ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w11 1/3 ገጽ 12-14
  • መጽሓፍ ቅዱስ ንጠላዕ ይዅንኖ ድዩ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • መጽሓፍ ቅዱስ ንጠላዕ ይዅንኖ ድዩ፧
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ዕድል ዘለዎ ናይ ምስዳዕ ሓይሊ
  • ምንጪ እቲ ሽልማት
  • ክንርሕቖ ዘሎና “መፈንጠራ”
  • ክርስትያናት ክጣልዑ ይኽእሉዶ፧
    ንቕሑ!—1999
  • ጠላዕ
    ንቕሑ!—2015
  • ጠላዕ ሓጢኣት ድዩ፧
    መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2002
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
w11 1/3 ገጽ 12-14

መጽሓፍ ቅዱስ ንጠላዕ ይዅንኖ ድዩ፧

ህቡብ ፊልምታትን መደባት ተለቪዥንን ንጠላዕ፡ ብፍላይ ከኣ ካዚኖ ተባሂሉ ኣብ ዚፍለጥ መጣልዒ ቤት ንዚጽወት ጠላዕ፡ መሕለፍ ግዜ ምልኩዓትን ሃብታማትን ስልጡናትን ከም ዝዀነ ገይሩ እዩ ዜቕርቦ። ልክዕ እዩ፡ ተመልከትቲ፡ እቲ ዚርእይዎ ዛንታ፡ ልብ ወለድ ደኣ እምበር፡ ናይ ሓቂ ኸም ዘይኰነ ይፈልጡ እዮም።

ኰይኑ ግን፡ ኣብ ናይ ሓቂ ዓለም ኣብ ርእሲ ካዚኖታት፡ ሎተርን ኣብ ስፖርታዊ ውድድራት ዚግበር ውርርድን ብኢንተርነት ዚግበር ጠላዕን ኣሎ። ኢንተርነት ጋምብሊንግ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ጠላዕ “ኣብ መላእ ዓለም ከም ባርዕ ዚላባዕ ዘሎ ኣመል እዩ” በለት። ንኣብነት፡ ፖከር ዚበሃል ዓይነት ጸወታ ካርታ፡ ኣብ ተለቪዥንን ኢንተርነትን ልሙድ ጸወታ እናዀነ ይመጽእ ኣሎ። ሓንቲ ጋዜጣ ኸም ዝሓበረቶ፡ ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ፡ ኣብ ቀረባ እዋን፡ ኣብ ዓመትን መንፈቕን ጥራይ ቍጽሪ ተጻወትቲ ፖከር ብዕጽፊ ኸም ዝወሰኸ ኽኢላታት ገሚቶም እዮም።

ጠላዕ፡ ውጽኢቱ ኣብ ዘይተፈልጠ ነገር ብገንዘብ ዚግበር ውርርድ ተባሂሉ ኺግለጽ ይከኣል እዩ። ብዙሓት ሰባት፡ ብገንዘብካ ኽሳዕ እተጣላዕካን ወልፊ ኽሳዕ ዘይኰነካን፡ ጠላዕ ጌጋ የብሉን ኢሎም ይሓስቡ እዮም። አረ ኒው ካቶሊክ ኢንሳይክሎፔድያ ዚበሃል መዝገበ-ፍልጠትሲ፡ ጠላዕ፡ “ወልፊ ኣትሒዙ ግቡእካ ኸም ዘይትፍጽም ክሳዕ ዘይገበረካ፡ ሓጢኣት ኣይኰነን” እዩ ዚብል። ይኹን እምበር፡ ነዚ መደምደምታ እዚ ዚድግፍ ሓሳብ፡ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ኣይርከብን እዩ። እሞኸ ክርስትያናት ነዚ ብኸመይ ኪርእይዎ ኣለዎም፧ መጽሓፍ ቅዱስ ንጠላዕ ዕሽሽ ይብሎ ድዩ፡ ወይስ ይዅንኖ፧

