ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w08 1/8 ገጽ 16-17
  • ንኻልኦት ብዛዕባ እንሕዘሉ መገዲ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንኻልኦት ብዛዕባ እንሕዘሉ መገዲ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ሕያዋይ ምዃን ዜድሊ ስለምንታይ እዩ፧
  • ይቕረ በሃሊ ምዃን ዜድሊ ስለምንታይ እዩ፧
  • ስድራ ቤታት ሓጐስ ኪረኽባ ዚኽእላ ብኸመይ እየን፧
  • ነዚ መሰረታዊ ስርዓታት ኣብ ግብሪ እነውዕሎ ስለምንታይ ኢና፧
  • ንናብራ ስድራ ቤትካ ዜሐጕስ ክትገብሮ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧
    መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧
  • ‘ንሓድሕድኩም ብኸምኡ ይቕረ ተበሃሃሉ’
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
  • ከምቲ ናይ የሆዋ ጌርካዶ በደል ትሓድግ ኢኻ?
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1994
  • ብዛዕባ ናብራ ስድራ ቤት
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
w08 1/8 ገጽ 16-17

ካብ የሱስ እንመሃሮ ትምህርቲ

ንኻልኦት ብዛዕባ እንሕዘሉ መገዲ

ሕያዋይ ምዃን ዜድሊ ስለምንታይ እዩ፧

ካልኦት ሰባት ሕያውነት ዘየርእዩኻ ኽነሶም ሕያውነት ተርኢ ዲኻ፧ ንየሱስ ክንመስሎ እንተ ደሊና: ነቶም ዚጸልኡና እውን ከይተረፈ ሕያዎት ክንከውን ኣሎና። የሱስ ከምዚ በለ:- “ሓጥኣን ድማ ንዚፈትውዎምሲ ይፈትዉ እዮም እሞ: ንዚፈትዉኹም ጥራይ እንተ ፈቶኹም: እንታይ ምስጋና አሎኩም፧ . . . ግናኸ ንጸላእትኹም ኣፍቅሩ . . . እግዚኣብሄር ንዘየመስግኑን ንሕሱማትን ርሕሩሕ እዩ እሞ . . . ውሉድ እቲ ልዑልውን ክትኰኑ ኢኹም።”—ሉቃስ 6:32-36፣ 10:25-37

ይቕረ በሃሊ ምዃን ዜድሊ ስለምንታይ እዩ፧

ክንጋገ ኸለና ኣምላኽ ይቕረ ኺብለልና ንደሊ ኢና። ኣምላኽ ይቕረ ንኺብለልና ኽንጽሊ ኸም ዚግባእ: የሱስ መሃረ። (ማቴዎስ 6:12) ይኹን እምበር: ኣምላኽ ይቕረ ዚብለልና: በቲ ንኻልኦት ይቕረ እንብለሉ መጠን ከም ዝዀነ እውን ገሊጹ እዩ። “ንሰብ በደሎም እንተ ሐደግኩምሎም: ንኣኻትኩም ድማ ናይ ሰማይ ኣቦኹም ኪሐድገልኩም እዩ። ንሰብ በደሎም እንተ ዘይሐደግኩምሎም ግና: ንኣኻትኩም ድማ ኣቦኹም ኣይሐድገልኩምን እዩ” በለ።—ማቴዎስ 6:14, 15

ስድራ ቤታት ሓጐስ ኪረኽባ ዚኽእላ ብኸመይ እየን፧

የሱስ ብዓል ሓዳር እኳ እንተ ዘይነበረ: ናብራ ስድራ ቤት ብኸመይ ሕጉስ ኪኸውን ከም ዚኽእል ግን: ካብኡ ብዙሕ ክንመሃር ንኽእል ኢና። ብቓሉ ዀነ ብግብሩ ኽንስዕቦ ዘሎና ኣብነት ሓዲጉልና እዩ። ነዘን ስዒበን ዘለዋ ሰለስተ ነጥብታት እስከ ንርአ:-

