መንፈስ ቅዱስ፡ ንዝዀነ ይኹን ፈተና ንኽንሰግር ሓይሊ ይህበና
“በቲ ሓይሊ ዚህበኒ ንዅሉ እኽእሎ እየ።”—ፊል. 4:13።
1. ህዝቢ የሆዋ እተፈላለየ ዓይነት ጸበባ ዜጋጥሞም ስለምንታይ እዩ፧
ህዝቢ የሆዋ እተፈላለየ ዓይነት ጸበባ የጋጥሞም እዩ። ገሊኡ ብምኽንያት ዘይፍጽምና ወይ ከኣ ብሰንኪ እዚ እንነብረሉ ዘለና ስርዓት ዚመጽእ እዩ። ገሊኡ ኸኣ ብምኽንያት እቲ ኣብ መንጎ ንኣምላኽ ዜገልግልዎን ዘየገልግልዎን ሰባት ዘሎ ጽልኢ እዩ ዚመጽእ። (ዘፍ. 3:15) ኣምላኽ ካብ ግዜ ጥንቲ ኣትሒዙ ንእሙናት ኣገልገልቱ፡ ሃይማኖታዊ መስጐጕቲ ንኺጻወሩ፡ ጐዳኢ ጸቕጢ መዛኑ ንኺቃወሙ፡ ከምኡውን ዝዀነ ይኹን ጸበባ ንኺጽመሙ ሓጊዝዎም እዩ። ንሕና እውን ከምኡ ንኽንገብር መንፈስ ቅዱስ ኪሕግዘና ይኽእል እዩ።
መንፈስ ቅዱስ፡ ሃይማኖታዊ መስጐጕቲ ንኽንጻወር ይሕግዘና
2. ዕላማ ሃይማኖታዊ መስጐጕቲ እንታይ እዩ፧ እንታይ መልክዕከ እዩ ዘለዎ፧
2 ሃይማኖታዊ መስጐጕቲ፡ ሰባት ብሰንኪ እምነቶም ዚወርዶም ማህሰይቲ ወይ መጕዳእቲ እዩ። ዕላማኡ፡ እምነቶም ንምጥፋእ፡ ከየስፋሕፍሕ ንምዕጋት፡ ወይ ንጽህና እቶም ኣመንቲ ንምብልሻው እዩ። መስጐጕቲ እተፈላለየ መልክዕ ኣለዎ፣ ሓድሓደ ግዜ ቕሉዕ፡ ሓድሓደ ግዜ ድማ ብተዘዋዋሪ መገዲ እዩ ዚወርድ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ንመጥቃዕትታት ሰይጣን ምስ መጥቃዕቲ ኣንበሳን ተመንን ኣመሳሲልዎ ኣሎ።—መዝሙር 91:13 ኣንብብ።
3. እቲ ምስ መጥቃዕቲ ኣንበሳን ተመንን ዚመሳሰል መስጐጒቲ፡ ብምንታይ ይልለ፧
3 ሰይጣን ብዓመጽን ብማእሰርትን ብእገዳን ኣቢሉ ኸም ኣንበሳ ቐጥታዊ መጥቃዕቲ ይፍኑ እዩ። (መዝ. 94:20) ኣብ መጽሓፍ ዓመት ዚወጽእ ጸብጻብ ዘመናዊ ታሪኽ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ብዛዕባ ኸምዚ ዝኣመሰለ መጥቃዕትታት ይገልጽ እዩ። ሓድሓደ ግዜ ብመራሕቲ ሃይማኖት ወይ ብጥሩፋት ፖለቲከኛታት እተመርሐ ናዕቢ፡ ኣብ ብዙሕ ቦታታት ንዚርከቡ ህዝቢ ኣምላኽ ኣሸጊርዎም እዩ። እዚ ምስ መጥቃዕቲ ኣንበሳ ዚመሳሰል መስጐጕቲ፡ ንውሑዳት ሰባት ኣውዲቑ እዩ። ድያብሎስ ልክዕ ከም