ዜሕዝን ፍጻመታት እኳ እንተ ኣጋጠመኒ፡ መማሰዊ እየ መጽሓፍ ቅዱስ ንኽጸንዕ ብኸመይ ከም ዝሓገዘኒ
ኤንሪኬ ካራባካ ኣኮስታ ዘዘንተዎ
እዋኑ 15 ሚያዝያ 1971 ነበረ። ንስድራ ቤተይ ክበጽሖም ኢለ ናብቲ ስድራና ዚነብሩሉ ቦታ ሕርሻ ኸድኩ። ንእተወሰነ እዋን ተፈልየዮም ስለ ዝነበርኩ፡ ንዅሎም ክረኽቦም ተሃንጥየ እየ ነይረ። ብምሉኦም ኣብኡ ይጸንሑኒ እንተ ዀይኖምን ፈለማ ንመን ከም ዝረክብን እሓስብ ነበርኩ። ኣብኡ ምስ በጻሕኩ ግን ዜስካሕክሕ ነገር ኣጋጠመኒ፣ ኣርባዕተ ሰባት፡ እንተላይ ኣደይ ተቐቲሎም ጸንሑኒ!
ካብቲ ኽገልጾ ዝኽእል ንላዕሊ ቕዝዝ ኢለ ተረፍኩ። እንታይ እዩ ኣጋጢሙ፧ እንታይከ እየ ዝገብሮ፧ ኣብ ጐድነይ ዋላ ሓደ ሰብ ኣይነበረን፡ ምድረ-ሰማይ ከኣ ጽልምት በለኒ። ነዚ ታሪኽ እዚ ቕድሚ ምንጋረይ፡ ብዛዕባ ኣተዓባብያይ እስከ ቝሩብ ከዘንትወልኩም። ድሕሪኡ፡ ነዝን ንኻልእ ኣብ ህይወተይ ዘጋጠመኒ ዜሕዝን ፍጻመታትን ብዚምልከት እተሰምዓኒ ስምዒት ኣጸቢቕኩም ክትርድእዎ ኢኹም።
ንሓቂ ረኸብናያ
ኣብታ ኣብ ኮስታ ሪካ ኣብ ጥቓ ኒኮያ እትርከብ ኪሪማን እየ ተወሊደ። ብ1953 ወዲ 37 ዓመት ከለኹ፡ ምስ ወለደይ ኣብ ናይ ስድራና ቦታ ሕርሻ እነብር ነበርኩ። ሰዓብቲ ካቶሊክ ኴንና እኳ እንተ ዓበና፡ ገሊኡ ሰረተ-እምነት ግን የጕህየና ነበረ፣ ብዙሕ ዘይተመለሰ ሕቶታት ከኣ ነበረና።
ሓደ ንግሆ፡ ኣናቶልዮ ኣልፋሮ ዚበሃል ሰብኣይ ናብ ገዛና መጺኡ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ከነጽንዕ ኣተባብዓና። ብዙሕ ጥቕስታትን ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስን ድማ ነገረና። ኣነ፡ ኣቦይ፡ ኣደይ፡ ሓደ ኻብ ኣሕዋተይ፡ ሓብተይ፡ ከምኡውን ምሳና እትነብር ዝነበረት መሓዛኣ ኾፍ ኢልና ሰማዕናዮ። ብዙሕ ሕቶታት ስለ ዝነበረና፡ እቲ ምይይጥ ካብ ንግሆ ጀሚሩ ኽሳዕ ለይቲ ቐጸለ።
ኣናቶልዮ ምሳና ሓደረ፡ ንጽባሒቱ እውን ምሳና ወዓለ። እቲ ዝሰማዕናዮ ኣዝዩ መሰጠና፡ ሕቶታትና ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ ምስ ተመለሰልና እሞ ኸኣ ብዝያዳ ባህ በለና። እቲ ምይይጥ ዓብዪ ጽልዋ እዩ ኣሕዲሩልና። ነቲ እተመሃርናዮ ምስ ሓሰብናሉ፡ ንሓቂ ኸም ዝረኸብናያ ፈለጥና። ኣናቶልዮ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ መጽሔታትን መጻሕፍትን ሓደገልና። ምሸት ምሸት ድማ ብስድራ ቤት ኴንና ነቲ ጽሑፋት ነንብቦን ነጽንዖን ነበርና። ኤለክትሪክ ስለ ዘይነበረና ግን፡ እዚ ኣጸጋሚ ነበረ። መጽናዕቲ ቕድሚ ምጅማርና፡ ካብ ጣንጡ ምእንቲ ኺከላኸለልና ነፍሲ-ወከፍና ንኣእጋርና ብዓብዪ ኽሻ ንሽፍኖ ነበርና።
