ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w11 1/3 ገጽ 4-5
  • መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ እያ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ እያ፧
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣብ መጻኢ ዚገዝኡ ገዛእቲ ምድሪ
  • ወንጌል መንግስቲ ኣምላኽ ብስራት ዝዀነሉ ምኽንያት
  • “ንዘለኣለም ከቶ ዘይትጠፍእ” መንግስቲ
    ነቲ ሓደ በይኑ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ኣምልኽ
  • መንግስቲ ኣምላኽ ብዅሉ መዳያታ ብልጽቲ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2006
  • ብዛዕባ መወዳእታ ንዚለዓል ኣርባዕተ ሕቶታት ዚኸውን መልሲ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2010
  • መንግስቲ ኣምላኽ ትገዝእ
    ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ፍልጠት
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
w11 1/3 ገጽ 4-5

መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ እያ፧

“እዚ ወንጌል መንግስቲ . . .”—ማቴዎስ 24:14።

የሱስ ኣብቲ ኣብ ከረን ዝሃቦ ህቡብ ስብከት፡ ነታ “መንግስትኻ ትምጻእ” እትብል ንኣምላኽ እትቐርብ ልመና እተጠቓልል ኣብነት እትኸውን ጸሎት ሃበ። ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት፡ ነዛ ጸሎት እዚኣ ብቓሎም ይወጽዋን ይደጋግምዋን እዮም። ሓደ ኢንሳይክሎፔድያ ኸም ዝገለጾ፡ እዛ ጸሎት እዚኣ፡ “ኵሎም ክርስትያናት ኣብ ኣምልኾ ዚጥቀሙላ መሰረታዊት ጸሎት እያ።” ኰይኑ ግን፡ ብዙሓት ነዛ ጸሎት እዚኣ ዚጽልዩ ሰባት፡ መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ ምዃናን ምስ መጸት እንታይ ከም እትገብርን ኣይፈልጡን እዮም።—ማቴዎስ 6:9, 10።

እዚ ኣየገርምን እዩ። ከመይሲ፡ መራሕቲ ህዝበ-ክርስትያን ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ዚህብዎ መግለጺ፡ ንሓድሕዱ ዚጋጮን ዜደናግርን ሕልኽልኽ ዝበለን እዩ። ሓደ ጸሓፊ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ፡ “ልዕለ-ባህርያዊት፡ . . . ብውሽጥኻ ምስ ህያው ኣምላኽ እትራኸበላ፡ . . . ሰብኡትን ኣንስትን ድሕነት ንምርካብ ምስ ኣምላኽ ዘሕልፍዎ ተመክሮ” ምዃና ገለጸ። ካልእ ጸሓፊ ድማ፡ ንወንጌል መንግስቲ ኣምላኽ፡ “ብዛዕባ ቤተ-ክርስትያን ዚገልጽ መምርሒ” ኢሉ ገሊጽዎ ኣሎ። ካተኪዝም ኦቭ ዘ ካቶሊክ ቸርች እውን እንተ ዀነ፡ “መንግስቲ ኣምላኽሲ ብመንፈስ ቅዱስ ጽድቅን ሰላምን ሓጐስን እያ” በለ።

ኣብዛ መጽሔት እዚኣ ግን፡ ኣብ ገጽ 2፡ “እታ ኣብ ሰማይ እትርከብ ናይ ሓቂ መንግስቲ ዝዀነት መንግስቲ ኣምላኽ ድሕሪ ሓጺር ግዜ ንዅሉ እከይ መወዳእታ ኸም እትገብረሉን ንምድሪ ናብ ገነት ከም እትቕይራን” ብንጹር ተገሊጹ ኣሎ። መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ ሓሳብ እዚ ብኸመይ ከም ዚድግፎ እስከ ንርአ።

ኣብ መጻኢ ዚገዝኡ ገዛእቲ ምድሪ

መንግስቲ፡ ብንጉስ ዚግዛእ ምምሕዳር እዩ። ንጉስ መንግስቲ ኣምላኽ፡ እቲ ኻብ ሞት ዝተንሰአ የሱስ ክርስቶስ እዩ። ብዛዕባ ንግስናኡ ኣብቲ ነብዪ ዳንኤል ዝረኣዮ ራእይ ተገሊጹ ኣሎ። ዳንኤል ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ፦ “ብራእያት ለይቲ እጥምት ነበርኩ፡ እንሆ ኸኣ፡ ወዲ ሰብ ዚመስል [የሱስ] ብደበና ሰማይ ይመጽእ ነበረ፡ ናብቲ ጥንታዊ ዝመዓልቱ [የሆዋ ኣምላኽ] ድማ በጽሔ፡ ናብ ቅድሚኡውን ኣቕረብዎ። ኵላቶም ኣህዛብን ወገናትን ቋንቋታትን ኬገልግልዎስ፡ ግዝኣትን ክብርን መንግስትን ንእኡ ተዋህቦ። ግዝአቱ ዘይሐልፍ ዘለኣለማዊ ግዝኣት እዩ፡ መንግስቱውን ከቶ ኣይክትጠፍእን እያ።”—ዳንኤል 7:13, 14።