ተመን፡ ንኣእምሮ ሰባት ንምምራዝን ፍቓዱ ኺገብሩ ንምትላልን ኣዳህሊሉ የጥቅዕ እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ መጥቃዕትታት፡ መንፈሳውነትና ንምድኻም ወይ ንምብልሻው ተባሂሉ እዩ ዚፍኖ። ኰይኑ ግን፡ ብሓገዝ ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ፡ ንኽልቲኡ ዓይነት መስጐጕቲ ኽንጻወሮ ንኽእል ኢና።
4, 5. ንመስጐጕቲ ዜዕጥቐና እንታይ እዩ፧ ስለምንታይከ፧ ኣብነት ሃብ።
4 ብዛዕባ እቲ ኣብ መጻኢ ኼጋጥመና ዚኽእል መስጐጕቲ ምሕሳብና ጥራይ፡ ንኽንጻወሮ ኣየዕጥቐናን እዩ። ኣብ መጻኢ እንታይ ከም ዜጋጥም ስለ ዘይንፈልጥ፡ ብዛዕባ እቲ ኼጋጥመና ዚኽእል ነገራት ምሽቓል፡ ፋይዳ የብሉን። ይኹን እምበር፡ ሓደ ኽንገብሮ እንኽእል ነገር ኣሎ። መብዛሕትኦም መስጐጕቲ እተጸመሙ ሰባት፡ ብዛዕባ እቶም ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ተጠቒሶም ዘለዉ ንጽህናኦም ሓልዮም ብተኣማንነት እተመላለሱ ሰባት ብምስትንታን እዮም ከምኡ ኺገብሩ ኽኢሎም፣ ብዛዕባ ትምህርትታትን ኣብነታትን የሱስ ምስትንታኖም እውን ሓጊዝዎም እዩ። እዚ ኸኣ ንየሆዋ ዓሚቝ ፍቕሪ ኸም ዚህልዎም ገበረ። እታ ንየሆዋ ዘላቶም ፍቕሪ ድማ፡ ንዝዀነ ይኹን ፈተና ኺሰግሩ ሓገዘቶም።
5 ኣብ ማላዊ ዘጋጠመ ናይ ክልተ ኣሓት ተመክሮ እሞ ኸም ኣብነት ንውሰድ። ካርድ ፖለቲካዊ ሰልፊ ኸም ዚዕድጋ ንምግባር፡ ሕሱማት መናዓብቲ ቐጥቀጥወን፣ ክዳውንተን ገፊፎም ድማ ከም ዚዕምጽወን ኣፈራርህወን። ኣባላት ስድራ ቤትኤል እውን ከይተረፉ ነቲ ካርድ ከም ዝወሰዱ ኸኣ ብሓሶት ነገርወን። እተን ኣሓት እንታይ ምላሽ ሃባ፧ “ንየሆዋ ኣምላኽ ጥራይ ኢና እነገልግል። እቶም ኣብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ዘለዉ ኣሕዋት ነቲ ካርድ ይዓድጉ ኣይዓድጉ ብዘየገድስ፡ ኣባና ዜምጽኦ ለውጢ የልቦን። ዋላ ቕተሉና ደኣ እምበር፡ ካብ መትከልና ፈልከት ኣይንብልን ኢና” በላኦም። እዚ ትብዓት ዝመልኦ መትከል ምስ ኣርኣያ፡ ኪኸዳ ተፈቕደለን።
6, 7. የሆዋ ንኣገልገልቱ፡ መስጐጕቲ ንኺጻወሩ ሓይሊ ዚህቦም ብኸመይ እዩ፧
