ወንጌል ዚሰብኩ ዘለዉ መን እዮም፧
“. . . ኣብ ብዘላ ዓለም ኪስበኽ እዩ።”—ማቴዎስ 24:14።
ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ነቲ ወንጌል ኣብ ብዘላ ዓለም ይሰብክዎ ኣለዉ። ነዚ ኸኣ ብእተፈላለየ መገዲ እዮም ዚገብርዎ። ሓደ ኻብኡ በዚ ዚስዕብ መገዲ እዩ፦
ብቓል። ልክዕ ከም የሱስን ደቀ መዛሙርቱን፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ብስራት ሒዞም ናብ ሰባት እዮም ዚኸዱ። (ሉቃስ 8:1፣ 10:1) ሰባት ናብኦም ኪመጹ ኣይኰኑን ዚጽበዩ። ልዕሊ ሸውዓተ ሚልዮን ዚዀኑ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ድማ፡ ንሰባት ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ይምስክሩሎም ኣለዉ። ካብ ቤት ናብ ቤትን ኣብ ጐደናታትን ብተሌፎንን ብኻልእ መገድን እዮም ዚሰብኩ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብዚ ንጥፈት እዚ፡ ልዕሊ ሓደ ቢልዮንን ፈረቓን ሰዓት ኣሕሊፎም እዮም።
ንኻልኦት ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብዛዕባ እቲ ‘የሱስ ዝኣዘዞ ነገራት’ እውን ይምህርዎም እዮም። (ማቴዎስ 28:20) ወትሩ ምስ ልዕሊ ሸሞንተ ሚልዮን ዚዀኑ ሰባት ናጻ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ይገብሩ እዮም።
ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ 236 ሃገራት ይሰብኩ እዮም። ኪሰብኩ ኸለዉ፡ ሰብ ኣይመርጹን እዮም። ኣብ ገጠርን ኣብ ከተማን፡ ኣብ ኣማዞን ኣብ ዚርከብ ጫካን ኣብቲ ብበረድ እተሸፈነ ሳይበርያን፡ ኣብ ኣፍሪቃ ኣብ ዚርከብ ምድረ-በዳን ኣብ ኣኽራን ሂማላያን ይሰብኩ እዮም። ብደሞዝ ዘይኰነስ፡ በታ ንኣምላኽን ንብጻዮምን ዘላቶም ፍቕሪ ተደሪኾም፡ ብናታቶም ወጻእን ግዜን እዮም ዚዓዩ። በዚ ዚስዕብ መገዲ እውን ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ይሰብኩ እዮም፦
ብጽሑፋት። እዛ፡ መንግስቲ ኣምላኽ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ ዘርእስታ መጽሔት፡ ሕጂ ብ185 ቋንቋታት ትሕተም ኣላ፣ ነፍሲ ወከፍ ሕታም ድማ ብልዕሊ 42 ሚልዮን ቅዳሓት ይዝርጋሕ ኣሎ። እታ ብጸይታ ዝዀነት መጽሔት ንቕሑ! እውን፡ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ እትእውጅ ኰይና፡ ብ83 ቋንቋታት ትሕተም፣ ነፍሲ ወከፍ ሕታም ከኣ ብኣስታት 40 ሚልዮን ቅዳሓት ይዝርጋሕ።
ብዛዕባ ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ዚገልጽ መጻሕፍትን ብሮሹራትን ትራክትታትን ሲዲታትን MP3ን ዲቪዲን ብኣስታት 540 ቋንቋታት ተዳልዩ እዩ። ብዘይካዚ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመት ጥራይ፡ ካብቲ እተጠቕሰ ጽሑፋት፡ ልዕሊ 20 ቢልዮን ዚኸውን ኣዳልዮምን ዘርጊሖምን እዮም፣ እዚ ኸኣ ብገምጋም ንሓደ ሰብ ሰለስተ ጽሑፋት ማለት እዩ።
ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ እተፈላለየ ትርጕማት መጽሓፍ ቅዱስ ሓቲሞምን ኣሕቲሞምን እዮም። እቲ ባዕሎም ተርጒሞምን ሓቲሞምን ዚዝርግሕዎ ዘለዉ ናይ ቅዱሳት ጽሑፋት ትርጕም ሓዳስ ዓለም፡ ሕጂ ብምሉእ ወይ ብኸፊል ብ96 ቋንቋታት ኪርከብ ይከኣል እዩ። ልዕሊ 166 ሚልዮን ዚኸውን ቅዳሓት ድማ ተዘርጊሑ ኣሎ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ ብስራት በዚ ዚስዕብ መገዲ እውን ንኻልኦት የካፍሉ እዮም፦
ብክርስትያናዊ ኣኼባታት። ኣብ ከባቢኻ ኣብ ዚርከብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ዚግበር ሰሙናዊ ኣኼባታት፡ ሃይማኖታዊ ኣገልግሎት ጥራይ ኣይኰነን፣ ትምህርቲ ንምሃብ ተባሂሉ እዩ ተዳልዩ። ኣብኡ ዚወሃብ መደረታት፡ ንጕዳያት መጽሓፍ ቅዱስ ዚምልከት እዩ፣ ብመጽሔት ግምቢ ዘብዐኛን ካልእ ጽሑፋትን ጌርካ ኸኣ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ይካየድ። ኣብቲ ኣኼባታት፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ዝያዳ ውጽኢታውያን ኣወጅቲ እቲ ብስራት ኪዀኑ ይመሃሩ እዮም።
ኣብ መላእ ምድሪ ኣብ ዚርከባ ልዕሊ 107,000 ዚዀና ጉባኤታት ዘለዉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ሓደ ዓይነት ጽሑፍ ስለ ዜጽንዑ፡ ነቲ ኣብ መንጎኦም ዘሎ ሓድነት ኣበርክቶ ይገብር እዩ። እዚ ኣኼባታት እዚ፡ ንህዝቢ ኽፉት እዩ። ገንዘብ ንምእካብ ዚዘውር ነገር የልቦን። ሓቂ እዩ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ ዚሰብክዎ ኣብ ግብሪ ዘየውዕልዎ እንተ ዚዀኑ ነይሮም፡ እዚ ዅሉ ትርጕም ኣይምሃለዎን ነይሩ። ስለዚ፡ ነቲ ወንጌል በዚ ዚስዕብ መገዲ እውን ይሰብክዎ እዮም፦
ብኣብነት። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብክርስትያናዊ ኣካይዳኦም ኣብነታውያን ኪዀኑ ዚከኣሎም እዮም ዚገብሩ፣ ከምቲ ኺግበረሎም ዚደልይዎ ንኻልኦት ኪገብሩ እውን ይጽዕሩ እዮም። (ማቴዎስ 7:12) ዘይፍጹማትን ሓድሓደ ግዜ ይጋገዩን እኳ እንተ ዀኑ፡ ወንጌል ብምስባኽ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብእተኻእሎም መጠን ንኻልኦት ብምሕጋዝ እውን ምስ ኵሎም ሰባት ብፍቕራዊ መገዲ ኺመላለሱ እዮም ዚደልዩ።
ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብዕዮ ስብከቶም ገይሮም ንዓለም እምነታ ኬቐይርዋ ኣይኰኑን ዚጽዕሩ። የግዳስ፡ እቲ ዕዮ ንየሆዋ ብዜዕግብ መገዲ ምስ ተዓየ፡ ከምቲ የሱስ እተነበዮ፡ መወዳእታ ኺመጽእ እዩ። እዚ ንምድርን ነቶም ኣብኣ ዚነብሩ ሰባትን እንታይ ትርጕም እዩ ዘለዎ፧
[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]
ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ነቲ ወንጌል ኣብ ብዘላ ዓለም ይሰብክዎ ኣለዉ