መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ ግዜና ግብራዊ ዝዀነሉ ምኽንያት
“ብመንፈስ ኣምላኽ ዝተጻሕፈ ቅዱስ መጽሓፍ . . . ቅኑዕ ናብራ ንምምሃር ይጠቅም እዩ።” —2 ጢሞቴዎስ 3:16, 17 ትርጕም 1990
ኣብዚ ዝሓለፈ ዘመናት፡ መጽሓፍ ቅዱስ እተፈላለየ ባህሊ ንዘለዎም ሰባት ህይወቶም ከም ዚመሓየሽ ገይሩ እዩ። እዛ ኣብ ላዕሊ ዘላ ጥቕሲ ኸም እትሕብሮ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ኣብ ምግባር ውጽኢታዊ ኪኸውን ዝኸኣለ፡ እቲ ሒዝዎ ዘሎ ጥበብ ካብ ኣምላኽ ዝመጸ ብምዃኑ እዩ። ብሰባት እኳ እንተ ተጻሕፈ፡ ሓሳብ ኣምላኽ እዩ ዚነግረና። “ቅዱሳት ሰባት እዮም ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሖም ካብ ኣምላኽ እተዛረብዎ” ኸኣ ይብለና።—2 ጴጥሮስ 1:21።
መጽሓፍ ቅዱስ እንተ ወሓደ ብኽልተ መዳያት ግብራዊ መምርሒ ይህብ እዩ። ቀዳማይ፡ ዝሓሸ ህይወት ኪበሃል ከሎ እንታይ ከም ዜጠቓልል ኣብ ክውንነት እተመርኰሰ ርእይቶ ይህብ። ካልኣይ፡ ሰባት ዝሓሸ ህይወት ንምርካብ ለውጢ ንኺገብሩ ዚድርኽ ሓይሊ ኣለዎ። ነዚ ኽልተ መዳያት እስከ ንመርምሮ።
ግብራዊ ሸቶታት ንኸነውጽእ ዚሕግዝ ትምህርቲ
ኣምላኽ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ኣነ ኽምህረካ፡ ነታ እትኸደላ መገዲ ድማ ከርእየካ እየ፡ ዓይነይ ናባኻ ኣቢለውን ክመኽረካ እየ” ኢሉ ቓል ኣትዩልና ኣሎ። (መዝሙር 32:8) ኣምላኽ፡ ምኽርን ትምህርትን ከም ዚህበና ኣስተብህል፣ እዚ ኸኣ ንኽንልብም ይሕግዘና። ብሓቂ ጠቓሚ ዝዀነ ሸቶታት ኣየናይ ምዃኑ እንተ ተማሂርና፡ ንህይወትና ኣብ ዘይረብሕ ነገር ካብ ምብኻን የዕቍበና።
ንኣብነት፡ ብዙሓት ሰባት ቀንዲ ዕላማ ህይወቶም፡ ተፈላጥነት ወይ ሃብቲ ምርካብ እዩ። ርእስኻ ንምሕጋዝ ተባሂሉ ዚዳሎ መጻሕፍቲ፡ ዝና ወይ ሃብቲ ንምርካብ ብኸመይ ንኻልኦት ከም እትበልጾም ብዚገልጽ ምኽሪ ዝመልአ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ግን፡ ‘ሰብ ኣብ ብጻዩ ኪቐንእ ከንቱነትን ደድሕሪ ንፋስ ምጕያይን እዩ’ ኸምኡውን “ብሩር ዚፈቱ ብብሩር ኣይጸግብን” ይብል። (መክብብ 4:4፣ 5:10) እዚ ምኽሪ እዚ ነዚ ግዜና ግብራዊ ድዩ፧
ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ምኽሪ ኽሳዕ ክንደይ ግብራዊ ኸም ዝዀነ ንምርዳእ፡ ነቲ ኣብ ጃፓን ዚነብር ኣኪኖሪ ዘጋጠሞ እስከ ንርአ። ብርቱዕ ውድድር ሰጊሩ፡ ካብ ዝበለጸ ዩኒቨርሲቲ ተመረቐ፣ ኣብ ሓደ ፍሉጥ ትካል ድማ ስራሕ ረኸበ። ኵሉ ነገር ዝሰለጦ ይመስል ነበረ። ኰይኑ ግን፡ እቲ ዝረኸቦ ዓወት፡ ነቲ እተጸበዮ ሓጐስ ኣየምጽኣሉን። የግዳስ፡ ውጥረትን ድኻምን