ስምረት ኣምላኽ ናብ ናይ ዘለኣለም ህይወት ይመርሕ
“ንጻድቕ ትባርኾ ኢኻ እሞ፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ ከም ብዋልታ ብጸጋ [“ብስምረት፡” NW] ትኸቦ።”—መዝ. 5:12።
1, 2. ኤልያስ ነታ ኣብ ሰራጵታ ዝነበረት መበለት እንታይ ክትገብረሉ እዩ ዝሓተታ፧ እንታይ መረጋገጺኸ ሃባ፧
ሓንቲ ሰበይትን ወዳን ሓደ ነብዪ ኣምላኽን ጠምዮም ነበሩ። እዛ ኣብ ሰራጵታ ዝነበረት መበለት፡ ምግቢ ንምስራሕ ዚኸውን ዕንጨይቲ ኽትኣሪ ኸላ፡ ነብዪ ኤልያስ ማይን እንጌራን ክትህቦ ሓተታ። ዚሰትዮ ማይ ክትህቦ እኳ ፍቓደኛ እንተ ነበረት፡ “ብጀካ ሸልገት ሓርጭ ኣብ ዕትሮ፡ ሒደት ዘይቲ ኣብ መቐርሰሚቶ፡” ካልእ ዚብላዕ ኣይነበራን። ነቲ ነብዪ ኸኣ፡ ክትህቦ እትኽእል እኹል ምግቢ ኸም ዘይብላ ነገረቶ።—1 ነገ. 17:8-12።
2 ሽዑ ኤልያስ፡ “ቅድም . . . ንኣይ ካብኡ ንእሽቶ ቕጫ ሰንኪትኪ ኣምጽእለይ፡ ድሕሪኡ ድማ ንኣኽን ንወድኽን ሰንክቲ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዚ ይብል አሎ እሞ፤ ክሳዕ እታ እግዚኣብሄር ንምድሪ ዝናም ዜዝንመላ መዓልቲ ሓርጭ ካብ ዕትሮ ኣይውዳእን፡ እቲ ዘይቲውን ካብ መቐርሰሚቶ ኣይጐድልን” በላ።—1 ነገ. 17:13, 14።
3. ኣብ ቅድሜና እንታይ ኣገዳሲ ጕዳይ እዩ ቐሪቡልና ዘሎ፧
3 እቲ ነታ ሰበይቲ ዝቐረበላ ውሳነ ዚሓትት ጕዳይ፡ ነቲ ዝነበራ ሒደት ምግቢ ምሃብ ወይ ዘይምሃብ ጥራይ ኣይነበረን። የሆዋ ንዓኣን ንወዳን ኬድሕኖም ከም ዚኽእል እምነት ነይርዋ ድዩ፧ ወይስ ነቲ ዜድልያ ስጋዊ ነገራት፡ ስምረት ኣምላኽ ካብ ምርካብ ንላዕሊ ገይራ እያ እትምልከቶ ነይራ፧ ንዓና እውን ከምኡ ዓይነት ውሳነ ምግባር ዚሓትት ጕዳይ ቀሪቡልና ኣሎ። ካብ ስጋዊ ነገራት ንላዕሊ ስምረት የሆዋ ኽንረክብ ድዩ ዝያዳ ዜተሓሳስበና፧ ኣብ ኣምላኽ ዘይንውከለሉን ንዕኡ ዘይነገልግለሉን ምንም ምኽንያት የብልናን። ስምረት ኣምላኽ ንምድላይን ንምርካብን ክንወስዶ እንኽእል ስጕምትታት እውን ኣሎ።
‘ኣምልኾ ንምውሳድ ብቑዕ ኢኻ’
4. የሆዋ፡ ኣምልኾ ኺወስድ ብቑዕ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧
