ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w09 1/5 ገጽ 16-17
  • ብዛዕባ “መወዳእታ”

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ብዛዕባ “መወዳእታ”
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ናይ ምንታይ መወዳእታ እዩ፧
  • የሱስ ነቲ መወዳእታ ብኸመይ ገለጾ፧
  • መን እዮም ዚጠፍኡ፧
  • መወዳእታ ዓለም መዓስ እዩ ኪኸውን፧
  • እንታይ ክትገብር ኣሎካ፧
  • ሃዋርያት፡ ምልክት ሓተቱ
    የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን
  • የሱስ ዓብዪ ጽልዋ ዘለዎ ትንቢት ተነበየ
    መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ መልእኽቲ ሒዙ ኣሎ፧
  • ኣብተን “ዳሕሮት መዓልትታት” ዲና እንነብር ዘለና፧
    መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧
  • መወዳእታ ዓለም ቀሪቡ ድዩ፧
    መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይምህረና፧
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
w09 1/5 ገጽ 16-17

ካብ የሱስ እንመሃሮ ትምህርቲ

ብዛዕባ “መወዳእታ”

ናይ ምንታይ መወዳእታ እዩ፧

ደቀ መዛሙርቲ የሱስ፡ “ትእምርቲ ምምጻእካን መወዳእታ ዓለምንከ እንታይ እዩ፧” ኢሎም ሓተትዎ። (ማቴዎስ 24:3) የሱስ ነዛ ሕቶ እዚኣ ኺምልስ ከሎ፡ ምድሪ ቓል ብቓሉ ኸም እትጠፍእ ኣይተዛረበን። ኣቐዲሙ ብዛዕባ “ዓለም” ተዛሪቡ ነይሩ እዩ፣ ነቲ ኣብ ትሕቲ ቝጽጽር ሰይጣን ዚርከብ ሃይማኖታውን ዘይሃይማኖታውን ስርዓት ብምሉኡ ንምምልካት ድማ እዩ ኸምኡ ኢሉ። (ማቴዎስ 13:22, 40, 49) ስለዚ፡ “መወዳእታ ይመጽእ” ኪብል ከሎ ነዚ ስርዓት እዚ እዩ ኣብ ኣእምሮኡ ሒዙ ነይሩ።—ማቴዎስ 24:14።

የሱስ ነቲ መወዳእታ ብኸመይ ገለጾ፧

መወዳእታ እዚ ዘይፍትሓዊ ስርዓት ኪመጽእ ምዃኑ፡ ብሓቂ “ብስራት” እዩ። የሱስ ነዚ ብስራት እዚ ብዚምልከት፡ “እዚ ወንጌል መንግስቲ ኸኣ ንምስክር ኵሎም ኣህዛብ ኣብ ብዘላ ዓለም ኪስበኽ እዩ፡ ሽዑ መወዳእታ ይመጽእ” በለ። ብዛዕባ መወዳእታ እዚ ሕጂ ዘሎ ስርዓት ኪገልጽ ከሎ ኸኣ ከምዚ በለ፦ “መከራ ኪኸውን እዩ፡ ከምኡ ዝበለ ኻብ መጀመርታ ዓለም ክሳዕ ሎሚ ዘይኰነ፡ ከቶ ድማ ዘይከውን እዩ፡ . . . እተን መዓልትታት እቲኤን እንተ ዘይሐጽራስ፡ ስጋ ዝለበሰ ዅሉ ኣይምደሐነን።”—ማቴዎስ 24:14, 21, 22።

