ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w10 1/7 ገጽ 29
  • ኣብ ጽቡቕ የተኵር

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ኣብ ጽቡቕ የተኵር
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2010
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ሓደ ዓመት ኣብታ “ጽብቕቲ ምድሪ”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2007
  • ‘ሕያውነቱስ ክንደይ ዓብዪ እዩ!’
    ንየሆዋ ቕረቦ
  • የሆዋ —እቲ ዝለዓለ ኣብነት ሰናይ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2002
  • ሕያውነት—ከመይ ጌርካ ኸተማዕብላ ትኽእል፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2019
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2010
w10 1/7 ገጽ 29

ንኣምላኽ ቅረቦ

ኣብ ጽቡቕ የተኵር

1 ነገስት 14:13

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ የሆዋ ኣምላኽ፡ “ንዅሉ ኣልባብ ይመራምሮ፡ ንዅሉ ምኽሪ ሓሳባት ድማ ይፈልጦ” ይብል። (1 ዜና መዋእል 28:9) እዘን ብመንፈስ ኣምላኽ እተጻሕፋ ቓላት፡ ነቲ የሆዋ ኣባና ዘለዎ ተገዳስነት ንኸነማስወሉ እየን ተጻሒፈን። ካብ ፍጽምና ዝረሓቕና እኳ እንተ ዀንና፡ የሆዋ ኣብቲ ኣብ ልብና ዘሎ ጽቡቕ እዩ ዜተኵር። እዚ ድማ ኣብቲ ኣብ 1 ነገስት 14:13 ዚርከብ ብዛዕባ ኣቢያ እተዛረቦ ቓላት ብንጹር ኪርአ ይከኣል እዩ።

ቤተሰብ ኣቢያ እኩያት እዮም ነይሮም። ኣቦኡ የሮብዓም ጀማሪ ሓደ ኸሓዲ ስርወ-ንግስነት እዩ ነይሩ።a የሆዋ ንቤት የሮብዓም፡ “ፋንድያ ኸም ዚዅስተር” ገይሩ ኪዅስትራ ወሲኑ ነበረ። (1 ነገስት 14:10) እንተዀነ ግን፡ ነቲ ዘይምሕር ሕማም ዝነበሮ ኣቢያ ዝስሙ ኣባል ቤት የሮብዓም ጥራይ ብኽብሪ ኪቕበር ፈቐደሉ።b ስለምንታይ፧ ባዕሉ ምኽንያቱ ኺገልጽ ከሎ፡ “ኣብ ቤት የሮብዓም ኣብ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ጽቡቕ ነገር ኣብኡ ስለ እተረኽበ” በለ። (1 ነገስት 14:1, 12, 13) እዘን ቃላት እዚኣተን ብዛዕባ ኣቢያ እንታይ ይነግራና፧

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣቢያ እሙን ኣገልጋሊ ኣምላኽ ከም ዝነበረ ኣይገልጽን እዩ። እንተዀነ ግን፡ እተወሰነ ጽቡቕ ነገር ነይርዎ እዩ። እዚ ጽቡቕ ነገር እዚ ድማ፡ “ኣብ እግዚኣብሄር ኣምላኽ” ስለ ዝነበረ፡ ምስ ኣምልኾ እተተሓሓዘ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ገሊኦም ረቢታት ወይ መምህራን ኣይሁድ ዝዀኑ ጸሓፍቲ፡ ኣቢያ ንንግደት ኢሉ ናብታ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረት ቤተ መቕደስ ይኸይድ ምንባሩ፡ ወይ ነቶም ኣቦኡ ንእስራኤላውያን ናብ የሩሳሌም ንኸይከዱ ኺዓግቱ ኢሉ ዘንበሮም ሓለውቲ ኸም ዘልገሶም ርእይቶ ሂቦም እዮም።