4 የሆዋ፡ ደቂ ሰብ ንዕኡ ብቕቡል መገዲ ኼምልኽዎ መሰል ኣለዎ። ኣብ ሰማይ ዚነብሩ ኣገልገልቱ፡ “ዎ ጐይታናን ኣምላኽናን፡ ንብዘሎ ንስኻ ፈጢርካዮ፡ ስለ ፍቓድካውን ኰይኑን ተፈጢሩን እዩ እሞ፡ ንስኻ ኽብርን ስብሓትን ስልጣንን ንምውሳድ ብቑዕ ኢኻ” ብምባል ብሓደ ኣፍ ኰይኖም ነዚ ሓቂ እዚ ኣረጋጊጾምዎ እዮም። (ራእ. 4:11) የሆዋ ንዅሉ ነገራት ስለ ዝፈጠረ፡ ኣምልኾ ኺወስድ ብቑዕ እዩ።
5. ፍቕሪ ኣምላኽ ንየሆዋ ኸነገልግሎ ዚድርኸና ስለምንታይ እዩ፧
5 ንየሆዋ ኸነገልግሎ ዚድርኸና ኻልእ ምኽንያት ከኣ፡ እቲ መወዳድርቲ ዘይብሉ ፍቕሩ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ኣምላኽ ድማ ብመልክዑ ሰብ ፈጠረ። ብመልክዕ ኣምላኽ ፈጠሮ። ተባዕታይን ኣንስተይትን ገይሩ ፈጠሮም” ይብል። (ዘፍ. 1:27) ሰብ ናይ ምሕሳብን ውሳነታት ናይ ምግባርን ክእለት ስለ እተዋህቦ፡ ንኺመርጽ መሰልን ሓላፍነትን ኣለዎ። የሆዋ ንደቂ ሰብ ህይወት ስለ ዝሃበና፡ ኣቦና እዩ። (ሉቃ. 3:38) ልክዕ ከምቲ ሓደ ሕያዋይ ኣቦ ዚገብሮ፡ የሆዋ እውን ንኣወዳቱን ንኣዋልዱን ብህይወት ከም ዚሕጐሱ ዚገብር ሓያሎ ነገራት ሂብዎም እዩ። ምድሪ ኣብ ጽቡቕ ከባቢ ብዙሕ እኽሊ ምእንቲ ኸተፍርየልና፡ ‘ጸሓይ የብርቕ፡ ዝናም ድማ የዝንም’ እዩ።—ማቴ. 5:45።
6, 7. (ሀ) ኣዳም ንዅሎም ዘርኡ እንታይ ጕድኣት እዩ ኣስዒቡሎም፧ (ለ) መስዋእቲ ክርስቶስ ነቶም ስምረት ኣምላኽ ዚደልዩ እንታይ እዩ ኺገብረሎም፧
6 የሆዋ ኻብቲ ሕማቕ ሳዕቤናት ሓጢኣት እውን ኣናጊፉና እዩ። ኣዳም ብምሕጣኡ፡ ልክዕ ከምቲ ንኺጣላዕ ኢሉ ኻብ ስድራቤቱ ዚሰርቕ ተጣላዒ ሰራቒ ዀነ። ካብ የሆዋ ብምዕላው ንደቁ ናይ ዘለኣለም ሓጐስ ናይ ምርካብ ተስፋኦም ሰረቖም። ብስስዐኡ ድማ ንደቂ ሰብ ባሮት ዘይፍጽምና ገበሮም። ስለዚ፡ ኵሎም ደቂ ሰብ ኣደዳ ሕማምን ጓህን ሞትን ኰኑ። ሓደ ባርያ ሓራ ንኺወጽእ ዚኽፈል ነገር ኪህሉ ኣለዎ፡ ብተመሳሳሊ ኸኣ የሆዋ ኻብቲ ሕማቕ ሳዕቤናት ሓጢኣት ሓራ ምእንቲ ኼውጽኣና ኢሉ ዚኽፈል ከፊሉ እዩ። (ሮሜ 5:21 ኣንብብ።) የሱስ ክርስቶስ ምስ ፍቓድ ኣቦኡ ብምስምማዕ፡ “ህይወቱ ምእንቲ ብዙሓት በጃ” ሃበ። (ማቴ. 20:28) ድሕሪ ቐረባ ግዜ ድማ፡ ኵሎም እቶም ስምረት ኣምላኽ ዝረኸቡ ሰባት፡ ካብቲ እተኸፍለ በጃ ምሉእ ብምሉእ ኪጥቀሙ እዮም።