6 ሃዋርያ ጳውሎስ፡ ኣብ ተሰሎንቄ ዝነበሩ ክርስትያናት ንመልእኽቲ ሓቂ “ብብዙሕ ጭንቂ” ግን ከኣ “ብናይ መንፈስ ቅዱስ ሓጐስ” ከም እተቐበልዎ ገለጸ። (1 ተሰ. 1:6) ጥንቲ ዝነበሩ ይኹን ሕጂ ዘለዉ መስጐጕቲ እተጸመሙ ብዙሓት ክርስትያናት፡ እቲ ዘጋጠሞም ፈተና ኣዝዩ ኸቢድ ኣብ ዝዀነሉ እዋን፡ እቲ ሓደ መዳይ ፍረ መንፈስ ቅዱስ ዝዀነ ውሽጣዊ ሰላም ከም ዝረኸቡ ገሊጾም እዮም። (ገላ. 5:22፡ ትርጕም 1990) እዚ ሰላም እዚ ድማ፡ ንልቦምን ንሓሳቦምን ሓልይዎ እዩ። እወ፡ የሆዋ በቲ ንጡፍ ሓይሉ ኣቢሉ፡ ኣገልገልቱ ንዝዀነ ይኹን ፈተናታት ንኺሰግሩን ጸበባ ኼጋጥሞም ከሎ ጥበባዊ ስጕምቲ ንኺወስዱን ሓይሊ ይህቦም እዩ።a
7 ህዝቢ ኣምላኽ ከቢድ መስጐጕቲ እናጋጠሞም ክነሱ ንጽህናኦም ምሕላዎም ንተዓዘብቲ የገርሞም እዩ። እቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ልዕለ-ሰብኣዊ ብርታዐ ዘለዎም እዮም ዚመስሉ፣ ብሓቂ ኸኣ ኣለዎም። ሃዋርያ ጴጥሮስ፡ “ምእንቲ ስም ክርስቶስ እንተ ተጸረፍኩም፡ እቲ ናይ ክብርን ናይ ኣምላኽን መንፈስ ኣባኻትኩም ይሐድር እዩ እሞ፡ ብጹኣን ኢኹም” ኢሉ ኣረጋጊጹልና ኣሎ። (1 ጴጥ. 4:14) ስርዓታት ጽድቂ ብምስዓብና መስጐጕቲ እንተ ወሪዱና፡ ሞገስ ኣምላኽ ከም ዘሎና ዚሕብር እዩ። (ማቴ. 5:10-12፣ ዮሃ. 15:20) እዚ በረኸት የሆዋ ኸም ዘሎና ዚሕብር መርትዖ፡ ከመይ ዝበለ ሓጐስ ኰን እዩ ዜምጽእ!
መንፈስ ቅዱስ፡ ጸቕጢ መዛኑ ንምቅዋም ይሕግዘና
8. (ሀ) እያሱን ካሌብን ንጸቕጢ መዛኑ ንኺቃወሙ ዘኽኣሎም እንታይ እዩ፧ (ለ) ካብ ኣብነት እያሱን ካሌብን እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧
8 ሓደ ኻብቲ ክርስትያናት ኪዋጽኡሉ ዘለዎም ረቂቕ ምጽራር፡ ጐዳኢ ጸቕጢ መዛኑ እዩ። ይኹን እምበር፡ መንፈስ የሆዋ ኻብ መንፈስ ዓለም ስለ ዚሕይል፡ ነቶም ዜላግጹልና፡ ነቶም ብዛዕባና ሓሶት ዚነዝሑ፡ ወይ ነቶም ምስ ስርዓታቶም ክንሰማማዕ ኬገድዱና ዚፍትኑ ኽንቃወሞም ንኽእል ኢና። ንኣብነት፡ እያሱን ካሌብን ነቶም ንኺስልዩ ምሳታቶም ናብ ምድሪ ከነኣን እተላእኩ ዓሰርተ ሰለይቲ ኺቃወምዎም ዝኸኣሉ ብኸመይ እዮም፧ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ውሽጦም እተፈልየ “መንፈስ” ወይ ኣተሓሳስባ ስለ ዘሕደረሎም እዩ።—ዘሁልቍ 13:30፣ 14:6-10, 24 ኣንብብ።
