ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w10 1/8 ገጽ 16-17
  • ሓጐስ ብኸመይ ከም ዚርከብ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሓጐስ ብኸመይ ከም ዚርከብ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2010
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ነቲ “ሕጉስ ኣምላኽ” ዜገልግሉ ሕጉሳት እዮም
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2018
  • ናይ ሓቂ ሓጐስ ኣበይ ኢዩ ክርከብ ዝከኣል፧
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
  • ናይ ሓቂ ሓጐስ እትረኽበሉ መገዲ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2001
  • ናይ ሓቂ ሓጐስ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2022
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2010
w10 1/8 ገጽ 16-17

ካብ የሱስ እንመሃሮ ትምህርቲ

ሓጐስ ብኸመይ ከም ዚርከብ

መፍትሕ ሓጐስ እንታይ እዩ፧

▪ የሱስ ኣብ መኽፈቲ እቲ ኣዝዩ ህቡብ ዝዀነ ስብከቱ፡ ብዛዕባ ሓጐስ ገሊጹ እዩ። “እቶም መንፈሳዊ ነገራት ከም ዜድልዮም ዚግንዘቡ ሕጉሳት እዮም” ድማ በለ። (ማቴዎስ 5:3 NW) ከምዚ ኺብል ከሎ እንታይ ማለት እዩ ነይሩ፧ እቲ ዜድልየና መንፈሳዊ ነገራትከ እንታይ እዩ፧

ብህይወት ንምንባር ልክዕ ከም እንስሳታት፡ ከነስተንፍስን ክንሰትን ክንበልዕን ኣሎና። ይኹን እምበር፡ ሕጉሳት ንኽንከውን ዕላማ ህይወት ክንርዳእ የድልየና፣ እንስሳታት ግን ከምዚ ዓይነት ድሌት የብሎምን። ነዚ ድሌት እዚ ኼማልኣልና ዚኽእል እቲ ፈጣሪ ህይወት ጥራይ እዩ። ስለዚ ኸኣ እዩ የሱስ፡ “ሰብ ካብ ኣፍ ኣምላኽ ብዚወጽእ ኵሉ ቓል እምበር፡ ብንጌራ ጥራይ ኣይነብርን” ዝበለ። (ማቴዎስ 4:4) እቶም መንፈሳዊ ነገራት ከም ዜድልዮም ዚግንዘቡ ሕጉሳት እዮም፣ ከመይሲ፡ ናብቲ “ሕጉስ ኣምላኽ” ስለ ዚቐርቡ፡ ንሱ ንሓጐስ ኣገዳሲ ዝዀነ ነገር፡ ማለት ተስፋ ይህቦም እዩ።—1 ጢሞቴዎስ 1:11 NW።

የሱስ ተስፋ ዝሃበ ብኸመይ እዩ፧

▪ የሱስ፡ “ዓቃላት፡ ንምድሪ ኺወርስዋ እዮም እሞ፡ ብጹኣን [ሕጉሳት] እዮም” በለ። (ማቴዎስ 5:5) የሱስ ንሕሙማት ብምሕዋይን ንምውታት ኣብ ምድሪ ኸም ዚትንስኡ ብምግባርን ንደቂ ሰብ ተስፋ ሃበ። ብዘይካዚ፡ ተስፋ ዝሓዘ መልእኽቲ ነይርዎ እዩ። “ኣምላኽ፡ በቲ ሓደ ወዱ ዝአመነ ዅሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር፡ ከይጠፍእሲ፡ ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብ፡ ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ” ኢሉ ድማ ገለጸ። (ዮሃንስ 3:16) እቶም ንኣምላኽ ዚእዘዙ ሰባት ኣብ ምድሪ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪረኽቡ እዮም። ከይኣረግካ ምስቶም ዓቃላት ዝዀኑ ሰባት ምንባር ከመይ ከም ዚመስል እሞ ኣብ ኣእምሮኻ ስኣሎ! ቃል ኣምላኽ፡ “ብተስፋ ተሐጐሱ” ምባሉ እምበኣር ዜገርም ኣይኰነን። (ሮሜ 12:12) የሱስ፡ ኣብዚ እዋን እዚ ብኸመይ ሓጐስ ኪርከብ ከም ዚከኣል እውን ገሊጹ እዩ።

