ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w09 1/5 ገጽ 29-31
  • ስንክልና እናሃለወኒ ኽነሱ፡ ሓጐስ ረኸብኩ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ስንክልና እናሃለወኒ ኽነሱ፡ ሓጐስ ረኸብኩ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ናብ ብርቱዕ ጭንቀት ዝጠሓልኩሉ እዋን
  • ንኽጥዒ ነዊሕ እዋን ወሰደለይ
  • ሓድሽ ዕዮ
  • ካብ ድኻመይ በርታዕኩ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2014
  • ሕጂ ንኻልኦት ክሕግዝ ዝኽእል ኰይኑ እዩ ዚስምዓኒ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2015
  • መጽሓፍ ቅዱስ ንህይወት ሰባት ይቕይር
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
  • ኣብ ዜድልየኒ እዋን፡ ተስፋ ረኺበ
    ንቕሑ!—2014
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
w09 1/5 ገጽ 29-31

ስንክልና እናሃለወኒ ኽነሱ፡ ሓጐስ ረኸብኩ

ፖለት ጋስፐር ዘዘንተወቶ

ክውለድ ከለኹ ሰለስተ ኪሎ ግራም ኣቢለ እምዘን እኳ እንተ ነበርኩ፡ እቲ ሓኪም ግን ከቢድ ሽግር ከም ዘሎኒ ፈሊጡ ነይሩ። ኣብ ግዜ ሕርሲ፡ ገሊኡ ኣዕጽምተይ ነቕዐ። ኦስትዮጀነሲስ ኢምፐርፈክታ ዚበሃል ንኣዕጽምቲ ተሰባሪ ዚገብር ሕማም ነበረኒ። ናብ ክፍሊ መጥባሕቲ ተወሰድኩ፡ እቶም ሓካይም ግን ብዙሕ ተስፋ ኣይገበሩን። ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓት ክመውት ተጸበዩኒ።

ብ14 ሰነ 1972 ኣብታ ርእሲ ኸተማ ኣውስትራልያ ዝዀነት ካንበራ ተወለድኩ። ዋላ እውን ትጽቢት እንተ ዘይተገብረለይ፡ ነታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ግን ብህይወት ሰገርክዋ። ድሕሪኡ ግን፡ ብነድሪ ሳምቡእ ተለኸፍኩ። እቶም ሓካይም ሙማተይ ዘይተርፍ ስለ ዝመሰሎም፡ ዋላ ሓንቲ ሕክምናዊ ሓገዝ ከይገብሩ ወሰኑ። እንተዀነ ግን፡ ካብ ሞት ኣምለጥኩ።

ወለደይ ኣብቲ ግዜ እቲ ኣዝዩ ኸቢድዎም ኪኸውን ኣለዎ። ብህይወት ንምቕጻል ዝነበረኒ ዕድል ኣዝዩ ጸቢብ ይመስል ስለ ዝነበረ፡ እቶም ሰብ ሞያ ሕክምና ኻብ ሓልዮት ተበጊሶም ንወለደይ ብዙሕ ከይቀርቡኒ መኸርዎም። ኣብተን ኣብ ሆስፒታል ዝጸናሕኩለን ናይ መጀመርታ ሰለስተ ወርሒ፡ ወለደይ ኪትንክፉኒ እውን ኣይፍቀደሎምን እዩ ነይሩ። እንተ ተንኪፎምኒ፡ ኪጐድኡኒ ይኽእሉ ነይሮም። ብህይወት ከም ዝቕጽል እናነጸረ ምስ ከደ፡ እቶም ሓካይም ንወለደይ ኣብ መዕበዪ ስንኩላን ኬእትዉኒ ሓሳብ ሃብዎም።