ጥዕና ኸም ዚስእን ገበሮ። እቶም ኣብ ስራሕ ዚረኽቦም ኣዕሩኹ እውን እንተ ዀኑ፡ ብዙሕ ኣየጸናንዕዎን። ብጭንቀት ስለ እተዋሕጠ፡ ኣልኮላዊ መስተ ብብዝሒ ኺሰቲ ጀመረ፣ ህይወቱ ኼጥፍእ ድማ ይደሊ ነበረ። ድሕሪኡ፡ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽሓፍ ቅዱስ ኬጽንዕ ጀመረ። እቲ እተመሃሮ ኸኣ ነቲ ብዛዕባ ኣብ ህይወት ኣገዳሲ ዝዀነ ነገራት ዝነበሮ ኣረኣእያ ኸም ዚቕይር ገበሮ። ድሕሪኡ ብዙሕ ከይጸንሐ፡ እቲ ብሰሪ ውጥረት ዚስምዖ ዝነበረ ሕማም ሓደጎ። ብትዕቢትን ህርፋንን ኣብ ክንዲ ዚሰሓብ፡ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ፡ “ዓቃል ልቢ ንስጋ ህይወቱ እዩ” ዚብል ምሳሌ ኣብ ህይወቱ ተመኪርዎ እዩ።—ምሳሌ 14:30።
ኣብ ህይወት ልዕሊ ዅሉ ግብራዊ ዝዀነ ሸቶ ኣየናይ ይመስለካ፧ ናይ ሓቂ ሓጐስ ከም እትረክብ ዚገብረካ እንታይ እዩ፧ ዕዉት ሓዳር ምህላው ድዩ፡ ወይስ ንውሉዳትካ ጽቡቕ መሰረት ምትሓዝ፧ ብዙሓት ፈተውቲ ምጥራይ ድዩ፡ ወይስ ኣብ ህይወት ሓጐስ ምርካብ፧ እዚ ዅሉ፡ ጠቓሚ ሸቶ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ እውን እንተ ዀነ፡ ከምኡ ምግባር የተባብዕ እዩ፣ ኰይኑ ግን፡ ቀንዲ ዕላማ ህይወት ኣይኰነን። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ዜዕግብ ህይወት ንምርካብ ኪማላእ ብዛዕባ ዘለዎ ቐንዲ ረቛሒ ኺገልጽ ከሎ፡ “እዚ ናይ ሰብ ኵለንትና እዩ እሞ፡ ንኣምላኽ ፍርሃዮ፡ ንትእዛዛቱውን ሐልዎ” ዚብል ግብራዊ ትምህርቲ ይህብ። (መክብብ 12:13) ነዚ ትእዛዝ እዚ እንተ ዘይፈጺምናዮ፡ ህይወትና ዕላማ ዘይብሉ፡ ዜበሳጩ፡ ከምኡውን መወዳእታኡ ዜጕሂ ይኸውን። ብኻልእ ሸነኽ ግን መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ብእግዚኣብሄር ዚእመን ከኣ ብጹእ እዩ” ይብል።—ምሳሌ 16:20።
መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሰባት ንኺልወጡ ዚድርኾም ብኸመይ እዩ፧
ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “ቃል ኣምላኽ ህያውን መስለጥን እዩ” ኢሉ ጸሓፈ። ልክዕ ከምቲ ኽልተ ዝኣፉ በሊሕ ሰይፊ፡ ምሕላንን ሓሳብ ልብን ኪትንክፍ ይኽእል እዩ። (እብራውያን 4:12) መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሰባት ብዛዕባ መንነቶም ከምቲ ዚሓስብዎ ዘይኰነስ፡ ናይ ሓቂ እንታይነቶም ኪፈልጡ ስለ ዚሕግዞም፡ ንኣነባብራ ሰባት ናይ ምቕያር ሓይሊ ኣለዎ። በዚ ኸምዚ፡ እቶም ቅኑዕ ዝልቦም ለውጢ ኺገብሩ ኸም ዜድልዮም ይርድኡ። ንኣብነት፡ ጳውሎስ ነቶም ሓደ እዋን ሰረቕቲ፡ ሰካራት፡ ዘመውቲ፡ ከምኡውን ካልኦት ከምኡ ዝኣመሰለ ዚገብሩ ዝነበሩ ኣባላት ጥንታዊት ጉባኤ ቈረንቶስ ኪዛረቦም ከሎ፡ “ገሌኹም ከኣ ከማታቶም ኔርኩም፡ ግናኸ . . . ብመንፈስ ኣምላኽና ተሐጺብኩም” በሎም። (1 ቈረንቶስ 6:9-11) ሎሚ እውን ናይ የሆዋ መንፈስ ቅዱስ ንጡፍን ሓያልን ብምዃኑ፡ ሰባት ኣድላዪ ለውጢ ንኺገብሩ ኺድርኾም ይኽእል እዩ።