ቅዱሳት ጽሑፋት ብዛዕባ ጠላዕ ብቐጥታ ኣይገልጽን እዩ። ብዛዕባ እዚ ዋላ ሓንቲ መምርሒ ኽንረክብ ኣይንኽእልን ማለት ግን ኣይኰነን። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ንነፍሲ ወከፍ ንጥፈት ወይ ኵነት ዚቕይድ ሕጊ ኣብ ክንዲ ዚህብ፡ “ፍቓድ ጐይታ እንታይ ምዃኑ ኣስተውዕሉ” እዩ ዚብለና። (ኤፌሶን 5:17) ብመሰረት ኢተልበርት ዊልያም ቡሊንገር ዚስሙ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምሁር፡ እታ “ኣስተውዕሉ” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ናይ ግሪኽኛ ቓል፡ ነቲ “ብምስትንታንን ብምሕሳብን ዚጥረ ፍልጠት” ተመልክት። ስለዚ፡ ሓደ ክርስትያን ብዛዕባ እቲ ምስ ጠላዕ ዚተሓሓዝ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ብምሕሳብን ብምስትንታንን፡ ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ ኼስተውዕል ይኽእል እዩ። ነዚ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ጥቕስታት ከተንብብ ከለኻ፡ ንርእስኻ፡ ‘ጠላዕ ምስ ቅዱሳት ጽሑፋት ይሰማማዕ ድዩ፧ ኣምላኽ ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ እንታይ ኣረኣእያ ኣለዎ፧’ ኢልካ ሕተት።

ዕድል ዘለዎ ናይ ምስዳዕ ሓይሊ

ጠላዕ፡ ውጽኢቱ ኣብ ዘይተፈልጠ ነገር ዚግበር ውርርድ ዜጠቓልል ስለ ዝዀነ፡ ዕድል፡ ማለት ንዘይተሓስበ ፍጻመታት ዚቈጻጸር ምስጢራዊ ሓይሊ፡ ብፍላይ ብገንዘብ ኣብ ዚግበር ውርርድ ዓብዪ ግደ ኣለዎ። ንኣብነት፡ ኣብ ሎተሪ ጽቡቕ ዕድል ከም ዜምጽእ ዚእመነሉ ቝጽርታት ይሕረ እዩ፣ ማህ-ጆንግ ዚበሃል ዓይነት ጸወታ ዚጻወቱ ማሪታዊ እምነት ዘለዎም ሰባት፡ ገሊኡ ቓላት ኪዝረብ ኣይፈቕዱን እዮም፣ ሰባት፡ ዳይ ቅድሚ ምድርባዮም ኡፍ ይብሉሉ እዮም። ስለምንታይ፧ ዕድል ነቲ ውጽኢት ምሉእ ብምሉእ ወይ ብእተወሰነ ደረጃ ኸም ዚጸልዎ ስለ ዚኣምኑ እዮም።

ብዕድል ምእማን ግን ዋላ ሓንቲ ዘይጐድእ ድዩ፧ ኣብ ጥንታዊት እስራኤል ዝነበሩ ገሊኦም ሰባት ከምኡ ተሰሚዕዎም ነይሩ እዩ። ዕድል ብልጽግና ኸም ዜምጽኣሎም ይኣምኑ ነበሩ። የሆዋ ኣምላኽ ግን ብዛዕባ እዚ ኸመይ ተሰምዖ፧ ኣምላኽ ብነብዪ ኢሳይያስ ኣቢሉ፡ “ንስኻትኩም እዞም ንኣይ ንእግዚኣብሔር እትኃድጉ፥ ንጽዮን ቅዱስ ከረነይ እትርስዑ፥ ዕድልኩም ምእንቲ ኺጽብቕ ንጋድ፥ መወዳእታኹም ምእንቲ ኺጽብቕ ከኣ ንሜኒ እተምልኹ” በሎም። (ኢሳይያስ 65:11፡ ትርጕም 1990) ብዕድል ምእማን፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ከም ኣምልኾ ጣኦት ጌርካ እዩ ዚርአ፣ ምስ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ድማ ኣይቃዶን። ኣብቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ዘይኰነስ፡ ብሓሳብ ኣብ እተፈጥረ ሓይሊ ኸም እትውከል ዜርኢ እዩ። ሎሚ እውን ኣምላኽ ኣተሓሳስባኡ ኣይቀየረን።