ወለደይ ግን ናብ ቤቶም ኪወስዱኒ ወሰኑ። ኣደይ ኣብቲ ግዜ እቲ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽሓፍ ቅዱስ ከተጽንዕ ጀሚራ ነይራ። እቲ እተማህረቶ ድማ፡ ንኽትኣልየኒ ዚስምዓ ግዴታ ኸም ዚዛይድ ገበሮ። ኰይኑ ግን፡ ኵሉ ስምዒታውን ኣካላውን ብርታዐኣ ንዓይ ኣብ እትገብሮ ጽዑቕ ክንክን ይጽንቀቕ ብምንባሩ፡ ምሳይ ምቅርራብ ከቢድዋ ኪኸውን ኣለዎ። ብተደጋጋሚ ናብ ሆስፒታል እኸይድ ነበርኩ። ከም ምሕጻብ ሰብነት ዝኣመሰለ ቐሊል ተግባር እውን ንኣዕጽምተይ ኪሰብሮ ይኽእል ነበረ። ዋላ እውን እንጥሾ እንተ ኢለ፡ ዓጽመይ ኪነቅዕ ይኽእል ነበረ።

ናብ ብርቱዕ ጭንቀት ዝጠሓልኩሉ እዋን

እናዓበኹ ኣብ ዝኸድኩሉ እዋን፡ ካብ ብሽክለታ ስንኩላን ኣይፍለን እየ ነይረ። ብእግረይ ምኻድ ካብ ሕቶ ወጻኢ እዩ ነይሩ። ጸገማት እናሃለወኒ ኽነሱ፡ ወለደይ ብኣካላዊ መዳይ ዜድልየኒ ዘበለ ጽቡቕ ገይሮም የማልኡለይ ነበሩ።

ኣብ ርእሲኡ፡ ኣደይ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ዜጸናንዕ መልእኽቲ ንኽትምህረኒ ዚከኣላ ዘበለ ገበረት። ንኣብነት፡ ኣብ መጻኢ ኣምላኽ ንምድሪ ገነት ከም ዚገብራ፡ ኣብኣ ኸኣ ሰባት ፍጹም መንፈሳውን ኣእምሮኣውን ኣካላውን ጥዕና ኸም ዚረኽቡ መሃረትኒ። (መዝሙር 37:10, 11፣ ኢሳይያስ 33:24) ይኹን እምበር፡ እቲ ግዜ እቲ ኽሳዕ ዚመጽእ፡ ኣነ ባህ ዜብል ህይወት ዝረክብ ኰይኑ ኸም ዘይስምዓ ኣሚናትሉ ነይራ።

ኣብ ፈለማ፡ ንስንኩላን ኣብ እተዳለወ ቤት ትምህርቲ እመሃር ነበርኩ። መምህራነይ ሸቶ ንኸውጽእ ኣየተባብዑንን፡ ኣነ እውን ዋላ ሓንቲ ሸቶ ኣይነበረንን። ናብ ቤት ትምህርቲ ምኻድ ጥራይ ንባዕሉ ዓብዪ ብድሆ እዩ ዀይኑኒ ነይሩ። ብዙሓት ኣብኡ ዝነበሩ ቘልዑ ሕሱማት እዮም ነይሮም። ድሕሪኡ ኣብ ተራ ቤት ትምህርቲ ኣተኹ። ምስ ካልኦት ምስምማዕ ጥራይ፡ ንዅሉ ኣካላውን ስምዒታውን ኣእምሮኣውን ብርታዐይ ይጽንቅቖ ነበረ። ይኹን እምበር፡ ነቲ 12 ዓመት ዚወስድ ትምህርተይ ክውድእ ቈሪጸ እየ ነይረ።

ብፍላይ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን፡ ህይወት መማህርተይ ክሳዕ ክንደይ ተስፋ ዘይብሉን ባዶን ምዃኑ እሓስብ ነበርኩ። ብዛዕባ እቲ ኣደይ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝመሃረትኒ እውን እሓስብ ነበርኩ። እቲ ዝበለትኒ ሓቂ ምዃኑ ኣይከሓድክዎን። ኣብቲ ግዜ እቲ ግን፡ ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ንልበይ ኣይተንከፎን። ንእተወሰነ ግዜ፡ ንጽባሕ ከይሓሰብኩ፡ ህይወተይ ብዋዛን ሰሓቕን ክመልኦ ፈተንኩ።

