ሰብ ብእንጌራ ጥራይ ኣይነብርን ካብ ቤት ማእሰርቲ ናዚ ብህይወት ንኽወጽእ ዝሓገዘኒ ነገር
ጆሰፍ ሂሲገር ዘዘንተዎ
ንሓደ መተኣስርተይ፡ “እንታይ ተንብብ ኣለኻ፧” ኢለ ሓተትክዎ። “መጽሓፍ ቅዱስ” ኢሉ መለሰለይ። ወሲኹ እውን፡ “ብናይ ሓደ ሰሙን መቝነን ባኒ ኽንለዋወጥ ንኽእል ኢና” በለኒ።
ብ1 መጋቢት 1914 ኣብታ ኽፋል ጀርመን ዝነበረት ሞዘል ተወለድኩ። ብ1918 ቀዳማይ ውግእ ዓለም ምስ ተወድአ፡ ሞዘል ናብ ፈረንሳ ተመልሰት። ብ1940 ዳግም ብጀርመን ተጐብጠት። ብ1945 ካልኣይ ውግእ ዓለም ምስ ተዛዘመ፡ እንደገና ኽፍሊ ፈረንሳ ዀነት። ኣብዚ ዅሉ ኣጋጣሚታት እዚ ዜግነተይ ይቕየር ስለ ዝነበረ፡ ፈረንሳይኛን ጀርመንኛን ምዝራብ ከኣልኩ።
ወለደይ ውፉያት ኣመንቲ ካቶሊክ ነበሩ። ምሸት ምሸት ቅድሚ ምድቃስና፡ ተምበርኪኽና ብሓባር ንጽሊ ነበርና። ኣብ ሰናብትን ኣብ ሃይማኖታዊ በዓላትን ናብ ቤተ-ክርስትያን ንኸይድ ነበርና። ንሃይማኖተይ ኣጥቢቐ እስዕብ ነበርኩ፡ ኣባል ሓደ ጕጅለ መጽናዕቲ ካቶሊክ ድማ ኰንኩ።
ብኣገልግሎት ትሑዝ ኰንኩ
ብ1935 ክልተ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንወለደይ በጽሕዎም። ሃይማኖታት ኣብ ቀዳማይ ውግእ ዓለም ብዛዕባ ዝነበረን ተሳትፎ ተመያየጡ። ድሕርዚ፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበረኒ ተገዳስነት ዓበየ፡ ብ1936 ድማ ንሓደ ቐሺ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ክረክብ ዝኽእል እንተ ዀይነ ሓተትክዎ። ንሱ ኸኣ መጽሓፍ ቅዱስ ንኽርድኦ ስነ-ሃይማኖት ክመሃር ከም ዘሎኒ ነገረኒ። ከምኡ ምባሉ ግን ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኽረክብን ንኸንብቦን ዝነበረኒ ባህጊ ወሰኸሉ።
ኣብ ጥሪ 1937 ኣልቢን ረልቪትስ ዚበሃል ናይ የሆዋ ምስክር መሳርሕተይ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ዚምህሮ ነገራት ኪነግረኒ ጀመረ። “መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎካ ይመስለኒ፧” በልክዎ። እወ፡ ነይርዎ እዩ፣ ድሕርዚ ብዙሕ ከይጸንሐ፡ ካብታ ዝሃበኒ ሓንቲ ቕዳሕ ናይ ጀርመን ትርጕም ኤልበርፈልደር፡ የሆዋ ዚብል ስም ኣምላኽ ኣርኣየኒ። ነታ መጽሓፍ ቅዱስ ብሃንቀውታ ኣንበብክዋ፡ ኣብ ጥቓ ኸተማ ትዮንቪል ከኣ ኣብ ኣኼባታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክእከብ ጀመርኩ።
