ኣዘውቲርካ ንዚስማዕ መረረት ዚኸውን ፍታሕ
መጽሓፍ ቅዱስ ንሓዳር፡ ዋላ ሓንቲ ጸገም ከም ዘይብሉ ገይሩ ኣይገልጾን እዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ብመንፈስ ኣምላኽ ተደሪኹ፡ ሰብ ሓዳር “መከራ” ኸም ዜጋጥሞም ጽሒፉ ኣሎ። (1 ቈረንቶስ 7:28) ኰይኑ ግን፡ ሰብ ሓዳር ንዜጋጥሞም ጸገማት ንኼቃልሉን ንኺተሓጓጐሱን ብዙሕ ኪገብርዎ ዚኽእሉ ነገራት ኣሎ። ነዚ ቐጺሉ ዘሎ ሰብኡትን ኣንስትን ኣዘውቲሮም ዜስምዕዎ ሽዱሽተ መረረት ንርአ፣ ንዕኡ ንምፍታሕ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ከም ዚሕግዝ ከኣ ንመርምር።
1
መረረት፦
“ኣነን መጻምድተይን ንረሓሓቕ ኣለና።”
ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦
“እቲ ዚሐይሽ ክትምርምሩ።”—ፊልጲ 1:10።
ሓዳርካ፡ ሓደ ኻብቲ ኣዝዩ ኣገዳሲ ኽፋል ህይወትካ እዩ። ቀዳምነት ክትህቦ ኣሎካ። መደባትካ ነዚ መረረት እዚ ኣስተዋጽኦ እንተ ገይሩ፡ መርምር። ዋኒን ህይወትካ ንዓኻን ንመጻምድትኻን ኬረሓሕቐኩም ኣይተፍቅደሉ። ዓለማዊ ስራሕኩምን ካልእ ኪውገድ ዘይከኣል ኵነታትን፡ ሓቢርኩም ንእተሕልፍዎ ግዜ ንእተወሰነ እዋን ይድርቶ ይኸውን። ይኹን እምበር፡ ንኸም ኣብ ምዝንጋዕ ወይ ምስ ፈተውትኻ እተሕልፎ ግዜ ዝኣመሰለ ኣብ ትሕቲ ቝጽጽርካ ዝዀነ ንጥፈታት ደረት ግበረሉ።
ገሊኦም ሰብ ሓዳር ግን፡ ምስ መጻምድቶም ግዜ ምእንቲ ኸየሕልፉ ኢሎም፡ ተወሳኺ ስራሕ ይሰርሑ ወይ ኣብ ካልእ ንጥፈታት ይጽመዱ እዮም። ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰብ ሓዳር፡ ካብ ጸገማቶም ኪሃድሙ ስለ ዚፍትኑ፡ ደይ መደይ ኢሎም እዮም ካብ መጻምድቶም ዚርሕቑ። ኣብ ሓዳርካ ኸምዚ ዝኣመሰለ ሽግር እንተ ኣልዩ፡ ሱር እቲ ጸገም ከተለልዮን ፍታሕ ከተናድየሉን ኣሎካ። ብሓንሳእ ግዜ ተሕልፉ እንተ ዄንኩም ጥራይ ኢኹም ክትቀራረቡን “ሓደ ስጋ” ኽትኰኑን እትኽእሉ።—ዘፍጥረት 2:24።
ገሊኦም ነዚ ምኽሪ እዚ ብኸመይ ኣብ ግብሪ ኸም ዘውዓልዎ፦ ኣንድርውንa ታንጂን ዚበሃሉ ኣውስትራልያውያን ሰብ ሓዳር፡ ካብ ዚምርዓዉ ዓሰርተ ዓመት እዮም ገይሮም። ኣንድርው ከምዚ በለ፦ “ስራሕ ምብዛሕን ሓያሎ ማሕበራዊ ሓላፍነታት ምስካምን ንሓዳር ሓደገኛ ኪኸውን ከም ዚኽእል ርእየ እየ። ስለዚ፡ ኣነን ብዓልቲ ቤተይን ንምዝርራብን ስምዒትና ንምግልላጽን ግዜ ንምድብ ኢና።”