ጓል 18 ዓመት ምስ ኰንኩ፡ ካብ እንዳ ወለደይ ወጺአ፡ ስንኩላን ኣብ እተኣኻኸቡሉ ቤት ክነብር ጀመርኩ። እዚ ዝወሰድክዎ ስጕምቲ ዜሐጕስን ዜፍርህን ኰይኑ ረኸብክዎ። ሓድሽ ናጽነት ምርካብ፡ ፈተውቲ ምጥራይ፡ ምስ ፈተውተይ ግዜ ምሕላፍ ኣዝዩ ዚስሕብ ነገር እዩ ነይሩ። ብዙሓት ፈተውተይ ተመርዓዉ። ኣነ እውን ዜፍቅረኒ ብዓል ሓዳር ክረክብ ሃረር እብል ነበርኩ። ብሰንኪ ስንክልናይ ግን፡ መጻምድቲ ንምርካብ ዘሎኒ ዕድል ኣዝዩ ጸቢብ እዩ። ነዚ ምስ ተገንዘብኩ ኣዝየ ጐሃኹ።

ይኹን እምበር፡ በቲ ዅነታተይ ንኣምላኽ ኣማሪረ ኣይፈልጥን እየ። ብዛዕባ ኣምላኽ እኹል ትምህርቲ ስለ ዝነበረኒ፡ ዘይፍትሓዊ ነገር ከቶ ኸም ዘይገብር እፈልጥ ነይረ። (እዮብ 34:10) ህይወተይ ከም ዘለዎ ክቕበሎ እጽዕር ነበርኩ። ኰይኑ ግን፡ ናብ ብርቱዕ ጭንቀት ጠሓልኩ።

ንኽጥዒ ነዊሕ እዋን ወሰደለይ

ኣደይ ነቲ ዅነታተይ ስለ ዝፈለጠቶ፡ ንሓደ ኻብቶም ኣብቲ ኸባቢ ዚነብሩ ሽማግለታት ጉባኤ ሓበረቶ። ንሱ ድማ ተሌፎን ደዊሉ ናብቲ ኣብቲ ኸባቢ ዚርከብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚግበር ክርስትያናዊ ኣኼባታት ክመጽእ ዓደመኒ። ኣብታ ጉባኤ እትርከብ ሓንቲ ሓብቲ እውን ሰሙናዊ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክትመርሓለይ ጀመረት።

ኣደይ ቅድሚ ዓመታት ዝመሃረትኒ ሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ክዝክሮ ምስ ጀመርኩ፡ ብዛዕባ ህይወት ዘሎኒ ኣረኣእያ ኺመሓየሽ ጀመረ። ምስ ክርስትያን ብጾት ግዜ ምሕላፍ ባህ ይብለኒ ነበረ። ይኹን እምበር፡ ስምዒተይ ምእንቲ ኸይጕዳእ፡ ብዛዕባ ዚስምዓኒ ነገራት ኣይዛረብን እየ ነይረ። እዚ ኸኣ ነታ ኣምላኽ ንዓና ዘላቶ ዓማቝ ፍቕሪ ንኸየስተማቕራ ዕንቅፋት ዝዀነኒ ይመስለኒ። ኰይኑ ግን፡ ህይወተይ ንዕኡ ኽውፊ ኸም ዘሎኒ እፈልጥ ነይረ። ስለዚ፡ ኣብ ታሕሳስ 1991 ርእሰይ ከም ዝወፈኹ ብጥምቀት ኣርኣኹ።