1. ሰብኣይ ንሰበይቱ ኸም ስጋኡ ገይሩ ኼፍቅራ ኣለዎ። የሱስ ንሰብኡት ኣብነት ሓዲግሎም እዩ። ንደቀ መዛሙርቱ: “ንሓድሕድኩም ክትፋቐሩ: . . . ሓድሽ ትእዛዝ እህበኩም አሎኹ” በሎም። ክሳዕ ክንደይ እዮም ግን ኪፋቐሩ ዘለዎም፧ የሱስ ባዕሉ ኺምልስ ከሎ: “ከምቲ ኣነ ዘፍቀርኩኹም” በለ። (ዮሃንስ 13:34) መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ መሰረታዊ ስርዓት ኣብ ሰብኡት እውን ከም ዚውዕል ብምግላጽ ከምዚ ይብል:- “ከምቲ ክርስቶስ ንማሕበሩ ዘፍቀራ: ኣቱም ሰብኡት: ኣንስትኹም ኣፍቅሩ። . . . ርእሱ በጃኣ ሀበ። ሰብኡትውን ከምኡ: ነተን ኣንስቶም ከም ስጋኦም ገይሮም ኬፍቅርወን ይግብኦም እዩ። ሰብ ንስጋኡ ይምግቦን ይካናኸኖን እምበር: ሓደ እኳ ዚጸልኦ የልቦን። . . . ክርስቶስ ከምኡ ንማሕበሩ ይካናኸና አሎ።”—ኤፌሶን 5:25, 28, 29

2. ሰብ ሓዳር ንሓድሕዶም እሙናት ኪዀኑ ኣለዎም። ካብ ሓዳርካ ወጻኢ ዚፍጸም ጾታዊ ርክብ: ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሓጢኣት እዩ: ንስድራ ቤታት እውን ከም ዚበታተና ይገብር። የሱስ ከምዚ በለ:- “ምእንትዚ ሰብኣይ ነቦኡን ነዲኡን ይሐድግ: ምስ ሰበይቱ ኸኣ ይጣበቕ: ክልቲኦም ሓደ ስጋ ይዀኑ: ከም ዝበለዶ ኣየንበብኩምን፧ ደጊም ሓደ ስጋ እዮም እምበር: ክልተ ኣይኰኑን። ነቲ ኣምላኽ ዘጋጠሞስ: ሰብ ኣይፍለዮ። . . . ኣነ ግና: እቲ ንሰበይቱ ብዘይ ምኽንያት ዝሙት ዚፈትሓ ኻልእውን ዜእቱ ይዝሙ: እቲ ፍትሕቲ ዜእቱውን ይዝሙ: እብለኩም አሎኹ።”—ማቴዎስ 19:4-9

3. ውሉዳት ንወለዶም ኪእዘዙ ኣለዎም። የሱስ ፍጹም ክነሱ: ቈልዓ ኸሎ ነቶም ዘይፍጹማት ወለዱ ይእዘዞም ነበረ። መጽሓፍ ቅዱስ: የሱስ ወዲ 12 ዓመት ከሎ: “ምሳታቶም [ምስ ወለዱ] ወሪዱ ናብ ናዝሬት መጸ: ይእዘዞምውን ነበረ” ይብል።—ሉቃስ 2:51፣ ኤፌሶን 6:1-3

ነዚ መሰረታዊ ስርዓታት ኣብ ግብሪ እነውዕሎ ስለምንታይ ኢና፧

የሱስ ብዛዕባ እቲ ንደቀ መዛሙርቱ ዝመሃሮም ትምህርቲ ኣመልኪቱ: “ነዚ እትፈልጥዎ እንተ ዄንኩም: እንተ ገበርኩምዎስ ብጹኣን ኢኹም” በሎም። (ዮሃንስ 13:17) ናይ ሓቂ ክርስትያናት ንኽንከውን: ነቲ የሱስ ንኻልኦት ብዛዕባ እንሕዘሉ መገዲ ዝሃበና ምኽሪ ኣብ ግብሪ ኸነውዕሎ ኣሎና። “ነንሓድሕድኩም ፍቕሪ እንተላትኩም: በዚ ደቀ መዛሙርተይ ምዃንኩም ኵሉ ኺፈልጥ እዩ” በለ።—ዮሃንስ 13:35

ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ: ኣብታ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ዘርእስታ መጽሓፍ: ኣብ ምዕራፍ 14 ርአ።a

[እግረ-ጽሑፍ]

a ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት።

[ኣብ ገጽ 16, 17 ዘሎ ስእሊ]

የሱስ ብዛዕባ እቲ ሓሻሽ ወዲ ዝሃቦ ምስላ: ሕያውነትን ይቕረ ምባልን ዘለዎ ኣገዳስነት ይምህረና።—ሉቃስ 15:11-32

[ኣብ ገጽ 17 ዘሎ ስእሊ]

ሰብ ሓዳር ንሓድሕዶም እሙናት ኪዀኑ ኣለዎም

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