ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w10 1/4 ገጽ 11
  • የሱስ ክርስቶስ መልእኽቱን ንስኻን

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • የሱስ ክርስቶስ መልእኽቱን ንስኻን
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2010
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • እቲ ኻብ ኵሉ ዝበለጸ ውህበት ኣምላኽ ዝዀነ በጃ
    መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧
  • በጃ—ብሉጽ ውህበት ኣምላኽ
    መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይምህረና፧
  • ብሉጽ ውህበት ኣየናይ እዩ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2017
  • ብሉጽ ውህበት ኣምላኽ—ኣዝዩ ኽቡር ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2017
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2010
w10 1/4 ገጽ 11

የሱስ ክርስቶስ መልእኽቱን ንስኻን

“ኣነ ግና ህይወት ምስ ተረፉ ምእንቲ ኺረኽባ እየ ዝመጻእኩ።” —ዮሃንስ 10:10።

የሱስ ክርስቶስ ብቐንዱ ናብ ምድሪ ዝመጸ፡ ኪቕበል ዘይኰነስ፡ ኪህብ እዩ። ብኣገልግሎቱ ኣቢሉ ድማ፡ ንደቂ ሰብ ብዋጋ ዘይሽነን ውህበት ሃቦም፣ እዚ ኸኣ ብዛዕባ ኣምላኽን ብዛዕባ ፍቓዱን እቲ ሓቂ ዚገልጽ መልእኽቲ እዩ። ነዚ መልእኽቲ እዚ ምላሽ ዚህቡሉ ሰባት፡ ልክዕ ከምቶም ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ናይ ሓቂ ክርስትያናት፡ ሎሚ ዝሓሸ ህይወት ኪህልዎም ይኽእል እዩ።a ኣብቲ የሱስ ዚሰብኮ ዝነበረ መልእኽቲ ጐሊሑ ዚርአን ኣዝዩ ኽቡርን ውህበት ኣሎ፣ እዚ ኸኣ እቲ ኣብ ክንዳና ዝኸፈሎ ፍጹም ህይወቱ እዩ። ስለዚ፡ ዘለኣለማዊ ድሕነትና፡ ነዚ ኣገዳሲ ኽፋል መልእኽቱ ኣብ እንህቦ ምላሽ እተመርኰሰ እዩ።

ኣምላኽን ክርስቶስን እንታይ እዮም ሂቦም፧ የሱስ ኣብ ኢድ ጸላእቱ ብዜሳቒ መገዲ ኸም ዚመውት ይፈልጥ ነበረ። (ማቴዎስ 20:17-19) ኰይኑ ግን፡ ኣብተን ኣብ ዮሃንስ 3:16 ዚርከባ ህቡባት ቃላት፡ “ኣምላኽ፡ በቲ ሓደ ወዱ ዝአመነ ዅሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር፡ ከይጠፍእሲ፡ ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብ፡ ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ” በለ። ብዘይካዚ፡ “ሕይወቱ ምእንቲ ብዙኃት በጃ ኪህብ” ከም ዝመጸ ገሊጹ ነበረ። (ማቴዎስ 20:28 ትርጕም 1990) ህይወቱ ኸም እትውሰድ ዘይኰነስ፡ ከም እትወሃብ ገይሩ እተዛረበ ስለምንታይ እዩ፧

ኣምላኽ መወዳድርቲ ዘይብላ ፍቕሪ ስለ ዘላቶ፡ ደቂ ሰብ ካብቲ ዝወረስዎ ሓጢኣት ኰነ ኻብቲ ብሰንኩ ዝመጸ ዘይፍጽምናን ሞትን ሓራ ምእንቲ ኪዀኑ፡ መሰናድዎ ገበረ። ነቲ ሓደ ወዱ መስዋእታዊ ሞት ኪመውት ናብ ምድሪ ለኣኾ። የሱስ ድማ ብፍታው ንሰብኣዊ ህይወቱ ኣብ ክንዳና ሃበ። እዚ በጃ ተባሂሉ ዚጽዋዕ መሰናድዎ፡ ኣምላኽ ንደቂ ሰብ ዝሃቦም ዝዓበየ ውህበት እዩ።b ናብ ናይ ዘለኣለም ህይወት ድማ ይመርሕ።