9. ክርስትያናት ካብ መብዛሕትኦም ሰባት ፍሉያት ኪዀኑ ዘለዎም ስለምንታይ እዮም፧
9 መንፈስ ቅዱስ ንሃዋርያት የሱስ፡ ነቶም ብብዙሓት ከም መምህራን ናይ ሓቂ ሃይማኖት ክብሪ ዚወሃቦም ዝነበረ ዘይኰነስ፡ ንኣምላኽ ኪእዘዙ ኣሐየሎም። (ግብ. 4:21, 31፣ 5:29, 32) ሓያሎ ሰባት ምጽራር ምእንቲ ኸየጋጥሞም፡ ምስቲ ብብዙሓት ተቐባልነት ዘለዎ ሓሳብ ተሰማሚዖም ኪነብሩ እዮም ዚደልዩ። ናይ ሓቂ ክርስትያናት ግን፡ ኣብቲ ቕኑዕ ከም ዝዀነ ዚኣምኑሉ ነገር ጸኒዖም ደው ኪብሉ ኣለዎም። ይኹን እምበር፡ ሳላ እቲ ኣምላኽ ብንጡፍ ሓይሉ ኣቢሉ ዚህቦ ብርታዐ፡ ፍሉያት ምዃኖም ኣየፍርሆምን እዩ። (2 ጢሞ. 1:7) ንጸቕጢ መዛኑ ኽንምብርከኸሉ ዘይብልና ሓደ መዳይ እስከ ርአ።
10. ገሊኦም ክርስትያናት ከመይ ዝኣመሰለ መዋጥር እዩ ዜጋጥሞም፧
10 ገሊኦም መንእሰያት፡ ፈታዊኦም ዘይቅዱስ ጽሑፋዊ ተግባር ምስ ዚገብር ኣብ መዋጥር ይኣትዉ። ፈታዊኦም መንፈሳዊ ሓገዝ ከም ዚረክብ እንተ ገይሮም፡ ተኣማንነቶም ዘጕደሉ ዀይኑ ስለ ዚስምዖም፡ ስቕ ምባል ይመርጹ። እቲ በዳሊ እውን ንኣዕሩኹ ሓጢኣቱ ኺሓብኡሉ ጸቕጢ ይገብረሎም ይኸውን። ሓቂ እዩ፡ እዚ ጸገም እዚ ኣብ መንእሰያት ጥራይ ዚርአ ኣይኰነን። ገሊኦም ዓበይቲ ሰባት እውን፡ ንሓደ ጌጋ ዝገበረ ፈታዊኦም ወይ ኣባል ስድራ ቤቶም ብዚምልከት ንሽማግለታት ጉባኤ ምንጋር ይኸብዶም ይኸውን። ኰይኑ ግን፡ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ንኸምዚ ዝኣመሰለ ጸቕጢ ብኸመይ ኪቃወምዎ ይግባእ፧
11, 12. ሓደ ኣባል ክርስትያናዊት ጉባኤ፡ ጌጋኡ ኸይትነግረሉ እንተ ሓቲቱካ፡ እንታይ ምላሽ ኢኻ ኽትህብ ዘሎካ፧ ስለምንታይከ፧
