ሓድሽ ዓመት ቻይናውያን ክርስትያናት ኬብዕልዎ ይግባእዶ፧
ኣብ ጥሪ ወይ ለካቲት፡ ኣብ እስያ ኻብ ዓለም ዝዓበየ ዓመታዊ ፍልሰት ደቂ ሰብ ይርአ እዩ። ብኣማእታት ሚልዮናት ዚቝጸሩ እስያውያን ሓድሽ ዓመት ቻይናውያን ንምብዓል ናብ ስድራ ቤቶም ይምለሱ እዮም።a
ሓድሽ ዓመት ቻይናውያን፡ ኣብ ዓውደ-ኣዋርሕ እስያ ልዕሊ ዅሉ ኣገዳስነት ዘለዎ በዓል እዩ። ሓደ ኣመሪካዊ ጸሓፊ ኸም ዝበሎ፡ ኣርባዕተ ዓበይቲ በዓላት ኣመሪካውያን ተደሚሩ እዩ ምስኡ ዚመዓራረ። እቲ በዓል፡ ኣብታ ኣብ ዓውደ-ኣዋርሕ ቻይናውያን ዘላ ናይ መጀመርታ ሰርቂ ወርሒ፡ ማለት ብዓውደ-ኣዋርሕ ምዕራባውያን ካብ 21 ጥሪ ኽሳዕ 20 ለካቲት ኣብ ዘሎ እዋን ይጅምር። ካብ እተወሰነ መዓልትታት ክሳዕ ክልተ ሰሙን እውን ኪቕጽል ይኽእል።
እቲ ሓድሽ ዓመት ዚበዓለሉ መሰረታዊ ሓሳብ፡ ኣረጊት ብሓድሽ ምትካእ እዩ። ሰባት ነቲ በዓል እቲ ኣብ ዚገብርዎ ምድላው፡ ኣባይቶም የጸራርዩን ይሰላልሙን፡ ሓድሽ ክዳውንቲ ይዕድጉ፡ ምስ “ጽቡቕ ዕድል” ወይ “ብልጽግና” ዚገጥም ስማት ዘለዎ ምግቢ የዳልዉ፡ ዕዳኦም ይኸፍሉ፡ ዝነበሮም ባእሲ ድማ የደቅሱ። ኣብታ ሓድሽ ዓመት ዚበዓለላ መዓልቲ፡ ህያባት ይወሃሃቡ፡ ሃብትን ብልጽግናን ንምርካብ ዘለዎም ሰናይ ትምኒት ይገልጹ፡ ዕድለኛ ገንዘብ ዚበሃል ብቐይሕ እተጠምረ ነገር ይወሃሃቡ፡ ፍሉይ ዓይነት ምግቢ ይበልዑ፡ ተተኳሲ ነገራት ይውልዑ፡ ሳዕስዒት ድራጎን ወይ ሳዕስዒት ኣንበሳ ዚበሃል ትልሂት ይርእዩ፡ ወይ ምስ ስድራ ቤቶምን ፈተውቶምን ኰይኖም ነቲ በዓል የሕልፍዎ።
እዚ ልምድታት እዚ፡ ሰፊሕ ትርጕም ኣለዎ። ሙንኬክስ ኤንድ ሃንግሪ ጎስትስ፦ ፌስቲቫልስ ኦቭ ቻይና ዘርእስታ መጽሓፍ፡ “ስድራ ቤትን ፈተውትን ኣዝማድን ብቐዳምነት ዜተሓሳስቦም ነገር፡ ጽቡቕ ዕድል ምርካብ፡ ንኣማልኽትን መናፍስትን ኣኽብሮት ምርኣይ፡ ንእትመጽእ ዓመት ድማ ጽቡቕ ዕድል ምምናይ እዩ” በለት። እዚ በዓል እዚ ምስ ባህላውን ሃይማኖታውን ነገራት እተኣሳሰረ ስለ ዝዀነ፡ ክርስትያናት ብኸመይ ኪርእይዎ ኣለዎም፧ ምስቲ ልምድታት ተሰማሚዖም ኪነብሩ ድዩ ዘለዎም፧ ክርስትያናት ነዚ ኼብዕልዎ ይግባእዶ፧
“ምንጩ ዘክር”
“ማይ ክትሰቲ ኸለኻ፡ ምንጩ ዘክር” ዚብል ፍሉጥ ምስላ ቻይናውያን ኣሎ። እዚ ምስላ እዚ፡ ነቲ ሓያሎ እስያውያን ንወለዶምን ኣቦሓጎታቶምን ዘለዎም ኣኽብሮት ዜንጸባርቕ እዩ። ውሉዳት ነቶም ህይወት ዝሃብዎም ወለዶም ኬኽብሩ ባህርያዊ እዩ፣ እዚ ድማ ኣብ ሓድሽ ዓመት ቻይናውያን ኣገዳሲ ግደ ኣለዎ።
