ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w10 1/2 ገጽ 16-17
  • ብዛዕባ ናይ ሓቂ ኣምልኾ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ብዛዕባ ናይ ሓቂ ኣምልኾ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2010
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ናይ ሓቂ ሃይማኖት ኣላ ድያ፧
  • ንናይ ሓቂ ኣምልኾ ብኸመይ ከተለልዮ ትኽእል፧
    ብስራት ኣምላኽ
  • ኣምላኽ ዚቕበሎ ኣምልኾ
    መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧
  • ንናይ ሓቂ ኣምልኾ ብኸመይ ከተለልዮ ትኽእል፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
  • ነታ ቕንዕቲ ሃይማኖት ብኸመይ ከተለልያ ትኽእል፧
    መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይምህረና፧
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2010
w10 1/2 ገጽ 16-17

ካብ የሱስ እንመሃሮ ትምህርቲ

ብዛዕባ ናይ ሓቂ ኣምልኾ

ኣምላኽ ንዅሉ ኣምልኾ ይቕበሎ ድዩ፧

▪ የሱስ ነቶም ብናይ ሓሶት ሃይማኖት ተዓሽዮም ዝነበሩ ሰባት ይሓዝነሎም ነበረ። “ነብያት ሓሶት . . . ብውሽጦም ዚምንጥሉ ተዃሉ ኽነሶምሲ፡ ክዳን ኣባጊዕ ተኸዲኖም እዮም ዚመጽኹም” ኢሉ ኣጠንቀቐ። (ማቴዎስ 7:15) ገሊኦም ሰባት ብስም ሃይማኖት እኩይ ተግባራት ኪገብሩ ኣስተብሂልካዶ ትፈልጥ፧

የሱስ ናብ ኣምላኽ ኪጽሊ ኸሎ፡ “ቃልካ ሓቂ እዩ” በለ። (ዮሃንስ 17:17) ስለዚ፡ ምስቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሓቂ ዚጻረር ኣምልኾ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ተቐባልነት የብሉን። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ እዩ የሱስ ነቲ ኣምላኽ እተዛረቦ ቓላት ኣብቶም ግቡዛት ሃይማኖታውያን ብምውዓል፡ “ትምህርቲ ትእዛዛት ሰብ እናመሀሩ፡ ንኸንቱ የምልኹኒ” ዝበለ።—ማቴዎስ 15:9።

ናይ ሓቂ ሃይማኖት ኣላ ድያ፧

▪ የሱስ ነታ ብናይ ሓሶት ሃይማኖት ተዓሽያ ዝነበረት ሳምራዊት ሰበይቲ፡ “ንስኻትኩም ንዘይትፈልጥዎ ኢኹም እትሰግዱ፡ . . . ኣቦ ኸምዚ ዝበሉ ሰገድቲ እዩ ዚደሊ እሞ፡ እቶም ናይ ሓቂ ሰገድቲ ነቦ ብመንፈስን ብሓቅን ዚሰግዱሉ ሰዓት ክትመጽእ እያ” በላ። (ዮሃንስ 4:22, 23) ብንጹር እምበኣር፡ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ኺርከብ ይከኣል እዩ።

የሱስ፡ ‘ከምቲ ኣቦይ ዝመሀረኒ ኸምኡ ኸም ዝነግር እምበር፡ ካብ ርእሰይ ሓንቲ ኸም ዘይገብር፡ ሽዑ ኽትፈልጡ ኢኹም’ በለ። ሓንቲ ሃይማኖት ናይ ሓቂ ኽትከውን እትኽእል፡ ኣብቲ ንሱ ዚመሃሮ ትምህርቲ እተመርኰሰት እንተ ዀይና ጥራይ ምዃኑ ይፈልጥ ነበረ። (ዮሃንስ 8:28) በዚ ምኽንያት እዚ፡ “መገድን ሓቅን ህይወትን ኣነ እየ። ብዘይ ብኣይ ሓደ እኳ ናብ ኣቦ ዚመጽእ የልቦን” በለ። (ዮሃንስ 14:6) ናይ ሓቂ ኣምለኽቲ ብሓደ መገዲ ሓቢሮም ናብ ኣቦ ስለ ዚቐርቡ፡ ናይ ግድን ኣብ ሓንቲ ናይ ሓቂ ሃይማኖት ኪሓብሩ ኣለዎም።

