ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w09 1/2 ገጽ 8
  • ኣምላኽ ይሓልየለይ ድዩ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ኣምላኽ ይሓልየለይ ድዩ፧
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • መከራ ዝበዝሐ ስለምንታይ እዩ፧
    መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይምህረና፧
  • ኣምላኽ ንምድሪ ዘለዎ ዕላማ እንታይ እዩ፧
    መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧
  • ጸላኢ ናይ ዘለኣለም ህይወት
    ኣብ ገነት ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ምንባር ትኽእል ኢኻ
  • እከይን መከራን ዘሎ ስለምንታይ እዩ፧
    ንዘለኣለም ብህይወት ንበር!—ኣሳታፊ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
w09 1/2 ገጽ 8

ኣምላኽ ይሓልየለይ ድዩ፧

ልሙድ መልስታት፦

▪ “ኣምላኽ ኣዝዩ ልዑል ስለ ዝዀነ፡ ብዛዕባ ጸገማተይ ኣይግደስን እዩ።”

▪ “ብዛዕባይ ዚግደስ ኣይመስለንን።”

የሱስ እንታይ በለ፧

▪ “ሓሙሽተ ዑፍዶ ንኽልተ ኣሳርዮን ይሽየጣ ኣይኰናን፧ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ካባታተን ሓንቲ እኳ ኣይትርሳዕን እያ። ንስኻትኩምሲ ዅለን ጸጕሪ ርእስኹም እኳ ቝጹራት እየን። እምብኣርከ ኻብ ብዙሓት ኣዕዋፍ ትበልጹ ኢኹም እሞ ኣይትፍርሁ።” (ሉቃስ 12:6, 7) የሱስ፡ ኣምላኽ ብዛዕባና ኸም ዝሓሊ ምሂሩ እዩ።

▪ “እንታይ ንበልዕ፡ እንታይ ንሰቲ፡ እንታይ ንኽደን፧ ኢልኩም ኣይትጨነቑ። ነዚ ዅሉስ ኣህዛብ ይደልይዎ እዮም እሞ፡ ንኣኻትኩም እዚ ዅሉ ኸም ዜድልየኩም፡ ናይ ሰማይ ኣቦኹም ይፈልጥ እዩ።” (ማቴዎስ 6:31, 32) የሱስ፡ ኣምላኽ ብብሕቲ ዜድልየና ነገራት ከም ዚፈልጥ ይኣምን ነይሩ እዩ።

ኣምላኽ ብዛዕባና ኸም ዝሓሊ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብንጹር ይገልጽ እዩ። (መዝሙር 55:22፣ 1 ጴጥሮስ 5:7) ብዛዕባና ዚሓሊ እንተ ዀይኑ፡ ስለምንታይ እዩ ብዙሕ መከራ ዜጋጥመና፧ ፈቃርን ሓያልን እንተ ዀይኑ፡ መከራ ንምውጋድ ስለምንታይ ስጕምቲ ዘይወስድ፧

ብዙሓት ሰባት ነቲ ምስ መልሲ እዛ ሕቶ እዚኣ እተኣሳሰረ ጕዳይ ኣይፈልጥዎን እዮም። ሰይጣን ድያብሎስ፡ ገዛኢ እዛ እክይቲ ዓለም እዩ። ንየሱስ ኪፍትኖ ኸሎ፡ “እዚ ስልጣን እዝን ብዘሎ ኽብረተንን ንኣይ ተውሂቡኒ እዩ እሞ፡ ኣነ ንዝደሌኹ እህቦ፡ ንኣኻውን ክህበካ እየ” ብምባል መንግስትታት ኵላ ዓለም ኣቕረበሉ።—ሉቃስ 4:5-7።

ንሰይጣን ገዛኢ ዅላ ዓለም ዝገበሮ መን እዩ፧ እቶም ቀዳሞት ወለድና ኣዳምን ሄዋንን ንኣምላኽ ዝባኖም ሂቦም ንሰይጣን ምስ ተኣዘዙ፡ ንሱ ገዛኢኦም ኪኸውን መረጹ። ካብቲ ዝዓለዉሉ እዋን ኣትሒዙ፡ ኣገዛዝኣ ሰይጣን ምሉእ ብምሉእ ከም ዝፈሸለ ምእንቲ ኺርአ፡ የሆዋ ኣምላኽ ብትዕግስቲ ግዜ ፈቒዱ እዩ። የሆዋ፡ ሰባት ንኼገልግልዎ ኣየገድዶምን እዩ፣ የግዳስ፡ ናብኡ ንኽንምለስ መገዲ ኸፊቱልና ኣሎ።—ሮሜ 5:10።

ኣምላኽ ስለ ዚሓልየልና፡ ብየሱስ ገይሩ ኻብ ግዝኣት ሰይጣን ሓራ ንኼውጽኣና መሰናድዎ ገይሩ ኣሎ። ድሕሪ ሓጺር እዋን፡ የሱስ ‘ነቲ ሓይሊ ሞት ኣብ ኢዱ ዝሓዘ ድያብሎስ ኪስዕሮ እዩ።’ (እብራውያን 2:14) በዚ ኸምዚ፡ ‘ንግብሪ ድያብሎስ ኬፍርሶ እዩ።’—1 ዮሃንስ 3:8።

ምድሪ ናብ ገነት ክትልወጥ እያ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ኣምላኽ “ንብዘሎ ንብዓት ካብ ኣዒንቶም [ኣዒንቲ ሰባት] ኪደርዝ እዩ። እቲ ቐዳማይ ሐሊፉ እዩ እሞ፡ ድሕሪ ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን፡ ድሕሪ ደጊምውን ሓዘን፡ ወይ ጫውጫው፡ ወይ ጻዕሪ ኣይኪኸውንን እዩ።”—ራእይ 21:4, 5።a

[እግረ-ጽሑፍ]

a ኣምላኽ ስለምንታይ መከራ ኸም ዘፍቀደ ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ኣብታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ኣብ ምዕራፍ 11 ርአ።

[ኣብ ገጽ 8 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

ምድሪ ናብ ገነት ክትልወጥ እያ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