ንደቅኻ ምሃሮም
የሱስ ተኣዛዝነት ተማህረ
ተኣዛዝነት ሓድሓድ ግዜ ይኸብደካ ድዩ፧—a ዚኸብደካ እንተ ዀይኑ ኣየገርምን እዩ። ንዅሉ ሰብ ተኣዛዝነት ዚኸብደሉ ግዜያት ኣሎ። የሱስ እውን ከይተረፈ ተኣዛዝነት ኪመሃር ከም ዘድለዮ ትፈልጥዶ፧—
ኵሎም ቈልዑ ንመን ኪእዘዙ ኸም ዘለዎም ትፈልጥዶ፧— እወ፡ ንኣቦናን ንኣዴናን ክንእዘዝ ኣሎና። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ኣቱም ውሉድ፡ እዚ ቕኑዕ እዩ እሞ፡ ንወለድኹም ብጐይታ ተአዘዝዎም” ይብል። (ኤፌሶን 6:1) ኣቦ የሱስ መን እዩ፧— የሆዋ ኣምላኽ እዩ፣ ንዓና እውን ኣቦና እዩ። (ማቴዎስ 6:9, 10) ‘ኣቦኡ ዮሴፍ፡ ኣዲኡ ኸኣ ማርያም እያ’ እንተ ኢልካ እውን፡ ኣይተጋገኻን። ከመይ ኢሎም ወለዱ ኪዀኑ ኸም ዝኸኣሉስ ትፈልጥዶ፧—
ገብርኤል መልኣኽ ንማርያም፡ ምስ ሰብኣይ ጾታዊ ርክብ ከይገበረት ከመይ ኢላ ኽትወልድ ከም እትኽእል ነገራ። የሆዋ ዓብዪ ተኣምር ብምፍጻም እዩ ኸም እትጠንስ ገይርዋ። ገብርኤል ንማርያም፡ “ሓይሊ ልዑልውን ኬጽልለኪ እዩ። ስለዚ ኸኣ እቲ ዚውለድ ቅዱስ፡ ወዲ ኣምላኽ ኪብሀል እዩ” በላ።—ሉቃስ 1:30-35።
ኣምላኽ ንህይወት ወዱ ኻብ ሰማይ ናብ ከብዲ ማርያም ኣመሓላለፎ። ልክዕ ከምቲ ህጻናት ኣብ ከብዲ ኣዴታቶም ዚዓብዩ፡ የሱስ እውን ኣብ ከብዲ ማርያም ዓበየ። ድሕሪ ትሽዓተ ወርሒ ኸኣ ተወልደ። ኣብቲ እዋን እቲ፡ ዮሴፍ ንማርያም ተመርዕይዋ ስለ ዝነበረ፡ መብዛሕትኦም ሰባት ዮሴፍ ኣቦ የሱስ ይመስሎም ነበረ። ይኹን እምበር፡ ዮሴፍ ንየሱስ ኣቦኡ ዝዀነ፡ ስለ ዘዕበዮ ጥራይ እዩ። ስለዚ፡ ክልተ ኣቦታት ነይሮምዎ ኺበሃል ይከኣል እዩ።
የሱስ ገና ወዲ 12 ዓመት ከሎ፡ ንሰማያዊ ኣቦኡ የሆዋ ኽሳዕ ክንደይ ከም ዜፍቅሮ ዚሕብር ነገር ገበረ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ስድራ ቤት የሱስ ከም ልማዶም ፋስጋ ኼብዕሉ፡ ናብ የሩሳሌም ነዊሕ መገዲ ተጓዕዙ። ድሕርዚ፡ ዮሴፍን ማርያምን ናብ ናዝሬት ኪምለሱ ኸለዉ፡ የሱስ ምስኦም ከም ዘየለ ኣየስተብሃሉን። ከመይ ኢሎም ኪርስዕዎ ኽኢሎም ኢልካ ተገሪምካዶ፧—
ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ዮሴፍን ማርያምን ካልኦት ቈልዑ እውን ነይሮምዎም እዮም። (ማቴዎስ 13:55, 56) ከም ያእቆብን ዮሃንስን ኣቦኦም ዘብዴዎስን እታ ሓብቲ ማርያም ክትከውን እትኽእል ኣዲኦም ሰሎሜን ዝኣመሰሉ ኣዝማድ ምሳታቶም ይጐዓዙ ነይሮም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ስለዚ ኸኣ ማርያም፡ የሱስ ምስ ኣዝማዶም ዚጐዓዝ ዘሎ መሲልዋ ኪኸውን ይኽእል እዩ።—ማቴዎስ 27:56፣ ማርቆስ 15:40፣ ዮሃንስ 19:25።