ንሓያሎ እስያውያን ስድራ ቤታት፡ ድሮ ሓድሽ ዓመት ኣገዳሲት መዓልቲ እያ። ኣብታ ምሸት እቲኣ፡ መብዛሕትኦም ኣባላት ስድራ ቤት ብሓባር ተኣኪቦም ፍሉይ ድራር ይድረሩ እዮም። እስያውያን ነዚ ኣባላት ስድራ ቤት ዚተኣኻኸቡሉ ኣጋጣሚ ኸየምልጦም ዚከኣሎም ይገብሩ እዮም። ኣብ መኣዲ፡ ነቶም ኣብኡ ዚርከቡ ኣባላት ስድራ ቤት ጥራይ ዘይኰነስ፡ ነቶም ብመንፈስ ኣብኡ ኸም ዚርከቡ ዚእመነሎም ዝሞቱ ኣባላት ስድራ ቤት እውን ቦታ ይሕዛእ እዩ። ብዛዕባ እቲ ሽዑ ዚህሉ መኣዲ፡ ሓደ ኢንሳይክሎፔድያ፡ “ኣብ መንጎ ኣቦሓጎታትን ኣባላት ስድራ ቤትን ናይ ሓቂ ርክብ ይህሉ እዩ” በለ። ካልእ መወከሲ ጽሑፍ ከኣ፡ “ኣብ መንጎ ህያዋንን ምዉታትን ዘሎ ርክብ በዚ ኸምዚ ስለ ዚሕደስ፡ እቶም ኣቦሓጎታት ነታ ስድራ ቤት ምሉእ ዓመት ይሕልውዋ” በለ። ክርስትያናት ነዚ ልምዲ እዚ ብኸመይ ኪርእይዎ ይግባእ፧
ክርስትያናት እውን ንወለዶም የፍቅሩን የኽብሩን እዮም። “ነቲ ዝወለደካ ኣቦኻ ስምዓዮ፡ ኣዴኻ ምስ አረገት ከኣ ኣይትንዐቃ” ዚብል ኣምላኽ ዝሃቦም መምርሒ ይስዕቡ እዮም። (ምሳሌ 23:22) “ኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብር፡ ጽቡቕ ኪዀነልካ፡ ኣብ ምድሪውን ዕድሜኻ ኺነውሕ፡ እዚ ተስፋ ዘለዎ ቐዳማይ ትእዛዝ እዩ” ዚብል ትእዛዝ እውን ይሕልዉ እዮም። (ኤፌሶን 6:2, 3) እወ፡ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ንወለዶም ኬፍቅሩን ኬኽብሩን ይደልዩ እዮም።
መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ ብስድራ ቤት ዚግበር ሃናጺ ምትእኽኻብ፡ ብጽቡቕ ይዛረበሉ እዩ። (እዮብ 1:4፣ ሉቃስ 15:22-24) ይኹን እምበር፡ የሆዋ፡ “መናፍስቲ ዚጥይቕ፡ ወይ ጠንቋሊ ወይ ንምውታት ዚጥይቕ፡ ኣባኻ ኣይረኸብ” ኢሉ ኣዚዙ እዩ። (ዘዳግም 18:10, 11) ከምኡ ኢሉ ዝኸልከለ ስለምንታይ እዩ፧ ምኽንያቱ፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ናይ ሓቂ ዅነታት ምዉታት ተገሊጹልና ኣሎ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ህያዋንሲ ኸም ዚሞቱ ይፈልጡ እዮም፡ ምዉታት ግና ገለ እኳ ኣይፈልጡን” ይብል። ምዉታት ገለ እኳ ዘይፈልጡ ስለ ዝዀኑ፡ ኣብ ንጥፈታት ህያዋን ኪሳተፉ ኣይክእሉን እዮም፣ ኪሕግዙና ወይ ኪጐድኡና እውን ኣይክእሉን እዮም። (መክብብ 9:5, 6, 10) እቲ ወዲ ኣምላኽ ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ፡ ንሞት ምስ ከቢድ ድቃስ ኣመሳሲልዎ ኣሎ፣ ምዉታት ካብዚ ድቃስ እዚ ዚበራበሩ ድማ፡ ኣብቲ ኣብ መጻኢ ዚግበር ትንሳኤ ጥራይ እዩ።—ዮሃንስ 5:28, 29፣ 11:11, 14።