ኣብ ነሓሰ 1937፡ ንኣልቢን ኣሰንየዮ ናብቲ ኣብ ፓሪስ እተገብረ ኣህጉራዊ ኣኼባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከድኩ። ኣብኡ ድማ ካብ ቤት ናብ ቤት ክሰብኽ ጀመርኩ። ድሕርዚ ነዊሕ ከይጸንሐ ተጠመቕኩ፡ ኣብ መጀመርታ 1939 ከኣ ፈላሚ ማለት፡ ክርስትያን ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልጋሊ ዀንኩ። ኣብ ከተማ መትስ ከኣ ተመደብኩ። ኣብ ሓምለ ድማ ኣብቲ ኣብ ፓሪስ ዚርከብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከገልግል ጻውዒት ቀረበለይ።
ኣብ ግዜ ውግእ ዘሕለፍናዮ መከራ
ኣብ ነሓሰ 1939 ኣብ ሰራዊት ፈረንሳ ንኸገልግል ስለ እተጸዋዕኩ፡ ኣብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ንሓጺር እዋን ጥራይ እየ ኣገልጊለ። ኣብ ውግእ ንኽካፈል ሕልናይ ስለ ዘይፈቕደለይ፡ ክእሰር ተፈርደኒ። ኣብ ወርሒ ግንቦት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኸለኹ፡ ጀርመን ኣብ ልዕሊ ፈረንሳ ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ፈነወት። ኣብ ወርሒ ሰነ፡ ፈረንሳ ተሳዕረት፡ እንደገና ድማ ጀርመናዊ ዀንኩ። ኣብ ሓምለ 1940 ካብ ቤት ማእሰርቲ ምስ ተፈታሕኩ፡ ምስ ወለደይ ንኽነብር፡ ናብኦም ከድኩ።
ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ናዚ ስለ ዝነበርና፡ ብምስጢር መጽሓፍ ቅዱስ ነጽንዕ ነበርና። ማሪዝ ኣናዚያካ እትበሃል ተባዕ ክርስትያን ግምቢ ዘብዐኛ ተምጽኣልና ነበረት፣ ንዓኣ ድማ ኣብ ሓደ ብናይ የሆዋ ምስክር ዚውነን እንዳ ባኒ እረኽባ ነበርኩ። ክሳዕ 1941 ከምቲ ኣብ ጀርመን ዝነበሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዜጋጥሞም ዝነበረ ጸገማት ኣየጋጠመንን።
ድሕርዚ፡ ሓደ መዓልቲ፡ ሓደ ጌስታፖ መጸ። እቲ ብዓል ስልጣን፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተኣጊዶም ከም ዘለዉ ብንጹር ድሕሪ ምንጋሩ፡ ናይ የሆዋ ምስክር ኰይነ ክቕጽል እንተ ዀይነ ሓተተኒ። “እወ” ኢለ ምስ መለስኩሉ፡ ንኽስዕቦ ኣዘዘኒ። ኣደይ ስለ ዝሰምበደት፡ ውኖኣ ጠፍኣ። እቲ ብዓል ስልጣን ጌስታፖ ነዚ ምስ ረኣየ፡ ንኣደይ ክከናኸና ምስኣ ኽጸንሕ ፈቐደለይ።
ኣብቲ ዝሰርሓሉ ዝነበርኩ ፋብሪካ፡ ነቲ ኣካያዲ ስራሕ፡ “ሀይል ሂትለር!” ኢለ ሰላምታ ኣይሃብክዎን። ኣባል ሰልፊ ናዚ ምዃን እውን ኣበኹ። ስለዚ ኸኣ ንጽብሒቱ ብጌስታፖ ተኣሰርኩ። መርመራ ኺግበረለይ ከሎ፡ ስም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብጾተይ ምሃብ ኣበኹ። እቲ መርማሪ ሓሪቑ ብለዓት ሽጉጡ ገይሩ ርእሰይ ምስ ወቕዓኒ፡ ሃለዋተይ ጠፍኣኒ። ብ11 መስከረም 1942፡ ኣብ መትስ ዝነበረ ዞንደርገሪኽት (ፍሉይ ቤት ፍርዲ)፡ “ፕሮፖጋንዳ ማሕበር ናይ የሆዋ መሰኻኽርን ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስን ብምዝርጋሕ” ከም ገበነኛ ገይሩ ንሰለስተ ዓመት ክእሰር ፈረደኒ።
