ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w09 1/2 ገጽ 16-17
  • ኣምላኽ ብዛዕባ ዚሰምዖ ጸሎት

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ኣምላኽ ብዛዕባ ዚሰምዖ ጸሎት
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኵሉ ጸሎት ንኣምላኽ ዜሐጕስ ድዩ፧
  • ብዛዕባ እንታይ ኢና ኽንጽሊ ዘሎና፧
  • ንኻልኦት ክንጽልየሎም ይግባእ ድዩ፧
  • ኣዘውቲርና ኽንጽሊ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧
  • ፍሉይ መሰል ጸሎት
    መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይምህረና፧
  • ብጸሎት ናብ ኣምላኽ ኣጸቢቕካ ምቕራብ
    ኣምላኽ ካባና ዝደልዮ ብቕዓት እንታይ ኢዩ፧
  • ብጸሎት ኣቢልካ ንኣምላኽ ቅረቦ
    ንዘለኣለም ብህይወት ንበር!—ኣሳታፊ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ
  • ብጸሎት ኣቢልካ ንኣምላኽ ቅረቦ
    መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
w09 1/2 ገጽ 16-17

ካብ የሱስ እንመሃሮ ትምህርቲ

ኣምላኽ ብዛዕባ ዚሰምዖ ጸሎት

የሱስ መብዛሕትኡ ግዜ ዚጽልየሉ ብሑት ቦታ ይደሊ ነበረ፣ ንሰዓብቱ እውን ከምኡ ኺገብሩ ተማሕጸኖም። መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል፦ “ኣብ ሓንቲ ስፍራ ኺጽሊ ጸኒሑ፡ ምስ ወድኤ፡ ሓደ ኻብ ደቀ መዛሙርቱ፤ ጐይታይ፡ . . . ምጽላይ ምሀረና፡ በሎ። ንሱ ኸኣ በሎም፤ ክትጽልዩ ኸሎኹም፤ ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና፡ ስምካ ይቀደስ . . . በሉ።” (ሉቃ. 5:16፣ 11:1, 2) በዚ ኸምዚ የሱስ፡ ጸሎት ናብ ኣቦኡ የሆዋ ጥራይ ኪቐርብ ከም ዘለዎ ሓበረ። ፈጣሪናን ‘ሰማዕ ጸሎትን’ የሆዋ በይኑ እዩ።—መዝሙር 65:2።

ኵሉ ጸሎት ንኣምላኽ ዜሐጕስ ድዩ፧

እተሸምደደ ጸሎት ምድግጋም፡ ንኣምላኽ ኣየሐጕሶን እዩ። የሱስ፡ “ክትጽልዩ ኸሎኹም . . . ዘረባ ኣይተብዝሑ” በለ። (ማቴዎስ 6:7) ንሰማያዊ ኣቦና ኻብ ልቢ ኽንዛረቦ ኣሎና። ሓደ እዋን፡ ኣምላኽ ንጸሎት ሓደ ኻብ ልቡ ኺልወጥ ዝደለየ ሓጢኣተኛ ሰብ፡ ካብቲ ተጠንቂቑ ሃይማኖታዊ ልምድታት ዚሕሉ ዝነበረ ዕቡይ ሰብ ብዝያዳ ኸም ዚቕበሎ፡ የሱስ ንሰዓብቱ ኣጕልሓሎም። (ሉቃስ 18:10-14) ስለዚ፡ ጸሎትና ንኺስማዕ ትሕት ኢልና ነቲ ኣምላኽ ዚነግረና ነገራት ክንገብር ክንጽዕር ኣሎና። የሱስ እውን እንተ ዀነ፡ “ከምቲ ኣቦይ ዝመሀረኒ ኸምኡ ኸም ዝነግር . . . ኵሉ ሳዕ ባህ ዜብሎ እገብር እየ” እዩ ዝበለ። (ዮሃንስ 8:28, 29) ኣብ ጸሎቱ፡ “ፍቓድካ እምበር፡ ፍቓደይሲ ኣይኹን” በለ።—ሉቃስ 22:42።