ብዘይካዚ፡ እቶም “መናፍስቲ” ምዉታት ዚበሃሉ፡ ዝሞቱ መሲሎም ዚቐርቡ እኩያት መንፈሳውያን ፍጡራት ምዃኖም መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ እዩ። ስለምንታይ እዮም ከምኡ ዚገብሩ፧ ንሰባት ንኼታልሉን ኣብ ትሕቲ ቝጽጽሮም ንኼእትውዎምን ኢሎም እዮም። (2 ተሰሎንቄ 2:9, 10) ከም ሓቂ፡ ትእዛዛት ኣምላኽ ካብ ከቢድ ጕድኣት እዩ ዜዕቍበና። ስለዚ፡ ክርስትያናት ንየሆዋ ኻብ ዘላቶም ፍቕርን ብደሓን ኪነብሩ ኻብ ዘለዎም ድሌትን ተበጊሶም፡ ምስ ኣምልኾ “መናፍስቲ” ቤተሰብ ካብ ዚተሓሓዝ ልምዲ ይርሕቁ፡ ካብኦም ዕቝባ ኺረኽቡ ድማ ኣይፍትኑን እዮም።—ኢሳይያስ 8:19, 20፣ 1 ቈረንቶስ 10:20-22።
በቲ ኻልእ ሸነኽ፡ ክርስትያናት ነቲ “ዅሉ ወለዶታት ካብኡ ዚስመ ኣቦ” ኬኽብርዎ ይደልዩ እዮም። (ኤፌሶን 3:14, 15) እዚ ኣቦ እዚ መን እዩ፧ እቲ ፈጣሪናን ወሃብ ህይወትናን ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ እዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 17:26) ስለዚ፡ ንሓድሽ ዓመት ቻይናውያን ብዚምልከት፡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት ክንሓትት ኣሎና፦ የሆዋ ነዚ ልምድታት እዚ ብኸመይ ይርእዮ፧ ይሰምሮ ድዩ፧—1 ዮሃንስ 5:3።
ኣማልኽቲ ቤተሰብ ምኽባር
ኣብ ሓድሽ ዓመት ቻይናውያን ከም ኣምላኽ ማዕጾ፡ ኣምላኽ ምድሪ ወይ ሓላው መንፈስ፡ ኣምላኽ ሃብቲ ወይ ዕድል፡ ከምኡውን ኣምላኽ ክሽነ ወይ ምድጃ ዝኣመሰሉ ኣማልኽቲ ይኽበሩ እዮም። ንኣምላኽ ክሽነ ንምኽባር ዚግበር ልምዲ እስከ ንርአ።b እዚ ኣምላኽ እዚ፡ ቀቅድሚ ሓድሽ ዓመት ኣብ ዘለዋ ሒደት መዓልትታት፡ ብዛዕባ እታ ስድራ ቤት ናብቲ ኣብ ኣማልኽቲ ቻይና ዝለዓለ ቦታ ዘለዎ ኣካል ጸብጻብ ንምሃብ፡ ናብ ሰማይ ከም ዚጐዓዝ ጌርካ እዩ ዚእመን። ጽቡቕ ጸብጻብ ምእንቲ ኺህብ፡ እታ ስድራ ቤት ከም ምቁር ምግብን ዶልሽን ዝኣመሰለ ፍሉይ ብልዒ ተቕርበሉ። ብፍጥነት ጕዕዞኡ ምእንቲ ኺዛዝም፡ ነቲ ምስሉ ኣውሪዶም፡ ሓድሓደ ግዜ ንኸናፍሩ ብምቁር ምግቢ ለኽዮም፡ ኣብ ግዳም የቃጽልዎ። ድሮ ሓድሽ ዓመት ምስ ኰነ፡ ሓድሽ ምስሊ ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ ክሽነ ዘሎ ምድጃ የንብሩ፣ በዚ ኸምዚ ድማ ኣብታ እትቕጽል ዓመት ናብታ ቤት ንኺምለስ ይዕድምዎ።