ክልተ ሰሙን ጸኒሑ፡ ካብቲ ኣብ መትስ ዝነበረ ቤት ማእሰርቲ፡ ድሕሪ ነዊሕ ጕዕዞ ናብቲ ኣብ ጽፋይብሩከን ዚርከብ ናይ ሸቕሊ ደምበ ገዓዝኩ። ኣብኡ ድማ ኣብ ጽገና መገዲ ባቡር እሰርሕ ነበርኩ። መገዲ ባቡር ንቕይርን ብኣእማን ንድልድሎን ነበርና። ንግሆ ሓንቲ ኹባያ ቡንን 75 ግራም ዚምዘን ባንን፡ ፋዱስን ምሸትን ከኣ ሓሓንቲ ሸሓኒ መረቕ ይወሃበና ነበረ። ድሕርዚ፡ ኣብ ጥቓና ኣብ ዝነበረት ከተማ ናብ ዚርከብ ቤት ማእሰርቲ ተለኣኽኩ፡ ኣብኡ ድማ ኣብ እንዳ ጫማ እሰርሕ ነበርኩ። ድሕሪ እተወሰነ ኣዋርሕ፡ ኣብ ሕርሻ ንኽዓዪ እንደገና ናብ ጽፋይብሩከን ተለኣኽኩ።
ብእንጌራ ጥራይ ኣይኰንኩን ዝነብር
ኣብ ቤት ማእሰርቲ፡ ምስ ሓደ ነዘርላንዳዊ መንእሰይ ብሓንሳእ ተኣሲርና ነበርና። ቋንቋኡ ብእተወሰነ ስለ እተመሃርኩ፡ ብዛዕባ እምነተይ ክነግሮ ኸኣልኩ። ጽቡቕ መንፈሳዊ ዕቤት ገበረ፡ ኣብ ሓደ ፈለግ ንኸጠምቖ ድማ ሓተተኒ። ካብ ማይ ምስ ወጸ፡ ሕቝፍ ኣቢሉ፡ “ጆሰፍ፡ ሓውካ ዀይነ!” በለኒ። ኣብ መገዲ ባቡር ንኽዓዪ ምስ ተለኣኽኩ፡ ተፈላለና።
ድሕርዚ፡ ምስ ሓደ ጀርመናዊ ኣብ ሓደ ኽፍሊ ተኣሰርና። ሓደ ምሸት፡ መጽሓፍ ቅዱስ ኬንብብ ጀመረ። ሽዑ ድማ እዩ ነታ መጽሓፍ ቅዱስ ብናይ ሓደ ሰሙን መቝነን ባኒ ኺልውጠኒ ሓሳብ ዘቕረበለይ። “ሕራይ” ድማ በልክዎ። ናይ ሓደ ሰሙን መቝነን ባኒ ምሃብ ናይ ብሓቂ መስዋእቲ ዚሓትት እኳ እንተ ነበረ፡ ፈጺመ ኣይተጠዓስኩሉን። ነተን፡ “ሰብ ካብ ኣፍ ኣምላኽ ብዚወጽእ ኵሉ ቓል እምበር፡ ብንጌራ ጥራይ ኣይነብርን” ዚብላ ቓላት የሱስ ዝሓዛኦ ትርጕም ክርዳእ ክኢለ እየ።—ማቴዎስ 4:4።
መጽሓፍ ቅዱስ እኳ እንተ ረኸብኩ፡ ከይትውሰደኒ ግን ክጥንቀቕ ነበረኒ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከም ካልኦት እሱራት ዘይኰነስ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ኪሕዙ ኣይፍቀደሎምን እዩ ነይሩ። ስለዚ ኸኣ ምሸት ምሸት ኣብ ውሽጢ ኾበርታ ሓቢአ አንብባ ነበርኩ። ቀትሪ ድማ ኣብ ትሕቲ ካምቻይ ኣእትየ ሒዘያ እኸይድ ነበርኩ። ፍተሻ ስለ ዝነበረ፡ ኣብ ክፍለይ ሓዲገያ ኣይከይድን እየ ነይረ።
ሓደ መዓልቲ ተሰሪዕና ኽንጽዋዕ ከለና፡ ነታ መጽሓፍ ቅዱሰይ ከም ዝረሳዕክዋ ኣስተውዓልኩ። ንምሸቱ ቐልጢፈ ናብ ክፍለይ ተመለስኩ፡ እታ መጽሓፍ ቅዱስ ግን ኣይነበረትን። ናብ ኣምላኽ ጸልየ፡ ናብቲ ሓላዊ ኸድኩ፡ ገሊኦም ንመጽሓፈይ ከም ዝወሰዱለይን ክትምለሰለይ ከም ዝደልን ድማ ነገርክዎ። ንእንታይነት እታ መጽሓፍ ብዙሕ ስለ ዘየተኰረላ፡ መጽሓፍ ቅዱሰይ እንደገና ኽረኽባ ኸኣልኩ። ኣነ እውን ካብ መዓሙቝ ልበይ ንየሆዋ ኣመስገንክዎ!
ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ ድማ ናብ መሕጸቢ ነብሲ ተወሰድኩ። ነቲ ዝረስሐ ኽዳውንተይ ከውጽኦ ኸለኹ፡ ነታ መጽሓፍ ቅዱስ ቀስ ኣቢለ ናብ ባይታ ደርበኽዋ። እቲ ሓላዊ ናብ ካልእ ገጹ ኺርኢ ኸሎ፡ ብእግረይ ናብቲ መሕጸቢ ነብሲ ድፍእ ኣበልክዋ። ኣብ ሓደ ጸግዒ ሓቢአ ኸኣ ነብሰይ ተሓጸብኩ። ተሓጺበ ምስ ወዳእኩ፡ ከምቲ መጀመርታ ዝገበርክዎ ገይረ ነታ መጽሓፍ ቅዱስ ናብ ጽሩይ ክዳውንቲ ደፋእክዋ።
ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዘጋጠመኒ ገልታዕታዕ
ብ1943 ሓደ ንግሆ፡ እሱራት ኣብ ቐጽሪ እቲ ቤት ማእሰርቲ ተኣኪብና ኸለና፡ ንኣልቢን ረኣኽዎ። ንሱ እውን ተኣሲሩ እዩ ነይሩ። ናባይ ገጹ እናጠመተ፡ ሕውነትና ንኼመልክት፡ ኢዱ ኣብ ልቡ ኣንበረ። ደብዳበ ኸም ዚጽሕፈለይ ድማ ብምልክት ሓበረኒ። ንጽብሒቱ ብጥቓይ ኪሓልፍ ከሎ፡ ንእሽቶ ወረቐት ደርበየ። ሓደ ሓላዊ ስለ ዝረኣያ ግን፡ ክልቴና ንኽልተ ሰሙን ዚኣክል ነንበይንና ተኣሰርና። ዝዓሰወ ባንን ማይን ይወሃበና፡ ኣብ ጣውላ ድማ ብዘይ ኮበርታ ንድቅስ ነበርና።
ድሕሪኡ፡ ናብቲ ኣብ ዚክቡርክ ዚርከብ ቤት ማእሰርቲ ተላኣኽኩ፡ ኣብኡ ድማ ኣብ እንዳ ሓጺን መጺን እሰርሕ ነበርኩ። እቲ ስራሕ ኣድካሚ ነበረ፡ ኣብ ርእሲኡ ኸኣ እኹል መቝነን ምግቢ ኣይወሃበናን እዩ ነይሩ። ለይቲ ብሕልመይ ዶልሺን ፍረታትን ይረኣየኒ እሞ፡ ብር ምስ በልኩ ግን ከብደይ ተጠልቂዑን ጐረሮይ ቃዕ ኢሉን ይጸንሓኒ ነበረ። ኣዝየ ዕባራ እየ ነይረ። መዓልታዊ ግን ንመጽሓፍ ቅዱሰይ አንብብ ነበርኩ፡ ሳላኡ ኸኣ ክነብር ክኢለ እየ።
ኣብ መወዳእታ ናጽነት ረኸብኩ!
