መበል 128 ስነ-ስርዓት ምረቓ ጊልዓድ
ሚስዮናውያን፡ ‘ደቀ መዛሙርቲ ኺገብሩ’ ተላእኩ
“ኵሎም ኣህዛብ፡ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ምእንቲ ኺሰምዑ፡ ገሊኦም ክርስትያናት ነቲ ብስራት ኣብ ወጻኢ ሃገር ንምስባኽ፡ ስድራ ቤቶምን ዓዶምን ሓዲጎም ኪኸዱ ፍቓደኛታት ኪዀኑ ነይርዎም።” ዴቪድ ስፕለይን ዚበሃል ኣባል ኣመሓዳሪ ኣካል ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ በዘን ቃላት እዚኣተን ገይሩ፡ ነቶም ሰማዕቲ ንሓደ ባህ ዜብልን ዚሃንጽን ኣኼባ ኣዳለዎም።
ብ13 መጋቢት 2010፡ ዳርጋ 8,000 ዚዀኑ ሰባት ኣብ ስነ-ስርዓት ምረቓ መበል 128 ክፍሊ ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ቤት ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጊልዓድ ተኣከቡ። ካብ 27 እተፈላለያ ሃገራት ዝመጹ ፈተውትን ኣባላት ስድራ ቤትን ኣጋይሽን ኣብኡ ተኣኪቦም ነበሩ።
‘እቶም ደቀ መዛሙርቲ ኣብ ዓዶም ኮፍ ኣይበሉን’
እቲ ኣቦ መንበር ዝነበረ ሓው ስፕለይን፡ ብዛዕባ እቲ፡ “ኪዱ ንዅሎም ኣህዛብ . . . ደቀ መዛሙርቲ ግበርዎም” ዚብል የሱስ ዝሃቦ ትእዛዝ ብዚገልጽ መደረ ገይሩ ነቲ ኣኼባ ጀመሮ። (ማቴዎስ 28:19, 20) ኣስዕብ ኣቢሉ፡ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ናብ ኣህዛብ ኪኸዱ ኸም ዝለኣኾም ኣጕልሐ። ብጴንጠቆስጠ 33 ድ.ክ. ካብ መሶጶታምያን ሰሜን ኣፍሪቃን እተፈላለየ ኽፋላት ሃጸያዊ ግዝኣት ሮሜን ናብ የሩሳሌም ዝመጹ ውልቀ-ሰባት፡ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ከም ዝሰምዑ ዚከሓድ ኣይኰነን። ኰይኑ ግን፡ ከምቲ እቲ ተዛራባይ ቀጺሉ ዝገለጾ፡ “እቶም ደቀ መዛሙርቲ ኣብ ዓዶም ኮፍ ኢሎም፡ ሰባት ካብ ኵሉ ዓዲ ናብኦም ኪመጹ ኣይኰኑን ኪጽበዩ ነይርዎም። የግዳስ፡ ነዞም ሰባት እዚኣቶም ንምርካብ ክሳዕ ወሰን ምድሪ እዮም ኪኸዱ ነይርዎም።”—ግብሪ ሃዋርያት 1:8።