7 እቲ ፈጣሪና ዝዀነ የሆዋ፡ ሓጐስን ዕላማን ዘለዎ ህይወት ምእንቲ ኺህበና ኢሉ ኣዝዩ ኽቡር ዋጋ እዩ ኸፊሉልና። ስምረቱ ብምርካብና፡ ንዅሉ እቲ ኣብ ደቂ ሰብ ዝወረደ ጕድኣት ብኸመይ ከም ዜዐርዮ ኽንርኢ ኢና። “ነቶም ዚደልይዎ” ብኸመይ “ዓስቢ ኸም ዚህቦም፡” ንነፍሲ ወከፍና ኼርእየና እዩ።—እብ. 11:6።
“ህዝብኻ ፈትዩ ይመጽእ”
8. ንኣምላኽ ብዛዕባ ምግልጋል ካብ ተመክሮ ኢሳይያስ እንታይ ኢና እንመሃር፧
8 ስምረት ኣምላኽ ንኽንረክብ ንናይ ምምራጽ ናጽነትና ብግቡእ ክንጥቀመሉ የድሊ። ከመይሲ፡ የሆዋ ንዋላ ሓደ ኻባና፡ ከነገልግሎ ኣየገድደናን እዩ። ብግዜ ኢሳይያስ፡ መዝነት ዚህቦ ሰብ ኪደሊ ኸሎ፡ “ንመን ክልእኽ፧ መንከ ኪኸደልና እዩ፧” ኢሉ ሓተተ። የሆዋ ነቲ ነብዪ እቲ ውሳነ ናይ ምግባር መሰሉ ኣኽቢሩሉ እዩ። ኢሳይያስ፡ “እኔኹ ልአኸኒ” ኢሉ ኺምልስ ከሎ እተሰምዖ ዕግበት እሞ ገምቶ።—ኢሳ. 6:8።
9, 10. (ሀ) ንኣምላኽ ብኸመይ ኢና ኸነገልግሎ ዘሎና፧ (ለ) ንየሆዋ ብምሉእ ነፍስና ኸነገልግሎ ዚግባእ ስለምንታይ እዩ፧
9 ደቂ ሰብ ንኣምላኽ ንምግልጋል ወይ ንዘይምግልጋል ባዕሎም ንኺውስኑ ናጽነት ኣለዎም። የሆዋ ብፍታው ከነገልግሎ እዩ ዚደልየና። (እያሱ 24:15 ኣንብብ።) ኣምላኽ ብዝዀነ ይኹን ባህ ከይበሎ ዜምልኾ ሰብ ኣይሕጐስን እዩ፣ ካብቶም ንሰብ ባህ ኬብሉ ኢሎም ዜምልኽዎ እውን ኣምልኾ ኣይቅበልን እዩ። (ቈሎ. 3:22) ዓለማዊ ረብሓታት ንኣምልኾና ኺዓናቕፍ ብምፍቃድ ቅዱስ ኣገልግሎት ንምቕራብ ‘ንድንጒ’ እንተ ደኣ ዄንና፡ ስምረት ኣምላኽ ክንረክብ ኣይንኽእልን ኢና። (ዘጸ. 22:29) የሆዋ ብምሉእ ነፍስና ምስ እነገልግሎ ንጥቕምና ምዃኑ ይፈልጥ እዩ። ሙሴ ንእስራኤላውያን፡ ‘ንየሆዋ ኣምላኾም ብምፍቃር፡ ቃሉ ድማ ብምስማዕ ናብኡውን ብምልጋብ’ ህይወት ኪሓርዩ ተላብይዎም እዩ።—ዘዳ. 30:19, 20።
