ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w09 1/5 ገጽ 22-25
  • ቤትኤል ብሩክሊን ታሪኽ 100 ዓመት

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ቤትኤል ብሩክሊን ታሪኽ 100 ዓመት
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ናብ ብሩክሊን ዝገዓዘሉ ምኽንያት
  • ቤትኤል እተባህለሉ ምኽንያት
  • ንበጻሕቲ ኽፉት እዩ
  • እዚ ዝበለጸ ዓይነት ሞያ ምዀነካዶ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2001
  • የሆዋ ንህዝቡ ይእክቦም ንዕዮ ኸኣ የዕጥቖም
    ናይ የሆዋ መሰኻኽር—ኣብ ብዘላ ዓለም ሓቢሮም ፍቓድ ኣምላኽ ይፍጽሙ
  • ንዅሉ ዝቐረበ ዕድመ!
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2010
  • ንኸተገልግል ድሉው ምዀንካዶ፧
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2001
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
w09 1/5 ገጽ 22-25

ቤትኤል ብሩክሊን—ታሪኽ 100 ዓመት

ዓመተ 1909 ንኸተማ ኒው ዮርክ ኣገዳሲት እዋን እያ ነይራ። ኣብዛ ዓመት እዚኣ ንኲንስ ምስ ማንሃታን ዜራኽብ ድልድል ኲንስቦሮ፡ ከምኡውን ንማንሃታን ምስ ብሩክሊን ዜራኽብ ድልድል ማንሃታን ተሰርሐ።

እዛ ዓመት እዚኣ ንናይ የሆዋ መሰኻኽር እውን ኣገዳሲ እያ ነይራ። ፕረዚደንት እቲ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ብዚብል ስም ዚፍለጥ ሕጋዊ ትካል ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝነበረ ቻርለስ ተይዝ ራስል፡ ስብከት ብስራት መንግስቲ ኣምላኽኪዝርጋሕ ከም ዚኽእል ኣቐድም ኣቢሉ ኣሚቱ ነበረ። (ማቴዎስ 24:14) እዚ ዝርጋሐ እዚ ንኺህሉ፡ ነቲ ኣብ ፒትስበርግ፡ ፐንሲልቫንያ ዝነበረ ቐንዲ ቤት ጽሕፈት ማሕበር፡ ናብ ብሩክሊን፡ ኒው ዮርክ ከም ዚግዕዝ ምግባር ኣገዳሲ ስጕምቲ ምዃኑ ኣመነሉ። እቲ ምድላው ብ1908 ጀመረ፡ ኣብ መጀመርታ 1909 ከኣ ገዓዘ።

ናብ ብሩክሊን ዝገዓዘሉ ምኽንያት

እቶም ኣብቲ ግዜ እቲ ኣብ ዕዮ ስብከት መሪሕ ግደ ዝነበሮም ሰባት፡ መደረታት ኣብ ጋዜጣታት ከም ዚሕተም ብምግባር ንሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ምዝርጋሕ ውጽኢታዊ ኸም ዝዀነ ይፈልጡ ነበሩ። ብ1908 እቲ ራስል ኣብ ሰሰሙን ዜቕርቦ ዝነበረ መደረታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብተን ብድምር 402,000 ቅዳሓት ዝነበረን 11 ጋዜጣታት ይወጽእ ነበረ።

ይኹን እምበር፡ ራስል ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ፦ “ብዛዕባ ጋዜጣ ዚፈልጡ ኣሕዋት፡ . . . እቲ ኣብ ሰሰሙን ዚቐርብ መደረታት ኣብ [ዓብዪ ኸተማ] እናተሓትመ ዚመጽእ እንተ ዀይኑ፡ ኣብ መላእ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኸም ዚበጽሕ ኪግበር ከም ዚከኣል ኣረጋጊጾምልና እዮም፣ ኣብ ውሽጢ ዓመት ብስሩዕ ዚሓትሙልና ብኣማእታት ዚቝጸሩ ሓተምቲ ኺርከቡ ኸም ዚኽእሉ እውን ሓቢሮምና እዮም።” በዚ ምኽንያት እዚ፡ ነቲ ዕዮ ስብከት ንምዝርጋሕ ዜኽእል ብሉጽ ቦታ ኼናድዩ ጀመሩ።

