ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w11 1/3 ገጽ 21
  • ኣምላኽ ንድያብሎስ ፈጢርዎ ድዩ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ኣምላኽ ንድያብሎስ ፈጢርዎ ድዩ፧
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣምላኽ ንድያብሎስ ፈጢርዎ ድዩ፧
    መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
  • ጸላኢ ናይ ዘለኣለም ህይወት
    ኣብ ገነት ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ምንባር ትኽእል ኢኻ
  • መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2013
  • ድያብሎስ ብሓቂ ኸም ዘሎ ትኣምን ዲኻ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2005
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
w11 1/3 ገጽ 21

ሕቶታት ኣንበብትና

ኣምላኽ ንድያብሎስ ፈጢርዎ ድዩ፧

▪ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣምላኽ ‘ንዅሉ ኸም ዝፈጠረ’ ስለ ዚገልጽ፡ ገሊኦም ሰባት፡ ኣምላኽ ንድያብሎስ እውን ከም ዝፈጠሮ ይኣምኑ እዮም። (ኤፌሶን 3:9፣ ራእይ 4:11) መጽሓፍ ቅዱስ ግን ከምኡ ኣይብልን እዩ።

የሆዋ ነቲ ጸኒሑ ድያብሎስ ዝዀነ ፍጡር ፈጢርዎ እዩ። እምበኣር፡ እዚ ብዛዕባ ህልውና እቲ ቐንዲ ተጻባኢ ኣምላኽ ዚገልጽ ሓሳብ፡ ምስቲ ቕዱሳት ጽሑፋት ብዛዕባ እቲ ፈጣሪ ዝዀነ የሆዋ ዚገልጾ ነገራት ኪሰማማዕ ኣለዎ። ቅዱሳት ጽሑፋት ብዛዕባ ኣምላኽ፡ “ኵሉ መገዱ ፍርዲ እዩ እሞ፡ እቲ ኸውሒ ግብሩ ፍጹም እዩ፡ ዓመጽ ዜብሉ ኣምላኽ እምነት እዩ፡ ንሱ ጻድቕን ቅኑዕን እዩ” ይብለና። (ዘዳግም 32:3-5) ካብዚ ሓሳብ እዚ ኸም እንርድኦ፡ ሰይጣን፡ ኣብ ፈለማ ኸም ሓደ ኻብቶም ኣምላኽ ዝፈጠሮም መላእኽቲ መጠን፡ ፍጹምን ጻድቕን እዩ ነይሩ። የሱስ ኣብ ዮሃንስ 8:44 ብዛዕባ ድያብሎስ፡ “ኣብ ሓቂ ኣይጸንዔን” በለ፣ እዚ ኸኣ ኣብ ፈለማ ሓቀኛን በደል ዘይብሉን ከም ዝነበረ ዚሕብር እዩ።

ይኹን እምበር፡ እዚ ጸኒሑ ሰይጣን ዝዀነ መልኣኽ እዚ፡ ከምቶም ካልኦት የሆዋ ዝፈጠሮም መስተውዓልቲ ፍጡራት፡ ቅኑዕን ጌጋን ናይ ምምራጽ ናጽነት ነይርዎ እዩ። ንኣምላኽ ብምቅዋምን ነቶም ቀዳሞት ሰብኣይን ሰበይትን ምስኡ ንኺሓብሩ ብምልዕዓልን፡ ሰይጣን፡ ማለት “ተጻራሪ” ዀነ።—ዘፍጥረት 3:1-5።

እዚ እኩይ መንፈሳዊ ፍጡር እዚ፡ ድያብሎስ፡ ማለት “መካፍኢ” እውን ኰይኑ እዩ። ብተመን ተጠቒሙ ንሄዋን፡ ነቲ ፈጣሪ ዝሃባ ንጹር ሕጊ ንኸይትእዘዝ ብሓሶት ዝሓበላ ንሱ እዩ ነይሩ። ስለዚ ኸኣ እዩ የሱስ ብዛዕባ ሰይጣን፡ “ንሓሶትውን ኣቦኣ እዩ” ዝበለ።—ዮሃንስ 8:44።

