ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w10 1/11 ገጽ 7
  • መሓዙትካ ብጥበብ ምረጽ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • መሓዙትካ ብጥበብ ምረጽ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2010
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ጥዑያት ኣዕሩኽ ክንመርጽ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
  • ንኣምላኽ ዜፍቅሩ ኣዕሩኽ ሕረ
    ኣብ ፍቕሪ ኣምላኽ ብኸመይ ትጸንዕ፧
  • “ኣዝዮም ዚፋተዉ ኣዕሩኽ”
    ኣስኣሰር እምነቶም ስዓብ
  • ነቶም ኣምላኽ ዜፍቅሮም ኣፍቅር
    “ንርእስኹም ብፍቕሪ ኣምላኽ ሓልውዋ”
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2010
w10 1/11 ገጽ 7

ረቛሒ 4

መሓዙትካ ብጥበብ ምረጽ

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይምህር፧ “ምስ ጠቢባን ዚመላለስ ጠቢብ ይኸውን።”—ምሳሌ 13:20።

በዳሂ ዚገብሮ እንታይ እዩ፧ መሓዙትና ንዕግበትና ብኣወንታዊ ወይ ብኣሉታዊ መዳይ ኪጸልውዎ ይኽእሉ እዮም። ኣመለኻኽታኦምን ዝርርቦምን ኣብቲ ብዛዕባ ህይወት ዘሎና ኣመለኻኽታ ጽልዋ ይገብር እዩ።—1 ቈረንቶስ 15:33።

ንኣብነት፡ ብዛዕባ እቶም ናብ ከነኣን ተላኢኾም ዝነበሩ 12 ሰብኡት ዚገልጽ ዛንታ መጽሓፍ ቅዱስ እስከ ንርአ። መብዛሕትኦም “ብዛዕባ እታ ዝሰለይዋ ምድሪ . . . ንደቂ እስራኤል . . . ክፉእ ነገር ኣውረዩሎም።” ይኹን እምበር፡ ክልተ ኻባታቶም ብዛዕባ ከነኣን፡ “ኣዝያ፡ ኣዝያ ጽብቕቲ ምድሪ እያ” ኢሎም ጽቡቕ ወረ ኣውረዩሎም። እቲ ኣሉታዊ ኣመለኻኽታ እቶም ዓሰርተ ሰለይቲ ግን፡ ኣብቲ ህዝቢ ተዘርግሐ። እቲ ጸብጻብ ቀጺሉ ኸምዚ ይብል፦ “ብዘለዉ እቶም ኣኼባ ድማ ቃሎም ዓው ኣቢሎም ጨርሑ፡ . . . ኵሎም ደቂ እስራኤል ድማ . . . ኣጕረምረሙ።”—ዘሁልቍ 13:30–14:9።

ሎሚ እውን፡ ብዙሓት ሰባት፡ “መዕዘምዘምቲ፡ ንዕድሎም ዚነቕፉ” እዮም። (ይሁዳ 16) ዕግበት ምስ ዘይብሎም መሓዙት እናወዓልካ፡ ዕጉብ ክትከውን ኣጸጋሚ እዩ።

እንታይ ክትገብር ትኽእል፧ ምስ መሓዙትካ እትገብሮ ዝርርብ መርምሮ። መሓዙትካ መብዛሕትኡ ግዜ በቲ ዘለዎም ይምክሑ ድዮም፧ ወይ ብዛዕባ እቲ ዘይብሎም ነገራት ወግሐ ጸብሐ ምኒን ይብሉ ድዮም፧ ንስኻኸ እንታይ ዓይነት ዓርኪ ኢኻ፧ ንመሓዙትካ ኸተቕንኦም ህርድግ ትብል ዲኻ፡ ወይስ በቲ ዘለዎም ኪዓግቡ ኢኻ እተተባብዖም፧

ዳዊትን ዮናታንን ዝገደፍዎ ኣብነት እስከ ንርአ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ዳዊት ኣብ መጻኢ ንጉስ ኪኸውን ተሸይሙ እዩ ነይሩ፣ ዮናታን ከኣ ወዲ ንጉስ ሳኦል እዩ ነይሩ። ዳዊት ሃዲሙ ኣብ በረኻ እዩ ዚነብር ነይሩ። ንጉስ ሳኦል ንዳዊት ስለ ዝፈርሆ፡ ኪቐትሎ ይደሊ ነበረ። ዮናታን፡ ወራስ ዓራት እኳ እንተ ነበረ፡ ናይ ቀረባ ዓርኪ ዳዊት ኰይኑ ነበረ። ዮናታን፡ ኣምላኽ ንዳዊት ዚቕጽል ንጉስ ኪኸውን ከም ዝሸሞ ኣሚኑ ተቐቢልዎ ብምንባሩ፡ በቲ ንዓርኩ ንምድጋፍ ዝነበሮ ግደ ዕጉብ እዩ ነይሩ።—1 ሳሙኤል 19:1, 2፣ 20:30-33፣ 23:14-18።

ዕጉባት ኪዀኑ ዚጽዕሩን ካብ ልቦም ንጽቡቕካ ዚሓስቡን፡ ከም ዮናታን ዝኣመሰሉ መሓዙት እዮም ዜድልዩኻ። (ምሳሌ 17:17) ከምዚኦም ዝኣመሰሉ መሓዙት ንኽትረክብ ግን፡ ንስኻ እውን ነዚ ባህርያት እዚ ኸተርኢ ኣሎካ።—ፊልጲ 2:3, 4።

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]

መሓዙትካ ንዕግበትካ ብኣወንታዊ ድዮም ዚጸልውዎ፡ ወይስ ብኣሉታዊ፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