ሓው ስፕለይን ከምዚ በለ፦ “የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ እንታይ ኪገብሩ ኸም ዘለዎም ነጊርዎም ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብኸመይ ከም ዚገብርዎ እውን ምሂርዎም እዩ። ኪጽልዩ ኸም ዘለዎም ነጊርዎም ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብኸመይ ከም ዚጽልዩ እውን ምሂርዎም እዩ። ኪሰብኩ ኸም ዘለዎም ነጊርዎም ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብኸመይ ከም ዚሰብኩ እውን ኣርእይዎም እዩ። ንፉዓት መምህራን ኪዀኑ ኸም ዘለዎም ነጊርዎም ጥራይ ዘይኰነስ፡ ጽቡቕን ውጽኢታውን ኣመሃህራ እውን ኣርእይዎም እዩ።”
እቲ ኣቦ መንበር ንወለዲ እቶም ተመረቕቲ፡ እተን የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ንምትብባዕ፡ “ኣነ ኽሳዕ መወዳእታ ዓለም ኵሉ መዓልቲ ምሳኻትኩም እየ” ኢሉ እተዛረበን ቃላት ጠቐሰሎም። (ማቴዎስ 28:20) ቀጺሉ፡ ኣብቲ እተመደቡሉ ሃገራት ወጻኢ፡ የሱስ ነቶም ተመሃሮ ኸም ዚከናኸኖም፡ ሓው ስፕለይን ነቶም ሰማዕቲ ኣረጋገጸሎም።
“ተመክሑ”
ኣባል ኣመሓዳሪ ኣካል ዝዀነ ኣንቶኒ ሞሪስ፡ ነቶም ተመረቕቲ፡ “ተመክሑ” ኢሉ ኣተባብዖም። ግቡእን ዘይግቡእን ትምክሕቲ ኸም ዘሎ ድማ ገለጸ። ዘይግቡእ ትምክሕቲ፡ ርእስኻ ምኽባር ዜጠቓልል እዩ። ቀዳማይ ቈረንቶስ 1:31 ድማ ብዛዕባ ግቡእ ትምክሕቲ ኽትገልጽ ከላ፡ “ዚምካሕ ብእግዚኣብሄር ይመካሕ” ትብል። ሓው ሞሪስ፡ “ብዛዕባ የሆዋ ኣምላኽ ዘሎና ምስትውዓልን ፍልጠትን የዅርዓና እዩ። ኣነ ይኹን ንስኻትኩም፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብምዃን፡ ነቲ ቕዱስ ስሙ ናይ ምጻር ፍሉይ መሰል ኣሎና” በለ።—ኤርምያስ 9:24።
እቲ ተዛራባይ ቀጺሉ፡ ንስም የሆዋ ኸነፍልጥ ክሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ ምዃኑ ንምጕላሕ፡ ሓደ ሚስዮናዊ ኣብ ኣፍሪቃ ኼገልግል ከሎ ብዛዕባ ዘጋጠሞ ተመክሮ ገለጸ። እቲ ሚስዮናዊ መጽሓፍ ቅዱሳዊ መደረ ንምቕራብ ምስ ሰበይቱ ይጐዓዝ ነበረ። ኣብ ሓደ መፈተሺ ነቝጣ ምስ በጽሑ፡ ሓደ መንእሰይ ወተሃደር ብረቱ ኣዐሚሩ፡ ነቲ ሓው መንነቱ ሓተቶ። ሰበይቱ ነቲ ኣብ ጊልዓድ እተማህረቶ ስለ ዝዘከረት፡ ናብ እዝኑ ቕርብ ኢላ፡ “ናይ የሆዋ ምስክር ምዃንካን መጽሓፍ ቅዱሳዊ መደረ ንኸተቕርብ ትኸይድ ከም ዘለኻን ሓብሮ” ኢላ ነገረቶ። ከምቲ ዝበለቶ ምስ ገበረ፡ ኪሓልፉ ተፈቕደሎም። ንጽብሒቱ፡ ፕረዚደንት እታ ሃገር ንወተሃደራቱ፡ ሚስዮናውያን ኢና እናበሉ ኻብ ዜታልሉ ቐተልቲ ሰብ ንኺጥንቀቑ ትእዛዝ ከም ዝሃበ፡ ብረድዮ ሰምዑ። እቶም ሰብ ሓዳር፡ ኣብ ክንዲ ሚስዮናውያን ምዃኖም ዚገልጹ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምዃኖም ብምግላጾም፡ ካብ ብዙሕ ጓሂ እዮም ተሰቲሮም። ሓው ሞሪስ፡ “ኣብቲ እተመደብኩምሉ ምስ በጻሕኩም፡ ተመክሑ። ብዅሉ እቲ የሆዋ ንዘለኣለማዊ ኽብሩ ኺጥቀመልኩም ከሎ ዚፍጽሞ ነገራት ተመክሑ” ኢሉ መደረኡ ዛዘመ።
“ተልእኾኹም ክትፍጽሙ ዲኹም፧”
ኣባል ኣመሓዳሪ ኣካል ዝዀነን ሚስዮናዊ ዝነበረን ጀፍሪ ጃክሰን፡ ነቶም ተመረቕቲ ነዛ ሕቶ እዚኣ ኺሓስቡላ ኣተባብዖም። ሓው ጃክሰን፡ “ሚስዮናዊ ኽንብል ከለና እንታይ ማለትና እዩ፧” ኢሉ ሓተተ። ቀጺሉ ድማ፡ እታ “ሚስዮናዊ” እትብል ቃል፡ ካብ ላቲን እተወስደት ከም ዝዀነት፡ ንሓደ ፍሉይ ተልእኾ እተዋህቦ ሰብ ወይ ጕጅለ ድማ ከም እተመልክት ገለጸ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከም ምዃንና መጠን፡ ተልእኾና፡ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ምስባኽን ንኻልኦት ብመንፈሳዊ መገዲ ምሕጋዝን እዩ። ነዚ ዕዮ እዚ፡ ነቲ ኣብ ምድሪ ንእተዋህቦ ተልእኾኡ ኣብ ኣእምሮኡ ብንጹር ሒዙ ዚዓዪ ዝነበረ የሱስ ክርስቶስ ዝሓደጎ ኣብነት ብምስዓብ ኢና እንፍጽሞ። የሱስ ነቲ ሮማዊ ኣመሓዳሪ ዝነበረ ጶንጥዮስ ጲላጦስ፡ “ኣነ ንሓቂ ኽምስክር፡ ምእንትዚ . . . እየ ናብ ዓለም ዝመጻእኩ” በሎ።—ዮሃንስ 18:37።
እቲ ተዛራባይ ነቶም ተመሃሮ ብዛዕባ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ንውግእ ያሪኮ ዚምልከት ጸብጻብ ኪሓስቡ ኣተባብዖም። እቶም እስራኤላውያን ተዋጋእቲ ንሽዱሽተ መዓልቲ ንግሆ ንግሆ እናተንስኡ፡ ዕጥቆም ዓጢቖም፡ ንያሪኮ ዘይሮም ናብ ቤቶም ይምለሱ ነበሩ። እቲ ተዛራባይ ቀጺሉ፡ “ብዓይኒ ሰብ ኪርአ ኸሎ፡ ተልእኾኦም ዘይርትዓውን ዘይልሙድን ኪመስል ይኽእል እዩ” በለ። ኣስዕብ ኣቢሉ ኸኣ፡ ምናልባት ገሊኦም ተዋጋእቲ፡ ‘ስለምንታይ ኢና ግዜና እነጥፍእ ዘለና፧’ ኢሎም ሓሲቦም ኪዀኑ ኸም ዚኽእሉ ገለጸ። ኣብታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ግን፡ እስራኤላውያን ነታ ኸተማ ሾውዓተ ሳዕ ኪዞርዋ መምርሒ ተዋህቦም፣ ድሕሪኡ፡ ዓው ኢሎም ኣውክዑ። ውጽኢቱኸ እንታይ ኰነ፧ መናድቕ ያሪኮ ናብ ትሕቲኡ ኣቢሉ ወደቐ።—እያሱ 6:13-15, 20።
