ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w10 1/2 ገጽ 6-7
  • ናብ ሰማይ ዚኸዱ ኵሎም ጻድቃን ድዮም፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ናብ ሰማይ ዚኸዱ ኵሎም ጻድቃን ድዮም፧
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2010
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ጻድቃን ዚረኽብዎ ዓስቢ ኽትረክብ ዲኻ፧
  • መን ኢዮም ናብ ሰማይ ዝኸዱ: ስለምንታይከ፧
    ኣብ ገነት ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ምንባር ትኽእል ኢኻ
  • ብዛዕባ መጻኢ ደቂ ሰብ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
  • ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
  • መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ እያ፧
    መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይምህረና፧
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2010
w10 1/2 ገጽ 6-7

ናብ ሰማይ ዚኸዱ ኵሎም ጻድቃን ድዮም፧

የሱስ ኣብታ ድሮ ሞቱ ዝነበረት ምሸት ምስ ሃዋርያቱ ናይ መወዳእታ ድራር ድሕሪ ምብላዑ፡ ኣብ ሰማይ ቦታ ኸም ዜዳልወሎም ኪመባጽዓሎም ከሎ፡ “ኣብ ቤት ኣቦይ ብዙሕ ማሕደር አሎ። እቲ እንተ ዘይህሉስ፡ ምበልኩኹም ነይረ። ስፍራ ኸዳልወልኩም እኸይድ አሎኹ” በሎም። (ዮሃንስ 14:2) ኣብ ሰማይ ስፍራ ዜዳልወሎም ስለምንታይ እዩ፧ ኣብኡኸ እንታይ እዮም ኪገብሩ፧

የሱስ ንሃዋርያቱ ፍሉይ መዝነት ኪህቦም ሓሲቡ ነበረ። “ንስኻትኩም ግና ብፈተናይ ምሳይ እተዐገስኩም ኢኹም። . . . ከምቲ ንኣይ ኣቦይ ዝመደበለይ፡ ንኣኻትኩም ከኣ ኣነ መንግስቲ መደብኩልኩም” በሎም። (ሉቃስ 22:28, 29) የሱስ ንደቂ ሰብ ዜድልዮም ጽቡቕ ምምሕዳር ዜምጽእ ንጉስ ከም ዚኸውን ኣምላኽ ተመባጺዕሉ ነበረ። ንሰባት ካብ መከራ ኼድሕኖም፡ ነቶም ዜታልልዎም ከኣ ኬጥፍኦም እዩ። ግዝኣቱ “ኽሳዕ ወሰን ምድሪ” እኳ እንተ ዀነ፡ ዙፋኑ ግን ኣብ ሰማይ እዩ።—መዝሙር 72:4, 8፣ ዳንኤል 7:13, 14።

ኰይኑ ግን፡ የሱስ በይኑ ኣይኰነን ዚገዝእ። በዚ ምኽንያት እዚ እዩ ንሃዋርያቱ ኣብ ሰማይ ስፍራ ኸም ዜዳልወሎም ዝነገሮም። ‘ኣብ ምድሪ ኺነግሱ’ ንፈለማ እዋን እተመርጹ ኸኣ ንሳቶም እዮም።—ራእይ 5:10።

ናብ ሰማይ ዝኸዱ ኽንደይ እዮም፧ ልክዕ ከምቲ ኣብ ዝዀነ ይኹን መንግስቲ ዚርአ፡ ኣብታ ሰማያዊት መንግስቲ ኣምላኽ ዚገዝኡ ገዛእቲ እውን ካብቶም ተገዛእቲ ዝወሓዱ እዮም። የሱስ ነቶም ምስኡ ዚገዝኡ ሰባት፡ “ኣታ ሒደት መጓሰ፡ እታ መንግስቲ ኺህበኩም ፍቓድ ኣቦኹም እዩ እሞ፡ ኣይትፍራህ” በሎም። (ሉቃስ 12:32) እዚ “ሒደት መጓሰ” እዚ፡ ቍጽሩ 144,000 እዩ። (ራእይ 14:1) እዚ ቝጽሪ እዚ ምስቶም ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ዚነብሩ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት ኪወዳደር ከሎ፡ ውሑድ እዩ።—ራእይ 21:4።

