ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w10 1/9 ገጽ 10-13
  • ከይትታለል ተጠንቀቕ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ከይትታለል ተጠንቀቕ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2010
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ምትላል ዘለዎ ሓደጋ
  • ኵላትና ኽንታለል ንኽእል ዲና፧
  • ንስኻኸ ኽትታለል ትኽእል ዲኻ፧
  • ንኸይትታለል ብኸመይ ክትጥንቀቕ ትኽእል፧
  • ነቲ እተመሃርካዮ ኣብ ግብሪ ኣውዕሎ
  • ከይትጥበር ተጠንቀቕ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2004
  • ንመንፈስ እዛ እትቀያየር ዘላ ዓለም ተጻረሮ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2004
  • እቲ እትኣምኖ መሰረት ዘለዎ ድዩ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2001
  • ሃይማኖት ሱር ጸገማት ደቅሰብ ድዩ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2004
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2010
w10 1/9 ገጽ 10-13

ከይትታለል ተጠንቀቕ

ዶን ኪኾተ፡ እቲ ኣብ መበል 16 ዘመን ዝነበረ ሚገል ዲ ሴርቫንቴስ ዝስሙ ስጳኛዊ ኣብ ዝጸሓፎ ብሉጽ ልቢ ወለድ ዘሎ ህቡብ ገጸ ባህርይ እዩ። እቲ ልቢ ወለድ ከም ዜዘንትዎ፡ ዶን ኪኾተ ንኣእምሮኡ በቲ ብዛዕባ ኣብ ጸገም ንዝኣተዋ ጐራዙ ኼድሕኑ ዚመጹ ዜንጸባርቕ ኣጽዋር እተዓጥቁ ፈረሰኛታት ዚገልጽ ኣፈ-ታሪኽን ጽውጽዋይን መልኦ። ነዊሕ ከይጸንሐ ድማ፡ ንሱ እውን ክቡር ፈረሰኛ ኸም ዝዀነ ኣመነ። ኣብ ሓደ ፍሉጥ ዝዀነ ኽፋል እቲ ዛንታ ኸም እተገልጸ፡ ዶን ኪኾተ ሓደገኛ ጕጅለ ዓርሞሸሽ ከም ዝዀነ ገይሩ ንዝሓሰቦ ኣብ ሓደ ቦታ ተኣኪቡ ንዝነበረ መዘወር ንፋስ ኣዕነወ። ነቶም ዓርሞሸሻት ከም ዝዀኑ ዝሓሰቦም ብምቕታል፡ ፍቓድ ኣምላኽ ይፍጽም ከም ዘሎ እኳ እንተ ተሰምዖ፡ ኣብ መወዳእታኡ ግን ተዋረደ።

ብዛዕባ ዶን ኪኾተ ዚገልጽ ልቢ ወለድ ዜስሕቕ እኳ እንተ ዀነ፡ ንሕና ንርእስና ኽንታለል ከለና ግን ከም ዜስሕቕ ጌርና ኣይንርእዮን ኢና። ንኣብነት፡ ከም ድላዩ እንተ ሰትዩ ማንም ከም ዘይእውዶ ዚስምዖ፡ ኣብ መወዳእታኡ ግን ንጥዕናኡን ንናብራ ስድራ ቤቱን ኣብ ሓደጋ ዜእቱ ሓደ ሰታይ ሰብ ኣብ ኣእምሮኻ ስኣል። ወይ ከኣ ግቡእ ኣመጋግባ ኸም እትምገብ እትሓስብ ግን ከኣ ናብ ሞት ብዜብጽሕ መገዲ ንርእሳ ብምጥማይ ብሕማም መኽሳእቲ እትሳቐ ጓል ኣንስተይቲ ሕሰብ።