ንብሩክሊን ዝመረጽዋ ስለምንታይ እዮም፧ ራስል ከምዚ በለ፦ “መለኮታዊ መምርሒ ኽንረክብ ድሕሪ ምጽላይና፡ ብሩክሊን፡ ኒው ዮርክ . . . ብዙሕ ህዝቢ ዘለዋን ‘ከተማ ኣብያተ-ክርስትያን’ ተባሂላ እትፍለጥን ብምዃና፡ . . . ንዕዮ ቐውዒ እትኸውን ምሽውቲ ቦታ ኸም ዝዀነት፡ ብሓደ ድምጺ ወሲንና ኣለና።” እቲ እተረኽበ ውጽኢት፡ እዚ ውሳነ እዚ ጥበባዊ ምንባሩ ዚሕብር እዩ። ኣብ ውሽጢ ሓጺር ግዜ፡ መደረታት ራስል ኣብ 2,000 ጋዜጣታት ተሓቲሙ ኺወጽእ ጀመረ።

ኒው ዮርክ እተመርጸትሉ ኻልእ ጽቡቕ ምኽንያት እውን ኣሎ። ክሳዕ 1909 ኣብ ዝነበረ ዓመታት፡ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያን ጀርመንን ኣውስትራልያን ኣብያተ ጽሕፈት ጨንፈር ተመስሪተን ነበራ፣ ድሕሪኡ እውን ነዊሕ ከይጸንሐ ኣብ ካልኦት ሃገራት ተመስሪተን እየን። ስለዚ እምበኣር፡ ነቲ ዓለምለኻዊ ቐንዲ ቤት ጽሕፈት ናብታ ምስ ብዙሓት ሃገራት ዜራኽብ ጽርግያን መገዲ ባቡርን ዚርከባ ወደባዊት ከተማ ኸም ዚግዕዝ ምግባሩ ርትዓዊ ነበረ።

ቤትኤል እተባህለሉ ምኽንያት

እቲ ናይ መጀመርታ ቐንዲ ቤት ጽሕፈት ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ብ1880ታት ኣብ ኣሊጌኒ (ሎሚ ኽፍሊ ፒትስበርግ)፡ ፐንሲልቫንያ እዩ ተመስሪቱ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ቤት መጽሓፍ ቅዱስ ይብሃል ነበረ። ብ1896 እዚ መሳለጥያ እዚ 12 ኣባላት ነበርዎ።

እቲ መሳለጥያ ብ1909 ናብ ብሩክሊን ምስ ገዓዘ ግን ስም እቲ ሓድሽ መንበሪ ናብ ቤትኤል ተቐየረ።a ስለምንታይ እዩ ቤትኤል ተባሂሉ፧ እቲ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ዝዓደጎ ኣብ 13-17 ሂክስ ስትሪት ዚርከብ ህንጻ፡ ኣቐዲሙ በቲ ሀንሪ ዎርድ ቢቸር ዚበሃል ፍሉጥ ቀሺ ይውነን ብምንባሩ፡ ቤትኤል ቢቸር ተባሂሉ ይፍለጥ ነበረ። እቲ ኣብ 124 ኮሎምብያ ሀይትስ ዚርከብ ናይ ቀደም መንበሪ ቢቸር እውን ተዓደገ። ናይ 1 መጋቢት 1909 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ ኸምዚ ዚብል ጸብጻብ ሃበት፦ “ነቲ ኣቐዲሙ እተዓደገ ቤትኤል ቢቸር ምርካብና፡ ነቲ ቐደም መንበሪኡ ዝነበረ ኸኣ ብወዝቢ ኽንውንኖ ምኽኣልና ብሓቂ ዜደንቕ እዩ። . . . ነዚ ሓድሽ መንበሪ፡ ‘ቤትኤል፡’ ነቲ ሓድሽ ቤት ጽሕፈትን መአከቢ ኣዳራሽን ከኣ ‘ማሕደር ብሩክሊን’ ኢልና ኽንጽውዖ ኢና። እዚ ስማት እዚ ነቲ ‘ቤት መጽሓፍ ቅዱስ’ ዚብል ስም ዚትክእ እዩ።”