ድሕሪ ሽዱሽተ ወርሒ፡ ኣነን ወለደይን ከምኡውን ክልተ ኣባላት ስድራ ቤትና ተጠመቕና። ኣዚና ኻብ ምሕጓስና እተላዕለ፡ ብዛዕባ እቲ እተመሃርናዮ ንኻልኦት ንምክፋል ካብ ቤት ናብ ቤት ክንከይድ ጀመርና። ምስቶም ኣብ ከተማ ካሪዮ ዚርከቡ ጕጅለ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንምርኻብ፡ ንኽልተ ሰዓት ዚኸውን ብእግሪ፡ ሓድሓደ ግዜ ኸኣ ብፈረስ ንጐዓዝ ነበርና። ኣናቶልዮ እውን መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪመርሓልና ናብ ገዛና ይመጽእ ነበረ። ድሕሪኡ፡ ሸሞንተ ኣባላት ዘለውዎ ኣኼባ ኣብ ገዛና ኺግበር ጀመረ። ኣብ መወዳእታ፡ ኵሎም ተጠምቁ። እዛ ጕጅለ እዚኣ፡ ድሕሪ ሓጺር እዋን 20 ኣባላት ዘለውዋ ንእሽቶ ጉባኤ ዀነት።
ንዕዮ ኣምላኽ ብምሉእ ግዜ ምዕያይ
ድሕሪ ግዜ፡ ኣብ ኮስታ ሪካ ዚርከብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ነቶም ናይ ምሉእ ግዜ ወንጌላውያን ኪዀኑ ዚኽእሉ ጻውዒት ኣቕረበሎም። ብ1957 ነዚ ጻውዒት እዚ ተቐቢለ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ጀመርኩ። እቲ ዕዮ ኣዝዩ ባህ ዜብል ነበረ። ብዙሕ ግዜ፡ ናብቶም ኣብ ገጠር ዚነብሩ ንምብጻሕ በይነይ ንሰዓታት እጐዓዝ ነበርኩ። ሓድሓደ ግዜ፡ ሰባት ብጽቡቕ ኣይቅበሉንን እዮም ነይሮም። መንነተይን እንታይ እገብር ከም ዘለኹን ኪፈልጡ ዝደለዩ ጎዞሞ ዝሓዙ ሰብኡት፡ እንተ ወሓደ ሰለስተ ሳዕ ከፈራርሁኒ ትዝ ይብለኒ።
ብ1950ታት መብዛሕትኡ መገድታት ብበረኻ ዚሓልፍ ብግቡእ ዘይተሰርሐ ስለ ዝነበረ፡ ንሰባት ክንበጽሕ ኣጸጋሚ እዩ ነይሩ። ናብ ገሊኡ ቦታታት ብፈረስ ንጐዓዝ፡ ሩባታት ንሰግር፡ ሓሓሊፉ ኸኣ ኣብ ደገ ንሓድር ነበርና። ጣንጡ ድማ የሸግራና ነበራ። ካብ ኣትማንን ሓራግጽን እውን ንጥንቀቕ ነበርና። ነዚ ዅሉ ሓሊፈ ግን፡ ካልኦት ብዛዕባ የሆዋ ኣምላኽ ኪመሃሩ ብምሕጋዝ እሕጐስ ነበርኩ። ኣብ ገዛይ ክበጽሕ ከለኹ፡ ንኻልኦት ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ኸካፍሎም ብምኽኣለይ ሓጐስን ዕግበትን ይስምዓኒ ነበረ። መዓልታዊ ብዝሰበኽኩን መጽሓፍ ቅዱስ ብዘጽናዕኩን መጠን፡ ንየሆዋ ኣምላኽ ዘሎኒ ፍቕሪ እናዓበየ ይኸይድ ነበረ፡ ናብኡ ኸኣ ብዝያዳ እናቐረብኩ ኸድኩ።
