ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w08 1/8 ገጽ 26
  • ትፈልጥዶ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ትፈልጥዶ፧
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • እቲ ኣብ ቤት መቕደስ ዝግበር ኣገልግሎት ተወድአ
    ኣብ ምድሪ ይነብሩ ካብ ዝነበሩ እቲ ዝዓበየ ሰብኣይ
  • ነተን የሱስ ኣብ ምድሪ ዝነበረለን ናይ መወዳእታ መዓልትታት ምዝካር
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1998
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
w08 1/8 ገጽ 26

ትፈልጥዶ፧

የሱስ ዚዛረበሉ ዝነበረ ቛንቋ እንታይ እዩ፧

ምሁራት: እቲ የሱስ ዚዛረበሉ ዝነበረ ቛንቋ እንታይ ምንባሩ ኣይሰማምዑሉን እዮም። ይኹን እምበር: ሰብ ኰይኑ ኣብ ምድሪ ኸሎ: እብራይስጢ ወይ ላህጃ ኣራማይስጢ ዚጥቀም ዝነበረ እዩ ዚመስል። ናብ ናዝሬት ናይ ገሊላ ምስ ከደ: ናብ ቤት ጸሎት ኣትዩ ኻብቲ ብእብራይስጢ ተጻሒፉ ኪኸውን ዘለዎ ትንቢት ኢሳይያስ ኣንበበ። የሱስ ነዚ ጽሑፍ እዚ ናብ ኣራማይስጢ ብዛዕባ ምትርጓሙ ዚፍለጥ ነገር የልቦን።—ሉቃስ 4:16-21

ፕሮፌሰር ጂ. ኤርነስት ራይት ብዛዕባ እቲ የሱስ ክርስቶስ ኣብ ምድሪ ኸሎ ኣብ ምድሪ ፍልስጥኤም ዚዝረብ ዝነበረ ቛንቋታት ኣመልኪቱ ኸምዚ በለ:- “ቋንቋ ግሪኽን ኣራማይስጥን ልሙድ ቋንቋታት እዩ ነይሩ . . . ወተሃደራትን ሰበ-ስልጣንን ሮሜ ቛንቋ ላቲን ኪጥቀሙ ኸለዉ: ኦርቶዶክስ ኣይሁድ . . . እብራይስጢ ይዛረቡ ነበሩ።” ጲላጦስ ኣብቲ የሱስ እተሰቕለሉ ዕንጨይቲ ጽሒፍዎ ዝነበረ ምልክት: ብሰለስተ ቛንቋታት: ማለት ብእብራይስጥን ብላቲንን (ሮሜ) ብግሪኽን (ጽርኢ) እተጻሕፈ ምንባሩ እምበኣር ዜገርም ኣይኰነን።—ዮሃንስ 19:20

ኣለን ሚለርድ ኣብታ ዲስከቨሪስ ፍሮም ዘ ታይም ኦቭ ጂሰስ እትበሃል መጽሓፉ: “ሮማውያን ኣመሓደርቲ: ኣብ መዓልታዊ ምንቅስቓሶም ቋንቋ ግሪኽ ይዛረቡ ስለ ዝነበሩ: የሱስ ናብ መጋባእያ ምስ ቀረበ: ንሕቶታት ጲላጦስ ብግሪኽ እዩ መሊሱሉ ዚኸውን” በለ። ኣብ መንጎኦም ኣብ እተገብረ ዝርርብ ተርጓሚ እንተ ነይሩ: መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዘይገልጽ ከነስተብህለሉ ዚግባእ ነጥቢ እዩ።—ዮሃንስ 18:28-40

ፕሮፌሰር ራይት ከም ዝበሎ: “[የሱስ] ቋንቋታት ግሪኽ ወይ ላቲን ይዛረብ ምንባሩ እንፈልጠሉ መገዲ እኳ እንተ ዘየለ: ኣብ ኣገልግሎቱ ግን ኣራማይስጢ ወይ ነቲ ጽልዋ ኣራማይስጢ ዝነበሮ ብዙሕ ሰብ ዚዛረበሉ እብራይስጢ ኣዘውቲሩ ይጥቀም ነበረ።”—ቢብሊካል ኣርኪኦሎጂ: 1962: ገጽ 243

እቲ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረ ኣእማን ቤተ መቕደስ: ግዝፉ ኽሳዕ ክንደይ እዩ ነይሩ፧

ሓደ ኻብ ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ብዛዕባ እቲ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረ ቤተ መቕደስ ኪዛረቦ ኸሎ: “መምህር: ከመይ ዝበለ ኣእማንን ከመይ ዝበለ ህንጻንማ ርኤ” በሎ። (ማርቆስ 13:1) ገለ ኻብዚ ኣእማን እዚ ግዝፉ ኽሳዕ ክንደይ እዩ ነይሩ፧

የሱስ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን: ንጉስ ሄሮድስ ንስፍሓት እታ ቤተ መቕደስ ካብቲ ብግዜ ሰሎሞን ዝነበረ: ዕጽፊ ኸም ዚኸውን ገበሮ። እዚ 480 ብ280 ሜተር ዝዀነ ቤተ መቕደስ ምስ ኣጸዱ: ኣብ ጥንታዊት ዓለም ብሰብ ካብ እተሰርሐ እተደልደለ ኣጸዳት ብስፍሓቱ እቲ ዝዓበየ እዩ ነይሩ። ገለ ኻብቲ እተጸርበ ኣእማን እቲ ህንጻ: ንውሓቱ 11 ሜተር: ወርዱ 5 ሜተር: ርጕዱ ድማ 3 ሜተር እዩ ነይሩ። ገሊኡ ኣእማን ድማ ነፍሲ ወከፉ ልዕሊ 50 ቶን ይምዘን ነበረ። ሓደ እምኒ እሞ ኸኣ ዳርጋ 400 ቶን ይኸውን ነበረ። ብዛዕባ እዚ ኣእማን እዚ ሓደ ምሁር: “ኣብ ጥንታዊት ዓለም ብግዝፉ ዚወዳደሮ የለን” በለ።

የሱስ ነቲ ወደ መዝሙሩ ኺምልሰሉ ኸሎ: “ነዚ ዓብዪ ህንጻዶ ትርእዮ አሎኻ፧ ዘይፈርስ እምኒ ኣብ ልዕሊ እምኒ ኣይኪተርፍን እዩ” በሎ። (ማርቆስ 13:2) ዋላ እኳ እቲ ዓበይቲ ኣእማን ብ70 ድ.ክ. ብወተሃደራት ሮሜ እንተ ፈረሰ: ሕጂ እውን ብዙሕ ኣእማን ኣብቲ ዝነበሮ ወዲቑ ይርከብ።

[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ የሩሳሌም: ኣብ ወጻኢ እታ ቤተ መቕደስ ዝነበረትሉ ወዲቑ ዚርከብ ኣእማን ቤተ መቕደስ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