ገሌና ኽንታለል ንኽእል ዲና፧ እወ፡ ንኽእል ኢና። ብሓቂ እኳ ደኣ፡ ኵላትና ነዚ ሓደጋ እዚ እተቓላዕና ኢና። በቲ ኣኽቢርና እንርእዮ ሃይማኖታዊ እምነታት እውን ክንታለል ንኽእል ኢና፣ እዚ ኸኣ ኣዕናዊ ዝዀነ ሳዕቤን ኪህልዎ ይኽእል እዩ። ስለምንታይ፧ ንኸይትታለል ክትጥንቀቕ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧

ምትላል ዘለዎ ሓደጋ

ብመሰረት ዘመናዊ መዝገበ ቓላት ትግርኛ፡ ኣታለለ እትብል ቃል፡ “ኣምሲሉ ኣቕረበ፡ ኣደናገረ” ዚብል ትርጕም ኣለዋ። እዛ ቓል እዚኣ፡ ‘ኣብ ዘይተደልየ፡ ኣብ ሕማቕ ነገር፡ ወይ ኣብ መፈንጠራ ምእታው’ እውን ከተመልክት ትኽእል እያ። መሰረታዊ ሓሳብ እታ ቓል፡ “ኣጋገየ፡” “ኣደናገረ፡” ንዚብል ቃላት ዚሓቍፍ ኰይኑ፡ ብጕርሒ ንኻልኦት ምዕሻው እዩ ዜመልክት። ሓደ ሰብ፡ ብሰንኪ ደይ መደይ ተባሂሉ እተዋህቦ ግጉይ ሓበሬታ፡ ‘ኣብ ዘይተደልየ፡ ኣብ ሕማቕ ነገር፡ ወይ ኣብ መፈንጠራ ኸም ዝኣተወ’ ምስ ዘይፈልጥ ኣዝዩ ሓደገኛ እዩ።

እቲ ዜሕዝን ግን፡ ነቲ እተታለለ ወይ እተደናገረ ሰብ እቲ ዚኣምኖ ነገራት ሓሶት ከም ዝዀነ ጭቡጥ መርትዖ እኳ እንተ ኣቕረብካሉ፡ ንእምነቱ ዘይሓድጎ ምዃኑ እዩ። ነቲ ኣጸቢቑ ዚኣምነሉ ነገራት ዚብድህ ዝዀነ ይኹን መርትዖ ኺሰምዕን ኪርእን ኣይደልን ይኸውን።

ኵላትና ኽንታለል ንኽእል ዲና፧

‘ብሃይማኖታዊ እምነታትና ዝመጸ፡ ኵላትና ኽንታለል ከም እንኽእል ምግላጽሲ እተጋነነዶ ኣይኰነን፧’ ኢልካ ትሓትት ትኸውን። ኰይኑ ግን፡ እተጋነነ ኣይኰነን። ከመይሲ፡ እቲ የሱስ፡ ‘ኣቦ ሓሶት’ ኢሉ ዝጸውዖ ሰይጣን ድያብሎስ፡ ንዅላትና ኼታልለናን ኬደናግረናን ቈሪጹ እዩ። (ዮሃንስ 8:44) መጽሓፍ ቅዱስ፡ ንሰይጣን፡ “ኣምላኽ እዛ ዓለም እዚኣ” ኢሉ እውን ይገልጾ እዩ። ኣብ ብምሉኡ ታሪኽ፡ “ንሓሳብ” ወይ ንኣእምሮ ሚልዮናት ሰባት ‘ኣዒርዎ’ እዩ። (2 ቈረንቶስ 4:4) ሎሚ እውን እንተ ዀነ፡ ‘ንብዘላ ዓለም የስሕታ’ እዩ ዘሎ።—ራእይ 12:9።