10 እቲ ንጉስ ጥንታዊት እስራኤል ዝነበረ ዳዊት፡ “በታ ሰራዊትካ እተኽትተላ መዓልቲ ህዝብኻ ፈትዩ ይመጽእ፡ ከምቲ ኻብ ከርሲ ወጋሕታ ዚመጽእ ኣውሊ ከምኡ መንእሰይካ ብልብሲ ቕድስና ይመጹኻ” ኢሉ ንየሆዋ ዘመረሉ። (መዝ. 110:3) ሎሚ ዘለዉ ሓያሎ ሰባት፡ ኣብ ህይወቶም ቀዳምነት ዚህብዎ፡ ገንዘብን መዘናግዕን እዩ። እቶም ንየሆዋ ዜፍቅርዎ ሰባት ግን ካብ ኵሉ ንላዕሊ ንቕዱስ ኣገልግሎቶም እዮም ዜቐድሙ። ብስራት ብምስባኽ ዜርእይዎ ቕንኣት፡ ኣብ ህይወቶም ነየናይ ቀዳምነት ከም ዚህቡ የረጋግጽ። መዓልታዊ ንዜድልዮም ነገራት፡ የሆዋ ኼማልኣሎም ከም ዚኽእል ምሉእ ብምሉእ ይተኣማመኑ እዮም።—ማቴ. 6:33, 34።
ስምረት ኣምላኽ ዜውህብ መስዋእትታት
11. እስራኤላውያን ንየሆዋ መስዋእቲ ብምቕራብ እንታይ ጥቕሚ ኺረኽቡ እዮም ዚጽበዩ ነይሮም፧
11 ኣብ ትሕቲ ሕጊ ኺዳን፡ ህዝቢ ኣምላኽ ስምረቱ ንኺረኽቡ ቕቡል መስዋእቲ የቕርቡ ነበሩ። ዘሌዋውያን 19:5፡ “ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ምስጋና ምስ እትስውኡ፡ ባህ ከም ዜብሎ ጌርኩም ሰውኡ” ትብል። ኣብዛ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እትርከብ መጽሓፍ እዚኣ፡ “መስዋእቲ ምስጋና ንእግዚኣብሄር ምስ እትስውኡሉ፡ ከም ዚፍተወልኩም ጌርኩም ሰውእዎ” ዚብል እውን ነንብብ ኢና። (ዘሌ. 22:29) እስራኤላውያን ኣብ መሰውኢ የሆዋ ብቑዕ እንስሳ ኬቕርቡ ኸለዉ፡ እቲ ዚሓርር መስዋእቲ፡ ነቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ከም “ጥዑም ጨና” እዩ ዚዀኖ ነይሩ። (ዘሌ. 1:9, 13) እወ፡ ኣምላኽ ነቲ ህዝቡ ዘርኣይዎ መግለጺ ፍቕሪ ይሕጐሰሉን ይቕበሎን ነበረ። (ዘፍ. 8:21) ካብዚ መዳያት ሕጊ ሙሴ፡ ሎሚ ኽንዓየሉ እንኽእል መሰረታዊ ስርዓት ንረክብ ኢና። እቶም ንየሆዋ ቕቡል መስዋእቲ ዜቕርቡሉ ስምረቱ ይረኽቡ እዮም። ኣምላኽ ከመይ ዝበለ መስዋእትታት እዩ ባህ ዜብሎ፧ ንኽልተ መዳይ ናብራ ህይወትና ማለት ንኣኻይዳናን ንኣዘራርባናን እስከ ንመርምር።
12. ‘ንስጋና ብኸመይ ዝኣመሰለ ተግባራት እንተደኣ ኣቕሪብናዮ’ ኢና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ፍንፉን ዚኸውን፧
