ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w09 1/12 ገጽ 3
  • “ክሳዕ መኣዝ ከእዊ እየ፧”

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • “ክሳዕ መኣዝ ከእዊ እየ፧”
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ብየሆዋ ተኣመን እሞ ብህይወት ክትነብር ኢኻ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2018
  • ክሳዕ መኣዝ ኢዩ ህላወ እኩያት ክቕጽል፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2000
  • ብኣምላኽ ምድሓንና እልል ንበል
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2000
  • ናይ ሓቂ እምነት ከተጥሪ ትኽእል ኢኻ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2001
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
w09 1/12 ገጽ 3

“ክሳዕ መኣዝ ከእዊ እየ፧”

ጄን፡ መንሽሮ ስለ ዝነበራ፡ ኣብ ኵሉ ኣካላታ ድማ ይላባዕ ስለ ዝነበረ፡ “እቲ ቓንዛይ ኬቋርጽ ጥራይ እየ ዝደሊ!” በለት። ኣባላት ስድራ ቤታን ፈተውታን ካብቲ ሕማማን ስቓያን ተገላጊላ ኺርእዩ ባህ ምበሎም! ምእንቲ ኺሕግዛ ኸኣ ናብ ኣምላኽ ጸለዩ። ንሱ ግን ይሰምዖም ደዀን ይኸውን፧ ብዛዕባ ጄን ይግደስ ድዩ፧

ኣምላኽ ብዛዕባ ዅነታት ደቂ ሰብ ይፈልጥ እዩ። እቲ ቓሉ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ብዘሎ እቲ ፍጥረት ክሳዕ ሕጂ ምሳና ዀይኑ ኸም ዜስቈርቊርን ቅልውላው ከም ዝሐዞን” ይገልጽ። (ሮሜ 8:22) ከም ጄን ዝኣመሰሉ ብኣማእታት ሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት ብኣካላዊ፡ ብስምዒታዊ፡ ወይ ብኣእምሮኣዊ መዳይ መዓልታዊ ኸም ዚሳቐዩ ኣምላኽ ይፈልጥ እዩ። ነቶም ኣደዳ ጥሜት ዝዀኑ 800 ሚልዮን ሰባት፡ ነቶም ካብ ኣባላት ስድራ ቤቶም መጥቃዕቲ ዚወርዶም ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት፡ ከምኡውን ነቶም ብዛዕባ መጻእን ድሕንነትን ደቆም ዚጭነቑ ሓያሎ ወለዲ ይርእዮም እዩ። ኣምላኽ ነዚ ጸገማት እዚ ንምፍታሕ ስጕምቲ ኺወስድ እንተ ዀይኑ ሓሲብካዶ ትፈልጥ፧ ንሕና ነቶም እነፍቅሮም ሰባት ክንሕግዞም ንደሊ ኻብ ኰንና፡ ኣምላኽከ ነቶም ፍጡራቱ ዝዀኑ ደቂ ሰብ ኪሕግዞም ኣይደልንዶ፧

ንስኻ እውን ከምዚ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ዓይነት ሕቶታት ሓቲትካ ትኸውን። ልዕሊ 2,600 ዓመት ይገብር፡ እቲ እሙን ሰብኣይ ዝነበረ ኣንባቆም ምስዞም ሎሚ ዘለዉ ሰባት ዚመሳሰል ስምዒት ስለ እተሰምዖ፡ ንኣምላኽ ከምዚ ኢሉ ሓተቶ፦ “ዎ እግዚአብሔር፡ ንስኻ ኸይሰማዕካንስ፡ ክሳዕ መኣዝ ከእዊ እየ፧ ኣነ፤ ዓመጽ፡ ኢለ ናባኻ ኣእዌኹ፡ ንስኻውን ኣየድሓንካን። ስለምንታይ ኣበሳ እተርእየኒ፡ ንስኻስ ሕሰም እትጥምት፧ ምዝራፍን ዓመጽን ኣብ ቅድመይ እዩ፡ ባእስን ክርክርን ይለዐል ኣሎ።” (ኣንባቆም 1:2, 3) እቲ እብራዊ ነብዪ ዝነበረ ኣንባቆም ዜስካሕክሕ ጭከናን ዓመጽን ርእዩ እዩ። ሎሚ ኸምዚ ዓይነት ተግባራት ልሙድ ኰይኑ ስለ ዘሎ፡ ንርሕሩሓት ሰባት ኣዝዩ እዩ ዜስገድግዶም።

ኣምላኽ ነቲ ንኣንባቆም ዜጨንቖ ዝነበረ ነገር ኣስተናዒቕዎ ድዩ፧ ኣይፋሉን። ነቲ ኣንባቆም ዘቕረቦ ልባዊ ሕቶታት መለሰሉ፣ ብዘይካዚ፡ ኣጸናኒዕዎን ኣተባቢዕዎን እዩ። የሆዋ ኣምላኽ ንዅሉ መከራ ኸም ዜወግዶ መብጽዓ ብምእታው ንእምነት ኣንባቆም ኣደልደላ። እቲ ኣምላኽ ዚህቦ ተስፋ ዝሓዘለ መልእኽቲ፡ ልክዕ ከምቲ ንጄንን ንስድራ ቤታን ዘጸናንዖም ንዓኻ እውን ኬጸናንዓካ ይኽእል እዩ። እዘን ቀጺለን ዘለዋ ዓንቀጻት ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት ኪምልሳኦ እየን፦ ኣምላኽ ብሓቂ ኸም ዚሓልየልና ብኸመይ ክንፈልጥ ንኽእል፧ መከራ ንምውጋድ እንታይ ኪገብር እዩ፧ መዓስከ እዩ ዜወግዶ፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