ሓው ጃክሰን፡ ካብቲ ብዛዕባ ያሪኮ ዚገልጽ ጸብጻብ፡ ኣርባዕተ ነጥብታት ክንመሃር ከም እንኽእል ጠቐሰ። (1) ተኣዛዝነት ኣገዳሲ እዩ። መገድና ዝሓሸ ዀይኑ ኣብ ክንዲ ዚስምዓና፡ መገዲ የሆዋ ኽንስዕብ ኣሎና። (2) ኣብ የሆዋ ምእማንን ምውካልን ኣገዳሲ እዩ። ‘ቀጽሪ ያሪኮ ብእምነት ደኣ እዩ ወዲቑ’ እምበር፡ ብመፍረስ ዕርዲ ኣይኰነን። (እብራውያን 11:30) (3) ክንዕገስ ኣሎና። ከም ውጽኢቱ ኸኣ፡ በረኸት የሆዋ ‘ኺረኽበና’ እዩ። (ዘዳግም 28:2) (4) ተስፋ ኣይትቝረጹ። ተልእኾኹም ኣይትረስዑ። ሓው ጃክሰን፡ “ነዚ ነጥብታት እዚ ኣብ ኣእምሮኹም እንተ ሒዝኩምዎ፡ ነቲ ንየሆዋ ውዳሰን ክብርን ዜምጽእ ተልእኾኹም ክትፍጽሙ ኢኹም” ኢሉ መደረኡ ዛዘመ።
ኣብቲ መደብ ዝጐልሐ ኻልእ ክፍልታት
“ንመጽሓፍ ቅዱስን ንደራሲኡን ፍተውዎ።” ኣባል ኮሚተ ጨንፈር ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ዀይኑ ዜገልግል ማክስወል ሎይድ፡ ከምዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ዚብል ፍረ ነገር ዘለዎ መደረ እዩ ኣቕሪቡ። ነቶም ተመረቕቲ፡ “መጽሓፍ ቅዱስ ንዓኻትኩም ህያው መጽሓፍ ኪዀነልኩም ኣለዎ” በሎም። ኣስዕብ ኣቢሉ ኸምዚ ዚስዕብ ኢሉ ኣተባብዖም፦ ንየሆዋ ኣምላኽ ዘላትኩም ፍቕሪ ኽትዝሕል ኣይተፍቅዱ። እቲ እትምህርዎ ትምህርቲ፡ ኵሉ ኸም ዚርድኦ ጌርኩም ኣይትሕሰቡ። ነቲ ትምህርቲ ኣብ ኣልባብ ተመሃሮኹም ንምስኳዕ፡ ንሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ቀሊል ጌርኩም ኣቕርብዎ። ትሑታት ኩኑ። ብሉጽ ፍልጠት ከም ዘሎኩም ኴንኩም ኣይትቕረቡ። ብኣብነት ምሃሩ። ተመሃሮኹም ንመጽሓፍ ቅዱስ ዘላትኩም ሓያል ፍቕሪ ይርኣዩ።