ካብታ ምስ ስንኩላን ብጾተይ ዝነብረላ ዝነበርኩ ቤት ወጺአ፡ ንበይነይ ናብ ኣፓርታማ ገዓዝኩ። እዚ ለውጢ እዚ፡ ረብሓታትን ጸገማትን ኣምጸኣለይ። ንኣብነት፡ ብጽምዋ እብላዕ ነበርኩ። ደቂ ተባዕትዮ ገዛይ ሰይሮም ከይኣትዉ እውን እፈርህ ነበርኩ። ነዊሕ ከይጸናሕኩ መሊሰ ብብርቱዕ ጭንቀት ተወሓጥኩ። ፍሽሕውትን ሕጉስትን እኳ እመስል እንተ ነበርኩ፡ ውሽጠይ ግን ሽግር ነበረኒ። ጥዑይን ጽኑዕን ፈታዊ ኽረክብ ሃረር እብል ነበርኩ።

የሆዋ ኣምላኽ ከምቲ እተመነኽዎ ዓይነት መሓዛ ሂቡኒ እዩ። ኣብ ጉባኤና ዝነበሩ ሽማግለታት ንሓንቲ ሱዚ እትበሃል ምርዕውቲ ሓብቲ፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኽትቅጽለለይ መደብዋ። ሱዚ መምህረይ ጥራይ ኣይነበረትን። ኣዝየ ዝፈትዋ ናይ ቀረባ መሓዛይ ኰነት።

ነቲ ዝመሃሮ ዝነበርኩ፡ ካብ ቤት ናብ ቤት ወይ ብዘይወግዓዊ መገዲ ንኻልኦት ከካፍል ኣሰልጠነትኒ። ድሕርዚ፡ ንባህርያት ኣምላኽ ብዝያዳ ኸስተማቕሮ ኸኣልኩ። ይኹን እምበር፡ ጥምቕቲ እኳ እንተ ነበርኩ፡ ንኣምላኽ ግን ዓሚቝ ፍቕሪ ኣየሕደርኩን ነይረ። ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ፡ ንዕኡ ምግልጋል ከቋርጽ እውን ሓሲበ ነይረ። ነዚ ድማ ንሱዚ ኣካፈልክዋ፣ ንሳ እውን ንጸገማተይ ክሰግሮ ሓገዘትኒ።

ብተወሳኺ እውን፡ መብዛሕትኡ ጓህየይ ካብቲ ምስቶም ንየሆዋ ሓያል ፍቕሪ ዘይብሎም ሰባት ዘሎኒ ምቅርራብ ከም ዚምንጭው ንኸስተውዕል፡ ሱዚ ሓገዘትኒ። ስለዚ፡ ብመንፈስ ብሱላት ምስ ዝዀኑ ሰባት፡ ምናዳ ኸኣ ብዕድመ ምስ ዝደፍኡ ምሕዝነት ክገብር ጀመርኩ። ምስ ኣደይ ዝነበረኒ ርክብ እውን ሓርፊፉ ነበረ፣ ስለዚ፡ ምስኣን ምስ ሓወይን ጽቡቕ ርክብ ክገብር ጀመርኩ። ቅድሚኡ ረኺበዮ ዘይፈልጥ ሓጐስ ክረክብ ብምኽኣለይ ተገረምኩ። መንፈሳውያን ኣሕዋተይን ኣሓተይን፡ ስድራ ቤተይ፡ ልዕሊ ዅሉ ኸኣ የሆዋ ምንጪ ሓጐስን ብርታዐን ኰኑኒ።—መዝሙር 28:7።

ሓድሽ ዕዮ

ኣብ ሓደ ኣኼባ ኣውራጃ ብዛዕባ እቲ ብዙሓት ሰባት ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ክርስትያናዊ ኣገልግሎት ዚረኽብዎ ሓጐስ ምስ ሰማዕኩ፡ ‘ከምኡ ዘይገብር’ ኢለ ሓሰብኩ። እዚ ዕዮ እዚ ብኣካላዊ መዳይ ከም ዚኸብደኒ ኣስተውዒለ ነይረ። ነቲ ጕዳይ ብጸሎት ድሕሪ ምምርማረይ ግን፡ ናይ ምሉእ ግዜ መምህር መጽሓፍ ቅዱስ ክኸውን ኣመልከትኩ፣ ኣብ ሚያዝያ 1998 ከኣ ዕዮይ ጀመርኩ።

