3 ብዛዕባ የሱስ እቲ ሓቂ ፍለጥ
“ኣምላኽ፡ በቲ ሓደ ወዱ ዝአመነ ዅሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር፡ ከይጠፍእሲ፡ ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብ፡ ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ።”—ዮሃንስ 3:16።
እቲ ዕንቅፋት እንታይ እዩ፧ ገሊኦም ሰባት የሱስ ከም ዘይነበረ ይኣምኑ። ገሊኦም ከኣ የሱስ ብሓቂ ኸም ዝነበረ ዚኣምኑ እኳ እንተ ዀኑ፡ ካብ ዚመውት ነዊሕ ግዜ ዝገበረ ተራ ሰብ ገይሮም እዮም ዚርእይዎ።
ነቲ ዕንቅፋት ብኸመይ ክትሰግሮ ትኽእል፧ ነቲ ናትናኤልa ዝስሙ ወደ መዝሙር ምሰሎ። እቲ ፈታዊኡ ዝነበረ ፊሊጶስ ንመሲሕ፡ ማለት ን“የሱስ፡ ወዲ ዮሴፍ ብዓል ናዝሬት፡” ከም ዝረኸቦ ነገሮ። ይኹን እምበር፡ ናትናኤል በቲ ፊልጶስ ዝበሎ ጥራይ ኣይኣመነን። የግዳስ፡ “ካብ ናዝሬትዶ ገለ ሰናይ ኪመጽእ ይከአል እዩ፧” ኢሉ መለሰ። ምስናይዚ ግን፡ ነቲ ፊልጶስ “ንዓ ርኤ” ኢሉ ዘቕረበሉ ዕድመ ተቐቢልዎ እዩ። (ዮሃንስ 1:43-51) ንስኻ እውን ነቲ ብዛዕባ የሱስ ዚገልጽ መርትዖ ብምምርማር ክትጥቀም ትኽእል ኢኻ። እንታይ ክትገብር ትኽእል፧
ነቲ የሱስ ብሓቂ ኸም ዝነበረ ዚገልጽ ታሪኻዊ መርትዖ መርምሮ። ጆሰፈስን ታሲተስን ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት ዘይኰኑ ስሙያት ጸሓፍቲ ታሪኽ እዮም። ንየሱስ ክርስቶስ ድማ ብሓቂ ኣብ ታሪኽ ዝነበረ ምዃኑ ጠቒሶምዎ ኣለዉ። ታሲተስ፡ ሮማዊ ሃጸይ ኔሮ ብዛዕባ እቲ ብ64 ድ.ክ. ኣብ ሮሜ ተላዒሉ ዝነበረ ባርዕ ንክርስትያናት ከም ዝጠቀኖም ኪገልጽ ከሎ ኸምዚ ኢሉ ጸሓፈ፦ “ኔሮ ነቶም ብሓፋሽ ክርስትያናት ተባሂሎም ዚጽውዑ ዚፍንፈኑ ጕጅለ ብምጥቃን እዚ ዘይበሃል ስቓይ ኣውረደሎም። እቲ ምንጪ ስም እዞም ጕጅለ ዝዀነ ክርስቶስ፡ ብዘመነ ጢበርዮስ ብሓደ ኻብቶም ተወከልትና ዝዀነ ጶንጥዮስ ጲላጦስ ንሞት ተፈርዶ።”
ኢንሳይክሎፔድያ ብሪታኒካ ኣብቲ ናይ 2002 ሕታማ ብዛዕባ እቲ ኣብ ቀዳማይን ካልኣይን ዘመን ዝነበሩ ጸሓፍቲ ታሪኽ ንየሱስን ቀዳሞት ክርስትያናትን ብምጥቃስ እተዛረብዎ ኽትገልጽ ከላ ኸምዚ በለት፦ “እዚ ኻብ ዝዀነ ይኹን ጽልዋታት ናጻ ዝዀነ ጸብጻባት፡ ኣብ ግዜ ጥንቲ እቶም ጸላእቲ ክርስትና እውን ከይተረፉ ብዛዕባ እቲ ንመጀመርታ ግዜ ኣብ መወዳእታ ናይ መበል 18 ዘመን፡ ኣብ መበል 19 ዘመን፡ ከምኡውን ኣብ መጀመርታ መበል 20 ዘመን ግቡእ ብዘይኰነ ምኽንያት ኣብ ጥርጥር ዝኣተወ ታሪኻውነት ናይ የሱስ ፈጺሞም ተጠራጢሮም ከም ዘይፈልጡ የረጋግጽ።” ብ2002 ኣብ ዘ ዎል ስትሪት ጆርናል ዝወጸት ሓንቲ ዓንቀጽ፡ “ንገሊኦም ኣምላኽ የለን ዚብሉ ሰባት ሓዲግካ፡ መብዛሕትኦም ምሁራት፡ የሱስ ብዓል ናዝሬት ኣብ ታሪኽ ዝነበረ ሰብ ምዃኑ ይቕበልዎ እዮም” በለት።