መብዛሕትኡ ልምድታት ጸገም ዘይብሉ ዚመስል እኳ እንተ ዀነ፡ ክርስትያናት ግን ንኣምልኾ ብዚምልከት ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መምርሒ ኺስዕቡ ይደልዩ እዮም። ኣብዚ መዳይ እዚ፡ የሱስ ክርስቶስ፡ “ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ስገድ፡ ንእኡ በይኑ ድማ ተገዛእ” በለ። (ማቴዎስ 4:10) ኣምላኽ፡ ንዕኡ ጥራይ ከነምልኾ ኸም ዚደልየና ንጹር እዩ። ስለምንታይ፧ ሕስብ እሞ ኣብሎ፦ የሆዋ ሰማያዊ ኣቦና እዩ። ውሉዳት ንኣቦኦም ዕሽሽ ኢሎም፡ ናብ ካልእ ኣቦ እንተ ቐሪቦም፡ ኣቦኦም ከመይ ይስምዖ፧ ስምዒቱ ኣይጕዳእንዶ፧
የሱስ ብዛዕባ ሰማያዊ ኣቦኡ፡ “ኣምላኽ ሓቂ ንስኻ በይንኻ ምዃንካ” ኢሉ ተዛሪቡ ኣሎ፣ የሆዋ እውን ባዕሉ ንኣምለኽቱ፡ “ካልኦት ኣማልኽቲ ኣብ ቅድመይ ኣይሀልዉኻ” ኢሉ ኣዚዝዎም ኣሎ። (ዮሃንስ 17:3፣ ዘጸኣት 20:3) በዚ ምኽንያት እዚ፡ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ንየሆዋ ኼሐጕስዎ ይደልዩ እዮም፣ ካልኦት ኣማልኽቲ ብምምላኽ ድማ፡ ኬጕህይዎ ኣይደልዩን እዮም።—1 ቈረንቶስ 8:4-6።
ማሪታዊ እምነትን ሓተታ መናፍስትን
ሓድሽ ዓመት ቻይናውያን ምስ ቈጸራ ኸዋኽብቲ እውን ኣጸቢቑ ይተኣሳሰር እዩ። ነፍሲ ወከፍ ዓመት ብሓደ ኻብቶም ኣብ መናዝል ቻይናውያን ዚርከብ ከም እኒ ድራጎን፡ ቴግሪ፡ ህበይ፡ ማንቲለ ዝኣመሰሉ 12 እንስሳታት ይጽዋዕ እዩ። እቲ እንስሳ ንባህርያት እቶም ኣብታ ዓመት እቲኣ ዚውለዱ ኸም ዚውስኖ፡ ወይ ከኣ ገሊኡ ንጥፈታት ኣብታ ዓመት እቲኣ ኸም ዚሰልጠካ እዩ ዚንገር። ምስዚ በዓል እዚ እተተሓሓዘ ሓያሎ ልምድታት፡ እንተላይ ንኣምላኽ ሃብቲ ወይ ዕድል ዚወሃብ ክብሪ፡ “ጽቡቕ ዕድል” ንኺህልወካ ተባሂሉ እዩ ዚግበር። ክርስትያናት ነዚ ልምድታት እዚ ብኸመይ ኪርእይዎ ይግባእ፧
የሆዋ ኣብቲ ቓሉ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ነቶም ‘ፈለጥቲ ትእምርቲ ሰማይን ቈጸርቲ ኸዋኽብትን ኣብ ሰሰርቂ ወርሒ ዚርከብ ዚነግሩን’ ወቒስዎም እዩ። ‘ዕድሎምን መወዳእታኦምን ምእንቲ ኺጽብቕ’ ኢሎም ንዜቕርብዎ ኣምልኾ እውን ኰኒንዎ እዩ። (ኢሳይያስ 47:13፣ 65:11, 12 ትርጕም 1990) ናይ ሓቂ ኣምለኽቲ፡ ምስ ናይ መናፍስቲ ዓለም ወይ ምስ ከዋኽብቲ ዜተኣሳስር ተባሂሉ ንዚእምነሉ ምስጢራዊ ወይ ዘይርአ ጽልዋታት ኣይኣምኑሉን