“ናብ ኳዃትማ ኣስተብህሉ።” ኣቐዲሙ ሚስዮናዊ ዝነበረ፡ ሕጂ ኸኣ ኣብ ጊልዓድ መምህር ኰይኑ ዜገልግል ዘሎ ማይክል በርነት፡ ከምዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ኣርእስቲ ዘለዎ መደረ ኣቕረበ። ሓድሓደ ግዜ፡ ዜጨንቕ ሓሳባት ከም ዜጓንፈና ገለጸ። እንተዀነ ግን፡ ነቲ “ናብ ኳዃትማ ኣስተብህሉ፤ ኣምላኽ ይቕልቦም እምበር፡ ኣይዘርኡ ኣይዐጽዱ” ዚብል የሱስ ዝሃቦ ምኽሪ ኽንዝክር ኣሎና። (ሉቃስ 12:24) ብመሰረት ኪዳን ሕጊ ሙሴ፡ ኳዃት ከም ርኹሳት ጌርካ ይረኣዩ ብምንባሮም፡ ኣይብልዑን እዮም ነይሮም። ፍንፉናት ጌርካ እዮም ዚረኣዩ ነይሮም። (ዘሌዋውያን 11:13, 15) ኰይኑ ግን፡ ኣምላኽ ይቕልቦም እዩ። ሓው በርነት ኣስዕብ ኣቢሉ፡ “ኣብ መጻኢ ኣመና ዜጨንቕ ነገር ኣንተ ኣጋጢሙኩም፡ ብዛዕባ ኳዃት ሕሰቡ። ኣምላኽ ንርኹስን ንፍንፉንን ዑፍ እንተ ተኸናኺንዎ፡ ነቶም ኣብ ኣዒንቱ ንጹሃት ዝዀንኩም ንዓኻትኩም ግዳ ኽንደይ ኣብዚሑ ዘይከናኸነኩም” በሎም።
“ኣይዐመጽኩኻን።” ኣብ ጊልዓድ መምህር ኰይኑ ዜገልግል ማርክ ኑማር፡ ንዅሎም እቶም ተኣከብቲ፡ ነቲ የሱስ ብዛዕባ እቶም ዓየይቲ ኣታኽልቲ ወይኒ ዝሃቦ ምሳሌ ንኺምርምሩ ሓገዞም። ገሊኦም ዓየይቲ ምሉእ መዓልቲ እዮም ዓዪዮም። ገሊኦም ከኣ ሓንቲ ሰዓት ጥራይ እዮም ዓዪዮም። ኵላቶም ግን ማዕረ ውዕለት እዮም ተቐቢሎም። በዚ ምኽንያት እዚ፡ እቶም ንንውሕ ዝበለ ሰዓታት ዝዓየዩ ኼጕረምርሙ ጀመሩ። እቲ ብዓል ኣታኽልቲ ወይኒ ግን ንሓደ ኻብቶም መጕረምረምቲ፡ “ኣይዐመጽኩኻን። ብሓደ ዲናርዶ ኣይተሳማማዕካንን፧ ዚበጽሓካ ደኣ ሒዝካ ኺድ” በሎ። (ማቴዎስ 20:13, 14) እዚ እንታይ ትምህርቲ የመሓላልፍ፧ ንርእስኹም ምስ ካልኦት ኣይተወዳድሩ። ሓው ኑማር፡ “ኣሉታዊ ንጽጽር ንሓጐስኩም ካብ ምጥፋእ ሓሊፉ ዚዓብሶ የብሉን። እቲ ዝኸፍአ ድማ፡ ነቲ እተመደብኩምሉ ሓዲግኩምዎ ኸም እትኸዱ፡ ነቲ ኽቡር መሰል ኣገልግሎትኩም ከኣ ከም እትርሕርሕዎ ኺገብረኩም ይኽእል እዩ” በሎም። ቀጺሉ ድማ፡ ነቶም ተመሃሮ፡ የሱስ ነቲ ኣብዚ ግዜና ዚዕየ መንፈሳዊ ቐውዒ ዚመርሖ ምዃኑን ንሰዓብቱ ድማ ቃሕ ዝበሎ ኺገብሮም ከም ዚኽእልን ኣዘኻኸሮም። የሆዋን የሱስን ንኻልኦት ሰባት ሓለፋ ኺገብሩሎም እንተ ደልዮም፡ ኣይዓመጹኹምን። ኣብ ናታትኩም ኣተኵሩ፡ “ውዕለት” ካልኦት ከኣ ካብቲ የሆዋ ዝሃበኩም ዕዮ ንኼስግለኩም ኣይተፍቅዱ።
ተመክሮታትን ቃለ-መጠይቓትን