ነቲ የሱስ ከም ዝተንስአ ዚገልጽ መርትዖ ሕሰበሉ። የሱስ ብተጻረርቱ ምስ ተታሕዘ፡ እቶም ናይ ቀረባ ፈተውቱ ጠንጠንዎ፣ እቲ ዓርኩ ዝነበረ ጴጥሮስ እውን ብፍርሂ ኸም ዘይፈልጦ ዀይኑ ኸሓደ። (ማቴዎስ 26:55, 56, 69-75) የሱስ ምስ ተኣስረ፡ ሰዓብቱ ፋሕ በሉ። (ማቴዎስ 26:31) ድሕሪኡ ግን፡ እቶም ደቀ መዛሙርቱ ብንጥፈት ፉሕፉሕ በሉ። ጴጥሮስን ዮሃንስን ኣብ ቅድሚ እቶም ንየሱስ ንሞት ኣሕሊፎም ዝሃብዎ ሰባት ብትብዓት ቀሪቦም እዮም። ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ብመንፈስ ተለዓዒሎም ነቲ ትምህርትታቱ ኣብ ብዘላ ግዝኣት ሮሜ ዘርግሕዎ፣ ብእምነቶም ካብ ምልምላም ከኣ ሞት መረጹ።
ኣብ ኣረኣእያኦም ከምዚ ዝኣመሰለ ዓብዪ ለውጢ ኸም ዚህሉ ዝገበረ ሓደ ምኽንያት እንታይ እዩ፧ ሃዋርያ ጳውሎስ፡ የሱስ ካብ ሞት ከም ዝተንስአን “ንኬፋ [ጴጥሮስ]፡ ደሓርውን ነቶም ዓሰርተው ክልተ” ኸም እተራእየን ገለጸ። ወሲኹ እውን፡ “ካብ ሓሙሽተ ሚእቲ ንዚበዝሑ ኣሕዋት ብሓንሳእ ተራእየ” በለ። ጳውሎስ ነዘን ቃላት እዚኣተን ኪጽሕፈን ከሎ፡ መብዛሕትኦም ካብቶም ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ብህይወት ነይሮም እዮም። (1 ቈረንቶስ 15:3-7) ተጠራጠርቲ፡ ሓደ ወይ ክልተ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ንዚህብዎ ምስክርነት ብቐሊሉ ኺነጽግዎ ምኸኣሉ። (ሉቃስ 24:1-11) እቲ ልዕሊ ሓሙሽተ ሚእቲ ብዝዀኑ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ዚወሃብ ምስክርነት ግን፡ የሱስ ካብ ሞት ከም ዝተንስአ ዜረጋግጽ ድልዱል መርትዖ እዩ።
እንታይ ዓስቢ ትረክብ፧ እቶም ኣብ የሱስ እምነት ዜሕድሩን ዚእዘዝዎን ሰባት፡ ሓጢኣቶም ይሕደገሎም፡ ጽሩይ ሕልና ኸኣ ይህልዎም። (ማርቆስ 2:5-12፣ 1 ጢሞቴዎስ 1:19፣ 1 ጴጥሮስ 3:16-22) እንተ ሞይቶም ከኣ፡ የሱስ “በታ ዳሕረይቲ መዓልቲ” ኼተንስኦም ምዃኑ ተመባጺዑሎም እዩ።—ዮሃንስ 6:40።
ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ኣብታ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧b ዘርእስታ መጽሓፍ፡ “የሱስ ክርስቶስ መን እዩ፧” ዚብል ምዕራፍ 4፡ ከምኡውን “እቲ ኻብ ኵሉ ዝበለጸ ውህበት ኣምላኽ ዝዀነ በጃ” ዚብል ምዕራፍ 5 ርአ።
[እግረ-ጽሑፋት]
a እቶም ጸሓፍቲ ወንጌል ዝዀኑ ማቴዎስን ማርቆስን ሉቃስን፡ ንናትናኤል በርተሎሜዎስ ብዚብል ስም ይጽውዕዎ ምንባሮም ግሁድ እዩ።
b ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት።
[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]
ንስኻውን ከም ናትናኤል፡ ነቲ ብዛዕባ የሱስ ዚገልጽ መርትዖ መርምሮ