ኣቢያ ዝገበሮ ጽቡቕ ነገር፡ እዚ ይኹን እቲ ብዘየገድስ፡ ኣቓልቦ ዚስሕብ እዩ ነይሩ። ቀዳማይ፡ እቲ ተግባሩ ኻብ ክሳድ ንላዕሊ ኣይነበረን። እቲ ጽቡቕ ነገር፡ “ኣብኡ፡” ማለት ኣብ ልቡ እዩ ነይሩ። ካልኣይ፡ እቲ ተግባሩ ኻብ ናይ ካልኦት ፍልይ ዝበለ እዩ ነይሩ። “ኣብ ቤት የሮብዓም” እናነበረ ኽነሱ እዩ፡ ነቲ ጽቡቕ ነገር ዝገበረ። ሓደ ምሁር፡ “ኣብ ክፉእ ቦታታትን ኣብ ክፉኣት ቤተሰብን ኰይኖም ጽቡቕ ነገር ዓቂቦም ዚነብሩ ሰባት፡ ዓብዪ ናእዳ ይግብኦም” በለ። ካልእ ምሁር ከኣ፡ “ከምቲ ብጸልማት ኣብ እተዋሕጠ ሰማይ ከዋኽብቲ ደሚቖም ዚረኣዩ፡ ከምቲ ኣቝጽልቲ ኣግራብ ምስ ረገፈ እውን፡ ጽሕድታት ዝያዳ ውቁብ ዚኸውን፡” እቲ ኣቢያ ዝገበሮ ጽቡቕ እውን ምስዚ ብዚመሳሰል መገዲ ኸም “ዝጐልሐ” ገሊጹ ኣሎ።

ልዕሊ ዅሉ ኸኣ፡ ኣብ 1 ነገስት 14:13 ዚርከብ ቃላት፡ ብዛዕባ የሆዋን ብዛዕባ እቲ ኣባና ዜተኵረሉ ነገራትን ሓደ ባህ ዜብል ትምህርቲ ይምህረና እዩ። ኣብ ኣቢያ ጽቡቕ ነገር ከም “እተረኽበ” ኣይንረስዕ። የሆዋ ኣብ ልቢ ኣቢያ እተወሰነ ጽቡቕ ነገር ክሳዕ ዚረክብ፡ ሃሰስ ኢሉ ኪኸውን ኣለዎ። ኣቢያ ምስ ቤተሰቡ ኺነጻጸር ከሎ፡ ከምቲ ሓደ ምሁር ዝበሎ፡ “ኣብ ኵምራ ጸጸር፡ ሓደ ሉል” እዩ ነይሩ። የሆዋ ነቲ ጽቡቕ ነገር ኣኽቢሩ ስለ ዝረኣዮ፡ ነዚ ኣባል እኩያት ቤተሰብ ዝነበረ ውልቀ-ሰብ እተወሰነ ምሕረት ገይሩሉ እዩ።

ፍጹማት እኳ እንተ ዘይኰንና፡ የሆዋ ኣብ ጽቡቕና ዜተኵርን ነዚ ኣኽቢሩ ዚርእዮን ምዃኑስ ዜተባብዕ ደይኰነን፧ (መዝሙር 130:3) ነዚ ምፍላጥና፡ ነቲ ንልብና ዚምርምርን ኣብታ ዝደቐቐት ጽቡቕና እውን ዜተኵርን የሆዋ ኣምላኽ ንኽንቀርቦ ኺድርኸና ኣለዎ።

[እግረ-ጽሑፋት]

a የሮብዓም፡ እቶም ዚግዝእዎ ህዝቢ ንየሆዋ ንኼምልኹ ኢሎም ናብታ ኣብ የሩሳሌም እትርከብ ቤተ መቕደስ ምእንቲ ኸይከዱ፡ ኣብታ ብዓሰርተ ነገድ ዝቘመት ሰሜናዊት መንግስቲ ኣምልኾ ምራኽ ኣቘመ።

b ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ግቡእ ቀብሪ ዘይምርካብ፡ መግለጺ ቝጥዓ ኣምላኽ ከም ዝዀነ ጌርካ እዩ ዚርአ ነይሩ።—ኤርምያስ 25:32, 33።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