ዴቭን ጄንን ዚበሃሉ ኻብ ዚምርዓዉ 22 ዓመት ዝገበሩ ነበርቲ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ፡ ምሸት ምሸት ንፍርቂ ሰዓት ዚኸውን ተመክሮታቶምን ሓሳባቶምን ይነጋገሩ እዮም። ጄን፡ “እታ እዋን እቲኣ ኣዝያ ኣገዳሲት ስለ ዝዀነት፡ ዝዀነ ይኹን ነገር ኪዓናቕፈና ኣይነፍቅድን ኢና” በለት።
2
መረረት፦
“ካብ ሓዳረይ፡ ዝደልዮ ዘበለ ኣይረክብን እየ ዘለኹ።”
ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦
“ነፍሲ ወከፍ ንጥቕሚ ብጻዩ ደኣ እምበር፡ ሓደ እኳ ጥቕሚ ርእሱ ኣይድለ።”—1 ቈረንቶስ 10:24።
ካብ ሓዳሩ ብዛዕባ ዚረኽቦ ነገራት ጥራይ ዚሓስብ ሰብ፡ ዓሰርተ ሳዕ እኳ እንተ ተመርዓወ፡ ናይ ሓቂ ሓጐስ ከቶ ኺረክብ ኣይክእልን እዩ። ሓዳር ዜሐጕስ ኪኸውን ዚኽእል፡ ነፍሲ ወከፍ መጻምድቲ ኻብ ኣብ ምቕባል፡ ኣብ ምሃብ ምስ ዜተኵር እዩ። ከምኡ ዝዀነሉ ምኽንያት የሱስ ኪገልጽ ከሎ፡ “ካብ ምቕባልሲ ምሃብ ኣዝዩ ይባረኽ” በለ።—ግብሪ ሃዋርያት 20:35።
ገሊኦም ነዚ ምኽሪ እዚ ብኸመይ ኣብ ግብሪ ኸም ዘውዓልዎ፦ ኣብ መክሲኮ ዚነብሩ ማሪያን ማርቲንን፡ ካብ ዚምርዓዉ 39 ዓመት እዮም ገይሮም። ሓዳሮም ግን፡ ወትሩ ጥጡሕ ኣይነበረን። ብፍላይ ሓደ እዋን፡ ጸገም ኣጋጢምዎም ከም ዝነበረ ይዝክሩ እዮም። ማሪያ ተዘክሮኣ ኽትገልጽ ከላ፡ ከምዚ በለት፦ “ንሓድሕድና ኽንቋየቝ ከለና፡ ንማርቲን ዜዋርድ ዘረባ ተዛረብክዎ። ንሱ ድማ፡ በዚ ኣዝዩ ተቘጥዐ። ብሰንኪ ሕርቃን ደኣ እምበር፡ ከምኡ ማለተይ ከም ዘይኰነ ኽገልጸሉ ፈተንኩ። ንሱ ግን ኣይሰምዓንን።” ማርቲን ከኣ፡ “ኣብ መንጎ እቲ ቘየቛ፡ ሓቢርና ኽንነብር ከም ዘይንኽእልን ሓዳረይ ንኸይፈርስ ዝገብሮ ጻዕሪ ብላሽ ምዃኑን ክሓስብ ጀመርኩ” በለ።
ማርቲን፡ ኣኽብሮት ኪወሃቦ ይደሊ ነበረ። ማሪያ ኸኣ፡ ሰብኣያ ኺርድኣ ትደሊ ነበረት። ክልቲኦም ግን ዝደለይዎ ኣይረኸቡን።
እሞኸ ንጸገሞም ብኸመይ ኪፈትሑ ኸኣሉ፧ ማርቲን ከምዚ በለ፦ “ግዜ ወሲደ ንነብሰይ ኣህዳእኩ፣ ክልቴና ድማ፡ ነቲ ብዛዕባ ኣኽብሮትን ሕያውነትን ዚገልጽ ጥበባዊ ምኽሪ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ግብሪ ኸነውዕሎ ወሰንና። ኣብ ዘሕለፍናዮ ዓመታት፡ ሓገዝ ንምርካብ ናብ ኣምላኽ እንጽልን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ምኽሪ ኣብ ግብሪ እነውዕልን እንተ ዄንና፡ ንዝዀነ ይኹን ዜጋጥመና ጸገም ክንፈትሖ ኸም እንኽእል ተማሂርና ኢና።”—ኢሳይያስ 48:17, 18፣ ኤፌሶን 4:31, 32።
3
መረረት፦
“መጻምድተይ ግቡኡ ኣይፍጽምን እዩ።”
ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦
“ነፍሲ ወከፍና በብናይ ርእሱ ንኣምላኽ ጸብጻብ ኪህብ እዩ።”—ሮሜ 14:12።