ሎሚ፡ እቲ ኣብ ብሩክሊንን ኣብ ክልተ ኻልእ ቦታታት ኒው ዮርክ፡ ማለት ኣብ ዎልኪልን ፓተርሰንን ዚርከብ መንበሪታትን ቤት ማሕተምን ኣብያተ ጽሕፈትን ዜጠቓልል ሰፊሕ መሳለጥያታት፡ ቤትኤል ተባሂሉ ይጽዋዕ ኣሎ። አረ ኣብዚ ግዜ እዝስ ኣብ መላእ ዓለም ኣብ 113 ሃገራት ቤትኤል ኣሎ። ንትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ምዝርጋሕ ዚሕግዙ ልዕሊ 19,000 ኣባላት ቤትኤል ከኣ ኣለዉ።

ንበጻሕቲ ኽፉት እዩ

እቲ መሳለጥያታት ብ31 ጥሪ 1909 ተወፈየ። ሰኑይ፡ 6 መስከረም 1909፡ ቤትኤል ንበጻሕቲ ኽፉት ነበረ። ካብቶም ሽዑ ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ተባሂሎም ዚጽውዑ ዝነበሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ብኣሽሓት ዚቝጸሩ ኣብ ቤትኤል ዑደት ገበሩ። መብዛሕትኦም ከኣ ካብቲ ኣብ ሳራቶጋ ስፕሪንግስ እተገበረ ክርስትያናዊ ዓብዪ ኣኼባ ዚመጹ እዮም፣ ሳራቶጋ ስፕሪንግስ ካብ ከተማ ኒው ዮርክ ብሸነኽ ሰሜን 320 ኪሎ ሜተር ርሒቑ ይርከብ። ቻርለስ ተይዝ ራስል ነቶም በጻሕቲ ሰላም እናበለ ተቐቢልዎም እዩ።b

ቤትኤል ኣብዚ ግዜ እዚ እውን እንተ ዀነ ንበጻሕቲ ኽፉት እዩ። ኣብ ዓዓመት እኳ ልዕሊ 40,000 ሰባት ኣብ ብሩክሊን ንዚርከብ ቤትኤል ይበጽሑ እዮም። ቤትኤል ብሩክሊን፡ ረብሓታት መንግስቲ የሆዋ ኣብ ምስፍሕፋሕ ዓብዪ ግደ ኣለዎ፣ እዚ ኸኣ ብሚልዮናት ንዚቝጸሩ ሰባት በረኸት የምጽኣሎም ኣሎ።

a እታ “ቤትኤል” እትብል ናይ እብራይስጢ ቓል፡ “ቤት ኣምላኽ” ማለት እያ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ቤትኤል ፍልጥቲ ኸተማ እስራኤል እኳ እንተ ነበረት፡ ብተደጋጋሚ እትጥቀስ ግን ከተማ የሩሳሌም እያ ነይራ።

b ዝያዳ ሓበሬታ ንምርካብ ኣብታ ጂሆቫስ ዊትነስስ—ፕሮክለይመርስ ኦቭ ጎድስ ኪንግደም ዘርእስታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት መጽሓፍ፡ ኣብ ገጽ 718-723 ርአ።

