ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w10 1/1 ገጽ 3
  • ‘ብዙሕ ዚሰትዩ’

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ‘ብዙሕ ዚሰትዩ’
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2010
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ንኣልኮላዊ መስተ ብኸመይ ክትቈጻጸሮ ትኽእል፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2010
  • ንመጠን እትሰትዮ ኣልኮላዊ መስተ ብኸመይ ክትቈጻጸሮ ትኽእል፧
    ተወሳኺ ርእሰ ነገራት
  • ክርስትያናት ብዛዕባ ኣልኮላዊ መስተ እንታይ ኣረኣእያ ኺህልዎም ይግባእ፧
    ንዘለኣለም ብህይወት ንበር!—ኣሳታፊ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ
  • ብኣልኮላዊ መስተ ዝመጸ ሚዛናዊ ኹን
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2004
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2010
w10 1/1 ገጽ 3

‘ብዙሕ ዚሰትዩ’

ኣለን ወዲ 11 ዓመት ከሎ፡ ኣልኮላዊ መስተ ኼብዝሕ ጀመረ።a ንሱን ኣዕሩኹን ነቶም ኣብ ፊልም ዝረኣይዎም ገጸ-ባህርያት እናመሰሉ፡ ኣብ ዱር ይጻወቱ ነበሩ። እቶም ኣለንን ኣዕሩኹን ዚቐድሕዎም ዝነበሩ ገጸ-ባህርያት ልቢ ወለድ እኳ እንተ ነበሩ፡ እቲ ዚሰትይዎ ዝነበሩ ኣልኮላዊ መስተ ግን ናይ ሓቂ እዩ ነይሩ።

ቶኒ ወዲ 40 ዓመት ምስ ኰነ፡ ምሸት ምሸት ካብ ሓደ ወይ ክልተ ተበጊሱ፡ ሓሙሽተ ወይ ሽዱሽተ ኺሰቲ ጀመረ። ደሓር ግን፡ ኣብ መዓልቲ ኽንደይ ዚኣክል ከም ዚሰቲ ኺፈልጠሉ ኣብ ዘይክእል ደረጃ በጽሐ።

ኣለን ብዛዕባ እቲ ዝነበሮ ጸገም ኪሕገዝ ደለየ። ቶኒ ግን ስድራ ቤቱን ፈተውቱን ኪሕግዝዎ ምስ ደለዩ ኣበየ። ኣለን ብህይወት ስለ ዘሎ ታሪኹ ኺነግረና ኸኣለ፣ ቶኒ ግን እተወሰነ ዓመታት ይገብር ብዙሕ መስተ ሰትዩ ማኪና ኺዝውር ከሎ ብሓደጋ ሞተ።

ዋላ እውን ሓደ ሰብ በይኑ መስተ ዜብዝሕ እንተ ዀነ፡ ወልፉ ዜፍርዮ ሕማቕ ሳዕቤናት ግን ንህይወት ካልኦት ምትንካፉ ዘይተርፍ እዩ። ብሰንኪ ምብዛሕ ኣልኮላዊ መስተ፡ ኣፋውን ኣካላውን ማህሰይቲ፡ መጥቃዕትን ቅትለትን፡ ሓደጋ ማኪናን ኣብ ስራሕ ዚፍጠር ሓደጋን፡ ከምኡውን እተፈላለየ ጸገማት ጥዕና የጋጥም እዩ። ኣብ ርእሲ እቲ ኣብ ውልቀ-ሰባትን ስድራ ቤታትን ውሉዳትን ዜሕድሮ ስምዒታዊ ዀነ ኻልእ ዓይነት ጕድኣት፡ ንሕብረተሰብ እውን ኣዝዩ ብዙሕ ገንዘብ የኽስር እዩ።

ይኹን እምበር፡ ሃገራውያን ትካላት ጥዕና ሕ.መ.ኣ. ዚበሃል ውድብ ከም ዚሕብሮ፡ “ኵሉ እቲ ኣዘውቲሩ ዚሰቲ ኣይኰነን ሰታይ፣ ኵሉ ሰታይ እውን ኣይኰነን መዓልታዊ ዚሰቲ።” ወልፊ ኣልኮላዊ መስተ ዘይብሎም ብዙሓት ሰባት፡ ከይተፈለጦም መስተ ናይ ምብዛሕ ልማድ ኣማዕቢሎም እዮም። ገሊኦም ከኣ ሓሓሊፎም ዚሰትዩ እኳ እንተ ዀኑ፡ ብሓንሳእ ግን ልዕሊ ሓሙሽተ እዮም ዚሰትዩ።

መስተ ኽትሰቲ እንተ ደሊኻ፡ ኣበይ ኢኻ ደረት ክትገብረሉ ዘሎካ፧ ክንደይ ምስ በጻሕካ ኢኻ ‘ብዙሕ ሰቲኻ’ ኪበሃል ዚከኣል፧ (ምሳሌ 23:29, 30 ትርጕም 1990) እዛ እትቕጽል ዓንቀጽ፡ ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ሓጋዚ ሓበሬታ ኽትህብ እያ።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ገሊኡ ስማት ተቐዪሩ እዩ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