ኣብ ኣውሮጳ ዚነብር ማሪዮ፡ ማሪዋና ዜትክኽን ዚሸይጥን ዓመጸኛ ሰብ ነበረ። ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ፡ ሓደ ፖሊስ ንሓሽሹ ምስ ገበቶ፡ ኣዝዩ ስለ ዝሓረቐ፡ መጥቃዕቲ ኣውረደሉ፣ ነታ ማኪናኡ ድማ ሰባበራ። ብዘይካዚ፡ ማሪዮ ስራሕ ኣይነበሮን፡ ኣብ ዕዳ እውን ኣትዩ ነበረ። ንጸገማቱ ባዕሉ ኺፈትሖ ኸም ዘይክእል ምስ ተረድአ፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪምርሓሉ ተሰማምዐ። ዕቤት እናገበረ ምስ ከደ፡ ጽሬቱ ኺሕሉ ጀመረ፡ ሓሽሽ ምጥቃምን ምሻጥን ኣቋረጾ፡ ከምኡውን ኣብ ዓመጽ ምክፋል ሓደጎ። ቀደም ዚፈልጥዎ ዝነበሩ ብዙሓት ሰባት ኣዝዮም ተገረሙ። ደው ኣቢሎም ከኣ፡ “ማሪዮ፡ ብሓቂ ንስኻ ዲኻ፧” ኢሎም ይሓትዎ ነበሩ።
ከም ኣኪኖሪን ማሪዮን ዝኣመሰሉ ውልቀ-ሰባት ህይወቶም ቀይሮም ናይ ሓቂ ዕግበትን ሓጐስን ኪረኽቡ ዝደረኾም እንታይ እዩ፧ እቲ ኻብ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝረኸብዎ ብዛዕባ ኣምላኽ ዚገልጽ ሓድሽ ፍልጠት ከም ዝዀነ ኣየጠራጥርን እዩ። ሕጂ ኣብ ህይወትና ዕዉታት ከም እንኸውንን ኣብ መጻኢ ናይ ዘለኣለም ህይወት ናይ ምርካብ ተስፋ ኸም ዚህልወናን ዚገብር ግብራዊ መምርሒ ኽንረክብ እንኽእል፡ ካብ ኣምላኽ ጥራይ እዩ። የሆዋ ኣምላኽ ልክዕ ከም ኣቦ ዀይኑ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ወደየ፡ ስማዕ፡ ቃለይ ድማ ተቐበል፡ ዓመታት ዕድሜኻውን ኪበዝሕ እዩ። . . . ክትከይድ ከሎኻ፡ ስጕምትኻ ኣይኪሐጽርን፡ እንተ ጐየኻውን ኣይክትዕንቀፍን ኢኻ። ህይወትካ እያ እሞ፡ ንተግሳጽ ሐዛ፡ ኣይትሕደጋ፡ ሐልዋውን” ኢሉና ኣሎ። (ምሳሌ 4:10-13) ንመምርሒ ፈጣሪና ኸነናዲ ኻብ ዚገልጽ ምኽሪ ንላዕሊ እሞ ኻልእ እንታይ ግብራዊ ምኽሪ ኽንረክብ ንኽእል፧
[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]
ነዚ ግዜና ዚኸውን ግብራዊ ምኽሪ
መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣብዚ እዋን እዚ ኺመርሓና ዚኽእል መሰረታዊ ግን ከኣ ግብራዊ ስርዓታት ይህብ እዩ። ገለ ኣብነታት እንሆ፦
• ምስ ካልኦት ጽቡቕ ርክብ ምምስራት
“ከምቲ ሰብ ኪገብሩልኩም እትደልይዎ ዘበለ ዅሉ ንስኻትኩምውን ከምኡ ግበሩሎም።”—ማቴዎስ 7:12።