እዮም። የግዳስ፡ “ብምሉእ ልብኻ ብእግዚኣብሄር ተአመን፡ ኣብ ልቦናኻ ኣይትጸጋዕ፡ ኣብ ኵሉ መገድኻ ንእኡ ሕሰብ፡ ንሱ ኸኣ ኣኻይዳኻ ኬቕንዕ እዩ” ዚብል ምኽሪ ተዋሂብዎም ኣሎ። (ምሳሌ 3:5, 6) ሓተታ መናፍስቲ ንሰባት ባሮት ኪገብሮም ከሎ፡ ሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ግን ሓራ እዩ ዜውጽኦም።—ዮሃንስ 8:32።
ንኣምላኽ ዘላትካ ፍቕሪ ኣርኢ
ሓድሽ ዓመት ቻይናውያን እተመስረተሉ ልምድታትን እምነታትን ምስ ፈለጥካ፡ ኣብኡ ኸይትሳተፍ ምውሳን ቀሊል ኣይኰነን። ሓድሽ ዓመት ቻይናውያን ኣብ ዚበዓለሉ ማሕበረሰብ ትነብር እንተ ዄንካ፡ ወይ ከኣ ስድራ ቤትካ ነዚ በዓል እዚ ዜብዕልዎ እንተ ዀይኖም፡ ከቢድ ውሳነ ኽትገብር ኣሎካ።
ኣብ ትሕቲ ጸቕጢ ጸኒዕካ ንኽትቀውም፡ ትብዓትን ቈራጽነትን ከም ዚሓተካ ኣየጠራጥርን እዩ። ሓንቲ ኣብ እስያ እትነብር ክርስትያን ሰበይቲ፡ “ኵሎም ኣብ ከባብየይ ዝነበሩ ሓድሽ ዓመት እናኣብዓሉ፡ ኣነ ግን ከየብዓልኩ ኽተርፍ ከለኹ፡ ኣመና ፈሪሀ ነይረ” በለት። ኣብዚ መዳይ እዚ፡ እንታይ ሓጊዝዋ፧ “ንኣምላኽ ሓያል ፍቕሪ ብምምዕባለይ ጥራይ እየ ጸኒዐ ክቐውም ክኢለ” በለት።—ማቴዎስ 10:32-38።
ንየሆዋ ኸምዚኣ ዝኣመሰለት ሓያል ፍቕሪ ኣላትካዶ፧ ንዕኡ ንኸተፍቅሮ እኹል ምኽንያት ኣሎካ። ህይወትካ ኻብ ሓደ ምስጢራዊ ኣምላኽ ዘይኰነስ፡ ካብቲ “ናይ ህይወት ፈልፋሊ ኣባኻ እዩ እሞ፡ ብብርሃንካ ብርሃን ንርኢ አሎና” እተባህለሉ የሆዋ ኣምላኽ ኢኻ ረኺብካዮ። (መዝሙር 36:9) ሓጐስ ዝመልኦ ህይወት ንኽትረክብ ዜኽእለካ፡ የሆዋ ደኣ እዩ እምበር፡ ኣምላኽ ዕድል ወይ ኣምላኽ ክሽነ ኣይኰነን። (ግብሪ ሃዋርያት 14:17፣ 17:28) እሞኸ ንስኻ እውን ብግዴኻ ኸተፍቅሮ ዲኻ፧ ከምኡ እንተ ጌርካ፡ የሆዋ ኣብዚሑ ኸም ዚባርኸካ ኽትተኣማመን ትኽእል ኢኻ።—ማርቆስ 10:29, 30።
[እግረ-ጽሑፋት]
a እዚ በዓል እዚ፡ በዓል ጽድያ፡ ጹን ጃ (ቻይና)፡ ተት (ቭየትናም)፡ ሶልናል (ኮርያ)፡ ወይ ሎሳር (ቲበት) ተባሂሉ እውን ይጽዋዕ እዩ።
b ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ ተገሊጹ ዘሎ ልምድታት፡ ኣብ እተፈላለየ ኽፋል እስያ ዚፈላለ እኳ እንተ ዀነ፡ ኣብ ሓባራዊ መበቈላዊ ሓሳባት እተመርኰሰ እዩ። ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ናይ 22 ታሕሳስ 1986 ንቕሑ! (እንግሊዝኛ)፡ ገጽ 20-21፡ ናይ 8 ጥሪ 1970 ንቕሑ! (እንግሊዝኛ)፡ ገጽ 9-11 ርአ።