ኣብ ሚያዝያ 1945 ሓደ ንግሆ፡ እቶም ሓለውቲ ብሃንደበት ነቲ መዓጹ ቤት ማእሰርቲ ጋህ ኣቢሎምዎ ሃደሙ። ኣነ እውን ናጻ ዀንኩ! ፈለማ ግን ሕክምና ኽረክብ ናብ ሆስፒታል ክኣቱ ነበረኒ። ኣብ መወዳእታ ግንቦት፡ ኣብ እንዳ ወለደይ በጻሕኩ። ኣብቲ እዋን እቲ፡ ወለደይ፡ ሞይቱ ኢሎም ተስፋ ቘሪጾም ነበሩ። ኣደይ ምስ ረኣየትኒ፡ ናይ ሓጐስ ንብዓት ነብዐት። እቲ ዜሕዝን ግን፡ ብዙሕ ከይጸንሐ ወለደይ ሞቱ።
ምስ ጉባኤ ትዮንቪል ዝነበረኒ ርክብ እንደገና ኣሐደስኩ። ነቶም መንፈሳውያን ስድራ ቤተይ ምርካበይ፡ ብዙሕ እዩ ኣሐጒሱኒ። ብዙሕ መከራ ኣጋጢምዎም ክነሱ፡ ብኸመይ እሙናት ከም ዝዀኑ ምፍላጠይ ኣሐጒሱኒ እዩ። እቲ ዝፈትዎ ዓርከይ ኣልቢን፡ ኣቐዲሙ ኣብ ረገንዝበርግ፡ ጀርመን ሞተ። ጸኒሑ፡ ዣን ሂሲገር ዚበሃል ወዲ ሓወቦይ ናይ የሆዋ ምስክር ከም ዝነበረ፡ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ንምሃብ ሕልናኡ ስለ ዘይፈቐደሉ ኸኣ፡ ከም እተቐትለ ፈለጥኩ። ኣብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ፓሪስ ምሳይ ዝሰርሕ ዝነበረ ዣን ከራ ድማ፡ ንሓሙሽተ ዓመት ኣብ ጀርመን ኣብ ዝነበረ ናይ ሸቕሊ ደምበ ተኣሲሩ ነበረ።a
ብኡንብኡ ኣብ ከተማ መትስ ክሰብኽ ጀመርኩ። ኣብቲ እዋን እቲ፡ ብዙሕ ግዜ ምስ ስድራ ቤት ሚንዛኒ እራኸብ ነበርኩ። ብ2 ሕዳር 1946 ቲና ጓሎም ተጠምቀት። ኣብ ኣገልግሎት ቀናእ ነበረት፡ ኣዝያ ድማ ምጭውቲ ነበረት። ብ13 ታሕሳስ 1947 ከኣ ተመርዓና። ኣብ መስከረም 1967፡ ቲና ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልጋሊት ኰነት፡ ኣብ ሰነ 2003 ኣብ 98 ዕድሚኣ ኽሳዕ እትመውት ድማ ኣብቲ ዕዮ እቲ ጸኒዓ ቐጸለት። ንቲና ኣዝየ እየ ዝናፍቓ።
ሎሚ፡ 90ታት ዕድመይ እየ ዘለኹ፡ ቃል ኣምላኽ ንፈተናታት ክዋጽኣሉ ብርታዐ ኸም ዚህበኒ ድማ አስተውዕል እየ። ሓድሓደ ግዜ ብስጋዊ እጠሚ እኳ እንተ ዀንኩ፡ ንልበይን ኣእምሮይን ግን ወትሩ ብቓል ኣምላኽ እምግቦ እየ። የሆዋ ብርታዐ ሂቡኒ እዩ። ‘ቃሉ ህያው ገይሩኒ እዩ።’—መዝሙር 119:50።
[እግረ-ጽሑፍ]
a ታሪኽ ህይወት ዣን ከራ ኽትፈልጥ እንተ ደሊኻ፡ ኣብ ናይ 1 ጥቅምቲ 1989 ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ) ገጽ 22-26 ተወከስ።
[ኣብ ገጽ 21 ዘሎ ስእሊ]
ኣልቢን ረልቪትስ ዚበሃል ዘፍቅሮ ዓርከይ
[ኣብ ገጽ 21 ዘሎ ስእሊ]
ማሪዝ ኣናዚያካ
[ኣብ ገጽ 22 ዘሎ ስእሊ]
ብናይ ሓደ ሰሙን መቝነን ባኒ ዝዓደግክዋ መጽሓፍ ቅዱስ
[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]
ብ1946 ምስ ቲና ሕጽይተይ
[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]
ዣን ከራ ምስ ቲቲካ ሰበይቱ