ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w09 1/3 ገጽ 24
  • ትንሳኤ ኣልኣዛር

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ትንሳኤ ኣልኣዛር
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ጥፍኣት ሶዶምን ጎሞራን
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
  • የሱስ ብተኣምር ኣሕወየ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
  • የሱስ ንዘጋጠሞ ፈተና ተቓወመ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
  • የሱስ ንሰማዕቱ ኣገረመ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
w09 1/3 ገጽ 24

ንመንእሰያትና

ትንሳኤ ኣልኣዛር

መምርሒታት፦ ነዚ መላመዲ ኣብ ጸጥ ዝበለ ቦታ ዄንካ ዕየዮ። ነቲ ጥቕስታት ከተንብቦ ኸለኻ ንርእስኻ ኣብቲ ፍጻመ እትውቲ ኸም ዝዀነት ጌርካ ሕሰብ። ነቲ ፍጻመ ብኣእምሮኻ ስኣሎ። ነቲ ድምጽታት ስምዓዮ። ስምዒታት እቶም ቀንዲ ገጸ-ባህርያት ይሰማዕካ።

ነቲ ፍጻመ መርምሮ።—ዮሃንስ 11:1-45 ኣንብብ።

ቍጽሪ 21 ከተንብብ ከለኻ ኣብ ማርታ፡ ቍጽሪ 32 ከተንብብ ከለኻ ድማ ኣብ ማርያም እንታይ ዓይነት ስምዒት(ታት) ተራእዩካ፧

․․․․․

ነቲ ኣብ ቍጽሪ 33ን 35ን ተገሊጹ ዘሎ የሱስ ዘርኣዮ ስምዒት ብኸመይ ኣብ ኣእምሮኻ ምሰኣልካዮ፧

․․․․․

እቲ ኣብ ቍጽሪ 43ን 44ን ተገሊጹ ዘሎ ፍጻመ እንተ ዜጋጥመካ ነይሩ፡ እንታይ ኪስምዓካ ኸም ዚኽእል ኣብ ኣእምሮኻ ኽትስእሎ ፈትን፣ ነዚ ድማ ብዓይኒ ኣልኣዛርን ብዓይኒ እቶም ኣብኡ ዝነበሩ ኻልኦት ተዓዘብትን ክትስእሎ ፈትን።

ዝያዳ ምርምር ግበር።

ቢታንያ ኻብቲ የሱስ ዝነበረሉ ቦታ መገዲ ኽልተ መዓልቲ ርሒቓ እያ እትርከብ ነይራ። እሞኸ የሱስ ስለምንታይ እዩ እተደናጐየ፧ (ቍጽሪ 6 ኣንብብ።)

․․․․․

ማርያምን ማርታን ንመንፈሳዊ ነገራት ድሌት ከም ዝነበረን መጽሓፍ ቅዱስ ዚገልጽ ብኸመይ እዩ፧ (ሉቃስ 10:38, 39፣ ዮሃንስ 11:24)

․․․․․

የሱስ ነቶም ተመሊሶም ሙማቶም ዘይተርፎም ሰባት ስለምንታይ እዩ ዜተንስኦም ዝነበረ፧ (ማርቆስ 1:41, 42፣ ዮሃንስ 5:28, 29፣ 11:45)

․․․․․

ነቲ እተመሃርካዮ ኣብ ግብሪ ኣውዕሎ። ብዛዕባ እዚ ዚስዕብ እንታይ ከም እተመሃርካ ጽሓፍ፦

የሱስ፡ ምዉታት ንምትንሳእ ዝነበሮ ኽእለትን ባህግን።

․․․․․

የሱስ ንዝሓዘኑ ሰባት ዘርኣዮ ርሕራሐ።

․․․․․

ኣብ ትንሳኤ ምስ መን ክትራኸብ ትደሊ፧

․․․․․

ካብዚ ጸብጻብ እዚ ዝያዳ ዝተንከፈካ እንታይ እዩ፧ ስለምንታይከ፧

․․․․․

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