12 ሃዋርያ ጳውሎስ፡ ኣብታ ናብ ሰብ ሮሜ ዝጸሓፋ መልእኽቱ፡ “ንስጋኹም ህያውን ቅዱስን ንኣምላኽ ባህ ዜብልን መስዋእቲ ጌርኩም ከተቕርብዎ፡ . . . እዚ ማለት እቲ ናይ ኣእምሮ መንፈሳዊ ኣገልግሎትኩም እዩ” በሎም። (ሮሜ 12:1) ሓደ ሰብ ስምረት ኣምላኽ ምእንቲ ኺረክብ፡ ንስጋኡ ንኣምላኽ ባህ ብዜብል መገዲ ኬቕርቦ ኣለዎ። ብኣንጻሩ ግን፡ ብኸም ትምባኾ፡ ቢትል ናት፡ ሓሽሽ፡ ወይ ኣልኮላዊ መስተ ዝኣመሰለ ነገራት ንስጋኡ ዜርክስ እንተ ደኣ ዀይኑ፡ እቲ ዜቕርቦ መስዋእቲ ተቐባልነት የብሉን። (2 ቈረ. 7:1) ብዘይካዚ፡ እቲ “ዚምንዝር ግና ኣብ ገዛእ ስጋኡ እዩ ሓጢኣት ዚገብር፡” ከመይሲ፡ ዝዀነ ይኹን ርኹስ ተግባር ኣብ ቅድሚ የሆዋ ፍንፉን እዩ። (1 ቈረ. 6:18) ሓደ ሰብ ንኣምላኽ ባህ ምእንቲ ኼብሎ፡ ‘ብዅሉ ንብረቱ ቕዱስ’ ኪኸውን ኣለዎ።—1 ጴጥ. 1:14-16።
13. ንኣምላኽ ምውዳስ ግቡእ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧
13 ካልእ ንየሆዋ ባህ ዜብሎ መስዋእቲ ድማ ኣዘራርባና እዩ። እቶም ንየሆዋ ዜፍቅርዎ፡ ኣብ ቅድሚ ሰባት ኰነ ኣብ ቤቶም ኪዀኑ ኸለዉ፡ ብዛዕባኡ ወትሩ ጽቡቕ እዮም ዚዛረቡ። (መዝሙር 34:1-3 ኣንብብ።) መዝሙር 148–150 ኣንብብ፡ ድሕሪኡ፡ እዘን ሰለስተ መዝሙራት እዚኣተን ንየሆዋ ንምውዳስ ክንደይ ሳዕ ከም ዘተባብዓና እሞ ኣስተብህል። እወ፡ “ንቕኑዓትሲ ምስጋና ይግብኦም እዩ።” (መዝ. 33:1) እቲ ኣርኣያና ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ፡ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ብምስባኽ ንኣምላኽ ምውዳስ ዘለዎ ኣገዳስነት ኣጕልሐ።—ሉቃ. 4:18, 43, 44።
14, 15. ሆሴእ ንእስራኤላውያን እንታይ ዓይነት መስዋእቲ ኬቕርቡ እዩ እተማሕጸኖም፡ የሆዋኸ ብኸመይ ተቐበሎም፧
14 ብቕንኣት ምስባኽና፡ ንየሆዋ ኸም እነፍቅሮን ስምረቱ ኽንረክብ ባህጊ ኸም ዘሎናን የረጋግጽ። ንኣብነት፡ ነብዪ ሆሴእ ነቶም ደድሕሪ ናይ ሓሶት ኣምልኾ ዝሰዓቡን ሞገስ ኣምላኽ ዝሰኣኑን እስራኤላውያን እንታይ ኢሉ ኸም ዝመዓዶም ንርአ። (ሆሴ. 13:1-3) “ኵሉ ኣበሳና ይቕረ በለልና፡ ሰናይ ከኣ ተቐበል፡ ንሕናውን ኣብ ክንዲ ኣሩሕ መስዋእቲ ኸናፍርና ኸነቕርብ ኢና” ኢሎም ናብ የሆዋ ኺልምኑ ተማሕጸኖም።—ሆሴ. 14:1, 2።
