ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w09 1/11 ገጽ 4
  • ጽውጽዋይ 1፦ ነፍሲ ኣይትመውትን እያ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ጽውጽዋይ 1፦ ነፍሲ ኣይትመውትን እያ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ነፍሲ እንታይ እያ፧
    መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
  • ነፍሲ ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱስ
    ምስ ሞትና እንታይ ኢና እንኸውን፧
  • ዘይትመውት ነፍሲ ኣላትካዶ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2007
  • ነፍሲ
    ንቕሑ!—2015
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
w09 1/11 ገጽ 4

ጽውጽዋይ 1፦ ነፍሲ ኣይትመውትን እያ

መበቈል እዚ ጽውጽዋይ እንታይ እዩ፧

“ቀዳሞት ክርስትያን ፈላስፋታት ነቲ ነፍሲ ኸም ዘይትመውት ዚገልጽ ኣምር ግሪኻውያን፡ ከምኡውን ነቲ ነፍሲ ብኣምላኽ እተፈጥረት ኰይና፡ ድቂ ኺፍጠር ከሎ ምስ ስጋ ትወሃሃድ ዚብል ሓሳብ ተቐበልዎ።”—ዘ ኒው ኢንሳይክሎፔድያ ብሪታኒካ (1988)፡ መበል 11 ጥራዝ፡ ገጽ 25።

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

“እታ ሓጢኣት እትገብር ነፍሲ ንሳ ኽትመውት እያ።”—ህዝቅኤል 18:4።

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ኣፈጣጥራ ቐዳመይቲ ነፍሲ ሰብ ከምዚ ይብል፦ “እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከኣ ንሰብ ካብ ሓመድ ምድሪ ገበሮ፡ ኣብ ኣፍንጫኡ ድማ ትንፋስ ህይወት ኡፍ በለሉ እሞ እቲ ሰብ ህያው ነፍሲ [ብእብራይስጢ፡ ነፈሽ] ዀነ።”—ዘፍጥረት 2:7።

እታ “ነፍሲ” ተባሂላ እትትርጐም ነፈሽ እትብል ናይ እብራይስጢ ቓል፡ ‘ዜስተንፍስ ፍጡር’ ማለት እያ። ኣምላኽ ነቲ ቐዳማይ ሰብ ዝዀነ ኣዳም ምስ ፈጠሮ፡ ዘይትመውት ነፍሲ ኣይኰነን ኣእትዩሉ፣ የግዳስ፡ ብምስትንፋስ ሒዝዎ ኪቕጽል ዚኽእል ሓይሊ ህይወት እዩ ሂብዎ። ስለዚ፡ “ነፍሲ” ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ንብምሉኡ ህያው ፍጡር እያ እተመልክት። እቲ ፍጡር ምስቲ ኣምላኽ ኣብ መጀመርታ ዝሃቦ ሓይሊ ህይወት እንተ ተፈላልዩ፡ ነፍሲ ትመውት።—ዘፍጥረት 3:19፣ ህዝቅኤል 18:20።

ነፍሲ ኣይትመውትን እያ ዚብል ሰረተ-እምነት ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት ኣበጊሱ እዩ፦ ድሕሪ ሞት፡ ነፍሳት ናበይ ይኸዳ፧ ነፍሳት እኩያት እንታይ ይዀና፧ ስመ-ክርስትያን ነቲ ነፍሲ ኣይትመውትን እያ ዚብል ጽውጽዋይ ምስ ተቐበሉ፡ እዚ ጽውጽዋይ እዚ ኻልእ ጽውጽዋይ ወሊዱ፣ እዚ ኸኣ ሲኦል መሳቐዪ ሓዊ ምዃኑ ዚገልጽ ትምህርቲ እዩ።

ነዚ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣረኣእዮ፦ መክብብ 3:19፣ ማቴዎስ 10:28፣ ግብሪ ሃዋርያት 3:23

ሓቂ፦

ሰብ ምስ ሞተ፡ ካብ ህልውና የቋርጽ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