ዓመጻ ትጸልእ ዲኻ፧
“ዓመጻ ኸኣ ጸላእካ።”—እብ. 1:9።
1. የሱስ ብዛዕባ ፍቕሪ እንታይ መሃረ፧
የሱስ ክርስቶስ ንደቀ መዛሙርቱ ብዛዕባ ኣገዳስነት ፍቕሪ ኼጕልሓሎም ከሎ፡ “ንሓድሕድኩም ክትፋቐሩ፡ ከምቲ ኣነ ዘፍቀርኩኹም፡ ከምኡ ጌርኩም ከኣ ንሓድሕድኩም ክትፋቐሩ፡ ሓድሽ ትእዛዝ እህበኩም አሎኹ። ነንሓድሕድኩም ፍቕሪ እንተላትኩም፡ በዚ ደቀ መዛሙርተይ ምዃንኩም ኵሉ ኺፈልጥ እዩ” በሎም። (ዮሃ. 13:34, 35) የሱስ ንሰዓብቱ፡ ጥቕሚ ርእሳ እትስውእ ፍቕሪ ኼርእዩ እዩ ዚእዝዞም ነይሩ። እዛ ፍቕሪ እዚኣ፡ መለለዪቶም እያ። ብዘይካዚ፡ የሱስ፡ “ጸላእትኹም ፍተዉ፡ . . . ስለቶም ዚጸርፍኹምን ዚሰጉኹምን ጸልዩ” ኢሉ ምዒድዎም እዩ።—ማቴ. 5:44።
2. ሰዓብቲ የሱስ እንታይ እዮም ኪጸልኡ ዘለዎም፧
2 ይኹን እምበር፡ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ብዛዕባ ፍቕሪ ጥራይ ዘይኰነስ፡ እንታይ ኪጸልኡ ኸም ዘለዎም እውን ምሂርዎም እዩ። ብዛዕባ የሱስ፡ “ጽድቂ ፈቶኻ ዓመጻ [ረሲእነት] ኸኣ ጸላእካ” ዚብል ነንብብ ኢና። (እብ. 1:9፣ መዝ. 45:7) እዚ ሓሳብ እዚ፡ ጽድቂ ኽንፈቱ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ሓጢኣት ወይ ዓመጻ እውን ክንጸልእ ከም ዘሎና ዜርኢ እዩ። ሃዋርያ ዮሃንስ ብንጹር፡ “ነፍሲ ወከፍ ሓጢኣት ዚገብር፡ ምፍራስ ሕጊ እዩ ዚገብር። ሓጢኣት ምፍራስ ሕጊ እዩ” ኢሉ ኣሎ።—1 ዮሃ. 3:4።
3. ዓመጻ ኸም እንጸልእ ከነርኢ እንኽእለሉ እንታይ መዳያት ህይወት ኢና ኽንምርምር፧
3 ክርስትያናት ከም ምዃንና መጠን፡ ‘ዓመጻ እጸልእ ድየ፧’ ኢልና ንርእስና ኽንሓትት ኣሎና። እከይ ከም እንጸልእ ከነርኢ እንኽእለሉ፡ ነዚ ዚስዕብ ኣርባዕተ መዳያት ህይወት ክንምርምር ኢና፦ (1) ብዛዕባ ምብዛሕ ኣልኮላዊ መስተ ዘሎና ኣረኣእያ፡ (2) ብዛዕባ ስሒራዊ ተግባራት ዘሎና ኣረኣእያ፡ (3) ብዛዕባ ርኽሰት ዘሎና ኣረኣእያ፡ (4) ብዛዕባ እቶም ዓመጻ ዚፈትዉ ዘሎና ኣረኣእያ።
ባርያ ኣልኮላዊ መስተ ኣይትኹን
4. የሱስ ብዛዕባ ምብዛሕ መስተ ብትብዓት ምኽሪ ኺህብ ዝኸኣለ ስለምንታይ እዩ፧
4 የሱስ ሓሓሊፉ ወይኒ ይሰትን ካብ ኣምላኽ ከም ዝመጸ ህያብ ገይሩ ይርእዮን ነበረ። (መዝ. 104:14, 15) ይኹን እምበር፡ መስተ ኣብዚሑ ኣይፈልጥን እዩ። (ምሳ. 23:29-33) ስለዚ፡ ብዛዕባ ምብዛሕ መስተ ብትብዓት ምኽሪ ኺህብ ይኽእል እዩ። (ሉቃስ 21:34 ኣንብብ።) ምብዛሕ ኣልኮላዊ መስተ ናብ ካልእ ሓጢኣት ኪመርሕ ይኽእል እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ እዩ ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “ዝርገት አለዎ እሞ፡ ብወይኒ ኣይትስከሩ። ግናኸ . . . መንፈስ ይምላእኩም” ኢሉ ዝጸሓፈ። (ኤፌ. 5:18) ብዘይካዚ፡ ኣብታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ንዝነበራ ኣረገውቲ ኣንስቲ፡ “ብዙሕ ወይኒ ንምስታይ ባሮት” ከይኰና መዓደን።—ቲቶ. 2:3።
5. እቶም ኣልኮላዊ መስተ ኺሰትዩ ዚደልዩ፡ እንታይ ኢሎም እዮም ንርእሶም ኪሓቱ ዘለዎም፧
5 ኣልኮላዊ መስተ ኽትሰቲ እንተ ሓሲብካ፡ ከምዚ ዚስዕብ ኢልካ ንርእስኻ ኽትሓትት ኣሎካ፦ ‘ንምብዛሕ መስተ ብዚምልከት ከም ናይ የሱስ ዓይነት ኣረኣእያ ድዩ ዘሎኒ፧ ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ንኻልኦት ከይተሰከፍኩ ኽመኽሮም ዜኽእል ኣነባብራ ድዩ ዘሎኒ፧ ካብ ጭንቀት ወይ ውጥረት ንምህዳም ድየ ዝሰቲ፧ ኣብ ሰሰሙን ክንደይ እየ ዝሰቲ፧ ሓደ ሰብ ብዙሕ እሰቲ ከም ዘለኹ እንተ ነጊሩኒ፡ እንታይ ምላሽ እየ ዝህብ፧ ነቲ ርእይቶ እነጽጎ ወይ እቕየም ድየ፧’ ባሮት ኣልኮላዊ መስተ እንተ ዄንና፡ ብግቡእ ኸም ዘይንሓስብን ጥበባዊ ውሳነ ኸም ዘይንገብርን ኪገብረና ይኽእል እዩ። ሰዓብቲ ክርስቶስ ንምኽሮም፡ ማለት ንሓሳቦም፡ ተጠንቂቖም ኪሕዝዎ ኣለዎም።—ምሳ. 3:21, 22።
ካብ ስሒራዊ ተግባራት ርሓቕ
6, 7. (ሀ) የሱስ ንሰይጣንን ንኣጋንንቱን እንታይ እዩ ገይርዎም፧ (ለ) ሎሚ ስሒራዊ ተግባራት ኣስፋሕፊሑ ዘሎ ስለምንታይ እዩ፧
6 የሱስ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ንሰይጣንን ንኣጋንንቱን ተጻሪርዎም እዩ። ነቲ ሰይጣን ኣብ ልዕሊ ተኣማንነቱ ዘውረዶ ቐጥታዊ መጥቃዕቲ ድማ ነጺግዎ እዩ። (ሉቃ. 4:1-13) ነቲ ኣብ ኣተሓሳስባኡን ተግባሩን ጽልዋ ንምሕዳር እተገብረ ሰላሕታዊ ፈተነ እውን ኣለልይዎን ተቓዊምዎን እዩ። (ማቴ. 16:21-23) ብዘይካዚ፡ ነቶም ኣጋንንቲ ዝሓደርዎም ሰባት ኣውጺኡሎም እዩ።—ማር. 5:2, 8, 12-15፣ 9:20, 25-27።
7 የሱስ ብ1914 ንጉስ ምስ ኰነ፡ ንሰማይ ካብቲ በካሊ ጽልዋ ሰይጣንን ኣጋንንቱን ኣጽረዮ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ፡ ሰይጣን ‘ንብዘላ ዓለም ንኼስሕታ፡’ ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ ቘሪጹ እዩ ተላዒሉ ዘሎ። (ራእ. 12:9, 10) ስሒራዊ ተግባራት የስፋሕፍሕን እናወሰኸ ይኸይድን ምህላው እምበኣር ኪገርመና የብሉን። ንገዛእ ርእስና ኻብዚ ተግባር እዚ ንኸነዕቍባ እንታይ ክንገብር ንኽእል፧
