ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w11 1/2 ገጽ 10-13
  • መጽሓፍ ቅዱስ ንህይወት ሰባት ይቕይር

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • መጽሓፍ ቅዱስ ንህይወት ሰባት ይቕይር
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • መጽሓፍ ቅዱስ ንህይወት ሰባት ይቕይር
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
  • መጽሓፍ ቅዱስ ንህይወት ሰባት ይቕይር
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
  • መጽሓፍ ቅዱስ ንህይወት ሰባት ይቕይር
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
  • መጽሓፍ ቅዱስ ንህይወት ሰባት ይቕይር
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2010
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
w11 1/2 ገጽ 10-13

መጽሓፍ ቅዱስ ንህይወት ሰባት ይቕይር

ሓንቲ እትጻረፍን ብዙሕ እትሰትን ሓሽሽ እትወስድን ዝነበረት ኣብ ባር እትሰርሕ ኣሰላፊት፡ ህይወታ ኽትቅይር ዝኸኣለት ብኸመይ እያ፧ ቀደም ፖለቲከኛ ዝነበረ ሃይማኖት ዚጸልእ ሰብኣይ፡ ሃይማኖታዊ ኣገልጋሊ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ ሓደ ኣብ ሓይሊ ፖሊስ ሩስያ፡ ኢድ ብኢድ ናይ ዚግበር ቃልሲ መምህር ዝነበረ ሰብ፡ ናይ የሆዋ ምስክር ምእንቲ ኪኸውን፡ እንታይ ብድሆታት እዩ ሰጊሩ፧ እዞም ሰባት እዚኣቶም እንታይ ከም ዝበሉ እስከ ንርአ።

“ኣነን ኣደይን ጽቡቕ ርክብ ኣሎና።”—ናታሊ ሃም

ዓመተ ልደት፦ 1965

መበቈል ሃገር፦ ኣውስትራልያ

ታሪኽ፦ ሓሽሽ እትወስድ

ሕሉፍ ህይወተይ፦ ኣብታ ኣብ ደቡብ ኣውስትራልያ እትርከብ ዓሳ ዚግፈፈላ ሮብ እትበሃል ንእሽቶ ኸተማ እየ ዓብየ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ማሕበረሰብ፡ መብዛሕትኡ እዋን ሰባት ኣብቲ ኸባቢ ኣብ ዚርከብ ሆቴል ተራኺቦም እዮም ግዜ ዜሕልፉ። ወለዲ ኣብቲ ሆቴል ብዙሕ ግዜ ስለ ዜጥፍኡ፡ ደቆም፡ ምብዛሕ ኣልኮላዊ መስተን ሕማቕ ዘረባን ምትካኽ ሽጋራን ኣብ ዚበዝሖ ሃዋህው እዮም ዚዓብዩ።

ጓል 12 ዓመት ከለኹ፡ ሽጋራ አትክኽ፡ ማእለያ ዘይብሉ ጽዩፍ ዘረባ እዛረብ፡ ምስ ኣደይ ከኣ ኵሉ ሳዕ እበኣስ ነበርኩ። ጓል 15 ዓመት ምስ ኰንኩ፡ ወለደይ ተፈላለዩ፣ ድሕሪ ዓመትን መንፈቕን ድማ፡ ካብ ቤት ወጻእኩ። ኣልኮላዊ መስተ አብዝሕ፡ ሓሽሽ እወስድ፡ ርኹስ ኣነባብራ ድማ እነብር ነበርኩ። ቍጥዕትን ምድረ-ሰማይ ዝጸልመተንን ነበርኩ። ይኹን እምበር፡ ማርሻል ኣርትን ደቂ ኣንስትዮ ንገዛእ ርእሰን ዚከላኸላሉ ስልጠናን ንሓሙሽተ ዓመት ስለ እተመሃርኩ፡ ንርእሰይ ክከላኸለላ ዝኽእል ኰይኑ ተሰምዓኒ። በይነይ ክኸውን ከለኹ ግን፡ እጕህን ምእንቲ ኺሕግዘኒ ናብ ኣምላኽ እጽልን ነበርኩ። “ናብ ቤተ-ክርስትያን ክኸይድ ጥራይ ኣይትሕተተኒ” ኢለ እጽሊ ነበርኩ።