11 ነዚ ዚስዕብ ኣብነት እስከ ርአ። ኣሮን ዝስሙ መንእሰይ፡ ሰሎሞን ዚበሃል ኣብ ጉባኤኡ ዘሎ ዓርኩ ኣዘውቲሩ ስእለ-ጽዩፍ ከም ዚርኢ ፈለጠ። ኣሮን ንሰሎሞን፡ እቲ ዚገብሮ ዘሎ ነገራት ከም ዘተሓሳሰቦ ነገሮ። ሰሎሞን ግን፡ ቅጭጭ ኣይበሎን። ኣሮን ንሰሎሞን ንሽማግለታት ኬዘራርቦም እኳ እንተ ሓበሮ፡ ሰሎሞን ግን ናይ ሓቂ ዓርኩ እንተ ዀይኑ ኺነግረሉ ኸም ዘይብሉ ኣጠንቀቖ። እሞኸ ኣሮን ዕርክነቶም መታን ከይፈርስ ኪፈርህ ይግባእዶ፧ ዓርኩ ንዅሉ እቲ ዝገበሮ ተግባራት እንተ ኽሒዱ፡ ሽማግለታት ንመኖም ከም ዚኣምኑ እውን የተሓሳስቦ ይኸውን። ኰይኑ ግን፡ ኣሮን ስቕ እንተ ኢሉ፡ እቲ ዅነታት መመሊሱ እዩ ዚጋደድ። ሰሎሞን ምስ የሆዋ ዘለዎ ርክብ ኪበላሾ ይኽእል እዩ። ስለዚ፡ ኣሮን ነቲ፡ “ንሰብ ምፍራህ ኣብ መፈንጠራ የእቱ፡ ብእግዚኣብሄር ዚእመን ግና ኣብ ደሓን ይነብር” ዚብል ምኽሪ ኺዝክር ኣለዎ። (ምሳ. 29:25) ካልእከ እንታይ እዩ ኺገብር ዚኽእል፧ ናብ ሰሎሞን ቀሪቡ፡ ብዛዕባ ጸገሙ እንደገና ኼዘራርቦ ይኽእል እዩ። ከምኡ ምግባር ትብዓት ዚሓትት እኳ እንተ ዀነ፡ ምናልባት ንሰሎሞን ብዛዕባ ጸገሙ ኺዛረብ ኣጋጣሚ ይኸፍተሉ ይኸውን። ሰሎሞን ንሽማግለታት ምእንቲ ኼዘራርብ፡ ኣሮን እንደገና ኼተባብዖ ኣለዎ፣ ኣብ ውሽጢ እተወሰነ እዋን ከምኡ እንተ ዘይገይሩ፡ ባዕሉ ኸይዱ ኸም ዚነግሮም ድማ ኪሕብሮ ኣለዎ።—ዘሌ. 5:1።
12 ከምዚ ዓይነት ኵነታት እንተ ኣጋጢሙካ፡ ኣብ ፈለማ ዓርክኻ ነቲ ንኽትሕግዞ እትገብሮ ጻዕርታት ኣየማስወሉን ይኸውን። ድሕሪ ግዜ ግን፡ ንጥቕሙ ኢልካ ኸምኡ ኸም ዝገበርካ ይርድኦ ይኸውን። ነቲ ዚግበረሉ ሓገዝ እንተ ተቐቢሉ፡ ስለቲ ትብዓትካን ተኣማንነትካን ወትሩ ኼመስግነካ እዩ። ብኣንጻሩ ግን፡ በቲ ዝገበርካዮ እንተ ተቘጢዑ፡ ከምዚ ዓይነት ሰብ ናይ ሓቂ ዓርክኻ ኪኸውን ትደሊዶ፧ ነቲ ኻብ ኵሉ ዝዓበየ ዓርክና ዝዀነ የሆዋ ምሕጓስ፡ ወትሩ ቕኑዕ እዩ። ንየሆዋ ቐዳምነት እንተ ሂብናዮ፡ ንዕኡ ዜፍቅርዎ ኻልኦት ሰባት ንተኣማንነትና ብምኽባር ናይ ሓቂ ኣዕሩኽና ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ንድያብሎስ ስፍራ ኽንህቦ የብልናን። ከምኡ እንተ ጌርና፡ ንናይ የሆዋ መንፈስ ቅዱስ ኢና እነጕህዮ። ኰይኑ ግን፡ ነታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ንጽህቲ ኽንገብራ ንጽዕር እንተ ዄንና፡ ምስ መንፈስ ቅዱስ ተሰማሚዕና ንዓዪ ኣለና ማለት እዩ።—ኤፌ. 4:27, 30።
