ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w08 1/8 ገጽ 24-25
  • ሳሙኤል ናብ ቅኑዕ ዘበለ ለገበ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሳሙኤል ናብ ቅኑዕ ዘበለ ለገበ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ሳሙኤል ቅኑዕ ዘበለ ይገብር ነበረ
    ንደቅኻ ምሃሮም
  • ሓደ ንእሽቶ ወዲ ንኣምላኽ የገልግል
    መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
  • “ኣብ ቅድሚ የሆዋ ይዓቢ ነበረ”
    ኣስኣሰር እምነቶም ስዓብ
  • “ኣብ ቅድሚ የሆዋ ዓበየ”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2010
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
w08 1/8 ገጽ 24-25

ንደቅኻ ምሃሮም

ሳሙኤል ናብ ቅኑዕ ዘበለ ለገበ

ካልኦት ሰባት እከይ ኪገብሩ ርኢኻዶ ትፈልጥ፧—a ሳሙኤል ርእዩ እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ነገራት ኪግበር እዩ ኢልካ ኣብ ዘይትጽበየሉ ቦታ ይነብር ነበረ። እዚ ኸኣ ኣብ ከተማ ሺሎ ዝነበረ ማሕደር ኣምላኽ ወይ ቦታ ኣምልኾ እዩ ነይሩ። እቲ ልዕሊ 3,000 ዓመት ይገብር ዝነበረ ማሕደር: ከመይ ኢሉ መንበሪ ሳሙኤል ከም ዝዀነ እስከ ንርአ።

ሳሙኤል ገና ኸይተወልደ ኸሎ: ኣዲኡ ሃና ውሉድ ኪህልዋ ሃረር ትብል ነበረት። ናብ ማሕደር ምስ ከደት: ብዛዕባ እዚ ናብ ኣምላኽ ጸለየት። ልባዊ ጸሎት ከተቕርብ ከላ ኣዝያ ተመሲጣ ስለ ዝነበረት: ከናፍራ ይወሳወስ ነበረ። ከምዚ ምግባራ: ሊቀ ኻህናት ኤሊ ስኽርቲ ግዲ እያ ኢሉ ኸም ዚሓስብ ገበሮ። ተጨኒቓ እምበር ሰኺራ ኸም ዘይነበረት ምስ ፈለጠ ግን: “ኣምላኽ እስራኤል ዝለመንክዮ ልማኖኺ ይሀብኪ” ኢሉ ባረኻ።—1 ሳሙኤል 1:17

ጸኒሑ: ሳሙኤል ተወልደ፣ ኣዲኡ ሃና ብታሕጓስ ንኤልቃና ሰብኣያ: ‘ሳሙኤል ጡብ ምስ ሓደገ: ንኣምላኽ ኬገልግል ናብ ማሕደር ከብጽሖ እየ’ በለቶ። ከምኡ ድማ ገበረት! ኣብቲ እዋን እቲ: ሳሙኤል ወዲ ኣርባዕተ ወይ ሓሙሽተ ዓመት ነይሩ ይኸውን።

ኤሊ ኣሪጉ ነበረ: ደቁ ሆፍንን ፊንሃስን ድማ ንየሆዋ በቲ ቕኑዕ መገዲ ኣየምልኽዎን ነበሩ። ሕሉፍ ሓሊፎም እውን ምስተን ናብ ማሕደር ዚመጻ ኣንስቲ ርኹስ ጾታዊ ርክብ ይፍጽሙ ነበሩ! ኣቦኦም እንታይ ኪገብር ነይርዎ ኢልካ ትሓስብ፧— እወ: ኪግስጾምን ከምዚ ዝኣመሰለ እኩይ ተግባራት ንኸይገብሩ ኪኽልክሎምን ነበሮ።

እቲ ኣብኡ ዝዓበየ ሳሙኤል: ሕማቕ ጠባይ ናይ ደቂ ኤሊ ይፈልጥ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። እሞኸ ነቲ እኩይ ኣብነቶም ስዒቡዶ፧— ፈጺሙ ኣይሰዓበን። የግዳስ: ልክዕ ከምቲ ወለዱ ዝመሃርዎ: ቅኑዕ ዘበለ ምግባር ቀጸለ። የሆዋ ግን ንኤሊ ተቘጥዖ። ነብዪ ብምልኣኽ ንስድራ ቤቱ ብምፍላይ ከኣ ነቶም እኩያት ደቁ ኸም ዚቐጽዖም ነገሮ።—1 ሳሙኤል 2:22-36