ምስዚ ዅሉ ጸገማተይ ብኸመይ እየ ኣብ ንጥፈታት ስብከት ክካፈል ክኢለ፧ ብተፈጥሮይ ንሰብ ከሸግር ስለ ዘይደሊ፡ ኣብ መጐዓዝያ ዀነ ኣብ ካልእ ነገራት ንኻልኦት ጾር ክኸውን ኣይደልን እየ። ስለዚ፡ ሱዚን ማይክል ሰብኣያን፡ ብሽክለታ ሞተር ክዕድግ ሓሳብ ኣቕረቡለይ። ከመይ ገይረ ግን እየ ብሽክለታ ሞተር ዝዝውር፧ ኣብዚ ስእሊ ኸም እትርእይዎ፡ እታ ብሽክለታ ሞተር ንዓይ ተባሂላ እተነድፈት እያ። ስለዚ፡ ነቲ 19 ኪሎ ግራም ዚምዘን ቍንጹብ ሰብነተይ እውን እንተ ዀነ፡ ካብ ብሽክለታ ስንኩላን ከልዕሎ ኣየድለየንን እዩ።

በዚ ናጽነተይ እዚ ተጠቒመ ንሰባት ክበጽሕን ንዓታቶም ኰነ ንዓይ ኣብ ዚጥዕመኒ ግዜ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክመርሕን ክኢለ እየ። ነታ ብሽክለታ ሞተር ክዝውራ ኸለኹ፡ ኣብ ገጸይ ንፋስ ፈሽፈሽ ኪብል ከሎ ባህ ይብለኒ እዩ፣ እዚ ሓደ ኻብቲ ኣብ ህይወተይ ዝረኽቦ ባህታ እዩ!

ብወዝቢ ኣብ መገዲ ምስ ዝረኽቦም ሰባት ዝርርብ ምጅማር የሐጕሰኒ እዩ፣ ብሓፈሻኡ፡ ምሳይ ኣብ ዘለዎም ርክብ እሩማትን ኣኽበርትን እዮም። ንኻልኦት ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ምምሃር የሐጕሰኒ እዩ። ሓደ መዓልቲ ምስ ሓደ ነዊሕ ብጻየይ ካብ ቤት ናብ ቤት ከነገልግል ከለና ዘጋጠመኒ ኣይርስዓንን እዩ። ንሱ ነታ ብዓልቲ ቤት ሰላምታ ኺህባ ኸሎ፡ ንሳ ግን ብምግራም ናባይ እናጠመተት፡ “ክትዛረብ ትኽእል ድያ፧” ኢላ ሓተተቶ። ክልቴና ብሰሓቕ ተወዳእና። ምስ ሰበኽኩላ ግን፡ ብሓቂ ኽዛረብ ከም ዝኽእል ኣረጋገጸት!

ሕጂ ዘሎኒ ህይወት የሐጕሰኒ እዩ፣ ንየሆዋ ኣምላኽ እውን አፍቅሮ እየ። ኣደይ ሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ስለ ዝመሃረትኒ ኣዝየ እየ ዘመስግና፣ ነቲ ኣምላኽ ‘ንዅሉ ዜሐድሰሉ፡’ እንተላይ ነዚ ቝንጹብ ሰብነተይ ዜሐድሰሉ ግዜ ድማ ብምትእምማን እየ ዝጽበዮ።—ራእይ 21:4, 5።

[ኣብ ገጽ 30 ዘሎ ስእሊ]

“ህይወተይ ከም ዘለዎ ክቕበሎ እጽዕር ነበርኩ። ኰይኑ ግን፡ ናብ ብርቱዕ ጭንቀት ጠሓልኩ”

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