መንፈስ ቅዱስ፡ ንዝዀነ ይኹን ጸበባ ኽንጽመም ሓይሊ ይህበና
13. ህዝቢ የሆዋ ኸመይ ዝኣመሰለ ጸበባ እዩ ዜጋጥሞም፧ እዚ ልሙድ ዝዀነኸ ስለምንታይ እዩ፧
13 ጸበባ ብዙሕ መልክዕ ኪህልዎ ይኽእል እዩ፣ ገለ ኻብኡ፡ ቍጠባዊ ጸገም፡ ስእነት ስራሕ፡ ባህርያዊ ሓደጋ፡ ሞት እተፍቅሮ ሰብ፡ ጸገማት ጥዕና ኺጥቀስ ይከኣል እዩ። ኣብ “ክፉእ ዘመን” ንነብር ስለ ዘለና፡ ውዒሉ ሓዲሩ ንዅልና ገለ ዓይነት ጸበባ ኸም ዜጋጥመና ፍሉጥ እዩ። (2 ጢሞ. 3:1) ከምኡ ኼጋጥመና ኸሎ፡ ክንደሃል የብልናን። መንፈስ ቅዱስ፡ ንዝዀነ ይኹን ጸበባ ንኽንጽመም ሓይሊ ኺህበና ይኽእል እዩ።
14. እዮብ ነቲ ዘጋጠሞ ጸበባ ንኺጽመም ሓይሊ ዝሃቦ እንታይ እዩ፧
14 እዮብ ብዙሕ ጸበባ ኣሕሊፉ እዩ። ጥሪቱን ደቁን ፈተውቱን ጥዕናኡን ስኢኑ እዩ፣ ሰበይቱ እውን ኣብ የሆዋ ዝነበራ ምትእምማን ኣጥፊኣ እያ። (እዮ. 1:13-19፣ 2:7-9) ኰይኑ ግን፡ እዮብ፡ ኤሊሁ ዚበሃል ናይ ሓቂ መጸናንዒ ረኸበ። መልእኽቲ ኤሊሁን ቀንዲ መልእኽቲ የሆዋን፡ “ነዚ ስማዕ፡ ንተኣምራት ኣምላኽ ህድእ ኢልካ ኣስተንትኖ” ዚብል እዩ ነይሩ። (እዮ. 37:14) እዮብ ነቲ ዘጋጠሞ ጸበባ ኺጽመሞ ዝኸኣለ ብኸመይ እዩ፧ ንዓናኸ ንኽንጽመም እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧ ናይ የሆዋ መንፈስ ቅዱስን ሓይልን ንኻልኦት ብኸመይ ከም ዝሓገዞም ምዝካር፡ ኪሕግዘና ይኽእል እዩ። (እዮ. 38:1-41፣ 42:1, 2) ምናልባት የሆዋ ብደረጃ ውልቀ-ሰብ ብዛዕባና ኸም ዚግደስ ዝረኣናሉ እዋን ንዝክር ንኸውን። ሎሚ እውን እንተ ዀነ፡ ይግደሰልና እዩ።
15. ሃዋርያ ጳውሎስ ነቲ ዘጋጠሞ ፈተናታት ንኺሰግሮ ብርታዐ ዝረኸበ ብኸመይ እዩ፧