ሰይጣን ንደቂ ሰብ ኬታልል ዝጀመረ፡ ካብ መጀመርታ ታሪኽ ደቂ ሰብ ኣትሒዙ እዩ። ንኣብነት፡ ንሄዋን ነቲ ፈጣሪኣ ዝሃቦ ሕግታት ክትእዘዝ ከም ዘይብላ፡ ከምኡውን ‘ከም ኣምላኽ ኰይና፡ ጽቡቕን ክፉእን ከም እትፈልጥ፡’ ማለት ጽቡቕን ክፉእን ንምፍላይ ባዕላ ኽትውስን ከም እትኽእል ኣእሚኑ፡ ኣታለላ። (ዘፍጥረት 3:1-5) እዚ ናይ መጀመርታ ዝዓበየ ምትላል፡ ደቂ ሰብ ዚገብርዎ ነገራት ኪመርጹ ናጽነት እኳ እንተ ተዋህቦም፡ ጽቡቕን ክፉእን ባዕሎም ንኺውስኑ ኸም ዘይተፈጥሩ ኣርኣየ። ኣምላኽ፡ ፈጣርን ልዑላውን ከም ምዃኑ መጠን፡ ነዚ ኺገብር መሰልን ስልጣንን ዘለዎ ንሱ ጥራይ እዩ። (ኤርምያስ 10:23፣ ራእይ 4:11) ጽቡቕን ክፉእን ፈሊኻ ምምራጽ ኪበሃል ከሎ፡ ጽቡቕን ክፉእን ኣየናይ ምዃኑ ባዕልኻ ምውሳን ማለት ከም ዝዀነ ምእማንሲ ኸመይ ዝበለ ምድንጋር ኰን እዩ! እቲ ዜሕዝን ከኣ፡ ዘይፍጹማት ሰባት ብቐሊሉ ኣብዚ መፈንጠራ እዚ ዚወድቁ ምዃኖም እዩ።

ንስኻኸ ኽትታለል ትኽእል ዲኻ፧

እቲ ኣኽቢርካ እትርእዮ ሃይማኖታዊ እምነታትካ፡ ንብዙሕ ዘመናት ዝጸንሐ፡ ምናልባት ከኣ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ እናተሰጋገረ ዝመጸ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ከምኡ ምዃኑ ጥራይ ግን፡ ሓቂ እዩ ማለት ኣይኰነን። ስለምንታይ፧ ከመይሲ፡ ጸብጻብ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዚሕብሮ፡ ሃዋርያት ክርስቶስ ምስ ሞቱ ነዊሕ ከይጸንሐ፡ “ንደቀ መዛሙርቲ ደድሕሪኦም ምእንቲ ኺስሕቡ፡ ቄናን ነገር ዚምህሩ” መታለልቲ ኣብታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ተላዒሎም እዮም። (ግብሪ ሃዋርያት 20:29, 30) እዞም መታለልቲ እዚኣቶም፡ “ብቓል ቅብጥር፡” ከምኡውን “ብልማድ ሰብ፡ . . . ብጥበብ ዓለም” ገይሮም ንሰባት ብምስሓት ዝመጸ፡ ክኢላታት እዮም።—ቈሎሴ 2:4, 8።

ሎሚ ዘሎ ዅነታትከ ኻብዚ እተፈልየ ድዩ፧ ኣይፋሉን፣ ሃዋርያ ጳውሎስ፡ ኣብዚ ንሕና ዘለናሉ “ዳሕሮት መዓልትታት” ነገራት እናኸፍአ ኸም ዚኸይድ ገለጸ። “እኩያት ሰባትን ጠበርትን ግና እናኣስሐቱን እናሰሐቱን ናብ ዝገደደ ኺበጽሑ እዮም” ኢሉ ድማ ጸሓፈ።—2 ጢሞቴዎስ 3:1, 13።