የሱስ፡ ሓጐስ ዘለዎ ናብራ ብዛዕባ ዚርከበሉ መገዲ እንታይ መሃረ፧

▪ የሱስ፡ ብዛዕባ ብሕታዊ ርክብ፡ ሓዳር፡ ትሕትና፡ ከምኡውን ብዛዕባ ንስጋዊ ነገራት ኪህልወና ዘለዎ ቕኑዕ ኣረኣእያ ግብራዊ ምኽሪ ሂቡ እዩ። (ማቴዎስ 5:21-32፣ 6:1-5, 19-34) ንምኽሩ ምስዓብ፡ ሓጐስ ንኽትረክብ ይሕግዘካ።

ለጋስ ምዃን ሓጐስ የምጽእ። (ግብሪ ሃዋርያት 20:35) ንኣብነት፡ የሱስ፡ “ምሳሕ እንተ ገበርካስ፡ ድኻታትን ቈራያትን ሓንካሳትን ዕዉራትን ደኣ ጸውዕ። ዚፈድዩኻ የብሎምን እሞ፡ ብጹእ ክትከውን [ኢኻ]” በለ። (ሉቃስ 14:13, 14) ሕጉሳት ዝዀኑ፡ እቶም ካልኦት ንኺሕጐሱ ዚጽዕሩ ደኣ እምበር፡ እቶም ናይ ብሕቶም ሓጐስ ዜናድዩ ሰባት ኣይኰኑን።

ቀንዲ ምንጪ ሕጐስ እንታይ እዩ፧

▪ ንኻልኦት ሰባት ከተሐጕስ ምጽዓር ንኽትሕጐስ ዚሕግዘካ እኳ እንተ ዀነ፡ ንኣምላኽ ከተሐጕስ ምጽዓር ግን ዝያዳ ሕጉስ እዩ ዚገብረካ። እቶም ብደቆም ዚዀርዑ ወለዲ ዚረኽብዎ ሓጐስ እውን እንተ ዀነ፡ ምስዚ ኺወዳደር ኣይክእልን። እዚ ሓቂ ኸም ዝዀነ ኻብቲ የሱስ ንህዝቢ ኺምህር ከሎ ዘጋጠመ ዅነታት ክንርዳእ ንኽእል ኢና። ኣብቲ እዋን እቲ፡ “ካብቲ እኩብ ህዝቢ ሓንቲ ሰበይቲ ቓላ ዓው ኣቢላ፤ ዝጾረትካ ኸርስን ዝጠቦኻየን ኣጥባትን ብጹኣት እየን፡ በለቶ። ንሱ ግና፤ ብጹኣንሲ እቶም ንቓል ኣምላኽ ዚሰምዕዎን ዚሕልውዎን ደኣ እዮም፡ በላ።”—ሉቃስ 11:27, 28።

የሱስ ንፍቓድ እቲ ሰማያዊ ኣቦኡ ብምግባር፡ ዕግበትን ሓጐስን ረኺቡ እዩ። ኣምላኽ፡ ኵሎም ሰባት ብዛዕባ ተስፋ ዘለኣለማዊ ህይወት ኪሰምዑ እዩ ዚደሊ። ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ፡ የሱስ ንሓንቲ ተገዳስነት ዝነበራ ሰበይቲ ብዛዕባ እዚ ተስፋ እዚ ምስ ገለጸላ፡ ንደቀ መዛሙርቱ፡ “ብልዔይሲ ፍቓድ እቲ ዝለአኸኒ ኽገብር ዕዮኡውን ክፍጽም እዩ” በሎም። (ዮሃንስ 4:13, 14, 34) ንስኻ እውን፡ ሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ንኻልኦት ምስ እተካፍል፡ ንኣምላኽ ዜሐጕስ ነገራት ብምግባር ንዚርከብ ሓጐስ ከተስተማቕሮ ኢኻ።

ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ኣብ ምዕራፍ 1 እዛ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት መጽሓፍ ርአ።

[ኣብ ገጽ 16 ዘሎ ስእሊ]

ናይ ሓቂ ሓጐስ፡ ነቲ ዕላማ ህይወት ንምርዳእ ዘሎና ባህጊ ኻብ ምዕጋብ ይርከብ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