15 ሃዋርያ ጳውሎስ ብምኽንያት እምነቱ ብዙሕ ጸበባ ተጸሚሙ እዩ። (2 ቈረ. 11:23-28) ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ እዋን፡ ሚዛኑ ኺሕሉን ብስምዒታዊ መገዲ ኺሃድእን ዝኸኣለ ብኸመይ እዩ፧ ብጸሎት ኣብ የሆዋ ብምውካል እዩ። ብዛዕባ እቲ ኣብ መወዳእታ ሰማእት ኰይኑ ኸም ዝመውት ገይርዎ ኪኸውን ዘለዎ ፈተና ኺገልጽ ከሎ፡ “እቲ ስብከት ብኣይ ምእንቲ ኺምላእ፡ ኵሎም ኣህዛብውን ምእንቲ ኺሰምዑ ግና፡ ጐይታ ቘመለይ፡ ኣበርትዓኒ፡ ካብ ኣፍ ኣንበሳውን ኣናገፈኒ” በለ። (2 ጢሞ. 4:17) ስለዚ፡ ካብ ተመክሮኡ ተበጊሱ ንኣመንቲ ዝዀኑ ብጾቱ “ብገለ እኳ ኣይትጨነቑ” ኢሉ ኼረጋገጸሎም ከኣለ።—ፊልጲ 4:6, 7, 13 ኣንብብ።
16, 17. ሎሚ የሆዋ ንህዝቡ ጸበባ ንኺጻወሩ ሓይሊ ዚህቦም ብኸመይ ምዃኑ ዜርኢ ኣብነት ሃብ።
16 ሮክሳና ዝስማ ሓንቲ ፈላሚት፡ የሆዋ ንህዝቡ ብኸመይ ከም ዝኣሊ ርእያ እያ። ኣብ ኣኼባ ኣውራጃ ምእንቲ ኽትካፈል፡ እተወሰነ መዓልቲ ዕረፍቲ ኽትወስድ ንኣስራሒኣ ምስ ሓተተቶ፡ እንተ ኸይዳ ኻብ ስራሓ ኸም ዜባርራ ብቝጥዐ ነገራ። ዝዀነ ዀይኑ፡ ሮክሳና ናብቲ ኣኼባ ኸደት፣ ካብ ስራሓ ምእንቲ ኸይትባረር ግን ልባዊ ጸሎት ኣቕረበት። ድሕሪኡ፡ ሃድአት። ከምቲ ዝሓሰበቶ ድማ፡ ሰኑይ ድሕሪ እቲ ኣኼባ፡ ኣስራሒኣ ኣባረራ። ኣዝያ ድማ ተጨነቐት። ደሞዛ ትሑት እኳ እንተ ነበረ፡ ብእኡ ኣቢላ እያ ስድራ ቤታ ትናቢ ነይራ። እንደገና ጸለየት፣ ኣምላኽ በቲ ኣኼባ ኣቢሉ ብመንፈሳዊ መዳይ ካብ ተኸናኸና፡ ብስጋዊ መዳይ እውን ብርግጽ ኪከናኸና ኸም ዚኽእል ድማ ሓሰበት። ናብ ቤታ ኽትምለስ ከላ፡ ኣጠቓቕማ ሰፋዪት ማኪና ዚኽእል ሰብ ከም ዚድለ ዚሕብር ምልክታ ረኣየት፣ ከይዳ ድማ ኣመልከተት። ሓላፊ እቲ ትካል፡ ተመክሮ ኸም ዘይብላ እኳ እንተ ተገንዘበ፡ ካብቲ ቕድሚኡ እትረኽቦ ዝነበረት ብዕጽፊ ኣቢሉ ዚዛይድ ደሞዝ ዘለዎ ስራሕ ሃባ። ሮክሳና ጸሎታ እተመለሰ ዀይኑ ተሰምዓ። ልዕሊ ዅሉ ግን፡ ንመብዛሕትኦም መሳርሕታ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ከተካፍሎም ብምኽኣላ ተባሪኻ እያ። ነቲ ሓላፊ ሓዊስካ ሓሙሽተ ሰባት ሓቂ ተቐቢሎም ተጠምቁ።