ኣብ መንጎ ሰብ ሓዳር፡ ሓደ በይኑ ጥራይ ዚጽዕር እንተ ዀይኑ፡ ሓዳሮም እተወሰነ ጸገማት ኪህልዎ ኸም ዚኽእል ኣየጠራጥርን እዩ። ክልቲኦም ንሓድሕዶም እናተኻሰሱ ንሓዳሮም ዕሽሽ ዚብሉ እንተ ዀይኖም ከኣ፡ ዝበኣሰ እዩ ዚኸውን።
ኣብቲ መጻምድትኻ ኺገብሮ ዚግባእ ጥራይ እተተኵር እንተ ዄንካ፡ ህይወትካ ብጸበባ ኢኻ እትመልኦ። ብፍላይ፡ ንድኽመታት መጻምድትኻ ኸም ምኽኒት ጌርካ እናኣቕረብካ ግቡእኻ ዘይትፍጽም እንተ ዄንካ፡ ሓጐስ ዚበሃል ኣይክትረክብን ኢኻ። ንፉዕ ብዓል ሓዳር ክትከውን እንተ ጽዒርካ ግን፡ ሓዳርካ ኺመሓየሽ እዩ። (1 ጴጥሮስ 3:1-3) ልዕሊ ዅሉ ድማ፡ ንኣምላኽ፡ ነቲ ንሱ ዘዳለዎ ስርዓት መውስቦ ኸም እተኽብሮ ኸተርእዮን ብተግባራትካ ኸተሐጕሶን ኢኻ።—1 ጴጥሮስ 2:19።
ገሊኦም ነዚ ምኽሪ እዚ ብኸመይ ኣብ ግብሪ ኸም ዘውዓልዎ፦ ኣብ ኮሪያ ዚነብሩ ኪምን ሰብኣያን፡ ካብ ዚምርዓዉ 38 ዓመት እዮም ገይሮም። ኪም ከምዚ በለት፦ “ሓድሓደ ግዜ፡ ሰብኣየይ ብኣይ ስለ ዚሓርቕ፡ ኣየዛርበንን እዩ፣ መሕረቒኡ እውን ኣይፈልጥን እየ። እዚ ኸኣ፡ ንዓይ ዝነበረቶ ፍቕሪ ዝዘሓለት ኰይኑ ኸም ዚስምዓኒ እዩ ዚገብር። ሓድሓደ ግዜ፡ ‘ስምዒተይ ዘይርድኣለይ ክነሱ፡ ስለምንታይ እዩ ስምዒቱ ኽርድኣሉ ዚደሊ፧’ ኢለ እሓስብ እየ” በለት።
ኪም ኣብ ኣሉታዊ ዅነታትን ኣብቲ ሰብኣያ ዝነበሮ ጕድለትን ከተተኵር ምኸኣለት ነይራ። ኣብ ክንዳኡ ግን፡ ካልእ መገዲ መረጸት። ብዛዕባ እዚ ድማ ከምዚ በለት፦ “ቂም ኣብ ክንዲ ዝሕዝ፡ ሰላም ንምግባር ተበግሶ ኽወስድ ከም ዘሎኒ ተመሃርኩ። ኣብ መወዳእታኡ ኸኣ፡ ክልቴና ኽንሃድእን ብሰላማዊ መገዲ ኽንዘራረብን ከኣልና።”—ያእቆብ 3:18።
4
መረረት፦
“ሰበይተይ ተገዛኢት ኣይኰነትን።”
ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦
“ርእሲ ሰበይቲ ኸኣ ሰብኣይ።”—1 ቈረንቶስ 11:3።
ሰበይቱ ተገዛኢት ከም ዘይኰነት ዚስምዖ ሰብኣይ፡ ንሱ ንባዕሉ ነቲ ርእሱ ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ዚግዝኦ እንተ ዀይኑ፡ ኣቐዲሙ ኺምርምር ኣለዎ። ሰብኣይ ነቲ የሱስ ዝሓደጎ ኣብነት ብምስዓብ፡ ተገዛኢ ምዃኑ ኼርኢ ይኽእል እዩ።
ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “ከምቲ ክርስቶስ ንማሕበሩ ዘፍቀራ፡ ኣቱም ሰብኡት፡ ኣንስትኹም ኣፍቅሩ። . . . [ክርስቶስ] ርእሱ በጃኣ ሀበ” ኢሉ ጸሓፈ። (ኤፌሶን 5:25) የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ፡ ከምቲ ሰብኣውያን ሹማምንቲ ዚገብርዎ ገይሩ ኣይገዝኦምን። (ማርቆስ 10:42-44) ንሰዓብቱ ንጹር መምርሒ ሃቦም፣ ኣገዳሲ ኣብ ዝዀነሉ እዋን ከኣ ኣረሞም። ኰይኑ ግን፡ ኣየኽበደሎምን። ይልውሃሎምን ዓቕሞም ይርድኣሎምን ነበረ። (ማቴዎስ 11:29, 30፣ ማርቆስ 6:30, 31፣ 14:37, 38) ካብ ጥቕሚ ርእሱ ንላዕሊ፡ ንጥቕሞም ይሓሊ ነበረ።—ማቴዎስ 20:25-28።
ሰብኣይ ንርእሱ፡ ‘ብዛዕባ ርእስነትን ኰነ ብዛዕባ ኣንስቲ ዘሎኒ ኣመለኻኽታ፡ በቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ስርዓታትን ኣብነታትን ዘይኰነስ፡ ብባህሊ ዓደይ ተጸልዩ ድዩ፧’ ኢሉ ኺሓትት ኣለዎ። ንኣብነት፡ ሓንቲ ሰበይቲ ምስ ኣረኣእያ ሰብኣያ ብዘይምስምማዓ፡ ነቲ እተፈልየ ኣረኣእያኣ ብኣኽብሮት ኣትርር ኣቢላ እንተ ትገልጽ፡ ብዛዕባኣ ኸመይ ምተሰምዓካ፧ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሳራ ሰበይቲ ኣብርሃም፡ ተገዛኢት ሰበይቲ ብምዃና፡ ከም ኣብነት ጌርካ እያ ተገሊጻ ዘላ። (1 ጴጥሮስ 3:1, 6) ይኹን እምበር፡ ኣድላዪ ኣብ ዝዀነሉ እዋን—ንኣብነት፡ ኣብርሃም ንስድራ ቤቱ ኣብ ሓደጋ ዜእቱ ነገር ከይተራእዮ ኣብ ዝተረፈሉ እዋን—ሓሳባ ብትብዓት ገሊጻ እያ።—ዘፍጥረት 16:5፣ 21:9-12።
ኣብርሃም ንሳራ፡ ንምዝራቡ ኽሳዕ እትሽቝረር ኣየፍርሃን እዩ ነይሩ። ጨቋኒ ኣይነበረን። ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ምኽሪ ዚስዕብ ሰብኣይ እውን፡ ሰበይቱ ንዅሉ ቓሕታኡ ኸም እትግዝኦ ኣይገብርን እዩ። ንርእስነቱ ብርሕራሐ ብምጥቃም፡ ካብ ሰበይቱ ኣኽብሮት ይረክብ እዩ።
ገሊኦም ነዚ ምኽሪ እዚ ብኸመይ ኣብ ግብሪ ኸም ዘውዓልዎ፦ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዚነብርን ካብ ዚምርዖ ሸሞንተ ዓመት ዝገበረን ጄምስ፡ “ንሰበይተይ ከየማኸርኩ፡ ኣገዳሲ ውሳነታት ክገብር ከም ዘይብለይ እመሃር ኣለኹ። ብዛዕባ ርእሰይ ጥራይ ከይሓስብ እጽዕር ኣለኹ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ካባይ ንላዕሊ፡ ንዓኣ ቐዳምነት ክህባ እየ ዝጽዕር” በለ።
ጆርጅ ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ዚቕመጥ ኰይኑ፡ ካብ ዚምርዖ 59 ዓመት ገይሩ ኣሎ። ንሱ እውን፡ “ንሰበይተይ ከም ካልኣይ ዜጋ ዘይኰነስ፡ ከም መስተውዓሊትን ክኢላን ብጸይቲ ገይረ ኽሕዛ እየ ዝጽዕር” በለ።—ምሳሌ 31:10።
5
መረረት፦
“ሰብኣየይ ብተበግሶኡ ዋላ ሓንቲ ኣይገብርን እዩ።”
ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦
“ለባም ሰበይቲ ቤታ ትሀንጽ፡ ዓሻ ግና ብገዛእ ኢዳ ተፍርሶ።”—ምሳሌ 14:1።
ሰብኣይኪ ባዕሉ ውሳነታት ዘይገብር ወይ ንቤቱ ኣብ ምምሕዳር መሪሕ ግደ ዘይጻወት እንተ ዀይኑ፡ እንተ ወሓደ ሰለስተ ኣማራጺታት ኣሎኪ። (1) ብቐጻሊ ጕድለታቱ ኽትሕብርዮ ትኽእሊ፡ (2) ኣብ ስድራ ቤትኩም ዘለዎ ርእስነት ክትምንዝዕዮ ትኽእሊ፡ ወይ (3) ስለቲ ዚገብሮ ዝዀነ ይኹን ጻዕርታት ክትንእድዮ ትኽእሊ ኢኺ። ካብተን ቀዳሞት ክልተ ኣማራጺታት ሓንቲአን እንተ መሪጽኪ፡ ብገዛእ ኢድኪ ንቤትኪ ኸተፍርሲ ኢኺ። ነታ ሳልሰይቲ ኣማራጺ እንተ መሪጽኪ ግን፡ ንሓዳርኪ ኽትሃንጺ ወይ ከተደልድሊ ኢኺ።
ብዙሓት ሰብኡት ካብ ንፍቕሪ ንላዕሊ፡ ንኣኽብሮት እዮም ቦታ ዚህቡ። ስለዚ፡ ሰብኣይኪ ኸም እተኽብርዮ ዚስምዖ እንተ ዀይኑ—ብኻልእ ኣበሃህላ፡ ንስድራ ቤቱ ንምምራሕ ዚገብሮ ጻዕርታት ውጽኢታውን ዋጋ ዘለዎን ከም ዝዀነ ዚስምዖ እንተ ዀይኑ—ኪመሓየሽ ይኽእል እዩ። ልክዕ እዩ፡ ሓድሓደ ግዜ ምስ ሰብኣይኪ ዘይትሰማምዕሉ ዅነታት ይፍጠር እዩ። ነቲ ጕዳይ እቲ፡ ክልቴኹም ክትመያየጡሉ ኣሎኩም። (ምሳሌ 18:13) ኰይኑ ግን፡ እቲ እትጥቀምሉ ቓላት ኰነ ቓና ድምጽኺ፡ ንሓዳርኪ ኼፍርሶ ወይ ኪሃንጾ ይኽእል እዩ። (ምሳሌ 21:9፣ 27:15) ሓሳብኪ ብኣኽብሮት ግለጺ፣ ከምቲ እትደልይዮ ድማ፡ ሰብኣይኪ ንቤቱ ብጽቡቕ ዜስተናብር ኪዀነልኪ ይኽእል እዩ።
ገሊኦም ነዚ ምኽሪ እዚ ብኸመይ ኣብ ግብሪ ኸም ዘውዓልዎ፦ ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ እትነብርን ካብ እትምርዖ 30 ዓመት ዝገበረትን ሚሸል ከምዚ በለት፦ “ኣደይ ንዓይን ንኣሓተይን ብዘይ ሰብኣይ ስለ ዘዕበየትና፡ ሓያልን ብርእሳ እትመሓደርን እያ ነይራ። ኣነ ኸኣ ንባህርያታ ቐዳሕክዎ። ስለዚ ድማ፡ ኣብ ግቡእ መዳያት ተገዛኢት ንምዃን ብቐጻሊ ኽጽዕር ኣሎኒ። ንኣብነት፡ ባዕለይ ውሳነታት ኣብ ክንዲ ዝገብር፡ ንሰብኣየይ ከማኽር ከም ዘሎኒ ተማሂረ እየ።”
ኣብ ኣውስትራልያ እትነብርን ምስ ማርክ ካብ እትምርዖ 21 ዓመት ዝገበረትን ሬቸል እውን፡ ብኣተዓባብያኣ ተጸልያ እያ። ተዘክሮኣ ኽትገልጽ ከላ፡ “ኣደይ ንኣቦይ ፈጺማ ኣይትግዝኦን እያ ነይራ። ቈየቛን ንዕቀትን ልሙድ እዩ ነይሩ። ኣብ መጀመርታ ዓመታት ሓዳረይ፡ ንኣደይ መሰልክዋ። ዓመታት እናሓለፈ ምስ ከደ ግን፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ብዛዕባ ኣኽብሮት እተዋህበ ምኽሪ ኣብ ግብሪ ምውዓል ዘለዎ ኣገዳስነት ተማሂረ እየ። ሎሚ፡ ኣነን ማርክን ኣብ ሓዳርና ዝያዳ ሓጐስ ኣሎና” በለት።