ምንጪ እቲ ሽልማት

ብኢንተርነት ዚጣልዑ፡ ሎተሪ ዚዕድጉ፡ ኣብ ስፖርት ዚወራረዱ፡ ወይ ኣብ ካዚኖ ዚጻወቱ ተጣላዕቲ፡ ምንጪ እቲ ኺዕወቱ ኸለዉ ዚረኽብዎ ሽልማት እንታይ ምዃኑ ኣይግደስሉን እዮም። ጠላዕ፡ ተጣላዕቲ ንገንዘብ እቶም እተሳዕሩ ተጻወትቲ ንኺወስዱ ኸም ዚምነዩ ስለ ዚገብር፡ ካብ ሕጋዊ ዕደጋን መሸጣን እተፈልየ እዩ።a ማእከል ወልፍን ኣእምሮኣዊ ጥዕናን ካናዳ ኸም ዝሓበሮ፡ “ሓደ ሰብ ሎተሪ ተዓዊቱ ሚልዮናት ኪሓፍስ ከሎ፡ ሚልዮናት ሰባት ገንዘቦም ይስእኑ እዮም።” ሓደ ክርስትያን፡ ኣምላኽ ብዛዕባ እዚ እንታይ ከም ዚስምዖ ንኺፈልጥ ዚሕግዞ ኣየናይ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ እዩ፧

እታ ኻብተን ንእስራኤላውያን እተዋህባ ዓሰርተ ትእዛዛት ናይ መወዳእታ ዝዀነት ትእዛዝ፡ “ቤት ብጻይካ ኣይትተምነ። ሰበይቲ ብጻይካ፡ ግዙኡ፡ ግዝእቱ፡ ብዕራዩ፡ ኣድጉ፡ ገንዘብ ብጻይካ ዘበለ ዅሉ ድማ ኣይትተምነ” ትብል። (ዘጸኣት 20:17) ንብረትን ጥሪትን ሃብትን ገንዘብን ብጻይካ ምትምናይ፡ ከቢድ ሓጢኣት ከም ዝዀነ ተገሊጹ ኣሎ፣ ሰበይቲ ብጻይካ ምስ ምትምናይ ከኣ ተዘርዚሩ ኣሎ። ዘመናት ጸኒሑ፡ ሃዋርያ ጳውሎስ ነዚ ትእዛዝ እዚ ንክርስትያናት ኪደግመሎም ከሎ፡ “ኣይትመነ” በሎም። (ሮሜ 7:7) ተዓዊቱ ገንዘብ ካልእ ኪረክብ ዚደሊ ክርስትያን፡ ብኸምዚ ዝኣመሰለ ትምኒት ገበነኛ ኺበሃል ይከኣል ድዩ፧

ጀይ. ፊሊፕ ቮገል ዚበሃል ኣዳላዊ ዓምዲ፡ “[መብዛሕትኦም ተጣላዕቲ] ይእመኑሉ ወይ ኣይእመኑሉ ብዘየገድስ፡ ቅድሚ ምጥላዖም ነቲ ዘለዎም ገንዘብ፡ ዋላ እውን ሒደት ዶላራት ይኹን፡ ናብ ብዙሕ ገንዘብ ኪልውጥዎ እዮም ዚሓልሙ” በለ። ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ተጣላዕቲ፡ ብሓንሳእ ብዙሕ ገንዘብ ኪረኽቡ ወይ ኪህብትሙ እዮም ዚደልዩ። እዚ ድሌት እዚ ምስቲ ንክርስትያን እተዋህበ፡ “ነቲ ስኡን ዜማቕሎ ምእንቲ ኺህልዎስ፡ ጽቡቕ እናገበረ ደኣ በእዳዉ ይጽዐር” ዚብል ምኽሪ ይጋጮ እዩ። (ኤፌሶን 4:28) ሃዋርያ ጳውሎስ ከኣ፡ “ገለ ሰብ ኪዐዪ ዘይፈቱ እንተ ዀይኑስ ኣይብላዕውን” ኢሉ ብንጹር ተዛሪቡ እዩ። ኣስዕብ ኣቢሉ እውን፡ ንክርስትያናት፡ “እናዐየዩ እንጌራኦም ኪበልዑ” ምዒድዎም እዩ። (2 ተሰሎንቄ 3:10, 12) ኰይኑ ግን፡ ጠላዕ ከም ሕጋዊ ስራሕ ጌርካ ኺርአ ይከኣል ድዩ፧