[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]
ንፈተውትን ቤተሰብን ዜጸናንዕ ሓሳባት
ሓደ ሰብ ኣብ በዓላት ሓድሽ ዓመት ቻይናውያን ምስታፍ ምስ ኣቋረጸ፡ ፈተውቱን ቤተሰቡን ኪስምብዱ ይኽእሉ እዮም። ኪሓዝኑ፡ ኪጕህዩ፡ ወይ ምስ ቤተሰቦም ከም እተባተኹ ዀይኑ ኺስምዖም ይኽእል እዩ። ኣብ መንጎ ስድራ ቤት ዜሐጕስ ርክብ ምእንቲ ኺህሉ ግን፡ ብዙሕ ኪግበር ዚከኣል ነገር ኣሎ። ኣብ እተፈላለየ ኽፋል እስያ ዚርከቡ ክርስትያናት ዝሃብዎ ሓሳባት እስከ ንርአ፦
ጂያንግ፦ “ሓድሽ ዓመት ከይመጸ ኣቐዲመ፡ ንቤተሰበይ በጻሕክዎም፡ ኣብ ገሊኡ ህቡብ ልምድታት ዘይሳተፈሉ ምኽንያት ድማ ብሜላ ገለጽኩሎም። ንእምነታቶም ከየቈናጽብ ተጠንቂቐ እየ፡ ንሕቶታቶም ከኣ ብኣኽብሮት ካብ መጽሓፍ ቅዱስ መለስኩሎም። እዚ ጽቡቕ መንፈሳዊ ምይይጥ ንኽንገብር ኣኽኣለና።”
ሊ፦ “ሓድሽ ዓመት ቻይናውያን ቅድሚ ምምጻኡ፡ ብሓቂ ሕጉስቲ ክኸውን እንተ ዀይነ፡ ንሕልናይ ከኽብር ከም ዘሎኒ፡ ንሰብኣየይ ብሜላን ብኣኽብሮትን ነገርክዎ። ኣብ ግዜ በዓላት፡ ናብ እንዳ ስድራኡ ኽንከይድ ከለና፡ ንዕኡ ዜሕፍር ነገር ከም ዘይገብር ተመባጻዕኩሉ። እቲ ዜገርም ከኣ፡ ኣብታ ስድራ ቤቱ ንኣቦሓጎታቶም ዜምልኹላ ዕለት፡ ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባ ንኽእከብ ናብ ካልእ ቦታ ወሰደኒ።”
ሺ፦ “ንስድራ ቤተይ ከም ዘፍቅሮምን እምነታተይ ዝሓሸት ሰብ ከም ዚገብረንን ኣረጋገጽኩሎም። ድሕሪኡ፡ ከም ልእመትን ሜላን ፍቕርን ዝኣመሰለ ክርስትያናዊ ባህርያት ንኸንጸባርቕ ኣበርቲዐ ዓየኹ። በብቝሩብ ንሃይማኖተይ ኬኽብርዎ ጀመሩ። ሰብኣየይ ጸኒሑ መጽሓፍ ቅዱስ ኣጽኒዑ፡ ናይ ሓቂ ክርስትያን ኰነ።”
ሚን፦ “ንወለደይ ብልእመትን ብኣኽብሮትን ኣዘራረብክዎም። ‘ጽቡቕ ዕድል’ ኣብ ክንዲ ዝምነየሎም፡ ወትሩ ምእንታኦም ናብቲ ፈጣሪና ዝዀነ የሆዋ ኸም ዝጽሊ፡ ንሱ ኺባርኾምን ናብ ሰላምን ሓጐስን ኪመርሖምን ድማ ከም ዝልምነሎም ነገርክዎም።”
ፎንግ፦ “ንስድራ ቤተይ ንምብጻሕ ክሳዕ ሓድሽ ዓመት ክጽበ ኸም ዘየድልየኒ፡ ንወለደይ ነገርክዎም። ብዙሕ ሳዕ ከኣ በጻሕክዎም። እዚ ንወለደይ ብዙሕ ሓጐስ ኣምጸኣሎም፡ ምንቃፍ ድማ ሓደግዎ። ምንኣሰይ ሓወይ እውን ብዛዕባ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሓቂ ኺመሃር ደለየ።”
[ኣብ ገጽ 20 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]
Panorama Stock/age Fotostock