ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w10 1/7 ገጽ 30
  • እሙናት ኣዕሩኽ ብኸመይ ከም እትረክብ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • እሙናት ኣዕሩኽ ብኸመይ ከም እትረክብ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2010
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ጥፍኣት ሶዶምን ጎሞራን
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
  • የሱስ ብተኣምር ኣሕወየ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
  • ብሓሶት ተኸስሰ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
  • የሱስ ንሰማዕቱ ኣገረመ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2010
w10 1/7 ገጽ 30

ንመንእሰያት

እሙናት ኣዕሩኽ ብኸመይ ከም እትረክብ

መምርሒታት፦ ነዚ መላመዲ ኣብ ጸጥ ዝበለ ቦታ ዄንካ ዕየዮ። ነቲ ጥቕስታት ከተንብቦ ኸለኻ፡ ንርእስኻ ኣብቲ ፍጻመ እትውቲ ኸም ዝዀነት ጌርካ ሕሰብ። ነቲ ፍጻመ ብኣእምሮኻ ስኣሎ። ነቲ ድምጽታት ስምዓዮ። ስምዒታት እቶም ቀንዲ ገጸ-ባህርያት ይሰማዕካ። ነቲ ዛንታ ህያው ጌርካ ርኣዮ።

ቀንዲ ገጸ-ባህርያት፦ ዮናታን፡ ዳዊት፡ ሳኦል

ጽማቝ፦ ዳዊት ንጐልያድ ምስ ቀተሎ፡ ዮናታን ናይ ቀረባ ዓርኩ ዀነ።

1 ነቲ ፍጻመ መርምሮ።—1 ሳሙኤል 17:57–18:11፣ 19:1፣ 20:1-17, 41-43 ኣንብብ።

ሳኦል ከመይ ይመስል ከም ዝነበረ ግለጽ። (ኣፋፍኖት፦ 1 ሳሙኤል 10:20-23 ርአ።)

․․․․․

ዳዊት ምስ ዮናታን ኣብ እተራኸበሉ እዋን፡ ገና ዀተት እዩ ነይሩ ኪኸውን ዘለዎ። ትርኢቱ ኸመይ ዝነበረ ይመስለካ፧ (ኣፋፍኖት፦ 1 ሳሙኤል 16:12, 13 ርአ።)

․․․․․

ዳዊትን ዮናታንን ኣብ መወዳእታ 1 ሳሙኤል ምዕራፍ 20 ኺፈላለዩ ኸለዉ፡ ኣብ ድምጾም እንታይ ስምዒት ይንጸባረቕ ነበረ፧

․․․․․

2 ዝያዳ ምርምር ግበር።

እቲ ዛንታ፡ “ነፍሲ ዮናታን ምስ ነፍሲ ዳዊት ተአስረት” ወይ ብመሰረት ትርጕም 1990፡ “ዮናታን ንዳዊት ቀልጢፉ ፈተዎ” ይብል። (1 ሳሙኤል 18:1) ዳዊት ብዮናታን ከም ዚፍቶ ዝገበሮ፡ እንታይ ባህርያት ስለ ዝነበሮ እዩ፧ (ኣፋፍኖት፦ 1 ሳሙኤል 17:45, 46 ርአ።)

․․․․․

ዳዊትን ዮናታንን ብገምጋም ናይ 30 ዓመት ፍልልይ ነበሮም። ናይ ዕድመ ፍልልይ እናሃለዎም ክነሱ፡ ናይ ቀረባ ኣዕሩኽ ኪዀኑ ዝሓገዞም እንታይ ይመስለካ፧

․․․․․

ኣብዚ መሳጢ ዛንታ እዚ ኸም ዝረኣናዮ፡ ገለ ኻብቲ ኣብ ናይ ሓቂ ዓርኪ ዚንጸባረቕ ባህርያት እንታይ እዩ፧ (ኣፋፍኖት፦ ምሳሌ 17:17፣ 18:24 ርአ።)

․․․․․

ዮናታን ካብ ንኣቦኡ ንላዕሊ፡ ንዳዊት እሙን ዝነበረ ስለምንታይ እዩ፧

․․․․․

3 ነቲ እተመሃርካዮ ኣብ ግብሪ ኣውዕሎ። ብዛዕባ እዚ ዚስዕብ እንታይ ከም እተመሃርካ ጽሓፍ፦

ዕርክነት።

․․․․․

ተኣማንነት።

․․․․․

ብዕድመ ምስ ዚዓብዩኻ ዚምስረት ዕርክነት።

․․․․․

ብሉጻት ኣዕሩኽ ብኸመይ ክትረክብ ትኽእል፧

․․․․․

4 ካብዚ ጸብጻብ እዚ ዝያዳ ዝተንከፈካ እንታይ እዩ፧ ስለምንታይከ፧

․․․․․

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ኻልእ ጽሑፋት ንምርካብ፡ ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ክትሓቶም፡ ወይ ኣብ www.watchtower.org ከተንብብ ትኽእል ኢኻ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