ተመሃሮ ጊልዓድ ካብቲ ዚመሃሩሉን ዕዮ ገዛ ዚዓዩሉን እዋን ወጻኢ፡ ምስተን ኣብቲ ኸባቢ ዚርከባ ጉባኤታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሓቢሮም ኣብ ዕዮ ስብከት ይጽመዱ እዮም። ሓደ ኻብቶም መምህራን ጊልዓድ ዝዀነ ሳም ሮበርሰን፡ ንገሊኦም ተመሃሮ ተመክሮታቶም ኪነግሩ ቓለ-መጠይቓት ገበረሎም። ንኣብነት፡ ሓብትና ኣሌሳንድራ ኪርኸለር ምስ ሓንቲ ብዛዕባ እቲ ወዳ ዘለዎ ወልፊ ምትካኽ ሽጋራ ኣጸቢቑ ዘተሓሳሰባ ሰበይቲ ተራኸበት። ኣሌሳንድራ ብዛዕባ እቲ ጕዳይ እትገልጽ ኣብ ንቕሑ! ዝወጸት ዓንቀጽ ሒዛ ተመሊሳ ኽትበጽሓ ኸደት። ኣብ ገዛ ዋላ ሓደ ሰብ ስለ ዘይነበረ ግን፡ ነታ ዓንቀጽ ገዲፋትላ ኸደት። ጸኒሓ ነታ ሰበይቲ ኣብ ገዛኣ ረኸበታ። እታ ሰበይቲ ድማ ናብ ገዛ ኽትኣቱ ድሕሪ ምዕዳም፡ ነታ ዓንቀጽ ዘለዋ ሞሳ ገለጸት፣ ኣስዕብ ኣቢላ እውን፡ “ኣምላኽ በዚ ዅሉ ፈተናታት ገይሩ እንታይ ኪምህረኒ ይፍትን ከም ዘሎ ብዙሕ ግዜ እየ ዝሓስብ” በለት። ኣሌሳንድራ፡ ኣምላኽ ብእከይ ገይሩ ኸም ዘይፍትነና ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣርኣየታ። (ያእቆብ 1:13) ሕጂ፡ እታ ሰበይትን ወዳን መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ይገብሩ ኣለዉ።
ኣብ ክፍሊ ኣገልግሎት ዚዓዪ መልቪን ጆንስ፡ ኣቐዲሞም ካብ ጊልዓድ ንእተመረቑ ሰለስተ ኣሕዋት ቃለ-መጠይቕ ገበረሎም። እቶም ኣሕዋት ከኣ፡ ኣብ ኣልባንያ ዜገልግል ዘሎ ዮን ሶመሩድን ኣብ ኬንያ ዜገልግል ዘሎ ማርክ ኣንደርሰንን ኣብ ክፍሊ ቲኦክራስያዊ ኣብያተ-ትምህርቲ ዜገልግል ዘሎ ጄምስ ሂንደረርን እዮም። ኣብ ጊልዓድ ዚመሃሩ ተመሃሮ፡ መንነቶም ኰነ ዜገልግሉሉ ቦታ ብዘየገድስ፡ ኣገዳሲ ሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ነቲ ሓቅታት ብኸመይ ኣብ ግብሪ ኸም ዜውዕልዎ እውን ከም ዚመሃሩ፡ እዞም ኣብ ላዕሊ እተጠቕሱ ሰለስተ ኣሕዋት ገለጹ።
ድሕሪኡ፡ ሓደ ኻብቶም ተመሃሮ፡ እቶም ተመሃሮ ሞሳኦም ንምግላጽ ዝጸሓፍዋ ልቢ እትትንክፍ ደብዳበ ኣንበበ። ኣብ መወዳእታ፡ እቲ ብዕድመ ዝዓበየ ኣባል ኣመሓዳሪ ኣካል ዝዀነ 96 ዓመት ዝዕድሚኡ ጆን ባር፡ ነቲ ኣኼባ ብጸሎት ዛዘሞ፣ ኣብ ጸሎቱ ድማ፡ የሆዋ ንተመሃሮ መበል 128 ክፍሊ ጊልዓድ ኪባርኾም ለመነ።
[ኣብ ገጽ 31 ዘሎ ሰሌዳ/ካርታ]
ናይቲ ኽፍሊ ስታቲስቲክስ
8 ዝመጹለን ሃገራት
54 ተመሃሮ
27 ሰብ ሓዳር
35.2 ገምጋም ዕድመ
19.1 ካብ ዚጥመቑ ዘሕለፍዎ ገምጋም ዓመታት
