ሕቶታት ኣንበብትና
ኣምላኽ መጀመርታ ኣለዎዶ፧
▪ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣምላኽ መጀመርታ ኸም ዘይብሉ እዩ ዚነግረና። ኣምላኽ ካብ ዘለኣለም ዝነበረ እዩ። ዘለኣለምነት ኣምላኽ ንምርዳኡ ኣጸጋሚ እኳ እንተ ዀነ፡ ነቲ ሓሳብ ምሉእ ብምሉእ ክንርድኦ ብዘይምኽኣልና፡ ጌጋ ኸም ዝዀነ ጌርና ኣይንነጽጎን ኢና።
ኵሉ መገድታት ኣምላኽ ክንርድኦ ትጽቢት ክንገብር የብልናን። ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “ወዳጄ፡ መዓሙቝ ሃብቲ ኣምላኽን ጥበቡን ፍልጠቱን፡ ክንደይ ዘይምርመር ኰታ እዩ ፍርዱ፡ ክንደይ ብኣሰረ ኣሰር ዘይርከብከ እዩ መገዱ” ኢሉ እዩ። (ሮሜ 11:33) ከምቲ ሓደ ሕጻን ንዅሉ መገድታት ወለዱ ኺርዳእ ዘይክእል፡ ንሕና እውን ጥበብን ፍልጠትን ኣምላኽ ክሳዕ ክንደይ ዓሚቝ ምዃኑ ምሉእ ብምሉእ ክንርድኦ ኣይንኽእልን ኢና። እቲ መንፈስ ዝነፈሶ ቓላት ጳውሎስ ብቐዳምነት ንጥበብን ምሕረትን ኣምላኽ ዜመልክት እኳ እንተ ዀነ፡ ብዛዕባ የሆዋ ኣምላኽን ብዛዕባ መገድታቱን ክንርድኦ ዘይንኽእል ነገራት ከም ዘሎ እውን ይሕብር እዩ። ሓደ ኻብዚ ድማ፡ ኣምላኽ መጀመርታ ኸም ዘይብሉ ዚገልጽ ሓሳብ እዩ። ኰይኑ ግን፡ ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ኣምላኽ ዚምህሮ ትምህርቲ ምሉእ ብምሉእ ክንኣምኖ ንኽእል ኢና። የሱስ ክርስቶስ እውን ንቕዱሳት ጽሑፋት ብዚምልከት፡ “ቃልካ ሓቂ እዩ” በለ።—ዮሃንስ 17:17።
ሙሴ ናብ የሆዋ ኺጽሊ ኸሎ፡ “ንስኻስ ካብ ዘለኣለም ንዘለኣለም ኣምላኽ ኢኻ” ኢሉ እዩ። (መዝሙር 90:2) ከምኡ ኺብል ከሎ፡ ህልውና ኣምላኽ ናብ ክልቲኡ ኣንፈት ከም ዚዝርጋሕ እዩ ዚገልጽ ነይሩ። በቲ ሓደ ኣንፈት፡ ናብ መጻኢ እዩ ዚዝርጋሕ። የሆዋ “ንዘለኣለመ አለም ህያው ኰይኑ ዚነብር” እዩ። (ራእይ 4:10) ስለዚ፡ ህልውና ኣምላኽ ናብ መጻኢ ገጹ ንዘለኣለም እዩ ዚዝርጋሕ። በቲ ኻልእ ኣንፈት ከኣ፡ ናብ ሕሉፍ እዩ ዚዝርጋሕ። ብኻልእ ኣበሃህላ፡ ኣምላኽ ኣይተፈጥረን ወይ ህልውናኡ መጀመርታ የብሉን። የግዳስ፡ ህልውና ኣምላኽ ናብ ሕሉፍ ገጹ ንዘለኣለም እዩ ዚዝርጋሕ።
መብዛሕትና ንረቂቕ ሓሳባት ምሉእ ብምሉእ ክንርድኦ ኣይንኽእልን ኢና። ኰይኑ ግን፡ ሓድሓደ ግዜ ኸም ፖዚቲቭን ነጋቲቭን ኣሃዛት ዝኣመሰለ ንምርዳኡ ዜሸግር ኣምራት የጋጥመና እዩ። ኣሃዛት ምቝጻር እውን እንተ ዀነ፡ ናብ ክልቲኡ ኣንፈት መወዳእታ የብሉን። እዚ ኣብነት እዚ ንህልውና ፈጣሪ ኣብ ምግላጽ ኪውዕል ኣይክእልንዶ፧
ስለዚ እምበኣር፡ ኣምላኽ ጥራይ እዩ “ናይ ዘለኣለም ንጉስ” ብዚብል ፍሉይ መዓርግ ኪጽዋዕ ዚኽእል። (1 ጢሞቴዎስ 1:17) ሕስብ እሞ ኣብሎ፦ የሱስ ክርስቶስን ኣብ ሰማይ ዘለዉ ኣእላፋት መላእኽትን ኣብ ምድሪ ዘለዉ ደቂ ሰብን ፍጡራት ስለ ዝዀኑ፡ መጀመርታ ኣለዎም። (ቈሎሴ 1:15, 16) ኣምላኽ ግን መጀመርታ የብሉን። ኣምላኽ ተፈጢሩ ኪኸውን ከም ዘለዎ ምሕሳብ፡ ‘ንፈጣሪ ዝፈጠሮ መን እዩ፧’ ናብ ዚብል ዘይጠቅምን መወዳእታ ዘይብሉን ስነ-መጐት እዩ ዜእትወና። የሆዋ ጥራይ እዩ “ካብ ዘለኣለም ንዘለኣለም” ዚነብር። (መዝሙር 90:2) ብኻልእ ኣበሃህላ፡ ንሱ “ቕድሚ ዅሉ ዘመናት” ዝነበረ እዩ።—ይሁዳ 25።
ይኹን እምበር፡ ዘለኣለምነት ኣምላኽ ምሳና ምትሕሓዝ ዘይብሉ ሓሳብ ከም ዘይኰነ ኣስተውዕል። ንጸሎት ሙሴ ብጥንቃቐ ምስ እንምርምሮ፡ ዘለኣለምነት ኣምላኽ፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት ንኽንረክብ ውሕስነት ከም ዚዀነና እዩ ዚገልጽ። ህይወትና በሪራ እትሓልፍ እኳ እንተ ዀነት፡ ኣምላኽ ግን “ካብ ወለዶ ንወለዶ መዕቈቢ ዀንካና” ተባሂሉ ኣሎ። የሆዋ ፈቃር ኣቦ ብምዃኑ፡ ንህዝቡ፡ ቀደም ኰነ፡ ሕጂ ዀነ፡ ንሓዋሩ ዀነ የዕቍቦም እዩ። በዚ ዜደንቕ ሓቂ እዚ ተጸናናዕ።—መዝሙር 90:1።