ጠላዕ ከቢድ ጸወታ ኪኸውን ዚኽእል እኳ እንተ ዀነ፡ ዝዀነ ይኹን ካብኡ ዚርከብ ገንዘብ፡ ኣብ ጸወታ ተዓዊትካ ዚርከብ ደኣ እምበር፡ ጻማ ስራሕካ ወይ ጻማ ዝሃብካዮ ኣገልግሎት ኣይኰነን። ጠላዕ ብገንዘብ ዚግበር ውርርድ ኪኸውን ከሎ፡ ውጽኢቱ ብኣጋጣሚ እዩ ዚውሰን። ሓደ ተጣላዒ፡ ይንዋሕ ወይ ይሕጸር ኪዕወት ከም ዚኽእል እዩ ተስፋ ዚገብር። ብሓጺሩ፡ ዋላ ሓንቲ ኸይገበረ ገንዘብ ኪረክብ እዩ ዚደሊ። ናይ ሓቂ ክርስትያናት ግን፡ ብሓቀኛነት ሰሪሖም ገንዘብ ኪረኽቡ እዮም ተማዒዶም። እቲ ጥበበኛ ንጉስ ሰሎሞን፡ “ንሰብሲ ኻብ ምብላዕን ምስታይን ካብቲ ኺጽዕር ከሎ ንነፍሱ ባህ ምባልን ዚሐይሽ የብሉን” ኢሉ ጽሒፉ እዩ። ኣስዕብ ኣቢሉ እውን፡ “እዚውን ካብ ኢድ እግዚኣብሄር ከም ዝዀነ ርኤኹ” በለ። (መክብብ 2:24) እወ፡ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ተስፋኦም ኣብ ዘይጭቡጥ ነገራት ኣብ ክንዲ ዚገብሩ፡ ወይ ብኣቋራጭ ኪህብትሙ ኣብ ክንዲ ዚፍትኑ፡ ካብ ኣምላኽ እዮም ሓጐስን በረኸትን ኪረኽቡ ዚጽበዩ።

ክንርሕቖ ዘሎና “መፈንጠራ”

ሓደ ተጣላዒ ብኣጋጣሚ ዀይኑሉ ዋላ እኳ እንተ ተዓወተ፡ ብዛዕባ እታ ኣብታ ህሞት እቲኣ ዚረኽቦ ተድላ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ውዒሉ ሓዲሩ ብዛዕባ ዜሕድረሉ ጽልዋ ኺሓስብ ኣለዎ። ምሳሌ 20:21፡ “እቲ ብመጀመርያ ቐልጢፉ [“ብስስዐ፡” NW] እተአከበ ርስቲ መወዳእታኡ ኣይኪባረኽን እዩ” ትብል። ብዙሓት ተዓወትቲ ሎተርን ካልኦት ተጣላዕትን፡ ካብቲ ተዓዊቶም ዝረኸብዎ ሃብቲ፡ ሓጐስ ኣይረኸቡን። እሞ ደኣ፡ ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “በቲ ኽንሕጐስ ኢሉ ዅሉ ብልግሲ ዚህበና ኣምላኽ እምበር፡ በዚ ሓላፊ ሃብቲ” ኸይንእመን ዝሃበና ምኽሪ እንተ ሰዓብናዶ ኣይሓይሽን፧—1 ጢሞቴዎስ 6:17።