“እቲ ኣብ ማእከል ኵልኹም ዚንእስ፡ ዓብዪ ዚኸውን ንሱ እዩ።”—ሉቃስ 9:48።
“ንምቕባል ጋሻ ተቓዳደሙ።”—ሮሜ 12:13።
• ጐዳኢ ኣመላት ምስናፍ
“ምስ ጠቢባን ዚመላለስ ጠቢብ ይኸውን፡ ምስ ዓያሱ ዚመሐዞ ግና ሕሱም ይኸውን።”—ምሳሌ 13:20።
“ኣብ ማእከል ሰተይቲ ወይኒ . . . ኣይትኹን።”—ምሳሌ 23:20።
“ምስ ኰራዪ ሰብ ኣይትመሐዞ።”—ምሳሌ 22:24።
• ድልዱል ሓዳር ምህናጽ
“ንስኻትኩምውን ከምኡ ነፍሲ ወከፍኩም ነታ ሰበይቱ ኸም ነፍሱ ገይሩ የፍቅራ፡ እታ ሰበይቲውን ንሰብኣያ ትፍርሀዮ።”—ኤፌሶን 5:33።
“ምሕረት ልቢ፡ ለውሃት፡ ትሕትና፡ ዓቕሊ፡ ትዕግስቲ ልበሱ። ንሓድሕድኩም እናተጻወርኩም፡ እቲ ሓደ ኣብቲ ሓደ ኽሲ እንተለዎ፡ ይቕረ ተባሃሀሉ።”—ቈሎሴ 3:12, 13።
• ውሉዳት ምሕጋዝ
“ንቘልዓ እታ ኪኸደላ ዚግብኦ መገዲ ኣላምዶ እሞ ምስ አረገ ኻብኣ ኣይኬግልስን እዩ።”—ምሳሌ 22:6።
“ኣቱም ኣቦታትውን፡ ነቶም ውሉድኩም ብናይ ጐይታ ተግሳጽን ምዕዶን ደኣ ኣዕብይዎም እምበር፡ ኣይተዀርይዎም።”—ኤፌሶን 6:4።
• ካብ ባእሲ ምርሓቕ
“ልኡም ምላሽ ንቝጥዓ የህድኦ፡ ተሪር ቃል ግና ኵራ የልዕል።”—ምሳሌ 15:1።
“ንሓድሕድኩም ብምክብባር እናተቓዳደምኩም።”—ሮሜ 12:10።
ኣዕሩኽ እውን እንተ ዀኑ፡ ኣብ ጽሑፍ ዝሰፈረ ስምምዕ ብምግባር፡ ካብ ባእሲ ኺርሕቁ ይኽእሉ እዮም። በዚ ምኽንያት እዚ እዩ እቲ ኣገልጋሊ ኣምላኽ ዝነበረ ኤርምያስ፡ “ኣብ መጽሓፍ ጽሒፈ ኸኣ ሐተምክዎ፡ ምስክር ጸዊዔ ድማ ነቲ ገንዘብ ብሚዛን መዘንኩሉ” ኢሉ ዝጸሓፈ።—ኤርምያስ 32:10።
• ኣወንታዊ ኣረኣእያ ምምዕባል
“ሓቂ ዘበለ፡ . . . ተፈታዊ ዘበለ፡ ጽቡቕ ወረ ዘለዎ ዘበለ፡ ገለ ደግነት እንተ ዀይኑ፡ ገለ ንእዶውን እንተ ዀይኑ፡ ብእኡ ሕሰቡ።”—ፊልጲ 4:8።
መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣሉታዊ ሓሳብ ክንሓስብ ኰነ “ዘይሕጉሳት” ክንከውን ኣየተባብዓናን እዩ። ኣብ ክንዳኡስ፡ “ብተስፋ ተሐጐሱ” እዩ ዚብል።—ይሁዳ 4, 16 ትርጕም 1990፣ ሮሜ 12:12።
ነዚ ዜደንቕ ስርዓታት ኣብ ግብሪ ምውዓል፡ ኣብዚ እዋን እዚ ሰላምን ዕግበትን ክንረክብ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ምስ ብቕዓታት ኣምላኽ ተሰማሚዕና በረኸቱ ኽንረክብ እውን የኽእለና። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ጻድቃን ንምድሪ ኪወርስዋ፡ ኣብኣውን ንዘለኣለም ኪነብሩ እዮም” ይብል።—መዝሙር 37:29 ትርጕም 1990።
[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ስእሊ]
ኣኪኖሪ ነጋዳይ ከሎን (ጸጋም) ሎሚ ምስ ሰበይቱ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ እናኣካፈለን