መን እዮም ዚጠፍኡ፧

እቶም ንየሆዋን ንየሱስን ዘየፍቅርዎምን ዘየገልግልዎምን ሰባት ጥራይ እዮም ዚጠፍኡ። ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰባት ንኣምላኽ ኣይእዘዝዎን እዮም። የሱስ፡ “ከምቲ ብዘመን ኖህ ዝዀነ፡ ምጽኣት ወዲ ሰብ ከኣ ከምኡ ኪኸውን እዩ። ከምቲ ብቕድሚ ማይ ኣይሂ ዝነበረ፡ . . . ማይ ኣይሂ መጺኡ፡ ንዅሉ ኽሳዕ ዜጥፍእ ኣይፈለጡን” በለ። (ማቴዎስ 24:36-39) ብዘይካዚ፡ ብዙሓት ሰባት ኣብታ ናብ ጥፍኣት እትወስድ መገዲ ኸም ዚጐዓዙ ገለጸ። ይኹን እምበር፡ ‘ናብ ህይወት እትወስድ ቀጣን መገዲ’ ኸም ዘላ እውን ሓቢሩ እዩ።—ማቴዎስ 7:13, 14።

መወዳእታ ዓለም መዓስ እዩ ኪኸውን፧

የሱስ ብዛዕባ ትእምርቲ ምምጻኡን “መወዳእታ ዓለምን” ምስ ተሓተተ፡ “ህዝቢ ናብ ህዝቢ፡ መንግስቲውን ናብ መንግስቲ ኺለዐል እዩ። ኣብ በቦታኡ ድማ ጥሜትን ፌራን ምንቅጥቃጥ ምድርን ኪኸውን እዩ። . . . ዓመጻ ስለ ዝበዝሔ ድማ፡ ናይ ብዙሓት ፍቕሪ ኽትዝሕል እያ” ኢሉ መለሰ። (ማቴዎስ 24:3-12) ስለዚ፡ እቲ ሎሚ እንሰምዖ ዜሕዝን ዜና ዜጸናንዕ መልእኽቲ እውን ዝሓዘ እዩ፣ እዚ ኸኣ፡ መንግስቲ ኣምላኽ ድሕሪ ሓጺር እዋን ነቶም እዙዛት ደቂ ሰብ ሰላም ከም እተምጽኣሎም ዚሕብር እዩ። የሱስ፡ “እዚ ዀይኑ ኽትርእዩ ኸሎኹም፡ መንግስቲ ኣምላኽ ምቕራባ ፍለጡ” በለ።—ሉቃስ 21:31።

እንታይ ክትገብር ኣሎካ፧

የሱስ፡ “ኣምላኽ፡ በቲ ሓደ ወዱ ዝአመነ ዅሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር፡ ከይጠፍእሲ፡ ንወዱ በጃ” ከም ዝሃበ ገለጸ። (ዮሃንስ 3:16) ኣብ ኣምላኽን ኣብ ወዱን እምነት ንኸተሕድር፡ ንኽልቲኦም ኣጸቢቕካ ኽትፈልጦም ኣሎካ። ስለዚ፡ የሱስ፡ “ኣምላኽ ሓቂ ንስኻ በይንኻ ምዃንካን ነቲ ዝለአኽካዮ የሱስ ክርስቶስን ኪፈልጡ፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት እዚኣ እያ” በለ።—ዮሃንስ 17:3።

ጭንቀትን ጸገማትን ንኣምላኽ ዘላትካ ፍቕሪ ብኸመይ ከም እተርኢ ንኸይትመሃር ኪዓግተካ ኣይተፍቅደሉ። የሱስ፡ “ሓልዮት ሓዳር . . . ንልብኹም ከይኸብድ፡ እታ መዓልቲ እቲኣ ብድንገት ከይትመጸኩምሲ፡ ንነፍስኹም ተጠንቀቑ” በለ። ነቲ የሱስ ዝሃቦ መጠንቀቕታ እንተ ደኣ ኣቕሊብካሉ፡ “ካብዚ ዚመጽእ ኵሉ ነገር ንምምላቝ” ኽትክእል ኢኻ።—ሉቃስ 21:34-36።

ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ኣብታ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧* ዘርእስታ መጽሓፍ፡ “ኣብተን ‘ዳሕሮት መዓልትታት’ ዲና እንነብር ዘለና፧” ዚብል ምዕራፍ 9 ርአ።

[ኣብ ገጽ 17 ዘሎ ስእሊ]

* ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