ድሕሪ ግዜ፡ ሓደ ሃይማኖታዊ ኽነሱ፡ ኣባል ዝዀነት ትኹን ቤተ-ክርስትያን ዘይኰነ ፈታውየይ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ሃበኒ። ንሱ እውን ከም ካልኦት ፈተውትና፡ ሓሽሽ የትክኽ ነበረ። ኰይኑ ግን፡ ካብ ልቡ ኣብ ኣምላኽ ከም ዚኣምን ይዛረብ ነበረ፣ ንዓይ ድማ ንኽጥመቕ ኣእመነኒ። ኣብቲ ኸባቢ ናብ ዚርከብ ቀላይ ወሲዱ ድማ ኣጠመቐኒ። ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዙ፡ ምስ ኣምላኽ ፍሉይ ርክብ ዘሎኒ ዀይኑ ይስምዓኒ ነበረ። ይኹን እምበር፡ መጽሓፍ ቅዱስ ንኸንብብ ግዜ ኣይረክብን እየ ነይረ።

መጽሓፍ ቅዱስ ንህይወተይ ዝቐየረሉ መገዲ፦ ብ1988 ክልተ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ናብ ቤተይ መጹ። ሓደ ኻብኦም ድማ፡ “ስም ኣምላኽ ትፈልጥዮዶ፧” ኢሉ ሓተተኒ። ድሕሪኡ፡ ካብ መጽሓፍ ቅዱሱ መዝሙር 83:18 ኣንበበለይ። እታ ጥቕሲ፡ “ንስኻ፡ ጐይታ [“የሆዋ፡” NW] ዝስምካ፡ በይንኻ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ምድሪ ልዑል ከም ዝዀንካ፡ ይፍለጡ” ትብል። ነዚ ምስ ሰማዕኩ፡ ኣዝየ ተገረምኩ። እቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምስ ከዱ፡ ነቲ ስም ኣብ ካልእ ትርጕማት መጽሓፍ ቅዱስን ኣብ መዝገበ-ቓላትን ምእንቲ ኽርእዮ፡ ብማኪና ገይረ ናብ ሓደ 56 ኪሎ ሜተር ርሒቑ ዚርከብ ክርስትያናዊ መጻሕፍቲ ዚሽየጠሉ ቦታ ኸድኩ። ስም ኣምላኽ፡ የሆዋ ኸም ዝዀነ ንርእሰይ ምስ ኣእመንክዋ፡ ‘ካልእ ዘይፈልጦኸ ይህሉ ደዀን ይኸውን፧’ ኢለ ንርእሰይ ሓተትኩ።

ኣደይ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ስግንጢር ከም ዝዀኑ ገይራ ትነግረኒ ነበረት። ካብቲ ብዛዕባኦም ዝነበረኒ ውሱን ኣፍልጦ ተበጊሰ፡ ከም ድሑራትን ምዝንጋዕ ዘይፈልጡን ገይረ እርእዮም ነበርኩ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ፡ ናብ ቤተይ እንተ መጺኦም ከጽቅጥ ሓሰብኩ። ምስ መጹ ግን፡ ሓሳበይ ቀዪረ፡ ኪኣትዉ ዓደምክዎም፣ ሽዑ ንሽዑ ኸኣ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጀመርና።

ደድሕሪ ነፍሲ ወከፍ መጽናዕቲ፡ ነቲ ክሬግ ዝስሙ ዓርከይ ብዛዕባ እቲ እተመሃርክዎ እነግሮ ነበርኩ። ኣብ መወዳእታ ግን፡ በዚ ስለ ዝሓረቐ፡ ነታ ንመጽናዕቲ እንጥቀመላ ዝነበርና መጽሓፍ ወሲዱ፡ ባዕሉ ኼንብባ ጀመረ። ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ቕነ፡ ነታ ብዛዕባ ኣምላኽ እትገልጽ ሓቂ ኸም ዝረኸባ ደምደመ። ኣብ መወዳእታ፡ ኣነን ክሬግን፡ ሓሽሽ ምውሳድን ኣልኮላዊ መስተ ምብዛሕን ሓደግናዮ፣ ኣነ ኸኣ ነቲ ኸም ኣሰላፊት ኰይነ ኣብ ባር ዝሰርሖ ዝነበርኩ ስራሕ ኣቋረጽክዎ። ንናብራና ምስ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ምእንቲ ኸነሰማምዖ፡ ክንምርዖ ወሰንና።