ሳሙኤል ምስ ኤሊ ኣብ ማሕደር ምግልጋሉ ቐጸለ። ድሕርዚ: ሓደ ለይቲ ደቂሱ ኸሎ: ስሙ ኺጽዋዕ ሰምዐ። ናብ ኤሊ ጐይዩ እኳ እንተ ኸደ: ንሱ ግን ከም ዘይጸወዖ ነገሮ። ካልኣይ ሳዕ ድማ ከምኡ ኣጋጠሞ። ንሳልሳይ ግዜ ኸምኡ ምስ ኣጋጠሞ ግን: ኤሊ ንሳሙኤል: “ባርያኻ ይሰምዕ አሎ እሞ: ዎ እግዚኣብሄር: ተዛረብ: በል” በሎ። ሳሙኤል ከምኡ ምስ ገበረ ኸኣ የሆዋ ተዛረቦ። የሆዋ እንታይ ኢሉ ኸም እተዛረቦ ትፈልጥዶ፧—

ኣምላኽ ነቲ ንስድራ ቤት ኤሊ ኪቐጽዖም ከም ዝመደበ ኣቐዲሙ ንኻልእ ነጊርዎ ዝነበረ ነገር: ንሳሙኤል ነገሮ። ንጽብሒቱ: ሳሙኤል እቲ የሆዋ ዝነገሮ ነገር ንኤሊ ኸይነግሮ ፈርሀ። ንሱ ግና ንሳሙኤል: “በጃኻ: ካባይ ኣይትሰውሮ” ኢሉ ለመኖ። ስለዚ: ልክዕ ከምቲ ነብዪ የሆዋ ንኤሊ ኣቐዲሙ ዝነገሮ: ሳሙኤል እውን ኵሉ እቲ የሆዋ እተዛረቦ ነገሮ። ኤሊ ኸኣ: “[የሆዋ] ጽቡቕ ኰይኑ እተራእዮ ይግበር” ኢሉ መለሰ። ኣብ መወዳእታ: ሆፍንን ፊንሃስን ተቐትሉ: ኤሊ እውን ሞተ።—1 ሳሙኤል 3:1-18

እዚ ኪኸውን ከሎ: “ሳሙኤል ከኣ ዐበየ: እግዚኣብሄር ድማ ምስኡ ነበረ።” ኣብቲ ግዜ እቲ: ሳሙኤል ኣብ ህይወት መንእሰያት ኣገዳሲ እዋን ኣብ ዝዀነ ዕድመ ዀተቴ ነይሩ ይኸውን። ካልኦት እኩይ ተግባራት እናገብሩ ኽነሶም: ሳሙኤል ጽቡቕ ንኺገብር ቀሊል ዝነበረዶ ይመስለካ፧— ቀሊል እኳ እንተ ዘይነበረ: ሳሙኤል ግን ምሉእ ዕድሜኡ ንየሆዋ ብተኣማንነት ኣገልገለ።—1 ሳሙኤል 3:19-21

ንስኻኸ ምስ ዓበኻ ኸም ሳሙኤል ክትከውንዶ ኢኻ፧ ናብ ቅኑዕ ዘበለ ኽትለግብ ዲኻ፧ ንትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስን ነቲ ወለድኻ ዝመሃሩኻን ሒዝካ ኽትቅጽል ዲኻ፧ ከምኡ እንተ ጌርካ: ንየሆዋን ንወለድኻን ከተሐጕሶም ኢኻ።

a ነዚ ጽሑፍ እዚ እተንብቦ ዘለኻ ምስ ቈልዑ እንተ ደኣ ዀይኑ: እዚ ፈላዪ ሕንጻጽ እዚ ሓንሳእ ብምዕራፍ: ነቶም ቈልዑ ኽትሓቶም ከም ዘሎካ ዜዘኻኽር እዩ።

ሕቶታት:-

  • ❍ ሳሙኤል ኣብ ማሕደር የሆዋ ኼገልግል ዝኸኣለ ብኸመይ እዩ፧

  • ❍ ንሳሙኤል ኣብኡ እንታይ ጸገማት ኣጋጠሞ፧

  • ❍ ቈልዑ ኻብቲ ሳሙኤል ዝገበሮ ነገር እንታይ ኣብነት እዮም ዚቐድሑ፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