እዚ ውሽጣዊ ድኽመት ኰነ ሕማቕ ደጋዊ ጽልዋ ዘይነበሮ ፍጹም መንፈሳዊ ፍጡር፡ ሕማቕ ዝንባለ ኼጥሪ ዝኸኣለ ደኣ ብኸመይ እዩ፧ ነቲ ንኣምላኽ ጥራይ ዚግባእ ኣምልኾ ተመንዩ ኪኸውን ኣለዎ። ብዘይካዚ፡ ደቂ ሰብ፡ ኣብ ክንዲ ንየሆዋ፡ ንዕኡ ኸም ዚግዝኡ ኺገብር ዚኽእለሉ ኣጋጣሚ ረኣየ። ገዛኢ ብዛዕባ ምዃን ብቐጻሊ ስለ ዝሓሰበ፡ ኣብ መወዳእታ ትምኒቱ ኺፍጽም ፈተነ። እዚ ኸመይ ኢሉ ኸም ዚኸውን ያእቆብ ኪገልጽ ከሎ፡ “ነፍሲ ወከፍ ግና ብገዛእ ትምኒቱ ተስሒቡን ተሐቢሉን እዩ ዚፍተን። ደሓር፡ ትምኒት ምስ ጠነሰት፡ ንሓጢኣት ትወልዶ” በለ።—ያእቆብ 1:14, 15፣ 1 ጢሞቴዎስ 3:6።

ነዚ ብምሳሌ ንምብራህ፦ ንሓደ ተቘጻጻሪ ሕሳብ እሞ ኣብ ኣእምሮኻ ስኣል። እዚ ተቘጻጻሪ ሕሳብ እዚ፡ ውልቃዊ ጥቕሚ ዚረኽበሉ ሰነዳት ካብ ኩባንያኡ ኺሰርቕ ዚኽእለሉ ኣጋጣሚ ኸም ዘሎ ሓሲቡ ንበል። ነዚ ግጉይ ሓሳብ ቀልጢፉ ኻብ ኣእምሮኡ የውጽኦ ይኸውን። ብዛዕባኡ ኼስተንትን እንተ ጀሚሩ ግን፡ ነቲ ሓሳብ እናፈተዎ ስለ ዚመጽእ፡ ነቲ ሰነዳት ይወስዶ ይኸውን። ከምኡ እንተ ገይሩ፡ ባዕሉ ሰራቒ ዀይኑ ማለት እዩ። ብዛዕባ እቲ ዝፈጸሞ ገበን እንተ ሓስዩ ኸኣ፡ ሓሳዊ ይኸውን። ብተመሳሳሊ፡ እቲ ኣምላኽ ዝፈጠሮ መልኣኽ፡ ግጉይ ትምኒታት ብምሕዳርን ነቲ ትምኒታቱ ብምፍጻምን፡ ነቲ ናይ ምምራጽ ናጽነቱ ንምትላልን ኣንጻር ኣቦኡ ንምዕላውን ስለ እተጠቕመሉ፡ ሰይጣን ድያብሎስ ኰነ።

እቲ ዜሐጕስ ግን፡ ሰይጣን ድያብሎስ ኣብቲ ኣምላኽ ዝመደቦ ግዜ ኺጠፍእ እዩ። (ሮሜ 16:20) ክሳዕ ሽዑ ግን፡ እቶም ንየሆዋ ኣምላኽ ዜምልኹ ሰባት፡ ውዲት ሰይጣን እንታይ ምዃኑ ተነጊርዎምን ካብ ፍሕሶኡ ዕቝባ ዚረኽቡሉ መገዲ ተዳልዩሎምን ኣሎ። (2 ቈረንቶስ 2:11፣ ኤፌሶን 6:11) እምበኣር፡ “ንድያብሎስ . . . ተጻረርዎ እሞ፡ ንሱ ኻባኻትኩም ኪሀድም እዩ።”—ያእቆብ 4:7።

[ኣብ ገጽ 21 ዘሎ ስእሊ]

ሓደ ፍጹም ዝነበረ መልኣኽ ንኣምላኽ ብምጽራሩ፡ ባዕሉ ሰይጣን ኰነ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