15 ኣርሓ፡ ሓደ እስራኤላዊ ናብ የሆዋ ኬቕርቦ ዚኽእል ዝኸበረ እንስሳ እዩ ነይሩ። ስለዚ፡ “ኣሩሕ መስዋእቲ ኸናፍርና” ነቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ንምውዳስ ዚቐርብ ካብ ልቢ ዝነቐለ ቓላት የመልክት። የሆዋ ነቶም ከምዚ ዝኣመሰለ መስዋእትታት ዜቕርቡ ብኸመይ እዩ ዚቕበሎም፧ “ኣነ ብልቢ ኸፍቅሮም እየ” ኢሉ እዩ። (ሆሴ. 14:4) የሆዋ ነቶም ከምዚ ዝኣመሰለ መስዋእቲ ምስጋና ዜቕርቡ ኣገልገልቱ፡ ይቕረ ይብለሎም፡ ስምረቱ ይህቦም፡ ዓርኮም ከኣ ይዀኖም እዩ።
16, 17. ሓደ ሰብ ብእምነት ተደሪኹ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ምስ ዚሰብኽ፡ የሆዋ ነዚ ውዳሰ እዚ ብኸመይ እዩ ዚቕበሎ፧
16 ንየሆዋ ኣብ ቅድሚ ሰባት ምውዳስ፡ ኣብ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ወትሩ ጕሉሕ ቦታ እዩ ዘለዎ። ነቲ “ዎ እግዚኣብሄር፡ ፍርድታትካ ምሀረኒ፡ እቲ ፈትየ ዘቕርበልካ መስዋእቲ ኣፈይ ባህ የብልካ፡” ኢሉ ንኣምላኽ እተማሕጸኖ ጸሓፍ መዝሙር፡ ነቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ምውዳሱ ዓብዪ ትርጕም እዩ ነይርዎ። (መዝ. 119:108) ሎሚኸ፧ ኢሳይያስ ኣብዚ ግዜና ንዘለዉ ብዙሓት ሰብ ኣመልኪቱ፡ “ውዳሴ እግዚኣብሄር ከኣ ኪነግሩ እዮም። . . . ባህ ንምባለይ ናብ መሰውእየይ ኪስውኡ እዮም” ኢሉ ተነበየ። (ኢሳ. 60:6, 7) ብመሰረት እዚ ትንቢት እዚ፡ ሎሚ ሚልዮናት ሰባት፡ ‘ንኣምላኽ መስዋእቲ ምስጋና፡ ማለት ንስሙ ዚእመና ፍረ ኸናፍር፡ የቕርብሉ’ ኣለዉ።—እብ. 13:15።
17 ንስኻኸ፡ ንኣምላኽ ቅቡል መስዋእቲ ተቕርበሉዶ ኣለኻ፧ ዘይተቕርብ እንተ ደኣ ኣሊኻ፡ ዜድሊ ምትዕርራያት ብምግባር ኣብ ቅድሚ ሰባት ንየሆዋ ንምውዳስ ክትጅምር ዲኻ፧ ብእምነት ተደሪኽካ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ክትሰብኽ እንተ ደኣ ጀሚርካ፡ መስዋእትኻ፡ ‘ንየሆዋ ኻብ ዝራብዕ ንላዕሊ ባህ ኬብሎ’ እዩ። (መዝሙር 69:30, 31 ኣንብብ።) እቲ “ምኡዝ ሽታ” ዝዀነ መስዋእቲ ምስጋናኻ ናብ የሆዋ ኺበጽሕ እዩ፣ ንሱ ኸኣ ስምረቱ ኺህበካ እዩ። (ህዝ. 20:41) መወዳድርቲ ዘይብሉ ሓጐስ ድማ ክትረክብ ኢኻ።
‘የሆዋ ንጻድቕ ይባርኾ’