ብዛዕባ እንታይ ኢና ኽንጽሊ ዘሎና፧

ስም ኣምላኽ ስለ ዝጸለመ፡ የሱስ ከምዚ በለ፦ “ንስኻትኩምሲ ኸምዚ ኢልኩም ደኣ ጸልዩ፡ ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና፡ ስምካ ይቀደስ። መንግስትኻ ትምጻእ። ፍቓድካ ኸምቲ ኣብ ሰማይ፡ ከምኡ ድማ ኣብ ምድሪ ይኹን።” (ማቴዎስ 6:9, 10) ኣምላኽ ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ፍቓዱ ንምፍጻም መንግስቱ ስለ ዚጥቀም፡ መንግስቲ ኣምላኽ ክትመጽእ ክንጽሊ ኣሎና። የሱስ፡ “ናይ ዕለት እንጌራና ሎሚ ሀበና” ኢልና ኽንጽሊ ኸም እንኽእል እውን ሓቢሩ እዩ። ብዛዕባ ስራሕ፡ መንበሪ፡ ክዳን፡ ጥዕና፡ ከምኡውን ብዛዕባ ኻልእ ዜገድሰና ነገራት ንየሆዋ ኽንሓቶ ንኽእል ኢና። ብተወሳኺ፡ የሱስ ሓጢኣትና ይቕረ ንኺብሃለልና ኽንጽሊ ኸም ዚግብኣና እውን ሓቢሩ እዩ።—ሉቃስ 11:3, 4።

ንኻልኦት ክንጽልየሎም ይግባእ ድዩ፧

የሱስ ንኻልኦት ይጽልየሎም ነበረ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ኢዱ ኣንቢሩ ኺጽልየሎም፡ ቈልዑ ናብኡ ኣምጽኡ” ይብል። (ማቴዎስ 19:13) የሱስ ንሃዋርያ ጴጥሮስ፡ “ኣነ ግና፡ እምነትካ ኸይትጠፍእ፡ ምእንታኻ ለመንኩ” በሎ። (ሉቃስ 22:32) ንሰዓብቱ፡ ነቶም ዚሰጕዎምን ዚጸርፍዎምን እውን ከይተረፈ ንኺጽልዩሎም ኣተባቢዕዎም እዩ።—ማቴዎስ 5:44፣ ሉቃስ 6:28።

ኣዘውቲርና ኽንጽሊ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

የሱስ ዚጽልየሉ ግዜ ይምድብ ነበረ፡ ንሰዓብቱ እውን “ከይቀበጹ ዅሉ ሳዕ ኪጽልዩ” ኣተባብዖም። (ሉቃስ 18:1) የሆዋ ብዛዕባ እቲ ዜገድሰና ነገራት ደጋጊምና ንዕኡ ብምዝራብ፡ ኣብኡ ዘሎና እምንቶ ኽንገልጽ ዓዲሙና ኣሎ። የሱስ፡ “ለምኑ ኺውሀበኩም” በለ። እዚ ኺበሃል ከሎ ግን፡ የሆዋ ነቶም ከም ኣቦ ዜፍቅርዎን ዜኽብርዎን ሰባት ምላሽ ንምሃብ ድሕር ምሕር ይብል ማለት ኣይኰነን። ኣብ ክንዳኡ እኳ ደኣስ፡ የሱስ፡ “ንስኻትኩም እኳ ኽፉኣት ክነስኹም፡ ንደቅኹም ጽቡቕ ህያብ ምሃብ ካብ ፈለጥኩም፡ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦ ግዳ ንዚልምንዎ ኽንደይ ኣብዚሑ መንፈስ ቅዱስ ዘይህቦም፧” በለ።—ሉቃስ 11:5-13።

ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ኣብታ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧* ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ኣብ ምዕራፍ 17 ርአ።

[እግረ-ጽሑፍ]

ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