ጠላዕ ካልእ ከቢድ ሓደጋ እውን ኣለዎ። ቃል ኣምላኽ፡ “እቶም ኪህብትሙ ዚደልዩ ግና ኣብ ፈተናን መፈንጠራን፡ ኣብ ብዙሕ ንሰብ ናብ ምብራስን ጥፍኣትን ዜስጥሞ ናይ ዕሽነትን ጕድኣትን ትምኒት እዮም ዚወድቁ” ይብል። (1 ጢሞቴዎስ 6:9) መፈንጠራ፡ ግዳይ ኪሕዝ ተባሂሉ እዩ ዚዳሎ። ብሒደት ገንዘብ ኪወራረዱ ወይ ንእተወሰነ እዋን ጥራይ ኪጣልዑ ሓሲቦም ዝነበሩ ታእላው ዘይብሎም ሰባት፡ ብወልፊ ጠላዕ ተታሒዞም እዮም። ጠላዕ ንብዙሓት ሰባት ካብ ስራሖም ኣስጒጉ፡ ልቢ ዚፈትውዎም ሰባት ሰቢሩ፡ ስድራ ቤታት እውን በታቲኑ እዩ።

እሞኸ ነዚ ምስ ጠላዕ ዚተሓሓዝ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ድሕሪ ምምርማርካ፡ ኣብዚ ጕዳይ እዚ ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ ኣስተውዒልካዶ፧ ሃዋርያ ጳውሎስ ንክርስትያን ብጾቱ፡ “እቲ ሰናይን ባህ ዜብልን ምሉእን ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ ምእንቲ ኽትምርምሩስ፡ ብምሕዳስ ሓሳብኩም ተለወጡ እምበር፡ ነዛ ዓለም እዚኣ ኣይትምሰልዋ” ኢሉ ተማሕጺንዎም እዩ። (ሮሜ 12:2) ክርስትያናት ብፍቓድ ኣምላኽ ደኣ እምበር፡ ብኣረኣእያ ሓፋሽ ኣይኰኑን ኪምርሑ ዘለዎም። የሆዋ “ብሩኽ ኣምላኽ” ስለ ዝዀነ፡ መፈንጠራ ጠላዕ ካብ ዜስዕቦ መሪር ሳዕቤን ናጻ ዄንና ንህይወትና ኸነስተማቕራ እዩ ዚደልየና።—1 ጢሞቴዎስ 1:11።

[እግረ-ጽሑፍ]

a እታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት፡ ናይ 8 ጥቅምቲ 2000 ሕታም ንቕሑ! (እንግሊዝኛ)፡ ካብ ገጽ 25 ክሳዕ 27፡ ኣብ ዕዳጋ ኣክስዮን ዚግበር ወፍሪ፡ ካብ ጠላዕ ብኸመይ ከም ዚፍለ ትገልጽ።

[ኣብ ገጽ 14 ዘሎ ስእሊ]

ኣገልገልቲ ኣምላኽ ብሓቀኛነት ሰሪሖም እዮም ገንዘብ ዚረኽቡ

[ኣብ ገጽ 13 ዘሎ ሳጹን]

ዓወት ዜሕድሮ ስምዒት

ጠላዕ ብቐሊሉ ወልፊ የሕድር ድዩ፧ ዶክተር ሃንስ ብራይተር፡ ብዛዕባ እቲ ተጣላዕቲ ኺዕወቱ ወይ ኪብልዑ ኸለዉ ዚህብዎ መልሰ-ግብሪ መጽናዕቲ ድሕሪ ምግባሩ፡ “ኣብ ከም ጠላዕ ዝኣመሰለ ዚወሃብ ገንዘባዊ ሽልማት፡ ምስቲ ሓደ ውሉፍ ኮከይን፡ ኮከይን ኪወስድ ከሎ ኣብ ኣእምሮኡ ዚርአ ንጥፈት ኣጸቢቑ ዚመሳሰል እዩ” በለ።

[ኣብ ገጽ 13 ዘሎ ስእሊ]

ተጣላዕቲ ናይ መን ገንዘብ ኪሓፍሱ እዮም ዚምነዩ፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