ስለዚ እምበኣር፡ ነቲ ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “እቲ ደው ኢሉ ዘሎ ዚመስሎ፡ ከይወድቕ ይጠንቀቕ” ኢሉ ዝሃቦ መጠንቀቕታ ኣርዚንና ኽንርእዮ ኣሎና። (1 ቈረንቶስ 10:12) ጳውሎስ፡ ሓደ ሰብ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኪህልዎ ብዛዕባ ዘለዎ ኣቕዋም እዩ ዚዛረብ ነይሩ። ሰይጣን ኬታልለካ ኸም ዘይክእል ምሕሳብ ንባዕሉ፡ ዓብዪ ምድንጋር እዩ። ከመይሲ፡ ካብ “ፍሕሶ” ሰይጣን ኬምልጥ ዚኽእል ዋላ ሓደ ሰብ እኳ የልቦን። (ኤፌሶን 6:11) ስለዚ ኸኣ እዩ፡ ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “ከምቲ ተመን ብጕርሑ ንሄዋን ዘስሐታ፡ ከምኡውን ሓሳብኩም ካብቲ ናብ ክርስቶስ ዚኸውን ገርህነትን ንጽህናን ምናልባሽ ከይጠፍእ እፈርህ አሎኹ” ኢሉ ንክርስትያናት ብጾቱ እተዛረቦም።—2 ቈረንቶስ 11:3።

ንኸይትታለል ብኸመይ ክትጥንቀቕ ትኽእል፧

እሞኸ ብሰይጣን ንኸይትታለል ክትጥንቀቕ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧ ንኣምላኽ “ብመንፈስን ብሓቅን” ተምልኾ ኸም ዘለኻ ርግጸኛ ኽትከውን እትኽእልከ ብኸመይ ኢኻ፧ (ዮሃንስ 4:24) ነቲ የሆዋ ኣምላኽ ዝሃበካ ነገራት ተጠቐመሉ። ቅድሚ ዅሉ፡ ነቲ ሓቂ ኻብ ሓሶት ክትፈሊ ዜኽእለካ “ኣእምሮ” ወይ ምስትውዓል ሂቡካ እዩ። (1 ዮሃንስ 5:20) ንፍሕሶ ሰይጣን ክትፈልጥ እውን ኣኽኢሉካ እዩ። (2 ቈረንቶስ 2:11) ነቲ ሰይጣን ንኼስሕተካ ዚገብሮ ጻዕርታት ምእንቲ ኽትቃወሞ ድማ፡ ዜድልየካ ዘበለ ዅሉ ኣዳልዩልካ እዩ።—ምሳሌ 3:1-6፣ ኤፌሶን 6:10-18።

ልዕሊ ዅሉ ድማ፡ ኣምላኽ ንርእስኻ ኽትከላኸል ዜኽእለካ ፍጹም ዝዀነ መገዲ ኣዳልዩልካ ኣሎ። እዚ እንታይ እዩ፧ እዚ መገዲ እዚ፡ እቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ብሃይማኖታዊ እምነት ዝመጸ ትውክልቲ ኺገብረሉ ኢሉ ንመገላግልቱ ጢሞቴዎስ ዝነገሮ ነገር እዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ፡ ብዛዕባ “እኩያት ሰባትን ጠበርትን” ኣጠንቀቖ፡ ንዅሉ እቲ ዝኣምኖ ነገራት ኣብ “ቅዱሳት ጽሑፋት፡” ማለት ኣብቲ ቓል ኣምላኽ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ መሰረት ብምግባር ኪቃወሞም ድማ ነገሮ።—2 ጢሞቴዎስ 3:15።

ገሊኦም ሰባት፡ ብኣምላኽ ዚኣምንን ንመጽሓፍ ቅዱስ ዚቕበልን ዝዀነ ሰብ ከም ዝሰሓተ ይዛረቡ ይዀኑ። ግናኸ፡ እቶም ነቲ ኣምላኽ ከም ዘሎን መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ ብመንፈስ ኣምላኽ ከም እተጻሕፈን ዜረጋግጽ መርትዖታት ጸማም እዝኒ ዚህቡ ሰባት እዮም ዝሰሓቱ።a—ሮሜ 1:18-25፣ 2 ጢሞቴዎስ 3:16, 17፣ 2 ጴጥሮስ 1:19-21።