8. ነቲ እንመርጾ መዘናግዒ ብዚምልከት ከመይ ዝበለ ርእሰ-መርመራ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧
8 መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብዛዕባ እቲ ምስ ሓተታ መናፍስቲ ተተሓሒዙ ዚመጽእ ሓደጋታት የጠንቅቕ እዩ። (ዘዳግም 18:10-12 ኣንብብ።) ሎሚ ሰይጣንን ኣጋንንቱን፡ ስሒራዊ ተግባራት ብዜተባብዕ ፊልምታትን መጻሕፍትን ኤለክትሮኒካዊ ጸወታታትን ኣቢሎም ንኣተሓሳስባ ሰባት ይጸልዉ ኣለዉ። ስለዚ፡ መዘናግዒ ኽንመርጽ ከለና፡ ከምዚ ዚስዕብ ኢልና ንርእስና ኽንሓትት ኣሎና፦ ‘ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ፡ ዘይባህርያዊ ተግባራት ብዜጕልሕ ፊልምታትን መደባት ተለቪዥንን ኤለክትሮኒካዊ ጸወታታትን መጻሕፍትን ካርቱናትን ድየ ተዘናጊዐ፧ ካብ ስሒራዊ ተግባራት ክርሕቕ ከም ዘሎኒ እርዳእ ድየ፡ ወይስ ነቲ መጠንቀቕታታት ኣፍኲሰ እየ ዝርእዮ፧ ንምዃኑኸ ብዛዕባ እቲ ዝመርጾ መዘናግዒ፡ የሆዋ እንታይ ከም ዚስምዖ ኣብ ግምት አእቱ ድየ፧ ንጽልዋታት ሰይጣን ኣጋጣሚ እህቦ እንተ ኣልየ፡ በቲ ንየሆዋን ንጻድቕ ስርዓታቱን ዘሎኒ ፍቕሪ ተደሪኸ፡ ቈራጽ ስጕምቲ እወስድ ድየ፧’—ግብ. 19:19, 20።
ነቲ የሱስ ብዛዕባ ርኽሰት ዝሃቦ መጠንቀቕታ ኣቕልበሉ
9. ሓደ ሰብ ኣብ ውሽጡ ረሲእነት ዜማዕብል ብኸመይ እዩ፧
9 የሱስ ነቲ ንጾታዊ ስነ-ምግባር ዚምልከት ልዑል ስርዓታት የሆዋ ኽብ ኣቢሉ ይርእዮ ነበረ። ከምዚ ድማ በለ፦ “እቲ ኻብ መጀመርታ ዝፈጠረ፡ ሰብኣይን ሰበይትን ገይሩ ፈጠሮም። ድማ፤ ምእንትዚ ሰብኣይ ነቦኡን ነዲኡን ይሐድግ፡ ምስ ሰበይቱ ኸኣ ይጣበቕ፡ ክልቲኦም ሓደ ስጋ ይዀኑ፡ ከም ዝበለዶ ኣየንበብኩምን፧ ደጊም ሓደ ስጋ እዮም እምበር፡ ክልተ ኣይኰኑን። ነቲ ኣምላኽ ዘጋጠሞስ፡ ሰብ ኣይፍለዮ።” (ማቴ. 19:4-6) የሱስ፡ ብዓይንና እንርእዮ ነገራት ንልብና ኺጸልዎ ከም ዚኽእል ይፈልጥ ነበረ። ኣብቲ ኣብ ከረን ዝሃቦ ስብከት፡ “ነቶም ቀዳሞት፤ ኣይትዘሙ፡ ከም እተባህለሎም፡ ሰሚዕኩም አሎኹም። ኣነ ግና፤ ንሰበይቲ ኺብህጋ ዚጥምታ ዅሉ ብልቡ ፈጺሙ ኣብኣ ዘመወ፡ እብለኩም አሎኹ” በለ። (ማቴ. 5:27, 28) እቶም ንመጠንቀቕታ የሱስ ዕሽሽ ዚብልዎ ሰባት፡ ኣብ ውሽጦም ረሲእነት ከም ዚምዕብል እዮም ዚገብሩ።
10. ሓደ ውልቀ-ሰብ ነቲ ወልፊ ዀይንዎ ዝነበረ ስእለ-ጽዩፍ ኪሓድጎ ኸም ዚኽእል ዜርኢ ተመክሮ ኣዘንቱ።