6
መረረት፦
“ንገሊኡ ቕጭ ዜምጽእ ኣመላት መጻምድተይ፡ ክጾሮ ኣይከኣልኩን።”
ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦
“ንሓድሕድኩም እናተጻወርኩም፡ እቲ ሓደ ኣብቲ ሓደ ኽሲ እንተለዎ፡ ይቕረ ተባሃሀሉ።” —ቈሎሴ 3:13።
ንፈለማ ኣብ እተዓራረኽኩምሉ እዋን፡ ኣብ ጽቡቕ ባህርያት ተተኵር ስለ ዝነበርካ፡ ጕድለታት ኣይረኣየካን እዩ ነይሩ። ሕጂኸ ኸምኡ ኽትገብር ትኽእልዶ፧ መጻምድትኻ ኣሉታዊ ባህርያት ከም ዘለዎ ኣየጠራጥርን እዩ። ኰይኑ ግን፡ ንርእስኻ፡ ‘ኣበየናይ ባህርያት መጻምድተይ እየ ዘተኵር፧ ኣብ ጽቡቕዶ ወይስ ኣብ ሕማቕ፧’ ኢልካ ሕተት።
የሱስ፡ ኣብ ጕድለት ካልኦት ከነተኵር ከም ዘይብልና ኼረድእ ከሎ፡ “ኣብ ዓይንኻ ዘሎ ጕንዲ ዘይፈለጥካስ፡ ንምንታይከ ኣብ ዓይኒ ሓውካ፡ ዘሎ በሰር እትርኢ፧” ብምባል፡ ሓያል ምሳሌ ተጠቒሙ ኣሎ። (ማቴዎስ 7:3) በሰር ንእሽቶ ሓሰር ኪኸውን ይኽእል እዩ። በቲ ኻልእ ሸነኽ ግን፡ ጕንዲ ንናሕሲ ቤት ዚጸውር ረጕድ ዕንጨይቲ እዩ። የሱስ ኬመሓላልፎ ደልዩ ዝነበረ መልእኽቲ፡ “ቅድም ካብ ዓይንኻ ጕንዲ ኣውጽእ። ሽዑ ኻብ ዓይኒ ሓውካ በሰር ንምውጻእ ኣጸቢቕካ ትርኢ” ብዚብላ ቓላት ገሊጽዎ ኣሎ።—ማቴዎስ 7:5።
የሱስ ነዛ ምሳሌ እዚኣ ቕድሚ ምምሳሉ፡ “ብዝፈረድኩምዎ ፍርዲ ኺፍረደኩም . . . እዩ እሞ፡ ከይፍረደኩም ኣይትፍረዱ” ብምባል፡ ሓያል መጠንቀቕታ ሂቡ እዩ። (ማቴዎስ 7:1, 2) ኣምላኽ ንጕድለታትካ፡ ማለት ነቲ ኣብ ዓይንኻ ዘሎ ጕንዲ፡ ኪሓልፎ ትደሊ እንተ ዄንካ፡ ንስኻ እውን ንጕድለት መጻምድትኻ ኽትሓልፎ ኣሎካ።—ማቴዎስ 6:14, 15።
ገሊኦም ነዚ ምኽሪ እዚ ብኸመይ ኣብ ግብሪ ኸም ዘውዓልዎ፦ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ እትነብርን ምስ ሳይመን ካብ እትምርዖ ትሽዓተ ዓመት ዝገበረትን ጀኒ ኸምዚ በለት፦ “ሰብኣየይ ኣቐዲሙ መደብ ዘየውጽእን ንጕዳያት ኣብ መወዳእታ ደቒቕ ዚሕዞን ምዃኑ ኣዝዩ ኸም ዜበሳጭወኒ ተገንዚበ እየ። እቲ ዜገርም ከኣ፡ ዕርክነት ኣብ ዝመስረትናሉ እዋን፡ ብቕጽበት ስጕምቲ ዚወስድ ምንባሩ እፈትዎ ነይረ እየ። ይኹን እምበር፡ ኣነ እውን ቍጽጽር አብዝሕ ምዃነይን ካልእ ጕድለታት ከም ዘሎንን ፈሊጠ ኣለኹ። ኣነን ሳይመንን ንደቀቕቲ ዘይፍጽምናታት ዕሽሽ ምባል ተማሂርና ኢና።”
ሰብኣይ እታ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰት ሚሸል ዝዀነ ኩርት፡ “ኣብቲ ቕጭ ዜምጽእ ባህርያት መጻምድትኻ እንተ ኣተኲርካ፡ እቲ ጕድለታት እናዓበየ ዚኸይድ እዩ ዚመስለካ። ኣነ ኣብቲ ኣብ ፈለማ ንሚሸል ከም ዘፍቅራ ዝገበረኒ ባህርያት እየ ዘተኵር” በለ።