ዝረኸብክዎ ጥቕሚ፦ ኣነን ክሬግን ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ዝጀመርናሉ እዋን፡ ክንፈላለ ቝሩብ እዩ ተሪፉና ነይሩ። ሎሚ ግን፡ ክሬግ ንፉዕ ሰብኣይ እዩ፣ ክልተ ምጩዋት ውሉዳት ድማ ኣለዉና። ከም ናትና ዓይነት እምነት ዘለዎም ኣኽቢርና እንርእዮም ፈተውቲ እውን ኣለዉና።

ኣደይ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እሓብር ከም ዘለኹ ምስ ፈለጠት፡ ኣብ ፈለማ ኣዝያ ሓረቐት። ይኹን እምበር፡ ብዘይፍላጥ እዩ ኸምኡ ዚስምዓ ነይሩ። ሕጂ ኣነን ኣደይን ጽቡቕ ርክብ ኣሎና። እቲ ዚስምዓኒ ዝነበረ ናይ ባዶነት ስምዒት ጠፊኡ እዩ። ትርጕምን ዕላማን ብዘለዎ መገዲ ድማ እየ ህይወተይ ዝመርሕ ዘለኹ፣ ብመንፈሳዊ ዜድልየኒ ዘበለ እተማልኣለይ ኰይኑ ኸኣ እዩ ዚስምዓኒ።—ማቴዎስ 5:3።

“ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ብዙሕ ዜደንቕ ነገራት እየ ተማሂረ።”—ኢዛካላ ፓንዪ

ዓመተ ልደት፦ 1939

መበቈል ሃገር፦ ቱቫሉ

ታሪኽ፦ ፖለቲከኛ

ሕሉፍ ህይወተይ፦ ኣብታ ሕጂ ኽፋል ቱቫሉ ዝዀነት፡ ኣብ ደሴት ፓሲፊክ እትርከብ ኑኩላይላይ እየ ተወሊደ። ኣብተን ደሴታት ዝነበረ ህይወት፡ በቶም ኣብ ሳሞዋ ሃይማኖታዊ ስልጠና ዚወሃቦም ፓስተራት እተዓብለለ እዩ ነይሩ። ተቐማጦ እተን ደሴታት፡ ነቶም ፓስተራትን ንስድራ ቤቶምን ናይ ምምጋብ፡ መዕረፊ ናይ ምድላው፡ ሕሉፍ ሓሊፉ እውን ዘዝበለጸ ናይ ምሃብ ሓላፍነት ነበሮም። ንስድራ ቤቶም ዚኸውን እኹል ምግቢ ዋላ ኣይሃልዎም፡ ነቶም ፓስተራት ምግቢ ኼዳልዉሎም ይግደዱ ነበሩ።

ኣብታ ኣነ ዝነብረላ ዝነበርኩ ደሴት ዝነበረ ፓስተር፡ ኣብታ ቝሸት ንዝነበረት ቤት ትምህርቲ የካይዳ ነበረ፣ ሃይማኖትን ሕሳብን እተወሰነ ጂኦግራፍን ድማ ይምህር ነበረ። ሓድሓደ ግዜ፡ እቲ ፓስተር ነቶም ተመሃሮ ደም ክሳዕ ዚወጹ ኪቕጥቅጦም ከሎ ትዝ ይብለኒ። ዝዀነ ይኹን ሰብ፡ እንተላይ እቶም ወለዲ ኣይተቓወምዎን። እቲ ፓስተር ልክዕ ከም ኣምላኽ ይፍራህ ነበረ።

ወዲ ዓሰርተ ዓመት ምስ ኰንኩ፡ ኣብ ካልእ ደሴት ኣብ እትርከብ ናይ መንግስቲ ቤት ትምህርቲ ኣተኹ። ትምህርቲ ምስ ወዳእኩ፡ ኣብ ቤት ጽሕፈት መንግስቲ ኽሰርሕ ጀመርኩ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ እተን ጊልበርትን ኤሊስን ዚበሃላ ዝነበራ ደሴታት፡ ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ብሪጣንያ እየን ነይረን። ኣሰናዳዊ እታ ሰሙናዊ እትሕተም ዝነበረት መንግስታዊት ጋዜጣ ቕድሚ ምዃነይ፡ ኣብ እተፈላለየ ኽፍልታት ሰሪሐ እየ። ልዑል ወልስ ንዚገብሮ ምብጻሕ ኣብ ምድላው ይወጽእ ብዛዕባ ዝነበረ ገንዘብ ዚነቅፍ፡ ካብ ሓደ ኣንባቢ እተላእከት ደብዳበ ኽሳዕ ዜሕትም፡ ኵሉ ብጽቡቕ ይኸይድ ነበረ። ጸሓፊ እታ ደብዳበ ናይ ሓሶት ስም ተጠቒሙ ስለ ዝጸሓፋ፡ ሓላፍየይ ናይ ሓቂ ስሙ ኺፈልጥ ደለየ። ኣነ ግን ክነግሮ ኣይደለኹን፡ እዚ ኸኣ ኣብ ኵሉ ተፈልጠ።

