ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w10 1/8 ገጽ 27
  • “ወድኺ ውሰዲ”

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • “ወድኺ ውሰዲ”
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2010
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ናይ የሆዋ ሰራዊት ሓዊ
    ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
  • ኤልሳእ ሰረገላታት ሓዊ ርእዩ ንስኻኸ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2013
  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2003
  • እንደገና ህያዋን ዝዀኑ ክልተ ቘልዑ
    መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2010
w10 1/8 ገጽ 27

ንኣምላኽ ቅረቦ

“ወድኺ ውሰዲ”

2 ነገስት 4:8-37

ከም ሞት ውሉድ ገይሩ ንሰብ ዜሕዝኖ ነገር የልቦን። የሆዋ ኣምላኽ ግን ንዝሞቱ ሰባት ኬተንስኦም ይኽእል እዩ። ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ንገሊኦም ሰባት፡ ምውታት ንኼተንስኡ ሓይሊ ሂብዎም ስለ ዝነበረ፡ ብዛዕባ እዚ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። ሓደ ኣብነት፡ ኣብ 2 ነገስት 4:8-37 ተመዝጊቡ ኣሎ፣ ኣብኡ ድማ ነብዪ ኤልሳእ ንሓደ ንእሽቶ ቘልዓ ኸም ዘተንሰኦ ተገሊጹ ኣሎ።

እቲ ታሪኽ ኣብ ከተማ ሹኔም እዩ ተፈጺሙ። ሓንቲ መኻን ሰበይትን ሰብኣያን ንኤልሳእ ኣዘውቲሮም ምግብን መዕረፍን ብምቕራብ፡ ሕያውነት ገበሩሉ። ሓደ መዓልቲ፡ እቲ ኣመስጋኒ ነብዪ ነታ ሰበይቲ፡ “ንዓመታ ኸምዛ ጊዜ እዚኣ ወዲ ኽትሐቝፊ ኢኺ” በላ። እታ ዘይትመጽእ ዝመሰለታ መዓልቲ ኣብ መወዳእታኡ ወግሐት፣ ከምቲ ኤልሳእ ዝበላ ድማ፡ ወዲ ሓቘፈት። እቲ ዜሕዝን ግን፡ ሓጐሳ ነዊሕ ኣይቀጸለን። ድሕሪ ሒደት ዓመታት፡ እቲ ቘልዓ ኣብ መሮር ከሎ ርእሱ ሓመመ፣ ናብ ቤት፡ ናብ ኣዲኡ ምስ ወሰድዎ ኸኣ፡ “ኣብ ብርካ” ሞተ። (ቍጽሪ 16, 19, 20) ኣዲኡ ኸኣ ኣልዒላ፡ ኣብ ዓራት እቲ ነብዪ ኣንበረቶ።

ተቐላጢፋ ንሰብኣያ ኣፍቂዳ፡ ንኤልሳእ ንምርካብ ናብቲ 30 ኪሎ ሜተር ዚኣክል ርሒቑ ዚርከብ ከረን ቀርሜሎስ ከደት። ምስ ረኸበቶ፡ ኣየልቀሰትን፡ ኣይበኸየትን፡ ወይ ብኻልእ መገዲ መሪር ሓዘና ኣይገለጸትን። ከምኡ ዝገበረት፡ እቲ ቕድሚ ኤልሳእ ነብዪ ዀይኑ ዜገልግል ዝነበረ ኤልያስ፡ ወዲ ሓንቲ መበለት ከም ዘተንስአ ሰሚዓ ስለ ዝነበረት ደዀን ይኸውን፧ (1 ነገስት 17:17-23) ኤልሳእ ንወዳ ኼተንስኣላ ኸም ዚኽእል እምነት ነይርዋ ደዀን ይኸውን፧ ዝዀነ ዀይኑ፡ ኤልሳእ ምስኣ ንምኻድ ፍቓደኛ ኽሳዕ ዚኸውን፡ ሓዲጋቶ ኽትምለስ ኣይደለየትን።

ኣብ ሹኔም ምስ በጽሑ፡ ኤልሳእ በይኑ ናብታ ዚዓርፈላ ኽፍሊ ኣተወ፣ ኣብኣ ድማ እቲ ህይወት ዘይብሉ ቘልዓ “ኣብ ዓራቱ” ተጋዲሙ ጸንሖ። (ቍጽሪ 32) እቲ ነብዪ ናብ የሆዋ ብርቱዕ ምህለላ ኣቕረበ። ነቲ ቘልዓ ሓቚፍዎ ኸሎ ኸኣ፡ “ስጋ እቲ ቘልዓ . . . ሞቐ።” እታ ደው ኢላ ዝነበረት ልቢ እቲ ቘልዓ እውን፡ ክትሃርም ጀመረት። ኤልሳእ ነታ ኣደ ጸዊዑ፡ “ወድኺ ውሰዲ” በላ፣ በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ እቲ መሪር ሓዘና ናብ ደረት ዘይብሉ ሓጐስ ተቐየረ።—ቍጽሪ 34, 36።

እዚ ብዛዕባ ወዲ እታ ሹናማዊት ሰበይቲ ዚገልጽ ዛንታ ትንሳኤ፡ ምንጪ ተስፋን መጸናንዕን እዩ። የሆዋ ነቶም ውላድ ዝሞቶም ወለዲ፡ ሓዘኖም ይርድኣሎም እዩ። ምዉታቶም ኬተንስኣሎም እውን ይናፍቕ እዩ። (እዮብ 14:14, 15) እቲ ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ኤልሳእን ካልኦትን ዝገበርዎ ትንሳኤታት፡ ነቲ የሆዋ ኣብታ ጽድቂ ዚነብረላ ሓዳስ ዓለም ብዝሰፍሐ ዚገብሮ ነገር ከም መርኣዪ እዩ።a

መጽሓፍ ቅዱስ ዚህቦ ተስፋ ትንሳኤ ነቲ ሰብና ምስ ሞተና ዚስምዓና ሓዘን ኣየወግዶን እዩ። ሓደ እንኮ ወዱ ዝሞቶ እሙን ክርስትያን ሰብኣይ፡ “ወደይ ክሳዕ ዝረክብ፡ ሓዘነይ ምሉእ ብምሉእ ኣይኪጠፍእን እዩ” በለ። ምስቶም ሞይቶም ዘለዉ እትፈትዎም ሰባት እንደገና ኽትራኸብ ከለኻ እሞ ኣብ ኣእምሮኻ ስኣሎ። ብዛዕባ እቲ ምሳታቶም እትተሓቛቘፈሉ እዋን ምሕሳብካ፡ ንሓዘንካ ኼፍኵሰልካ ይኽእል እዩ። እሞኸ ብዛዕባ እቲ ነዚ ኽቡር ተስፋ እዚ ዝሃበና ኣምላኽ ዝያዳ ንኽትመሃር ኣይትለዓዓልንዶ፧

[እግረ-ጽሑፍ]

a ብዛዕባ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ተስፋ ትንሳኤ ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ኣብታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ኣብ ምዕራፍ 7 ርአ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