18, 19. (ሀ) ሎሚ ሰባት ብዛዕባ ንኣምላኽ ምግልጋል፡ እንታይ ኣረኣእያ እዩ ዘለዎም፧ (ለ) ሞገስ ኣምላኽ ምስኣን ናብ ምንታይ እዩ ዚመርሕ፧
18 ሎሚ እውን ሓያሎ ሰባት፡ ከምቶም ብግዜ ሚልክያስ ዝነበሩ ገለ ሰባት፡ “ንኣምላኽ ምግልጋል ከንቱ እዩ፥ ስርዓቱ ምሕላው . . . እንታይ ረብሓ ኣለዎ፧” እዮም ዚብሉ ዘለዉ። (ሚል. 3:14፡ ትርጕም 1990) ብስጋዊ ትምኒት ስለ ዚምርሑ፡ ዕላማ ኣምላኽ ኪብጻሕ ከም ዘይከኣል፡ ሕግታት ኣምላኽ ከኣ ኪትግበር ከም ዘይከኣል ገይሮም እዮም ዚርእይዎ። ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ምስባኽ ድማ ከም መጥፍኢ ግዜን ሓርቖት ዜለዓዕልን ገይሮም እዮም ዚርእዮም።
19 ከምዚ ዝኣመሰለ ኣተሓሳስባ ዝመንጨወ፡ ኣብ ገነት ኤድን እዩ። ሰይጣን ንሄዋን ስለ ዘስድዓ፡ ሄዋን ነቲ የሆዋ ዝሃባ ዜደንቕ ህይወት ዕሽሽ በለቶ፡ ንስምረት የሆዋ ኸኣ ኣትሒታ ረኣየቶ። ሎሚ እውን ብተመሳሳሊ፡ ሰይጣን ንሰባት ፍቓድ ኣምላኽ ምግባር ምንም ረብሓ ኸም ዘይብሉ ገይሮም ከም ዚሓስቡ እዩ ዚገብሮም ዘሎ። ኰይኑ ግን፡ ኣዳምን ሄዋንን ሞገስ ኣምላኽ ምስኣን፡ ህይወት ምስኣን ማለት ምዃኑ ርእዮምዎ እዮም። እቶም ሎሚ ነቲ ሕማቕ ኣብነቶም ዚስዕቡ ሰባት እውን እንተ ዀኑ፡ ነዊሕ ከይጸንሑ ነዚ ኺርእይዎ እዮም።—ዘፍ. 3:1-7, 17-19።
20, 21. (ሀ) እታ ኣብ ሰራጵታ ዝነበረት መበለት እንታይ እያ ገይራ፧ እንታይ ውጽኢትከ ረኸበት፧ (ለ) ነታ ኣብ ሰራጵታ ዝነበረት መበለት ብኸመይን ስለምንታይን ኢና ኽንመስላ ዘሎና፧
20 ንኣዳምን ሄዋንን ኣብ መወዳእታ ዘጋጠሞም ዜሕዝን ነገር ምስቲ ኣብ መእተዊ እተጠቕሰ ብዛዕባ ኤልያስን እታ ኣብ ሰራጵታ ዝነበረት መበለትን ዚገልጽ ታሪኽ እሞ ኣነጻጽሮ። እታ ሰበይቲ ነቲ ዜበራትዕ ዘረባ ኤልያስ ምስ ሰምዐት፡ እንጌራ ሰንኪታ ንኤልያስ ኣቕረበትሉ። ሽዑ፡ የሆዋ ነቲ ብኤልያስ ኣቢሉ እተመባጽዖ መብጽዓ ፈጸሞ። እቲ ጸብጻብ፡ “ንሳን ንሱን ቤታን ድማ ብዙሕ መዓልቲ በልዑ፡ ከምቲ ቓል እግዚኣብሄር ብኤልያስ እተዛረቦ፡ እቲ ሓርጭ ካብ ዕትሮ፡ እቲ ዘይቲውን ካብ መቐርሰሚቶ ኣይጐደለን” ይብል።—1 ነገ. 17:15, 16።