17 ሓድሓደ ግዜ፡ ጸሎትና ብቕልጡፍ ወይ ብዝደለናዮ መገዲ ዘይተመለሰ ዀይኑ ይስምዓና ይኸውን። ኰይኑ ግን፡ ከምኡ ዝዀነሉ ብቑዕ ምኽንያት ከም ዘሎ ኣየጠራጥርን እዩ። የሆዋ ነቲ ምኽንያት ይፈልጦ እዩ፣ ንዓና እውን ኣብ መጻኢ ንጹር ይዀነልና ይኸውን። ይኹን እምበር፡ ኣምላኽ ንእሙናቱ ኸቶ ኸም ዘይሓድጎም ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና።—እብ. 6:10።
መንፈስ ቅዱስ፡ ፈተና ንኽንሰግር ሓይሊ ይህበና
18, 19. (ሀ) ፈተናታት ኬጋጥመና እንጽበ ስለምንታይ ኢና፧ (ለ) ንፈተናታት ብዓወት ክትሰግሮ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧
18 ህዝቢ የሆዋ፡ ፈተናን ተስፋ ምቝራጽን መስጐጕትን ጸቕጢ መዛኑን የጋጥሞም እዩ፣ ዓለም እውን ትጸልኦም እያ። (ዮሃ. 15:17-19) ኰይኑ ግን፡ መንፈስ ቅዱስ ነቲ ንኣምላኽ ከነገልግል ከለና ዜጋጥመና ዝዀነ ይኹን ብድሆ ኸም እንዋጽኣሉ ኺገብረና ይኽእል እዩ። የሆዋ እውን ልዕሊ ዓቕምና ኽንፍተን ኣይሓድገናን እዩ። (1 ቈረ. 10:13) ኣይኪሓድገናን ዕሽሽውን ከቶ ኣይኪብለናን እዩ። (እብ. 13:5) ነቲ መንፈስ ዝነፈሶ ቓሉ ምእዛዝና፡ የዕቍበናን የበርትዓናን እዩ። ብዘይካዚ፡ መንፈሱ ንኣመንቲ ዚዀኑ ብጾትና ንኺሕግዙና ኼለዓዕሎም ይኽእል እዩ።
19 እምበኣር፡ ኵልና ብጸሎትን ብመጽናዕቲ ቕዱሳት ጽሑፋትን ኣቢልና መንፈስ ቅዱስ ክንረክብ ንጽዓር። እወ፡ “ብሓጐስ ብጽንዓት ዘበለ ዅሉ፡ ንብዘሎ ትዕግስትን ዓቕልን ብሓይሊ ኽብሩ በርቲዕ[ና]” ንቐጽል።—ቈሎ. 1:11።
[እግረ-ጽሑፍ]
a ንኣብነት፡ ኣብ ናይ 1 ግንቦት 2001 ግምቢ ዘብዐኛ ኣብ ገጽ 16 ኸምኡውን ኣብ ናይ 8 ለካቲት 1993 ንቕሑ! (እንግሊዝኛ) ኣብ ገጽ 21 ክሳዕ 22 ርአ።
እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧
• ንዜጋጥመካ መስጐጕቲ ንምጽዋር ብኸመይ ክትዳሎ ትኽእል፧
• ሓደ ሰብ በደሉ ኸይትነግረሉ ምስ ዚምሕጸነካ እንታይ ክትገብር ኣሎካ፧
• ዝዀነ ይኹን ጸበባ የጋጥመካ ብዘየገድስ፡ ብዛዕባ እንታይ ኢኻ ኽትተኣማመን እትኽእል፧
[ኣብ ገጽ 28 ዘሎ ስእሊ]
ካብ እያሱን ካሌብን እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧
[ኣብ 29 ዘሎ ስእሊ]
በደል ንዝፈጸመ ፈታዊኻ ብኸመይ ክትሕግዞ ትኽእል፧