ነቶም ናይ ሓቂ ኣምለኽቲ ብኸመይ ተለልዮም፧

▪ ክርስትያን ኪበሃል ከሎ ንየሱስ ክርስቶስ ዚስዕብ ማለት እዩ። ሰባት ነቲ የሱስ ዝሓደጎ ኣብነት ብምቕዳሕ ናይ ሓቂ ሰዓብቱ ምዃኖም ብንጹር ዚልለዩሉ ኣርባዕተ መገዲ እስከ ንርአ።

1. የሱስ ክርስቶስ ናብ የሆዋ ኺጽሊ ኸሎ፡ “ስምካ ኣፍሊጠዮም አሎኹ” በለ። (ዮሃንስ 17:26) ናይ ሓቂ ክርስትያናት እውን ስም ኣምላኽ ከም ዚፍለጥ ይገብሩ እዮም።

2. የሱስ ብዛዕባ መንግስቲ የሆዋ ሰበኸ፡ ንደቀ መዛሙርቱ ድማ ካብ ቤት ናብ ቤት ከይዶም ከምኡ ኺገብሩ ለኣኾም። “ኣብ ዝዀነ ኸተማ ወይስ ዓዲ አቲኹም፡ ኣብኡ እቲ ብቑዕ መን ምዃኑ ሕተቱ” በሎም። ጸኒሑ፡ ነቶም ሰዓብቱ፡ “ስለዚ ኺዱ ንዅሎም ኣህዛብ . . . ደቀ መዛሙርቲ ግበርዎም” ኢሉ ኣዘዞም። (ማቴዎስ 10:7, 11፣ 28:19) ሎሚ ዘለዉ ናይ ሓቂ ክርስትያናት እውን ከምኡ ስለ ዚገብሩ፡ ብቐሊሉ ኸተለልዮም ትኽእል ኢኻ።

3. የሱስ ኣብ ፖለቲካ ኢዱ ኣየእተወን። ብዛዕባ ሰዓብቱ ኺዛረብ ከሎ ድማ፡ “ከምቲ ኣነ ኻብ ዓለም ዘይኰንኩ፡ ንሳቶምውን ካብ ዓለም ኣይኰኑን” በለ። (ዮሃንስ 17:14) ስለዚ፡ ናይ ሓቂ ኣምለኽቲ ብፖለቲካዊ ገለልትነቶም ኪፍለጡ ይግባእ።

4. የሱስ፡ ርእሰ-መስዋእቲ ብምግባር ንኻልኦት ፍቕሪ ኣርኣየ። “ነንሓድሕድኩም ፍቕሪ እንተላትኩም፡ በዚ ደቀ መዛሙርተይ ምዃንኩም ኵሉ ኺፈልጥ እዩ” ድማ በለ። (ዮሃንስ 13:35) ናይ ሓቂ ክርስትያናት ንሓድሕዶም ይተሓላለዩ እዮም፣ ኣብ ውግእ ከኣ ኢዶም ኣየእትዉን።

ናይ ሓቂ ኣምልኾ ብኸመይ ኪጠቕመካ ይኽእል፧

▪ ብናይ ሓቂ ኣምልኾ ንኽትመላለስ፡ ፈለማ ንየሆዋ ኣጸቢቕካ ኽትፈልጦ ኣሎካ። ፍልጠት ኣምላኽ፡ ዝበለጸ መገዲ ህይወት ንኽትስዕብን ልብኻ ብፍቕሪ ኣምላኽ ንኺምላእን ኪሕግዘካ እዩ። የሆዋ ነቶም ዜፍቅርዎ ናይ ዘለኣለም ህይወት ተመባጺዕሎም ኣሎ። ስለዚ ኸኣ እዩ የሱስ፡ “ኣምላኽ ሓቂ ንስኻ በይንኻ ምዃንካን ነቲ ዝለአኽካዮ የሱስ ክርስቶስን ኪፈልጡ፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት እዚኣ እያ” ዝበለ።—ዮሃንስ 17:3።

ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ንምዕራፍ 15 እዛ መጽሓፍ እዚኣ ርአ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት።

[ኣብ ገጽ 16 ዘሎ ስእሊ]

“ካብ ነብያት ሓሶት ተጠንቀቑ፡ ብውሽጦም ዚምንጥሉ ተዃሉ ኽነሶምሲ፡ ክዳን ኣባጊዕ ተኸዲኖም እዮም ዚመጽኹም።”—ማቴዎስ 7:15።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