በቲ “ብሓሶትሲ ፍልጠት” እተባህለ ነገራት ኣብ ክንዲ እትታለል፡ ሓቂ ንምፍላጥ ኣብ ቃል ኣምላኽ ተወከስ። (1 ጢሞቴዎስ 6:20, 21) ከምቶም ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ ቤርያ ኺሰብኽ ከሎ ዝረኸቦም ደግታት ሰብኡትን ኣንስትን ኩን። እዞም ሰባት እዚኣቶም፡ “ነቲ ቓል ብዅሉ ፍቓዶም ተቐበልዎ።” ነቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ዝመሃሮም ነገር ብሃንቀውታ ሰሚዖምዎ ጥራይ ዘይኰነስ፡ “እዚ ነገርዚ እስኪ ኸምኡ እንተ ዀይኑ፡ ኢሎም ኣብ ጸጽባሕ ነቲ ጽሑፋት [ይምርምሩ]” ነበሩ።—ግብሪ ሃዋርያት 17:11።

በዚ መገዲ እዚ ጌርካ እምነትካ ንምምርማር ክትፈርህ የብልካን። አረ መጽሓፍ ቅዱስሲ፡ “ንዅሉ ተዐዘብዎ” ኢሉ የተባብዓና እዩ። (1 ተሰሎንቄ 5:21) ኣብ ከባቢ መወዳእታ ቀዳማይ ዘመን ድ.ክ.፡ ሃዋርያ ዮሃንስ ንክርስትያናት ብጾቱ፡ “ኣቱም ፍቁራተይ፡ . . . እቶም መናፍስቲ ኻብ ኣምላኽ እንተ ዀይኖም መርምሩ እምበር፡ ንመንፈስ ዘበለ ዅሉ ኣይትእመንዎ” ኢሉ ተማሕጸኖም። (1 ዮሃንስ 4:1) እወ፡ ገሊኡ ሃይማኖታዊ ትምህርትታት ‘መንፈስ’ ዘለዎ ወይ ከኣ ካብ ኣምላኽ ዝመጸ እኳ እንተ መሰለ፡ ከም ሓቂ ጌርና ቕድሚ ምቕባልና ንቕዱሳት ጽሑፋት ምምርማር ግን ጥበባዊ እዩ።—ዮሃንስ 8:31, 32።

ነቲ እተመሃርካዮ ኣብ ግብሪ ኣውዕሎ

ካልእ ተወሳኺ ነገር እውን ክትገብር የድሊ እዩ። ያእቆብ እቲ ወደ መዝሙር፡ “ገበርቲ ቓል ኩኑ፡ ርእስኹም እናጠበርኩም ሰማዕቲ ጥራይ ኣይትኹኑ” ኢሉ ጸሓፈ። (ያእቆብ 1:22) መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህሮ ነገራት ምፍላጥ ጥራይ እኹል ኣይኰነን። ነቲ እተመሃርካዮ ኣብ ግብሪ ኸተውዕሎ ኣሎካ። ብኸመይ፧ ነቲ ኣምላኽ ክትገብሮ ዝኣዘዘካ ነገራት ብምግባር፡ ነቲ ዚኽልክሎ ነገራት ድማ ብዘይ ምግባር እዩ።