10 ሰይጣን ብስእለ-ጽዩፍ ኣቢሉ ርኽሰት ከም ዜስፋሕፍሕ ይገብር እዩ። እዚ ሕጂ ዘሎ ስርዓት ከኣ፡ ብስእለ-ጽዩፍ እዩ ኣዕለቕሊቑ ዘሎ። ስእለ-ጽዩፍ ዚርእዩ ሰባት፡ ነቲ ርኹስ ስእልታት ካብ ኣእምሮኦም ኪስርዝዎ የጸግሞም እዩ። ሕሉፍ ሓሊፉ እውን፡ ወልፊ ስእለ-ጽዩፍ ኪሕዞም ይኽእል እዩ። ንሓደ ክርስትያን እንታይ ከም ዘጋጠሞ እስከ ንርአ። ከምዚ በለ፦ “ተሓቢአ ስእለ-ጽዩፍ እርኢ ነበርኩ። ካብቲ ንየሆዋ ዘገልግለሉ ዓለም እተፈልየ ኻልእ ናይ ሕልሚ ዓለም ፈጠርኩ። እዚ ተግባር እዚ ጌጋ ምዃኑ እፈልጥ እኳ እንተ ነበርኩ፡ ንኣምላኽ ዘቕርቦ ኣገልግሎት ቅቡል ከም ዝዀነ ገይረ ንርእሰይ ኣእመንክዋ።” እዚ ሓው እዚ፡ ኣተሓሳስባኡ ኸም ዚቕይር ዝገበሮ እንታይ እዩ፧ ብዛዕባ እዚ ኺገልጽ ከሎ፡ “ኣዝዩ ኸቢድ ኰይኑ እኳ እንተ ተሰምዓኒ፡ ብዛዕባ ጸገመይ ንሽማግለታት ክነግሮም ወሰንኩ” በለ። ጸኒሑ ድማ ካብቲ ሕማቕ ልማድ ናጻ ዀነ። “ኣብ መወዳእታኡ ንርእሰይ ካብቲ ሓጢኣት ምስ ኣጽረኽዋ፡ ሕልናይ ጸረየ” በለ። እቶም ረሲእነት ዚጸልኡ፡ ስእለ-ጽዩፍ እውን ኪጸልኡ ኣለዎም።
11, 12. ምስቲ እንመርጾ ሙዚቃ ብእተተሓሓዘ፡ ረሲእነት ከም እንጸልእ ከነርኢ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
11 ሙዚቃን ግጥምታቱን ንስምዒትና፡ ቀጺሉ ድማ ንምሳልያዊ ልብና ኺጸልዎ ይኽእል እዩ። ሓቂ እዩ፡ ሙዚቃ ኻብ የሆዋ እተዋህበና ህያብ እዩ፡ ኣብ ናይ ሓቂ ኣምልኾ እውን ኣብ ጥቕሚ ውዒሉ እዩ። (ዘጸ. 15:20, 21፣ ኤፌ. 5:19) ይኹን እምበር፡ እዛ እክይቲ ናይ ሰይጣን ዓለም፡ ርኽሰት ዜተባብዕ ሙዚቃ ኸም ዜስፋሕፍሕ እያ እትገብር ዘላ። (1 ዮሃ. 5:19) እትሰምዖ ሙዚቃ የርክሰካ እንተ ኣልዩ ኽትፈልጥ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧
12 ንርእስኻ ኸምዚ ኢልካ ሕተት፦ ‘እቲ ዝሰምዖ ሙዚቃ፡ ቅትለትን ዝሙትን ምንዝርን ጸርፍን ዜተባብዕ ድዩ፧ ንግጥምታት ገሊኡ ሙዚቃ ንኻልእ ሰብ እንተ ኣንቢበሉ፡ ረሲእነት ከም ዝጸልእ ገይሩ ድዩ ዚርእየኒ ወይስ ልበይ ከም ዝረኸሰ፧’ ረሲእነት ከም እንጸልእ ብኣፍና እናተዛረብና ኽነስና፡ ንዕኡ ዜተባብዕ ሙዚቃ ኽንሰምዕ ኣይንኽእልን ኢና። የሱስ፡ “እቲ ኻብ ኣፍ ዚወጽእ ግና ካብ ልቢ እዩ ዚመጽእ እሞ፡ ንሱ እዩ ንሰብ ዜርክሶ። ካብ ልቢ ኽፉእ ሓሳብ፡ ቅትለት፡ ዝሙት፡ ምንዝር፡ ስርቂ፡ ምስክር ሓሶት፡ ጸርፊ ይወጽእ እዩ” በለ።—ማቴ. 15:18, 19፣ ምስ ያእቆብ 3:10, 11 ኣረኣኢ።
ከምቲ የሱስ ብዛዕባ እቶም ዓመጻ ዚፈትዉ ሰባት ዝነበሮ ዓይነት ኣረኣእያ ይሃሉኻ
13. የሱስ ብዛዕባ እቶም ብሓጢኣት እተመላለሱ ሰባት እንታይ ኣረኣእያ እዩ ነይርዎ፧