መንግስቲ ኣምላኽ፡ ብኣምላኽ ከም እትቐውምን ንዅለን ሰብኣውያን መንግስትታት ከም እተጥፍአንን ንሳ ንባዕላ ኸቶ ኸም ዘይትጠፍእን፡ ኣብ መጽሓፍ ዳንኤል ተሓቢሩ ኣሎ። ኣብ ምዕራፍ 2፡ ንጉስ ባቢሎን ብዛዕባ ዝረኣዮ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ራእይ ተገሊጹ ኣሎ፣ እቲ ንጉስ፡ ነቶም ብተኸታታሊ ዚመጹ ሓይሊ ዓለም ዜመልክት ዓብዪ ምስሊ ረኣየ። ነብዪ ዳንኤል ድማ ነቲ ሕልሚ ተርጐሞ። ከምዚ ኢሉ ኸኣ ጸሓፈ፦ “በቲ ዳሕራይ ዘመናትሲ . . . ኣምላኽ ሰማይ ንዘለኣለም ከቶ ዘይትጠፍእን፡ ግዝኣታ ኸኣ ንኻልእ ህዝቢ ዘይውሀብን መንግስቲ ኼተንስእ እዩ። ንዅለን እዘን መንግስትታት እዚኣተን ክትጭፍልቐንን ከተጥፍኤንን እያ፡ ንሳ ግና ንዘለኣለም ክትቀውም እያ።”—ዳንኤል 2:28, 44።

ንጉስ መንግስቲ ኣምላኽ ንበይኑ ኣይኰነን ዚገዝእ። የሱስ ኣብ እዋን ምድራዊ ኣገልግሎቱ፡ ንእሙናት ሃዋርያቱ፡ ምስ ካልኦት ሓቢሮም ናብ ሰማይ ከም ዚትንስኡን ኣብ ዝፋን ከም ዚቕመጡን ኣረጋገጸሎም። (ሉቃስ 22:28-30) ከምኡ ኺብል ከሎ ግን፡ ቃል ብቓሉ ኣብ ዝፋን ከም ዚቕመጡ ኣይኰነን ዚገልጽ ነይሩ፣ ምኽንያቱ፡ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ሰማይ ከም እትኸውን፡ ባዕሉ ሓቢሩ ነይሩ እዩ። እቶም መጋዝእቲ የሱስ ካብ “ብዘሎ ዓሌታትን ቋንቋታትን ህዝብን ኣህዛብን” ዝመጹ ምዃኖም፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተገሊጹ ኣሎ። “ንኣምላኽና ዚዀኑ መንግስትን ካህናትን” እዮም፣ “ኣብ ምድሪ ድማ ኪነግሱ እዮም።”—ራእይ 5:9, 10።

ወንጌል መንግስቲ ኣምላኽ ብስራት ዝዀነሉ ምኽንያት

ክርስቶስ የሱስ ኣብ ልዕሊ “ኣህዛብን ወገናትን ቋንቋታትን” ከም ዚገዝእ፡ እቶም ምስኡ ዚሓብሩ ድማ ‘ኣብ ምድሪ ኸም ዚነግሱ’ ኣስተብህል። ተገዛእቲ መንግስቲ ኣምላኽ ደኣ እሞ መን እዮም፧ እቶም ነቲ ሎሚ ዚስበኽ ዘሎ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ኣወንታዊ ምላሽ ዚህቡሉን ኣብ ምድሪ ተንሲኦም ንዘለኣለም ናይ ምንባር ተስፋ ዘለዎምን ሰባት እዮም።

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቲ ሰባት ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ ዚረኽብዎ በረኸት ይገልጽ እዩ። እተወሰነ ኣብነት እንሆ፦

“ንውግእ ክሳዕ ወሰን ምድሪ መወዳእታ ይገብረሉ፡ ንቐስቲ ይሰብሮ፡ ንዂናት ይቐራስሞ፡ ንሰረገላታት ብሓዊ የንድዶ።”—መዝሙር 46:9።

“ኣባይቲ ኺሰርሑን ኪነብሩለንን እዮም፡ ኣታኽልቲ ወይኒ ኺተኽሉ፡ ፍሬኡውን ኪበልዑ እዮም። . . . ካልኦት ዚነብሩሉ ኣባይቲ ኣይኪሰርሑን፡ ካልኦት ፍሬኡ ዚበልዕዎ ኸኣ ኣይኪተኽሉን እዮም።”—ኢሳይያስ 65:21, 22።

“ኣምላኽ ከኣ ንብዘሎ ንብዓት ካብ ኣዒንቶም ኪደርዝ እዩ። እቲ ቐዳማይ ሐሊፉ እዩ እሞ፡ ድሕሪ ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን፡ ድሕሪ ደጊምውን ሓዘን፡ ወይ ጫውጫው፡ ወይ ጻዕሪ ኣይኪኸውንን እዩ።”—ራእይ 21:3, 4።

“ሽዑ ኣዒንቲ ዕዉራት ኪኽፈታ፡ ኣእዛን ጸማማት ከኣ ጋህ ኪብላ እየን። ሽዑ ሓንካስ ከም እራብ ኪሰርር፡ ልሳን እቲ ዓባስ ከኣ እልል ኪብል . . . እዩ።”—ኢሳይያስ 35:5, 6።

“ኣብ መቓብር ዘለዉ ዅላቶም ድምጹ [ድምጺ የሱስ] ዚሰምዑላ ሰዓት ክትመጽእ እያ፡ ሰናይ ዝገበሩ ናብ ትንሳኤ ህይወት . . . ኺወጹ እዮም።”—ዮሃንስ 5:28, 29።

“ትሑታት ግና ንምድሪ ኺወርስዋ እዮም፡ ብብዝሒ ሰላም ከኣ ደስ ኪብሎም እዩ።”—መዝሙር 37:11።

እዚ ብሓቂ ብስራት እዩ። ድሮ እተፈጸመ ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዚሕብሮ፡ መንግስቲ ኣምላኽ ንጽድቃዊ ግዝኣታ ኣብ ምድሪ እተስፍነሉ ግዜ ርሑቕ ኣይኰነን።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