ዮሴፍን ማርያምን፡ የሱስ ምስኣቶም ከም ዘየለ ምስ ፈለጡ፡ ቀልጢፎም ናብ የሩሳሌም ተመልሱ። ላዕልን ታሕትን እናበሉ ኸኣ ኪደልይዎ ጀመሩ። ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ ኣብ ቤተ መቕደስ ረኸብዎ። ማርያም ንየሱስ፡ “ስለምንታይከ ኸምዚ ገበርካና፧ እንሆ፡ ኣቦኻን ኣነን እናጕሄና ንደልየካ ኔርና፡” በለቶ። የሱስ ግን፡ “ንምንታይሞ እትደልዩኒ፧ ኣብቲ ናይ ኣቦይ ዘበለ ክኸውን ከም ዚግብኣኒዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧” ኢሉ መለሰላ።—ሉቃስ 2:45-50።
የሱስ ንኣዲኡ ኸምኡ ኢሉ ምምላሱስ ጌጋዶ ይመስለካ፧— ኣብ ቤት ኣምላኽ ኬምልኽ ፍቕሪ ኸም ዝነበሮ፡ ወለዱ ይፈልጡ ነይሮም እዮም። (መዝሙር 122:1) ስለዚ የሱስ፡ ወለዱ መጀመርታ ኣብ ቤተ መቕደስ ኣምላኽ ኪደልይዎ ኸም ዝነበሮም ምሕሳቡስ ቅኑዕዶ ኣይኰነን፧— ድሕርዚ፡ ማርያም ብዛዕባ እቲ የሱስ ዝበሎ ኽትሓስብ ጀመረት።
የሱስ ንዮሴፍን ንማርያምን ብኸመይ እዩ ዚርእዮም ነይሩ፧— መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ምሳታቶም ወሪዱ ናብ ናዝሬት መጸ፡ ይእዘዞምውን ነበረ” ይብል። (ሉቃስ 2:51, 52) ካብ ኣብነት የሱስ እንታይ ንመሃር፧— እወ፡ ንሕና እውን ንወለድና እዙዛት ክንከውን ኣሎና።
ኰይኑ ግን፡ የሱስ ንሰማያዊ ኣቦኡ እውን ከይተረፈ ኺእዘዝ ኵሉ ሳዕ ቀሊል ኣይነበረን።
የሱስ ኣብታ ቐቅድሚ ሞቱ ዝነበረት ለይቲ፡ ንየሆዋ ብዛዕባ እቲ ንሱ ኺገብሮ ዚደልዮ ነገር፡ ሓሳቡ ኪቕይር ለሚንዎ እዩ። (ሉቃስ 22:42) ይኹን እምበር፡ ቀሊል እኳ እንተ ዘይነበረ፡ የሱስ ንኣምላኽ ተኣዚዝዎ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “በቲ እተሰቀዮ ስቅያት ምእዛዝ ተማህረ” ይብለና። (እብራውያን 5:8) ንሕና እውን ኣብ ኣጸጋሚ እዋን እኳ ኸይተረፈ ተኣዛዝነት ክንመሃር እንኽእልዶ ይመስለካ፧—
[እግረ-ጽሑፍ]
a ነዚ ጽሑፍ እዚ እተንብቦ ዘለኻ ምስ ቈልዓ እንተ ደኣ ዀይኑ፡ እዚ ፈላዪ ሕንጻጽ እዚ ሓንሳእ ብምዕራፍ፡ ነቲ ቘልዓ ሓሳባቱ ንኺገልጽ ከተተባብዖ ኸም ዘሎካ ዜዘኻኽር እዩ።
ሕቶታት፦
▪ ማርያም ከመይ ኢላ እያ ኣደ የሱስ ክትከውን ዝኸኣለት፧ የሱስ ክልተ ኣቦታት ኪህልውዎ ዝኸኣሉ ብኸመይ እዩ፧
▪ ወለዲ የሱስ፡ ወዶም ምስኦም ከም ዘይነበረ ኺፈልጡ ዘይከኣሉ ስለምንታይ እዮም፧
▪ የሱስ ንወለዱ ኣበይ ኪደልይዎ እዩ ተጸብይዎም፧
▪ ካብ ኣብነት የሱስ እንታይ ትመሃር፧
[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]
ዮሴፍን ማርያምን ንየሱስ መጀመርታ ኣብ ቤተ መቕደስ ኪደልይዎ ዝነበሮም ስለምንታይ ይመስለካ፧