ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w09 1/12 ገጽ 24-25
  • ኤርምያስ ኣይተሓለለን

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ኤርምያስ ኣይተሓለለን
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • “የሆዋ ኣበይ ኣሎ፧” ኢልካ መዓልታዊ ትሓትት ዲኻ፧
    ብኤርምያስ ኣቢሉ እተዋህበና ቓል ኣምላኽ
  • ኤርምያስ ብዛዕባ የሆዋ ኻብ ምዝራብ ኣየቋረጸን
    ንደቅኻ ምሃሮም
  • ከም ኤርምያስ ተባዕ ኩን
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2004
  • የሆዋ ንኤርምያስ ኪሰብኽ ለኣኾ
    ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
w09 1/12 ገጽ 24-25

ንደቅኻ ምሃሮም

ኤርምያስ ኣይተሓለለን

ተስፋ ዝቘረጽካን እተሓለልካን ኰይኑ ተሰሚዑካዶ ይፈልጥ፧—a ብዙሓት ከምኡ ይስምዖም እዩ። እቲ መንእሰይ ዝነበረ ኤርምያስ እውን ከምኡ ተሰሚዕዎ ነይሩ እዩ። ይኹን እምበር፡ ብሰንኪ እቲ ኻልኦት ዚብልዎ ዀነ ዚገብርዎ ነገራት ኣይተሓለለን። ኤርምያስ ከም እተሓለለ ዀይኑ ተሰሚዕዎ ኽነሱ፡ ኣምላኽ ብኸመይ ፍሉይ ሰብ ገይሩ ይርእዮ ኸም ዝነበረ እስከ ንመያየጥ።

ኤርምያስ ገና ኸይተወልደ ኸሎ፡ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ዝዀነ የሆዋ ነቶም ንዕኡ ዜጕህይዎ ዝነበሩ ህዝቢ መጠንቀቕታ ዚህቦም ነብዪ ኪኸውን ሓረዮ። ድሕሪ ዓመታት፡ ኤርምያስ ንየሆዋ እንታይ ከም ዝበሎ ትፈልጥዶ፧— “ገና ቘልዓ እየ እሞ፡ እንሆ፡ ክዛረብ ኣይክእልን እየ” በሎ።

የሆዋ ንኤርምያስ እንታይ ዝበሎ ይመስለካ፧— ብሕያውነት ግን ከኣ ብጽንዓት፡ “ናብ ዝልእከካ ዅሉ ኺድ፡ እቲ ዝእዝዘካ ዅሉ ድማ ተዛረብ እምበር፡ ቈልዓ እየ ኣይትበል። ምእንቲ ኸናግፈካ ምሳኻ እየ እሞ፡ ኣይትፍርሃዮም” ኢሉ ተዛረቦ።—ኤርምያስ 1:4-8።

ድሕሪ ግዜ ግን፡ ከምቲ ኣቐዲምና ዝረኣናዮ፡ ኤርምያስ ሕልናኡ ኸም ዝዓረቦ ዀይኑ ተሰሚዕዎ ነበረ። ከምኡ እተሰምዖ፡ ንኣምላኽ ብምግልጋሉ፡ ሰባት የላግጹሉ ስለ ዝነበሩ እዩ። ‘ምሉእ መዓልቲ ይጸርፉንን የላግጹለይን ኣለዉ’ ድማ በለ። ብሰንኪ እዚ፡ ከም እተሓለለ ዀይኑ ተሰምዖ። ‘ኣይክዝክሮን፡ ደጊምሲ ብስም የሆዋ ኣይክዛረብን እየ’ ኢሉ ኸኣ ተዛረበ። ብሓቂዶ ግን ተሓሊሉ እዩ፧

ኤርምያስ፡ ቃል ኣምላኽ “ኣብ ዓጻጽምተይ ተዐጽዩ፡ ኣብ ልበይ ከም ዚነድድ ሓዊ ዀነኒ። ክጽመሞ ተጋደልኩ፡ ግናኸ ኣይኰነለይን” በለ። (ኤርምያስ 20:7-9) ፍርሂ ተሰሚዕዎ እኳ እንተ ነበረ፡ ንየሆዋ ፍቕሪ ስለ ዝነበሮ ግን፡ ፈጺሙ ኣይተሓለለን። ዘይምሕላሉ ብኸመይ ዕቝባ ኸም ዝዀኖ እስከ ንርአ።