ምስጢር ዓወት
እዚ ኣብዚ ተጠቒሱ ዘሎ ሒደት ኣብነታት፡ ኣብ ሓዳር ዜጋጥም ጸገም ኪውገድ እኳ እንተ ዘይተኻእለ፡ ኪስገር ግን ከም ዚከኣል የጕልሕ። ኣብ ሓዳር ዕዉት ንኽትከውን ዜኽእል ምስጢር እንታይ እዩ፧ ነቲ ንኣምላኽ ዘሎካ ፍቕርን ነቲ ኣብ ቃሉ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ምኽሪ ኣብ ግብሪ ንኸተውዕሎ ዘሎካ ፍቓደኛነትን ኣማዕብሎ።
ኣብ ናይጀርያ ዚነብሩን ካብ ዚምርዓዉ ልዕሊ 20 ዓመት ዝገበሩን ኣሌክስን ኢቶሃንን ነቲ ምስጢር እቲ ፈሊጦምዎ እዮም። ኣሌክስ ብዛዕባ እዚ ኺገልጽ ከሎ፡ “ሰብ ሓዳር ንስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ግብሪ እንተ ኣውዒሎም፡ ዳርጋ ዅሉ ኣብ ሓዳር ዜጋጥም ጸገማት ይፍታሕ እዩ” በለ። ሰበይቱ ኸኣ፡ “ኣዘውቲርካ ብሓባር ምጽላይ፡ ከምኡውን ንሓድሕድና ኻብ ልቢ ንኽንፋቐርን ንኽንተዓጋገስን እተዋህበና መጽሓፍ ቅዱሳዊ ማዕዳ ኣብ ግብሪ ምውዓል ኣገዳሲ ምዃኑ ተማሂርና ኢና። ሎሚ፡ ካብቲ እተመርዓናሉ እዋን ዝወሓደ ጸገማት ኣሎና” በለት።
ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ ግብራዊ ምኽሪ ንስድራ ቤትካ ብኸመይ ኪጠቅም ከም ዚኽእል ብዝያዳ ኽትፈልጥ ትደሊዶ፧ ትደሊ እንተ ዄንካ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ ኣብታ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧b ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ኣብ ምዕራፍ 14 ዚርከብ ሓሳባት ኬመያይጡኻ ሕተቶም።
[እግረ-ጽሑፋት]
a ገሊኡ ስማት ተቐዪሩ እዩ።
b ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት።
[ኣብ ገጽ 4 ዘሎ ስእሊ]
ብሓባር እነሕልፎ ግዜ ንምድብ ዲና፧
[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ስእሊ]
ካብቲ ዝቕበሎ ንላዕሊ ኽህብ እጽዕር ድየ፧
[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ስእሊ]
ዘይምርድዳእ ንምድቃስ ተበግሶ እወስድ ድየ፧
[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]
ውሳነ ቕድሚ ምግባረይ፡ ንርእይቶ ሰበይተይ ኣብ ግምት አእቱ ድየ፧
[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ስእሊ]
ኣብ ጽቡቕ ባህርያት መጻምድተይ አተኵር ድየ፧