ድሕሪ ግዜ ተወሳኺ ሓላፍነታት ተዋህበኒ። ንልዕሊ ዓሰርተ ዓመት ገያሺ ሓላዊ ዀይነ ብምግልጋል፡ ኣብ ሰሰሙን ኣብ እተወሰነ ኸባቢ ንዚርከባ እተፈላለያ ጉባኤታት እበጽሕን አተባብዕን ነበርኩ። ጸገማት ጥዕና ነዚ ዕዮ እዚ ኸቋርጾ እኳ እንተ ኣገደደኒ፡ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልጋሊ ብምዃን ንኣምላኽ ምግልጋለይ ቀጸልኩ።
ዜሕዝን ፍጻመ ኣጋጠመኒ
ብ1971 ኣብ ኒኮያ ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን፡ ንስድራ ቤተይ ክበጽሖም ከድኩ። ናብ ገዛና ምስ ኣተኹ፡ እታ ጓል 80 ዓመት ኣደይ ኣብ መሬት ወዲቓ ጸንሓትኒ። ብጥይት ተወቒዓን ብኻራ ተወጊኣን እያ ነይራ። ከልዕላ ድንን ምስ በልኩ፡ ገና ተስተንፍስ ነበረት። ቍሩብ ጸኒሓ ግን ኣብ ኢደይ ዓረፈት። ቍሊሕ ምሊሕ እንተ በልኩ፡ እታ ናይ ሸሞንተ ወርሒ ነፍሰ-ጾር ዝነበረት ከሻኒት ኣብቲ ክሽነ ወዲቓ ረኣኽዋ። ንሳ እውን ሞይታ ነበረት። እዚ ኸይኣክል ከኣ ሓንቲ ኣባል ኣብቲ ኸባቢ እትርከብ ጉባኤ ኣብ ኮሪደር ሞይታ ረኸብክዋ፣ ንእሽቶ ወዲ እታ ኸሻኒት ድማ ኣብቲ መሕጸብ ነብሲ ሞይቱ ነበረ። ኵሎም ብጭካነ ብኻራ ተወጊኦምን ብጥይት ተወቒዖምን እዮም ሞይቶም። ከምዚ ዓይነት ዜስካሕክሕ ነገር ዝገበረ መን ኰን እዩ፧ ስለምንታይከ፧
ናብ ደገ ምስ ወጻእኩ፡ ንኣቦይ ረኸብክዎ። ኣብ ርእሱ ብጥይት እኳ እንተ ተወቕዐ፡ ብህይወት ነበረ። ናብቲ 15 ደቒቕ ርሒቑ ዚርከብ እንዳ ሓወይ ቀልጢፈ ኸድኩ፡ ኣብኡ ድማ ሓንቲ ሰበይትን ወዳን ተቐቲሎም ጸንሑኒ። እቲ ናይ የሆዋ ምስክር ዘይነበረን ሕማም ኣእምሮ ዝነበሮን ወዲ 17 ዓመት ዝዀነ ወዲ ሓብተይ ከም ዝቐተሎም ምስ ፈለጥኩ፡ ኣዝየ ሰንበድኩ። ከምዚ ድሕሪ ምግባሩ ኻብቲ ኸባቢ ተሰወረ። እቶም ሰበ-ስልጣን ነዚ ገበነኛ እዚ ንምርካብ ዝገበርዎ ጻዕሪ፡ ኣብ ታሪኽ ኮስታ ሪካ እቲ ዝዓበየ ነበረ።
እዚ ተግባር እዚ ኣብ ምልእቲ እታ ዓዲ ተፈልጠ። ድሕሪ ሸውዓተ መዓልቲ፡ እቶም ፖሊስ ነቲ ገበነኛ፡ ሓደ ሰብ ኣእምሮኣውን ስምዒታውን ሕማም ከም ዘለዎ እናፈለጠ ዝሸጠሉ ሽጉጥን ዓብዪ ኻራን ሒዙ ረኸብዎ። ኪሕዝዎ ኣብ ዝገበርዎ ጻዕሪ ኸኣ ተቐትለ።