ነቲ ኣብ ከባቢና እንርእዮ ስነ-ምግባራዊ ርኽሰት ከም ኣብነት እሞ ንውሰድ። እቲ እትርእዮ ነገራት፡ ሰባት ነቲ ኣምላኽ ዘውጽኦ ናይ ስነ-ምግባር ሕግታት ምጥሓስ ምንም ጕድኣት ዘይብሉ ምዃኑ ኸም ዚሓስቡ ኣብ ምግባር፡ ሰይጣን ክሳዕ ክንደይ ከም እተዓወተ ዜረጋግጽዶ ኣይኰነን፧ ስለዚ ድማ እዩ፡ ሃዋርያ ጳውሎስ ንክርስትያናት፡ “ሰብ ነቲ ዝዘርኦ ንእኡ ኸኣ ኪዐጽዶ እዩ እሞ፡ ኣይትጠበሩ፡ ኣምላኽ ኣይዕሾን እዩ” ዚብል ንጹር መጠንቀቕታ ዝሃበ።—ገላትያ 6:7።

እምበኣርከስ፡ ከምቲ የሱስ፡ ነቲ “ነገረይ ሰሚዑ ዘይገብሮ” ኢሉ ዝገለጾ “ዓሻ” ሰብኣይ ኣይትኹን። ከምቲ ኣብ ልቢ ወለድ ሰርቫንቴስ ዘሎ ዶን ኪኾተ በቲ ባዕሉ ዝመሃዞ ኻብ ክውንነት ዝረሓቐ ነገራት እተታለለ፡ እዚ ሰብኣይ እዚ ድማ ኣብ ዘይጽኑዕን ዚለዋወጥን ሑጻ መሰረት ሰሪቱ፡ ጽኑዕን ዜተኣማምንን ቤት ኪሰርሕ ከም ዚኽእል ብምሕሳቡ፡ ተታሊሉ እዩ። ንስኻ ግን፡ ከምቲ “ቤቱ ኣብ ከውሒ ዝሰርሔ” ሰብኣይ ክትከውን ኣሎካ። የሱስ፡ ነዚ ሰብኣይ እዚ “ብልሂ” በሎ፣ ምኽንያቱ ኺገልጽ ከሎ ኸኣ፡ “ነዚ ነገረይ ሰሚዑ ዚገብሮ [እዩ]” በለ።—ማቴዎስ 7:24-27።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ዝያዳ ዝርዝር ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ነተን ኢዝ ዘር ኤ ክርኤተር ሁ ኬርስ ኣባውት ዩ፧ ከምኡውን ዘ ባይብል—ጎድስ ዎርድ ኦር ማንስ ዘርእስተን ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትማ መጻሕፍቲ ርአ።

[ኣብ ገጽ 12, 13 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]

ትርኢት ኬታልለካ ይኽእል ድዩ፧

ብ1930ታት ኦስካር ሪተርስቫርድ ዝስሙ ሽወደናዊ ሰኣሊ፡ ኪኸውን ዘይክእል ምስልታት ተባሂሉ ዚፍለጥ እተፈላለየ ምስልታት ናብ ህዝቢ ኣቕረበ። እቲ ብጸጋም ዘሎ ስእሊ ዘመናዊ ኣብነት ናይዚ እዩ። ነዚ ዘይርትዓዊ ዝዀነ ስእሊ ሃንደበት ምስ እትርእዮ፡ ኪእመን ዚኽእል እዩ ዚመስል። ተጠንቂቕካ ምስ እትርእዮ ግን፡ እቲ ሰኣሊ ንዓይኒ ረኣይቲ ኼደናግር ወይ ኬታልል ብዚኽእል ብልሓት ከም ዝሰኣሎ ኸተስተውዕል ትኽእል ኢኻ።

እቲ ኪኸውን ዘይክእል ምስልታት ተባሂሉ ዚፍለጥ ምስልታት ጥራይ ኣይኰነን ንሰባት ኬደናግር ዚኽእል። ክልተ ሽሕ ዓመት ኣቢሉ ይገብር፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ከም ናይ ክርስቶስ ዘይኰነስ፡ ብልማድ ሰብ፡ ከም ምህሮ ቝልዕነት እዛ ዓለም እዚኣ፡ ብጥበብ ዓለምን ብኸንቱ ምጥባርን ሓደ እኳ ኸይማርኸኩምሲ፡ ተጠንቀቑ” ኢሉ መዓደ።—ቈሎሴ 2:8።