የሆዋ ንኤርምያስ፡ እቶም ህዝቢ ኻብቲ ሕማቕ መገድታቶም እንተ ደኣ ዘይተመሊሶም፡ የሩሳሌም ከም እትጠፍእ ኬጠንቅቖም ነገሮ። ኤርምያስ እቲ መጠንቀቕታ ነቶም ህዝቢ ምስ ነገሮም፡ ብሕርቃን፡ “እዚ ሰብኣይ እዚ . . . ሞት ይግብኦ” በሉ። ኤርምያስ ግን፡ ‘ድምጺ የሆዋ ስምዑ’ ኢሉ ለመኖም። ቀጺሉ ኸኣ፡ ‘ኣምላኽ እዩ ኽነግረኩም ዝለአኸኒ እሞ፡ እንተ ቐተልኩምኒ፡ ንንጹህ ሰብ ከም እትቐትሉ ኣርጊጽኩም ፍለጡ’ በሎም። ድሕሪኡ እንታይ ከም ዘጋጠመ ትፈልጥዶ፧—

መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ኢሉ ይገልጽ፦ ‘እቶም መሳፍንትን ኵሉ እቲ ህዝብን ነቶም ካህናትን ነብያትን፡ እዚ ሰብኣይ እዚ ብስም የሆዋ ኣምላኽና እዩ እተዛረበና እሞ፡ ሞት ኣይግብኦን እዩ፡ በልዎም።’ ስለዚ፡ ኤርምያስ በቲ እተሰምዖ ፍርሂ ስለ ዘይተሓለለ፡ የሆዋ ኣዕቈቦ። ሕጂ ኸኣ እቲ ነብዪ የሆዋ ዝነበረ ኡርያ፡ ካብ ኤርምያስ እተፈልየ ስጕምቲ ብምውሳዱ እንታይ ከም ዘጋጠሞ እስከ ንርአ።

‘ኡርያ ኸም ኵለን ቃላት ኤርምያስ ገይሩ ንየሩሳሌም ከም እተነበየላ፡’ መጽሓፍ ቅዱስ ይነግረና። ንጉስ ዮኣቂም ምስ ተቘጥዖ፡ ኡርያ እንታይ ከም ዝገበረ ትፈልጥዶ፧— ኣዝዩ ስለ ዝፈርሀ፡ ፍቓድ ኣምላኽ ምግባር ሓዲጉ ናብ ግብጺ ሃደመ። እቲ ንጉስ ድማ ካብኡ ኣናድዮም ኬምጽእዎ ሰባት ለኣኸ። እቶም ሰባት ካብኡ ምስ ኣምጽእዎ፡ እቲ ንጉስ እንታይ ዝገበረ ይመስለካ፧— ንኡርያ ብሰይፊ ወቒዑ ቐተሎ!—ኤርምያስ 26:8-24።

የሆዋ ንኤርምያስ ዘዕቈቦ፡ ንኡርያ ግን ዘየዕቈቦ ስለምንታይ ይመስለካ፧— ኤርምያስ ልክዕ ከም ኡርያ ፈሪሁ ኪኸውን ዚኽእል እኳ እንተ ነበረ፡ ንየሆዋ ምግልጋል ሓዲጉ ግን ኣይሃደመን። ፈጺሙ ኣይተሓለለን። እሞኸ ኻብቲ ኤርምያስ ዝሓደጎ ኣብነት እንታይ ትምህርቲ ኽንረክብ ንኽእል፧— ሓድሓደ እዋን ፍቓድ ኣምላኽ ምግባር ይኸብደና ይኸውን፣ ኰይኑ ግን፡ ወትሩ ንዕኡ ኽንኣምኖን ክንእዘዞን ኣሎና።

a ነዚ ጽሑፍ እዚ እተንብቦ ዘለኻ ምስ ቈልዑ እንተ ደኣ ዀይኑ፡ እዚ ፈላዪ ሕንጻጽ እዚ ሓንሳእ ብምዕራፍ፡ ነቶም ቈልዑ ኽትሓቶም ከም ዘሎካ ዜዘኻኽር እዩ።

ሕቶታት፦

  • ❍ ኣምላኽ ንኤርምያስ እንታይ ዓይነት ዕዮ እዩ ሂብዎ፧

  • ❍ ኤርምያስ ከም እተሓለለ ዀይኑ እተሰምዖ ስለምንታይ እዩ፧

  • ❍ የሆዋ ንኤርምያስ ዘዕቈቦ፡ ንኡርያ ግን ዘየዕቈቦ ስለምንታይ እዩ፧

  • ❍ ካብቲ ኤርምያስ ዝሓደጎ ኣብነት እንታይ ተማሂርካ፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