እቲ ወዲ ሓብተይ ብፖሊስ ይድለ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ተመሊሱ መጺኡ ምእንቲ ኸይጐድኣኒ፡ ብዙሓት ሰባት ካብቲ ኸባቢ ኽርሕቕ መኸሩኒ። ምስቶም ብህይወት ዝነበሩ ኣባላት ስድራ ቤተይን ምስታ ጉባኤን ክኸውን ከም ዘሎኒ ዀይኑ ስለ እተሰምዓኒ፡ ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ጸለኹ። ኣብኡ ድማ ተረፍኩ።
ተደጋጋሚ ዜሕዝን ፍጻመታት ኣጋጠመኒ
እቲ ዜሕዝን፡ ኣቦይ ድሕሪ ሓደ ዓመት ሞተ። ኣብታ ቐጺላ ዝነበረት ዓመት ከኣ እታ እምንቲ ኣገልጋሊት የሆዋ ኣምላኽ ዝነበረት ሓብተይ፡ ምስቲ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ፍጻመ ብዘይተሓሓዝ ኣጋጣሚ ተቐትለት። እንደገና ኻልእ ኣባል ስድራ ቤትና ብሙማታ ዅሎም ኣዝማደይ ኣዝዮም ሰንበዱ። እቲ ንሕናን ፈተውትናን ዘሕለፍናዮ ጓህን ሓዘንን ብቓላት ዚግለጽ ኣይኰነን። ነዚ ኸቢድ ፈተና ኽሓልፎ ዝኸኣልኩ፡ ኣብ የሆዋ ብምውካልን ብርታዐ ኺህበኒ ብቐጻሊ ብምልማንን እዩ።
ብ1985 ኣብታ ርእሲ ኸተማ ዝዀነት ሳን ሆሴ ኣብ እተገብረ ንክርስትያን ሽማግለታት እተዋህበ ናይ ሰለስተ መዓልቲ ስልጠና ተኻፈልኩ። እቲ ስልጠና ምስ ተዛዘመ፡ ብመንፈሳዊ ተበራታዕኩ። ሰኑይ ንግሆ ናብ ቤተይ ንኽምለስ ናብ መዓርፎ ኣውቶቡስ ከድኩ። ኣብ መገዲ ግን ዓዋሉ መጥቃዕቲ ኣውረዱለይ፡ ብኽሳደይ ሓኒቖም ድማ ዘረፉኒ። ኵሉ ነገር ብቕጽበት ስለ ዘጋጠመ፡ ገጾም ክርኢ ኣይከኣልኩን። ክሳደይ ካብ ዚሓንቁኒ ንነጀው፡ ከምቲ ነበርቲ ኮስታ ሪካ ብልምዲ ዚዛረቡሉ መገዲ ገይረ ኽዛረብ ኣይከኣልኩን። ኣብ ኣውራጃ ጕዋናካስታ ዚነብሩ ሰብኡት ንሓድሕዶም ኪራኸቡ ኸለዉ ዀነ ንብዙሓት ሰላምታ ኬቕርቡ ኸለዉ፡ ዓው ኢሎም እዮም ዚዛረቡ። ቅድሚ እቲ ሓደጋ፡ ኣነ እውን ዓው ኢለ ኽዛረብ እኽእል ነይረ፣ ድሕሪኡ ግን ከምኡ ኽገብር ኣይከኣልኩን።
ብ1979 ኣብ ጐረቤት ጉባኤ ንዝነበረት ሲልያ ዝስማ ናይ የሆዋ ምስክር ተመርዓኽዋ። ሲልያ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ትፈቱ ነበረት። መዓልታዊ ብሓባር ኴንና መጽሓፍ ቅዱስ ነንብብን ነጽንዕን ነበርና። እቲ ዜሕዝን ግን፡ ኣብ ሓምለ 2001 ብሰንኪ ሕማም መንሽሮ ዓረፈት። ሓድሓደ እዋን ጽምዋ ይስምዓኒ እኳ እንተ ዀነ፡ ተስፋ ትንሳኤ ግን የጸናንዓኒ እዩ።—ዮሃንስ 5:28, 29።
ፈተናታት እኳ እንተ ኣጋጠመኒ፡ ሕጉስ እየ