13 የሱስ ንሓጥኣን ወይ ንገበርቲ ዓመጻ ናብ ንስሓ ኺጽውዕ ከም ዝመጸ ገሊጹ ነይሩ እዩ። (ሉቃ. 5:30-32) ብዛዕባ እቶም ብሓጢኣት ዚመላለሱ ሰባት ግን እንታይ ኣረኣእያ እዩ ነይርዎ፧ በዞም ሰባት እዚኣቶም ምእንቲ ኸይንጽሎ፡ ሓያል መጠንቀቕታ ሂቡ ነይሩ እዩ። (ማቴ. 23:15, 23-26) ብዘይካዚ፡ “ፍቓድ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ዚገብር ደኣ እምበር፡ ጐይታይ፡ ጐይታይ፡ ዚብለኒ ዅሉ፡ መንግስተ ሰማያት ዚአቱ ኣይኰነን። በታ [ኣምላኽ ፍርዱ ዚፍጽመላ] መዓልቲ እቲኣ ብዙሓት፡ ጐይታይ፡ ጐይታይ፡ ብስምካ እተነቤናዶ ኣይኰንናን፧ ኣጋንንትስ ብስምካዶ ኣየውጻእናን፧ ብስምካስ ብዙሕ ሓይሊዶ ኣይገበርናን፧ ኪብሉኒ እዮም” በለ። ይኹን እምበር፡ ነቶም ዓመጻ ዚገብሩን ዘይንስሑን ሰባት፡ “ካባይ ርሐቑ” ኺብሎም እዩ። (ማቴ. 7:21-23) እቶም ሰባት ከምዚ ዓይነት ፍርዲ ዚፍረዶም ስለምንታይ እዮም፧ በቲ ዓመጻ ዝመልኦ ተግባሮም ንኣምላኽ ስለ ዜዋርድዎን ንኻልኦት ስለ ዚጐድኡን እዩ።
14. ዘይንስሑ ሓጥኣን ካብታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዚውገዱ ስለምንታይ እዮም፧
14 ዘይንስሑ ሓጥኣን ካብታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ኺውገዱ፡ ቃል ኣምላኽ ይእዝዝ እዩ። (1 ቈረንቶስ 5:9-13 ኣንብብ።) እዚ እንተ ወሓደ ብሰለስተ ምኽንያት ኣገዳሲ እዩ፦ (1) ንስም የሆዋ ኻብ ጸርፊ ናጻ ንምግባር፡ (2) ነታ ጉባኤ ኻብ ብከላ ንምክልኻል፡ (3) እንተ ተኻኢሉ፡ እቲ ሓጢኣተኛ ተነሲሑ ንኺምለስ ንምሕጋዝ።
15. ንየሆዋ እሙናት ክንከውን እንተ ደሊና፡ ነየናይ ሕቶታት ኢና ኽንሓስበሉ ዘሎና፧
15 ከምቲ የሱስ ብዛዕባ እቶም ብመገዲ ዓመጻ ዚመላለሱ ሰባት ዝነበሮ ዓይነት ኣረኣእያ ድዩ ዘሎና፧ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት ክንሓስበሉ ኣሎና፦ ‘ካብታ ክርትያናዊት ጉባኤ ምስ እተወገደ ወይ ንርእሱ ምስ ዘግለለ ሰብ ብተደጋጋሚ ግዜ አሕልፍ ድየ፧ እቲ ሰብ ምሳይ ዘይነብር ናይ ቀረባ ቤተሰበይ ምስ ዚኸውንከ፧’ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት፡ ነቲ ንጽድቂ ዘሎና ፍቕርን ንየሆዋ ዘሎና ተኣማንነትን ኪፍትኖ ይኽእል እዩ።a
16, 17. ሓንቲ ክርስትያን ኣደ ኸመይ ዝበለ ኣጸጋሚ ዅነታት እዩ ኣጋጢምዋ፧ ነቲ ንውገዳ ዘይንስሑ ኣበስቲ ዚምልከት መሰናድዎ ኽትድግፍ ዝሓገዛኸ እንታይ እዩ፧