እዚ ኻብ ዜጋጥም ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ነቲ ስራሕ እቲ ገዲፈ፡ ኣብ ፖለቲካ ኣተኹ። ኣብ ኑኩላይላይ ተወዳዲረ ስለ ዝሰዓርኩ፡ ሚኒስተር ንግድን ባህርያዊ ጸጋታትን ኰይነ ተሸምኩ። ጸኒሑ፡ ተቐማጦ ደሴታት ኪሪባቲን (ጊልበርት እትበሃል ዝነበረት) ቱቫሉን (ኤሊስ እትበሃል ዝነበረት) ካብ ግዝኣት ብሪጣንያ ናጻ ምስ ኰኑ፡ ሓላፊ ምምሕዳር ቱቫሉ ክኸውን በቲ ኣመሓዳሪ ጻውዒት ቀረበለይ። ኣነ ግን ምስ ባዕዳዊ ምምሕዳር ክተናኸፍ ስለ ዘይደለኹ፡ ኣበኹ፣ ዝለዓለ ፖለቲካዊ ስልጣን ምእንቲ ኽረክብ ድማ፡ ብውልቀይ ተወዳደርኩ። ኰይኑ ግን፡ ኣይተዓወትኩን። ድሕርዚ፡ ምስ ሰበይተይ ናብታ እተወለድኩላ ደሴት ተመሊሰ፡ ንቡር ህይወት ክነብር ወሰንኩ።

መጽሓፍ ቅዱስ ንህይወተይ ዝቐየረሉ መገዲ፦ ኣብተን ደሴታት፡ ንሰንበት ከም ቅድስቲ ገይሮም ዚርእይዋ ተቐማጦ እኳ እንተ ነበሩ፡ ኣነ ግን ከምኡ ዓይነት ኣረኣእያ ኣይነበረንን። ኣብታ መዓልቲ እቲኣ፡ ኣብ ባሕሪ እጓዓዝን ዓሳ እገፍፍን ነበርኩ። ከም ሃይማኖተኛ ኽፍለጥ ኣይደልን እየ ነይረ። ኣቦይ፡ እቲ ተግባረይ ንዕኡን ንኻልኦትን ከም ዘጕሃዮም ነገረኒ። ኣነ ግን ኣብ ትሕቲ ጽልዋ ቤተ-ክርስትያን ከይኣቱ ቘሪጸ እየ ነይረ።

ሓደ እዋን፡ ናብታ ርእሲ ኸተማ ቱቫሉ ዝዀነት ደሴት ፉናፉቲ ምስ ከድኩ፡ ምንኣሰይ ሓወይ ናብ ኣኼባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምስኡ ክኸይድ ዓደመኒ። ድሕሪኡ፡ ሓደ ናይ የሆዋ ምስክር ሚስዮናዊ፡ ብዙሕ መጽሔታት ግምቢ ዘብዐኛን ንቕሑ!ን ሃበኒ። ብዙሓት ኣብያተ-ክርስትያን ዚምህራኦ ሰረተ-እምነት፡ ኣረማዊ ምዃኑ እተቃልዕ መጽሓፍ እውን ሃበኒ። ነታ መጽሓፍ ብተደጋጋሚ ኣንበብክዋ። ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ብዙሕ ዜደንቕ ነገራት እየ ተማሂረ፣ ክርስትያናት ሰንበት ናይ ምሕላው ግዴታ ኸም ዘይብሎም እውን ፈለጥኩ።a ንሰበይተይ ነዚ ዅሉ ነጥብታት ምስ ነገርክዋ፡ ብኡብኡ ናብ ቤተ-ክርስትያን ምኻድ ኣቋረጸት።