ብዛዕባ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን እንታይ ትፈልጥ፧

እቲ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ፐንሲልቫንያ ተባሂሉ ዚፍለጥ ሕጋዊ ትካል ብ1884 ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛን ትራክትን ጽዮን እዩ ተመስሪቱ። ዕላማኡ ኸኣ ብፍላይ ብጽሑፋት ጌርካ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሓቂ ምዝርጋሕ እዩ። ሎሚ፡ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ሓደ ኻብቲ ኣብ ብዘላ ዓለም ዚርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚጥቀሙሉ ሕጋዊ መሳርሒ ዀይኑ ኣሎ።c—ፊልጲ 1:7።

ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ብ473 ቋንቋታት፡ መጽሓፍ ቅዱስን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ጽሑፋትን ኣዳልዩ እዩ። ናይ ቅዱሳት ጽሑፋት ትርጕም ሓዳስ ዓለም ብምሉኡ ወይ ብኸፊሉ ብ72 ቋንቋታትን ብልዕሊ 150 ሚልዮን ቅዳሓትን ተሓቲሙ እዩ። እዚ ማሕበር እዚ ብዘይካ ትርጕም ሓዳስ ዓለም ነዚ ዚስዕብ ትርጕማት መጽሓፍ ቅዱስ እውን ኣሕቲሙ እዩ፦ ኣመሪካን ስታንዳርድ ቨርሽን፡ ዘ ባይብል ኢን ሊቪን ኢንግሊሽ፡ ዘ ኢምፋቲክ ዲያግሎት፡ ልንየር ፓራለል ኢድሽን (ብሆልማን እተተርጐመ)፡ ኪንግ ጀምስ ቨርሽን (እንተላይ እቲ ብተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ እተሰናደወ)፡ ከምኡውን ዘ ኒው ተስታመንት ኒውሊ ትራንስሌትድ ኤንድ ክርቲካል ኢምፋሳይዝድ ካልኣይ ሕታም። ነዚ ሕታማት እዚ ንገሊኡ ብናይ ገዛእ ርእሱ ማሕተም፡ ንገሊኡ ኸኣ ንንግዳዊ ማሕተም ከፊሉ እዩ ኸም ዚሕተም ገይሩ።

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመት፡ ንመጽሓፍ ቅዱስ ሓዲግካ፡ ልዕሊ 20 ቢልዮን ዚኸውን መጻሕፍቲ፡ መጽሔታት፡ ትራክትታት፡ ሲዲ፡ ዲቪዲ፡ ከምኡውን ካልእ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ናውቲ ኣዳልዮም እዮም።d መብዛሕትኡ እዚ ናውቲ እዚ ኣብዘን ዚስዕባ ሃገራት ኣብ ዚርከብ ቤትኤል እዩ ተሓቲሙን ተዓሺጉን ዚለኣኽ፦ ህንዲ፡ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ መክሲኮ፡ ሚያንማር፡ ስጳኛ፡ ብሪጣንያ፡ ብራዚል፡ ናይጀርያ፡ ኢጣልያ፡ ኣርጀንቲና፡ ኣውስትራልያ፡ ካናዳ፡ ኮሎምብያ፡ ኮርያ፡ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ጀርመን፡ ጃፓን፡ ፊሊፒንስ ከምኡውን ፊንላንድ።

ኣብ 1998-2008

እተዳለወ

መጻሕፍቲ

458,230,708

መጽሔታት

11,292,413,199

ትራክትታት

7,996,906,376

ብሮሹራት

862,050,233

ሲዲ/ኤምፒ3

34,621,130

ዲቪዲ

13,500,125

ካልእ

129,083,031

ድምር

20,786,804,802

c ብ2008፡ ኣብ 236 ሃገራት ኣብ 103,267 ጉባኤታት እተወደቡ 7,124,443 ዝዀኑ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነይሮም።

d እዚ ናውቲ እዚ ኣይሽየጥን እዩ። እቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘካይድዎ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብፍታው ብዚግበር ውጽኢት እዩ ዚድገፍ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