16 ንሓንቲ ንየሆዋ ዜፍቅር ውሉድ ዝነበራ ሓብቲ እስከ ኸም ኣብነት ንውሰድ። እቲ ወዳ፡ ድሕሪ ግዜ ረሲእነት ኪገብር መረጸ። ካብ ሓጢኣቱ ስለ ዘይተነስሐ ድማ፡ ካብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ተወገደ። እታ ሓብትና ንየሆዋ ተፍቅሮ እያ፡ ንወዳ እውን ተፍቅሮ እያ፣ ስለዚ፡ ነቲ ምስ ወዳ ኽትሓብር ከም ዘይትኽእል ዚገልጽ ቅዱስ ጽሑፋዊ ትእዛዝ ኣብ ግብሪ ምውዓል ኣመና ኸበዳ።
17 ነዛ ሓብቲ እዚኣ እንታይ ኢልካ ምመኸርካያ፧ ሓደ ሽማግለ፡ የሆዋ ንጓሂኣ ኸም ዚርድኦ ንኽትግንዘብ ሓገዛ። ብዛዕባ እቲ ንየሆዋ፡ ብሰንኪ ዕልወት እቶም ደቁ ዝዀኑ መላእኽቲ እተሰምዖ ጓሂ ንኽትሓስብ ድማ ነገራ። ኣስዕብ ኣቢሉ ኸኣ፡ የሆዋ ኸምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት ኣዝዩ ኸም ዜጕሂ ይፈልጥ እኳ እንተ ዀነ፡ ዘይንስሑ ሓጥኣን ኪውገዱ ኸም ዚደሊ ኣረድኣ። እታ ሓብቲ፡ ነቲ እተዋህባ መዘኻኸሪ ኣብ ልባ ኣሕዲራ፡ ነቲ ንውገዳ ዚምልከት መሰናድዎ ብተኣማንነት ደገፈቶ።b ከምዚ ዝኣመሰለ ተኣማንነት፡ ንልቢ የሆዋ የሐጕሶ እዩ።—ምሳ. 27:11።
18, 19. (ሀ) ምስ ዓመጻ ዚገብር ሰብ ዝነበረና ርክብ ምብታኽና፡ እንታይ ከም እንጸልእ ዚሕብር እዩ፧ (ለ) ንኣምላኽን ንመሰናድዎኡን እሙናት እንተ ዄንና፡ እንታይ ውጽኢት እዩ ዚርከብ፧
18 ተመሳሳሊ ዅነታት እንተ ኣጋጢሙካ፡ የሆዋ ኸም ዚርድኣልካ ኣይትረስዕ። ምስ እተወገደ ወይ ርእሱ ምስ ዘግለለ ሰብ ንዝነበረካ ርክብ ምብታኽካ፡ ነቲ ናብኡ ዜብጽሕ ኣረኣእያን ተግባርን ከም እትጸልኦ ዜርኢ እዩ። ይኹን እምበር፡ ነቲ ኣባሲ ኸም እተፍቅሮን ንዕኡ ዚጠቅም ክትገብር ከም እትደልን እውን ዜርኢ እዩ። ንየሆዋ እሙን ምዃንካ፡ ነቲ ተግሳጽ እተዋህቦ ሰብ ንኺንሳሕን ናብ የሆዋ ንኺምለስን ይድርኾ ይኸውን።
19 ሓንቲ ተወጊዳ ዝነበረት፡ ደሓር ግን እተመልሰት ሰብ፡ “የሆዋ ንውድቡ ጽሩይ ኪኸውን ዚደልየሉ ምኽንያት፡ ንህዝቡ ስለ ዜፍቅሮም ምዃኑ ኣዝዩ እዩ ዜሐጕሰኒ። እቶም ካብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ወጻኢ ዘለዉ ሰባት፡ ነዚ ተግባር እዚ ኸም ጭካነ ገይሮም ይርእይዎ እኳ እንተ ዀኑ፡ ኣገዳስን ፍቕራውን እዩ” በለት። እዛ ሰብ እዚኣ፡ ኣባላት ጉባኤኣ ይኹኑ ኣባላት ስድራ ቤታ፡ ተወጊዳ ኣብ ዝነበረትሉ እዋን ብተደጋጋሚ ምስኣ ይራኸቡ ነይሮም እንተ ዝዀኑ፡ ኣብዚ መደምደምታ እዚ ምበጽሐትዶ፧ ነቲ ንውገዳ ዚምልከት ቅዱስ ጽሑፋዊ መሰናድዎ ምድጋፍና፡ ጽድቂ ኸም እንፈቱን የሆዋ ንኣካይዳ ዚምልከት ስርዓታት ናይ ምውጻእ መሰል ዘለዎ ምዃኑ ኸም እተረዳእናን ዚሕብር እዩ።
“እከይ ጽልኡ”
