ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w09 1/11 ገጽ 5
  • ጽውጽዋይ 2፦ እኩያት ኣብ ሲኦል ይሳቐዩ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ጽውጽዋይ 2፦ እኩያት ኣብ ሲኦል ይሳቐዩ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ሲኦልን ገሃነምን ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ እዩ፧
    መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
  • መን እዮም ናብ ሲኦል ዚኣትዉ፧
    መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
  • ብዛዕባ ሲኦል ዝነበረ ኣረኣእያ ይቕየር ኣሎ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2002
  • ሲኦል እንታይ ዓይነት ቦታ ኢዩ፧
    ኣብ ገነት ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ምንባር ትኽእል ኢኻ
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
w09 1/11 ገጽ 5

ጽውጽዋይ 2፦ እኩያት ኣብ ሲኦል ይሳቐዩ

መበቈል እዚ ጽውጽዋይ እንታይ እዩ፧

“ካብ ኵሎም ክላሲካዊ ፈላስፋታት ግሪኽ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ልሙድ ኣረኣእያ ሲኦል ዝዓበየ ጽልዋ ዝነበሮ ፕላቶ እዩ ነይሩ።”—ኢስትዋር ዴዝ ኣንፍር (ታሪኽ ሲኦል) ብዦርዥ ሚንዋ፡ ገጽ 50።

“ካብ መፋርቕ 2ይ ዘመን ድ.ክ. ኣትሒዙ፡ እተወሰነ ፍልስፍና ግሪኻውያን እተማህሩ ክርስትያናት ንእምነቶም ብስያመታት ግሪኻውያን ጌርካ ምግላጽ ኣድላዪ ዀይኑ ኺርኣዮም ጀመረ፡ . . . እቲ ብዝበለጸ እተሰማምዖም ፍልስፍና ኸኣ፡ ፍልስፍና ፕላቶ እዩ ነይሩ።”—ዘ ኒው ኢንሳይክሎፔድያ ብሪታኒካ (1988)፡ መበል 25 ጥራዝ፡ ገጽ 890።

“ትምህርቲ ቤተ-ክርስትያን፡ ሲኦል ከም ዘሎን ዘለኣለማዊ ምዃኑን የረጋግጽ። ደድሕሪ ሞት፡ ነፍሳት እቶም ሓጥኣን ኰይኖም ዚሞቱ ብኡንብኡ ናብ ሲኦል ይኣትዋ፡ ኣብ ሲኦል ከኣ ይቕጽዓ፡ ማለት ‘ብዘለኣለማዊ ሓዊ’ ይሳቐያ። ቀንዲ መቕጻዕቲ ሲኦል ካብ ኣምላኽ ንዘለኣለም ምርሓቕ እዩ።”—ካተኪዝም ኦቭ ዘ ካቶሊክ ቸርች፡ ሕታም 1994፡ ገጽ 270።

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

“ህያዋንሲ ኸም ዚሞቱ ይፈልጡ እዮም፡ ምዉታት ግና ገለ እኳ ኣይፈልጡን። . . . ኣብቲ እትኸዶ ሲኦልሲ ዕዮን ሓሳብን ፍልጠትን ጥበብን የልቦን።”—መክብብ 9:5, 10።

እታ ን“ቦታ ምዉታት” እተመልክት ሺኦል እትብል ናይ እብራይስጢ ቓል፡ ኣብ እተፈላለየ ትርጕማት መጽሓፍ ቅዱስ “ሲኦል” ተባሂላ ተተርጒማ ኣላ። እዛ ኣቐዲም ኣቢልና ዝረኣናያ ጥቕሲ፡ ብዛዕባ ዅነታት ምዉታት እንታይ ትገልጽ፧ ሓጢኣቶም ንምኽሓስ ኣብ ሲኦል ይሳቐዩ ድዮም፧ “ገለ እኳ ኣይፈልጡን” ስለ እትብል፡ ኣይሳቐዩን እዮም። ስለዚ ድማ እዩ እቲ ሓደ ኻብ ኣበው ዝነበረ እዮብ፡ ብሰንኪ ኸቢድ ሕማም ኪሳቐ ኸሎ፡ “ኣብ ሲኦል እንተ ትሐብአኒ” ኢሉ ንኣምላኽ ዝለመኖ። (እዮብ 14:13) ሲኦል ዘለኣለማዊ ስቓይ ዘለዎ ቦታ እንተ ዚኸውን ነይሩ፡ እቲ ዘቕረቦ ልመና እንታይ ትርጕም ምሃለዎ፧ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሲኦል ኪበሃል ከሎ፡ ኵሉ ንጥፈታት ዜቋርጸሉ መቓብር ደቂ ሰብ እዩ ዜመልክት።

እዚ ብዛዕባ ሲኦል እተዋህበ መግለጺ፡ ብቐሊሉ ዚወሓጠልካን ምስ ቅዱሳት ጽሑፋት ዚሰማማዕንዶ ኣይኰነን፧ እቲ ናይ ፍቕሪ ኣምላኽሲ ዋላ እውን ዜስካሕክሕ ገበን እንተ ተገብረ፡ ንሓዋሩ ንሰብ የሳቒ ድዩ፧ (1 ዮሃንስ 4:8) ሲኦል ቦታ ስቓይ ምዃኑ ዚንገር ትምህርቲ ጽውጽዋይ ካብ ኰነ፡ ብዛዕባ ሰማይ ዚንገር ትምህርቲ ደኣኸ፧

ነዚ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣረኣእዮ፦ መዝሙር 146:3, 4፣ ግብሪ ሃዋርያት 2:25-27፣ ሮሜ 6:7, 23

ሓቂ፦

ኣምላኽ ንሰባት ኣብ ሲኦል ኣየሳቕዮምን እዩ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