ካብ ካልኦት ንላዕሊ ዜሕዝን ፍጻመታት እኳ እንተ ኣጋጠመኒ፡ ነዚ ፈተናታት እዚ ኣብ የሆዋ ዘሎኒ እምነትን ንዕኡ ዘሎኒ ተኣማንነትን ከርእየሉ ዝኽእል ኣጋጣሚ ገይረ እየ ዝርእዮ። (ያእቆብ 1:13) ብዛዕባ እቲ ዘጋጠመኒ ተመክሮ ኣወንታዊ ኣመለኻኽታ ምእንቲ ኺህልወኒ፡ ኵልና “ጊዜን ኣጋጣምን” ከም ዚመጽኣና ንርእሰይ አዘኻኽራ። (መክብብ 9:11) እዚ ግዜና “ኽፉእ ዘመን” ምዃኑ ኸኣ እዝክር እየ፣ ከመይሲ፡ ጨካናትን ሕሱማትን ቀለልትን ብዝዀኑ ሰባት እዩ መሊኡ ዘሎ። (2 ጢሞቴዎስ 3:1-5) ነቲ እዮብ ዝሓደጎ ኣብነት እውን ኣይርስዖን እየ። እዮብ ስድራ ቤቱን ጥዕናኡን ንብረቱን ብምስኣኑ ብዙሕ መከራ እኳ እንተ ኣጋጠሞ፡ “ስም እግዚኣብሄር ይባረኽ” ኢሉ ብጽንዓት ተዛረበ። የሆዋ ድማ ንጽህናኡ ብምሕላዉ ኣብዚሑ ባረኾ። (እዮብ 1:13-22፣ 42:12-15) እዚ ዅሉ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሓሳባት፡ ብዙሕ ፈተናታት እናኣጋጠመኒ ኽነሱ፡ ሕጉስ ንክኸውን ሓገዘኒ።
የሆዋ ንዕኡ ኣብ ህይወተይ ቀዳምነት ኪህቦ ወትሩ ሓጊዙኒ እዩ። መዓልታዊ መጽሓፍ ቅዱስ ምንባብ ምንጪ ምጽንናዕ ኰይኑንን ንኽጽመም ብርታዐ ሂቡንን እዩ። ናብ የሆዋ ብጸሎት ብምቕራበይ እውን “ካብ ኵሉ ኣእምሮ ዚበልጽ ሰላም ኣምላኽ” ክረክብ ክኢለ እየ። (ፊልጲ 4:6, 7) እዚ ኸኣ ናይ ኣእምሮ ሰላም ኣምጽኣለይ። ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ምክፋልን ሓሳብ ምሃብን እውን እንተ ዀነ፡ ንእምነተይ ኣደልዲሉለይ እዩ።—እብራውያን 10:24, 25።
ብዕድመ እኳ እንተ ደፋእኩ፡ ምስ ክርስትያናት ብጾተይ ክዓዪ፡ ምስ ካልኦት መጽሓፍ ቅዱስ ከጽንዕ፡ ከምኡውን ኣብ ኣገልግሎት ክካፈል ዜኽእለኒ ብርታዐ ስለ ዘሎኒ፡ ንየሆዋ አመስግኖ እየ። በዚ መገዲ እዚ ንኻልኦት ከገልግል ምኽኣለይ፡ ተስፋ ንኸይቈርጽ ሓገዘኒ። ዜሕዝን ፍጻመታት እኳ እንተ ኣጋጠመኒ፡ ንየሆዋ ኻብ መዓሙቝ ልበይ እየ ዘመስግኖ።a
[እግረ-ጽሑፍ]
a ኤንሪኬ ካራባካ ኣኮስታ ነዚ ዛንታ ድሕሪ ምሃቡ ኽልተ ዓመት ጸኒሑ፡ ኣብ 90 ዕድሜኡ ዓረፈ።
[ኣብ ገጽ 20 ዘሎ ስእሊ]
መዓልታዊ መጽሓፍ ቅዱስ ምንባብ፡ ምንጪ ምጽንናዕ ኰይኑንን ንኽጽመም ብርታዐ ሂቡንን እዩ
[ኣብ ገጽ 19 ዘሎ ስእሊ]
ብግዜ ንእስነተይ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ መደረ ኽህብ ከለኹ
[ኣብ ገጽ 20 ዘሎ ስእሊ]
ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ኸለኹ