እንታይ ክትገብር ኣሎካ፧ እቲ በጃ ንዓኻ እውን እተዋህበ ውህበት ድዩ፧ እዚ ኣባኻ እተገድፈ እዩ። ነዚ ብምሳሌ ንምርዳእ፦ ሓደ ሰብ እተጠቕለለ ውህበት ኣቕሪቡልካ ንበል። ነዚ ውህበት እዚ እንተ ዘይተቐቢልካዮ፡ ናትካ ኪኸውን ኣይክእልን እዩ። ብተመሳሳሊ፡ የሆዋ ነቲ በጃ ኣቕሪቡልካ ኣሎ፣ ነዚ ውህበት እዚ እንተ ዘይተቐቢልካዮ ግን ናትካ ኪኸውን ኣይክእልን እዩ። ብኸመይ ኢኻ እትቕበሎ፧

የሱስ፡ እቶም ብእኡ ‘ዚኣምኑ’ ሰባት፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት ከም ዚረኽቡ ገለጸ። እምነት ኪበሃል ከሎ፡ ንኣነባብራኻ እውን ዚምልከት እዩ። (ያእቆብ 2:26) ኣብ የሱስ እምነት ምሕዳር፡ ምስቲ ንሱ ዝበሎን ዝገበሮን ነገራት ተሰማሚዕካ ምንባር የጠቓልል። ከምኡ ንምግባር፡ ንየሱስን ንኣቦኡን ክትፈልጦም ኣሎካ። የሱስ፡ “ኣምላኽ ሓቂ ንስኻ በይንኻ ምዃንካን ነቲ ዝለአኽካዮ የሱስ ክርስቶስን ኪፈልጡ፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት እዚኣ እያ” በለ።—ዮሃንስ 17:3።

ኣስታት 2,000 ዓመት ይገብር፡ የሱስ ክርስቶስ ንህይወት ሚልዮናት ሰባት ዝለወጠ መልእኽቲ ነገረ። ብዛዕባ እዚ መልእኽቲ እዚ ዀነ ንስኻን ፈተውትኻን ሕጅን ንዘለኣለምን ካብኡ ብኸመይ ክትጥቀሙ ኸም እትኽእሉ ዝያዳ ኽትፈልጥ ትደሊዶ፧ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተሓጒሶም ኪሕግዙኻ ይኽእሉ እዮም።

እዘን ቀጺለን ዘለዋ ዓንቀጻት፡ ነቲ ንህይወትካ ንዘለኣለም ኪልውጦ ዚኽእል መልእኽቲ ዝሰበኸ ሰብኣይ፡ ማለት ንየሱስ ክርስቶስ ብዝያዳ ንኽትፈልጦ ኺሕግዛኻ እየን።

[እግረ-ጽሑፋት]

a ኵሉ ክርስትያን እየ ዚብል ሰብ፡ ናይ ሓቂ ሰዓቢ ክርስቶስ እዩ ማለት ኣይኰነን። ናይ ሓቂ ሰዓብቲ የሱስ፡ ምስቲ ንሱ ዝመሃሮ ብዛዕባ ኣምላኽን ብዛዕባ ፍቓዱን ዚገልጽ ሓቅታት ተሰማሚዖም እዮም ዚነብሩ።—ማቴዎስ 7:21-23።

b ብዛዕባ ቕዱስ ጽሑፋዊ ትምህርቲ በጃ ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ኣብታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ “እቲ ኻብ ኵሉ ዝበለጸ ውህበት ኣምላኽ ዝዀነ በጃ” እትብል ምዕራፍ 5 ርአ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