምር ግበር።—ቍጽሪ 4-7 እንደገና ኣንብብ።

የሆዋ ነቲ መስዋእቲ ጥራይ ድዩ ዚቕበሎ ወይ ዚነጽጎ ነይሩ: ወይስ ካልእ ነገር እውን ኣብ ግምት የእቱ ነይሩ እዩ፧ (ምሳሌ 21:2)

․․․․․

ኵራ ኣብ ምንታይ ኵነታት እዩ ምኽኑይ ኪኸውን ዚኽእል፧ ቃየል ‘ኣዝዩ ምዅራዩ’ ምሉእ ብምሉእ ጌጋ ዝነበረ ግን ስለምንታይ እዩ፧

․․․․․

ቅንኣት ግቡእ ኪኸውን ዚኽእል መዓስ እዩ፧ ቃየል ዝቐንኦ ቕንኢ ግቡእ ዘይኰነ ግን ስለምንታይ እዩ፧ (1 ነገስት 19:10)

․․․․․

ቃየል ንዅራኡ ‘ንኺገዝኦ’ እንታይ ስጕምትታት ኪወስድ ይኽእል ነይሩ፧

․․․․․

ነቲ እተመሃርካዮ ኣብ ግብሪ ኣውዕሎ። ብዛዕባ እዚ ዚስዕብ እንታይ ከም እተመሃርካ ጽሓፍ:-

ኵራ።

․․․․․

ቅንኢ።

․․․․․

ንግጉይ ዝንባለ ብኸመይ ከም ‘እትገዝኦ።’

․․․․․

ካብዚ ጸብጻብ እዚ ዝያዳ ዝተንከፈካ እንታይ እዩ፧ ስለምንታይከ፧

․․․․․

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