20, 21. ዓመጻ ኽንጸልእ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧
20 ሃዋርያ ጴጥሮስ፡ “ተጠንቀቑ፡ ንቕሑ” ኢሉ መዓደ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ “ድያብሎስ፡ እቲ መጻርርትኹም፡ ዚውሕጦ ደልዩ ኸም ዚጓዝም ኣንበሳ ዀይኑ ይዘውር አሎ።” (1 ጴጥ. 5:8) ንዓኻኸ ይውሕጠካዶ ይኸውን፧ እዚ ንዓመጻ ኣብ እትጸልኣሉ መጠን እዩ ዚምርኰስ።
21 እከይ ምጽላእ ቀሊል ኣይኰነን። ሓጥኣን ኴንና ኢና ተወሊድና፡ ስጋዊ ትምኒት ንኽንስዕብ ኣብ እተተባብዕ ዓለም እውን ኢና እንነብር ዘለና። (1 ዮሃ. 2:15-17) ይኹን እምበር፡ ኣስኣሰር የሱስ ክርስቶስ እንተ ስዒብናን ንየሆዋ ኣምላኽ ዓሚቝ ፍቕሪ እንተ ኣማዕቢልናን፡ ዓመጻ ኽንጸልእ ንኽእል ኢና። ስለዚ እምበኣር፡ የሆዋ “ነፍሲ ቕዱሳኑ ይሕሉ፡ ካብ ኢድ ረሲኣን የናግፎም” ምዃኑ ብምትእምማን፡ ‘እከይ ንጽላእ።’—መዝ. 97:10።
[እግረ-ጽሑፋት]
a ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ዝርዝር መግለጺ እንተ ደሊኻ፡ ኣብታ “ንርእስኹም ብፍቕሪ ኣምላኽ ሓልውዋ” ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ኣብ ገጽ 207-9 ከምኡውን ኣብ ናይ ነሓሰ 2002 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና፡ ኣብ ገጽ 3-4 ርአ።
b ኣብ ናይ 15 ጥሪ 2007 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ፡ ኣብ ገጽ 17-20 እውን ርአ።
እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧
• ብዛዕባ ኣልኮላዊ መስተ ዘሎና ኣረኣእያ ንኽንምርምር እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧
• ንገዛእ ርእስና ኻብ ስሒራዊ ተግባራት ንምዕቋብ እንታይ ስጕምትታት ክንወስድ ንኽእል፧
• ስእለ-ጽዩፍ ጐዳኢ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧
• እነፍቅሮ ሰብ ኣብ ዚውገደሉ እዋን፡ ዓመጻ ኸም እንጸልእ ከነርኢ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
[ኣብ ገጽ 29 ዘሎ ስእሊ]
ኣልኮላዊ መስተ ኽትሰቲ እንተ ሓሲብካ፡ እንታይ ነጥብታት ኢኻ ኽትሓስበሉ ዘሎካ፧
[ኣብ ገጽ 30 ዘሎ ስእሊ]
ብመዘናግዒ ኣቢሉ ኻብ ዚመጽእ ጽልዋ ሰይጣን ተጠንቀቕ
[ኣብ ገጽ 31 ዘሎ ስእሊ]
ስእለ-ጽዩፍ ዚርኢ ሰብ፡ ናይ ምንታይ ፍቕሪ እዩ ዜማዕብል፧