ኣነ ግን፡ ካብ ሃይማኖት ክርሕቕ እየ ወሲነ ነይረ። ክልተ ዓመት እኳ እንተ ሓለፈ፡ ነቲ እተመሃርክዎ ግን ክርስዖ ኣይከኣልኩን። ኣብ መወዳእታ፡ ናብቲ ኣብ ፉናፉቲ ዚነብር ዝነበረ ሚስዮናዊ ጽሒፈ፡ ለውጢ ኽገብር ከም ዝደሊ ነገርክዎ። ንሱ ድማ ብጃልባ ገይሩ ብምምጻእ፡ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ብዝያዳ ኽመሃር ሓገዘኒ። ኣቦይ፡ ናይ የሆዋ ምስክር ክኸውን ከም ዝደለኹ ምስ ፈለጠ፡ ኣመና እኳ እንተ ሓረቐ፡ ካብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ብዙሕ ከም እተመሃርኩ፡ ናይ የሆዋ ምስክር ክኸውን ከኣ ከም ዝቘረጽኩ ነገርክዎ።

ዝረኸብክዎ ጥቕሚ፦ ብ1986 ናይ የሆዋ ምስክር ኰይነ ተጠመቕኩ፣ ሰበይተይ ድማ ንዓመታኡ ተጠምቀት። ክልቲአን ደቅና እውን መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህሮ ፈሊጠን፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኪዀና ወሰና።

ሕጂ ልክዕ ከምቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት፡ ኣባል እቲ ኣቕሽሽትን ምእመናን ዚብል ምክፍፋል ዘይብሉ ሃይማኖት ክኸውን ብምኽኣለይ ሕጉስ እየ። (ማቴዎስ 23:8-12) ኣባላት እዚ ሃይማኖት እዚ፡ ንኣብነት የሱስ ብትሕትና ይቐድሑ፡ ንኻልኦት ድማ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ይሰብኩ እዮም። (ማቴዎስ 4:17) የሆዋ ኣምላኽ ብዛዕባኡን ብዛዕባ ህዝቡን እቲ ሓቂ ኽፈልጥ ስለ ዝፈቐደለይ፡ ኣዝየ እየ ዘመስግኖ።

“እቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር እንታይ ክኣምን ከም ዘሎኒ ኣይነገሩንን።”—ኣለክሳንደር ሶስኮቭ

ዓመተ ልደት፦ 1971

መበቈል ሃገር፦ ሩስያ

ታሪኽ፦ ኢድ ብኢድ ናይ ዚግበር ቃልሲ መምህር

ሕሉፍ ህይወተይ፦ ኣብታ ርእሲ ኸተማ ሕብረት ሶቭየት ዝነበረት ሞስኮ እየ ተወሊደ። ስድራ ቤተይ ኣብ ሓደ ዓብዪ ኣፓርታማ ይነብሩ ነበሩ፣ ብዙሓት ጐረባብትና ኸኣ ኣብ ሓደ ፋብሪካ ይሰርሑ ነበሩ። ኣዝየ ውዑይ ስለ ዝነበርኩ፡ እቶም ጐረባብትና፡ ወይ ብቝልዕነተይ ከም ዝመውት ወይ ከኣ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኸም ዝበሊ ኺዛረቡ ትዝ ይብለኒ። አረ ገና ወዲ ዓሰርተ ዓመት ከለኹ ምስ ፖሊስ ተባኢሰ እፈልጥ እየ።

ወዲ 18 ዓመት ምስ ኰንኩ፡ ብግዲ ኣብ ውትህድርና ስለ እተዓስከርኩ፡ ሓላው ዶብ ኰይነ ኣገልገልኩ። ድሕሪ ኽልተ ዓመት ናብ ቤተይ ተመሊሰ፡ ኣብ ሓደ ፋብሪካ ኽሰርሕ እኳ እንተ ጀመርኩ፡ እቲ ስራሕ ሰልከየኒ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ፡ ኣባል እቶም ናዕቢ ዚቈጻጸሩ ፖሊስ ሞስኮ ዀንኩ፣ ኣብኡ ኸኣ ኢድ ብኢድ ናይ ዚግበር ቃልሲ መምህር ኰይነ ሰራሕኩ። ኣብ ሞስኮ ዚርከቡ ገበነኛታት ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ኸም ዚኣትዉ ገይረ እየ፣ ናዕቢ ናብ ዘጋጠመሉ ኽፋል ሩስያ እውን ተጓዒዘ እየ። እዚ ኸኣ ኣብ ውሽጠይ፡ ከም እተጨበጠ ሞላ ዝዓይነቱ ውጥረት ፈጠረለይ። ናብ ቤት ምስ ተመለስኩ፡ ደቂሰ ኸለኹ ብዘይ ልበይ ንሰበይተይ ምእንቲ ኸይጐድኣ፡ ሓድሓደ ግዜ ኻብኣ ተፈልየ እየ ዚድቅስ ነይረ።