21 እታ ኣብ ሰራጵታ ዝነበረት መበለት፡ ሎሚ ዘለዉ መብዛሕትኦም ሰባት ዘይገብርዎ ነገር እያ ገይራ። ምሉእ ብምሉእ ኣብቲ ዜድሕን ኣምላኽ እያ ተወኪላ፡ ንሱ ኸኣ ኣይሓደጋን። እዝን ካልእን ጸብጻባት መጽሓፍ ቅዱስ፡ የሆዋ ኽንወከሎ ዚግባእ ኣምላኽ ምዃኑ የረጋግጽ። (እያሱ 21:43-45፣ 23:14 ኣንብብ።) ናብራ እዞም ሎሚ ዘለዉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እውን፡ የሆዋ ነቶም ስምረቱ ዚህቦም ሰባት ከም ዘይሓድጎም ዜረጋግጽ እዩ።—መዝ. 34:6, 7, 17-19።a
22. ውዓል ሕደር ከይበልና ስምረት ኣምላኽ ንምርካብ ክንጽዕር ዘሎና ስለምንታይ እዩ፧
22 ኣምላኽ ድሕሪ ቐረባ ግዜ፡ “ኣብ ኵላ ዝባን ምድሪ ንዚነብሩ ዘበሉ” ፍርዱ ኼውርድ እዩ። (ሉቃ. 21:34, 35) ካብኡ ዜምልጥ ኣይኪህሉን እዩ። ነቲ ኣምላኽ ዝሸሞ ዳኛ፡ “ኣቱም ናይ ኣቦይ ብሩኻት፡ ንዑ፡ እቲ ኻብ ምስራት ዓለም እተዳለወልኩም መንግስቲ ውረሱ” ኺብል ከሎ ኻብ ምስማዕ ዚበልጽ ሃብቲ ይኹን ምሾት የለን። (ማቴ. 25:34) እወ፡ የሆዋ ‘ንጻድቕ ይባርኾ፡ ከም ብዋልታ ብጸጋ [“ብስምረት፡” NW] ይኸቦ’ እዩ። (መዝ. 5:12) እሞኸ፡ ስምረት ኣምላኽ ንምርካብ ክንጽዕርዶ ኣይግብኣናን፧
[እግረ-ጽሑፍ]
a ኣብ ናይ 15 መጋቢት 2005 ግምቢ ዘብዐኛ፡ ኣብ ገጽ 13፡ ሕጡብ ጽሑፍ 15፣ ኣብ ናይ 1 ነሓሰ 1997 ግምቢ ዘብዐኛ፡ ኣብ ገጽ 20-25 ርአ።
ትዝክሮዶ፧
• ንየሆዋ ብምሉእ ነፍስና ኸነምልኾ ዚግባእ ስለምንታይ እዩ፧
• የሆዋ ሎሚ ኸመይ ዝበለ መስዋእቲ እዩ ዚቕበል፧
• “ኣብ ክንዲ ኣሩሕ መስዋእቲ ኸናፍርና” ዚብል ሓሳብ ንምንታይ እዩ ዜመልክት፧ ነዚ መስዋእቲ እዚ ንየሆዋ ኸነቕርበሉ ዘሎናኸ ስለምንታይ ኢና፧
• ስምረት ኣምላኽ ንምርካብ ክንጽዕር ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧
[ኣብ ገጽ 13 ዘሎ ስእሊ]
ሓደ ናይ ኣምላኽ ነብዪ ንሓንቲ እተሸገረት ኣደ እንታይ ውሳነ ዚሓትት ኣገዳሲ ጕዳይ ኣቕረበላ፧
[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ መግለጽ ስእሊ]
ንየሆዋ መስዋእቲ ምስጋና ምስ እነቕርበሉ፡ እንታይ ጥቕሚ ኢና እንረክብ፧
[ኣብ ገጽ 17 ዘሎ ስእሊ]
ብሓቂ ኣብ የሆዋ እንተ ተወኪልካ ኣይክትጕህን ኢኻ