13.8 ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ዝጸንሑሉ ገምጋም ዓመታት
[ካርታ]
(ምሉእ ትሕዝቶ እንተ ደሊኻ፡ እተሓትመ ጽሑፍ ርአ)
እቶም ተመሃሮ ናብዘን ኣብ ታሕቲ ዘለዋ 25 ሃገራት ተመዲቦም፦
ሚስዮናውያን እተመደቡለን ሃገራት
ሆንዱራስ
ጓተማላ
ኒከራግዋ
ዶመኒካዊት ሪፓብሊክ
ኣሩባ
ጊያና
ኤኳዶር
ቦሊቭያ
ፓራጓይ
ላትቭያ
ሩማንያ
ኮሶቮ
ሰርብያ
ኣልባንያ
ጊኒ
ላይበርያ
ኮት ዲቭዋር
ጋና
ናሚብያ
ሩዋንዳ
ማዳጋስካር
ሞንጎልያ
ታይዋን
ካምቦዲያ
ኢንዶነዥያ
(ኣብ ትሕቲ ጨንፈር ኣውስትራልያ)
[ኣብ ገጽ 30 ዘሎ ስእሊ]
ተመሃሮ ጊልዓድ ኣብ ስብከት ዝረኸብዎ ተመክሮ ብመርኣያ ኬቕርቡ ኸለዉ
[ኣብ ገጽ 31 ዘሎ ስእሊ]
ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ቤት ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጊልዓድ ናይ መበል 128 ክፍሊ ተመረቕቲ
ኣብዚ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ዝርዝር ስማት፡ ነቲ መስርዕ ተዋሂብዎ ዘሎ ቝጽሪ ኻብ ቅድሚት ንድሕሪት ኪኸውን ከሎ፡ ስማት ድማ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መስርዕ ካብ ጸጋም ናብ የማን እዩ።
(1) ኤሊያ ከለር፣ ኢሻ ኦስቶፖቪች፣ ስተፋኒ ጃኮብሰን፣ ማሪ ኣርያስ፣ ኢቪ ዲክማን፣ ጂኒ ታናካ፣ ኪዮኮ ሃራዳ።
(2) ሊሰት ካማቾ፣ ኣሌሳንድራ ኪርኸለር፣ ሶንያ ሮድሪገዝ፣ በኪ ዎርድ፣ ከሊ ትርናሎን፣ ቪልማ ቪክቶሪያ፣ ፈበ ኦክስሊ፣ ካን ንጉየን።
(3) ኦዚ ኦክስሊ፣ ኣንድሬያ ደ ድዮስ፣ ሻርሎት ሊንድስትሮም፣ ጁሊ ኣለን፣ ትሪሻ ሚድስ፣ ጃን ዋዲንግተን፣ ኢፍራይን ቪክቶሪያ።
(4) ሂሮሮ ሃራዳ፣ ኣለክስ ሊንድስትሮም፣ ኢሊያን ኦርሲኒ፣ ዳንየል ሎግ፣ ቶነል ሚሱድ፣ ሶንያ በርዥገሮን፣ ጋብሪየል ካማቾ፣ ቲም ዎርድ።
(5) ቪልፍረት ኪርኸለር፣ ሁዊ ንጉየን፣ ኢቫ ክሬመር፣ ሴሊን ቡወርጎ፣ ናዲያ ቲትማስ፣ ክሪስ ደ ድዮስ፣ ኣልበርቶ ሮድሪገዝ፣ ማት ዋዲንግተን።
(6) ጂም ዲክማን፣ ክሪስ ኣለን፣ ራያን ቲትማስ፣ ዣን ኣርያስ፣ ኤሪክ በርዥገሮን፣ ጆ ከለር፣ ፍሊንት ኦስቶፖቪች፣ ፍሬዴሪክ ቡወርጎ።
(7) ከን ታናካ፣ ጂም ክሬመር፣ ራያን ጃኮብሰን፣ ጄሚ ትርናሎን፣ ጆርዳን ሎግ፣ ዳርሲ ሚድስ፣ ዴቪድ ሚሱድ፣ ኣዳን ኦርሲኒ።