መጽሓፍ ቅዱስ ንህይወተይ ዝቐየረሉ መገዲ፦ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምስ ጀመርኩ፡ እቲ ዓመጽ ዝመልኦ ናብራይ ምስ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዘይሰማማዕ ተገንዘብኩ። ሽጋራ ምትካኽ ከቋርጽ ከም ዘሎንን ኣልኮላዊ መስተ ኼብዝሕ ከም ዘይብለይን እውን ተረዳእኩ። ይኹን እምበር፡ ንስድራ ቤተይ ንኽከናኸን ዜኽእለኒ ኻልእ ክእለት ስለ ዘይነበረኒ፡ ስራሐይ ክቕይር ከም ዘይብለይ ሓሰብኩ። ከም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክሰብኽ ዘይክእል ኰይኑ እውን ተሰምዓኒ።

ጸኒሐ ግን፡ ጸብጻብ መጽሓፍ ቅዱስ ቅኑዕ ምዃኑ ኣመንኩ። እቲ ኣብ ህዝቅኤል 18:21, 22 ዚርከብ ሓሳብ ድማ ኣጸናንዓኒ። እታ ጥቕሲ፡ “እቲ ረሲእ ካብቲ ዝገበሮ ዅሉ ሓጢኣቱ እንተ ተመልሰ፡ . . . ካብቲ ዝጋሀሶ ምግሃስሲ ሓንቲ እኳ ኣይክትዝከረሉን” ትብል።

እቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ እንታይ ክኣምን ከም ዘሎኒ ኣይነገሩንን፣ የግዳስ፡ ብዛዕባ እቲ ዝመሃሮ ዝነበርኩ ኽሓስብ እዮም ሓጊዞምኒ። ዳርጋ 40 ወይ ካብኡ ንላዕሊ ዚኸውን መጽሔታት ወሲደ፡ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ቕነ ኣንቢበ ወዳእክዎ። እቲ ዝመሃሮ ዝነበርኩ ድማ፡ ነታ ናይ ሓቂ ሃይማኖት ከም ዝረኸብክዋ ኣእመነኒ።

ዝረኸብክዎ ጥቕሚ፦ ኣነን ሰበይተይን መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ቅድሚ ምጅማርና፡ ክንፋታሕ ቍሩብ እዩ ተሪፉና ነይሩ። ሕጂ ግን ሓዳርና ተመሓይሹ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ከጽንዕ ምስ ጀመርኩ፡ ሰበይተይ እውን ሓበረትኒ፡ ሓቢርና ንየሆዋ ኸነገልግል ከኣ ወሰንና። ሕጂ ናብራ ስድራ ቤትና ሓጐስ ዝመልኦ እዩ። ኣነ እውን ምስ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ዘይጋጮ ስራሕ ረኸብኩ።

ቅድሚ ሕጂ ዝነበረኒ እተዋህለለ ስምዒት ከይግንፍል ስለ ዝፈርህ፡ ፈለማ ኻብ ቤት ናብ ቤት ኣብ ዚግበር ዕዮ ስብከት ኣብ እተኻፈልኩሉ እዋን፡ ተጨኒቐ እየ። ሕጂ ግን፡ ሓደ ሰብ ኬቘጥዓኒ እውን እንተ ፈተነ፡ ህድእ ክብል እኽእል እየ። ቀስ ብቐስ ምስ ሰባት ኣብ ዘሎኒ ርክብ ዓቃል ክኸውን ክኢለ እየ። ንመብዛሕትኡ ህይወተይ ስለ ዘባኸንክዎ እሓዝን እኳ እንተ ዀንኩ፡ ሕጂ ግን ትርጕም ዘለዎ ህይወት ዝነብር ዘለኹ ዀይኑ እዩ ዚስምዓኒ። ነቲ ዘሎኒ ጕልበት፡ ንየሆዋ ኣምላኽ ኣብ ምግልጋልን ንኻልኦት ኣብ ምሕጋዝን አውዕሎ ምህላወይ የሐጕሰኒ እዩ።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ነታ ኣብ ናይ 1 ለካቲት 2010 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ፡ ኣብ ገጽ 11-15 ዝወጸት፡ “ሰንበት ክትሕሉ ኣሎካ ድዩ፧” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