እምበኣርከስ፡ ኵሎም ጻድቃን ኣይኰኑን ናብ ሰማይ ዚኸዱ። ሃዋርያ ጴጥሮስ እውን ብዛዕባ እቲ ቕኑዕ ንጉስ ዝነበረ ዳዊት ብንጹር ኪዛረብ ከሎ፡ “ናብ ሰማይ ኣይዐረገን” በለ። (ግብሪ ሃዋርያት 2:34, 35) ዮሃንስ መጥምቕ እውን እንተ ዀነ፡ ጻድቕ ሰብ እዩ ነይሩ። ኰይኑ ግን፡ ንጉስ ኰይኑ ኣብ ሰማይ ከም ዘይገዝእ የሱስ ኪገልጽ ከሎ፡ “ካብ ኣንስቲ ኻብ እተወልዱ ኻብ ዮሃንስ መጥምቕ ዚዐቢ ሓደ እኳ ኣይተንስኤን። ኣብ መንግስተ ሰማያት ግና እቲ ዚንእስ ካብኡ ይዐቢ” በለ።—ማቴዎስ 11:11።

ጻድቃን ዚረኽብዎ ዓስቢ ኽትረክብ ዲኻ፧

ሓደ ሰብ ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ናይ ምንባር ዓስቢ ንኺረክብ እንታይ ኪገብር ኣለዎ፧ የሱስ፡ “ኣምላኽ፡ በቲ ሓደ ወዱ ዝአመነ ዅሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር፡ ከይጠፍእሲ፡ ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብ፡ ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ” በለ። (ዮሃንስ 3:16) ኣምላኽ በቲ ንዓለም ዘለዎ ፍቕሪ ተደሪኹ ንዅሎም ሰባት ንዘለኣለም ናይ ምንባር ኣጋጣሚ እኳ እንተ ኸፈተሎም፡ ነዚ ዓስቢ እዚ ዚረኽብዎ ግን እቶም እምነት ዜሕድሩ ሰባት ጥራይ ምዃኖም ኣስተብህል።

እምነት ኣብ ቅኑዕ ፍልጠት እተመስረተ ኪኸውን ኣለዎ። (ዮሃንስ 17:3) ንስኻ እውን ብዛዕባ እቲ የሆዋ ንደቂ ሰብ ዘለዎ ዕላማ ዝያዳ እንተ ተማሂርካ፡ ጻድቕ ወይ ቅኑዕ ሰብ ምዃንካ ኸተርኢ ትኽእል ኢኻ። ኣብቲ እተመሃርካዮ ትምህርቲ እምነት ኣሕድር፡ ኣብ ግብሪ ድማ ኣውዕሎ። ንዘለኣለም ናይ ምንባር ኣጋጣሚ ኸም እተኸፍተልካ እውን ርግጸኛ ኹን።

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ሳጹን]

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

ሕቶ፦

ጻድቃን ምስ ሞቱ እንታይ እዮም ዚዀኑ፧

መልሲ፦

“ምዉታት ግና ገለ እኳ ኣይፈልጡን።”—መክብብ 9:5።

ሕቶ፦

ጻድቃን እንታይ ተስፋ ኣለዎም፧

መልሲ፦

“ኣብ መቓብር ዘለዉ ዅላቶም ድምጹ [ድምጺ የሱስ] ዚሰምዑላ ሰዓት ክትመጽእ እያ፡ . . . ኺወጹ እዮም።” —ዮሃንስ 5:28, 29።

ሕቶ፦

መብዛሕትኦም ጻድቃን ኣበይ እዮም ኪነብሩ፧

መልሲ፦

“ጻድቃን [“ንምድሪ፡” ትርጕም 1990] ኪወርስዋ፡ ኣብኣውን ንዘለኣለም ኪነብሩ እዮም።”—መዝሙር 37:29።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