እዚ መጠንቀቕታ እዚ ዝያዳ ኣቓልቦ ኸም ዚስሕብ ዚገብሮ ኸኣ፡ እቲ ነዚ ማዕዳ እዚ ዝሃበ ሰብ ባዕሉ እውን ተታሊሉ ምንባሩ እዩ። እቲ ሰብ እቲ፡ በቶም ፍሉጣት መምህራን ሃይማኖት ስለ እተማህረን ምስቶም ልዑል ስልጣን ዝነበሮም ሰባት ርክብ ስለ ዝነበሮን፡ ብቐሊሉ ኺታለል ዘይክእል እዩ ዚመስል ነይሩ።—ግብሪ ሃዋርያት 22:3።

እዚ ሳውል ብዓል ጠርሴስ ዚበሃል ሰብኣይ እዚ፡ እቶም ከምቲ ናቱ እምነትን ልምድን ዘይብሎም ሰባት ከም እተጋገዩ እዩ ዚኣምን ነይሩ። መራሕቲ ሃይማኖት ኣይሁድ ምስ መዘዝዎ ድማ፡ ክርስትያናዊ እምነቱ ምኽሓድ ንዝኣበየ ዝዀነ ይኹን ሰብ ኬሳጕግ ኣምላኽ ሓላፍነት ከም ዝሃቦ ገይሩ ሓሰበ። ሓደ ብሓሶት እተኸሰሰ ወዲ ዓዱ ኪቕተል ከሎ እውን ተሓባበረ።—ግብሪ ሃዋርያት 22:4, 5, 20።

ድሕሪ ግዜ ግን፡ ሳውል ንጽቡቕን ክፉእን፡ ከምኡውን ኣምላኽ ንዚሰምሮን ንዘይሰምሮን ነገራት ፈልዩ ኺፈልጥ ዜኽእሎ ሓገዝ ረኸበ። እዚ ቐናእ ዝነበረ ሰብ እዚ፡ ተጋግዩ ኸም ዝነበረ ምስ ኣስተውዓለ፡ መገዱ ቐየረ፣ ሃዋርያ የሱስ ክርስቶስ ብምዃን ድማ ጳውሎስ ተባህለ። ናይ ሓቂ ኣምልኾ ብምርካቡ ድማ፡ ዳግም ኣይተታለለን።—ግብሪ ሃዋርያት 22:6-16፣ ሮሜ 1:1።

ብዙሓት ቅኑዕ ዝልቦም ሰባት፡ ከም ጳውሎስ በቲ ምስ ዜደናግር ምስልታት ከነመሳስሎ እንኽእል ትምህርትታት፡ ማለት በቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ መሰረት ዘይገበረ ሓቂ ዚመስል ትምህርትታት ተታሊሎም ነይሮም እዮም። (ምሳሌ 14:12፣ ሮሜ 10:2, 3) ድሕሪ ግዜ ግን፡ ሃይማኖቶም ዘለዎ እምነታትን ዜፍርዮ ፍረን ብልክዕ ኪፈልጡ ኽኢሎም እዮም። (ማቴዎስ 7:15-20) ቅኑዕ ፍልጠት መጽሓፍ ቅዱስ ምስ ረኸቡ ኸኣ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ተቐባልነት ምእንቲ ኺህልዎም ነቲ ዚኣምንዎ ነገራትን ንህይወቶምን ቀይሮም እዮም።

ንኣብነት ጳውሎስ ብምስዓብ፡ ነቲ እትኣምኖ ነገራት በቲ ቓል ኣምላኽ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ጌርካ ንኽትምርምሮ ፍቓደኛ ዲኻ፧ ከምዚ ንኽትገብር፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ባህ ኢልዎም ኪሕግዙኻ ይኽእሉ እዮም።

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

Engravings by Doré

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