ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w11 1/5 ገጽ 4
  • ትንቢት 1. ምንቅጥቃጥ ምድሪ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ትንቢት 1. ምንቅጥቃጥ ምድሪ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ብርቱዕ ምንቅጥቃጥ ምድሪ—መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባኡ እንታይ ተነብዩ፧
    ተወሳኺ ርእሰ ነገራት
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
w11 1/5 ገጽ 4

ትንቢት 1. ምንቅጥቃጥ ምድሪ

“ዓብዪ ምንቅጥቃጥ ምድሪ . . . ኪኸውን እዩ።”—ሉቃስ 21:11።

● ኣብ ሀይቲ እትነብር ዊኒ ዝስማ ጓል ዓመትን ኣርባዕተ ወርሕን ሕጻን፡ ካብ ፍርስራስ ወጸት። ክትቅንዞ ኸላ ዝሰምዑ ኣብቲ ዝዓነወ ኸባቢ ዀይኖም ጸብጻብ ዚህቡ ዝነበሩ ጋዜጠኛታት ተለቪዥን እዮም ኣድሒኖምዋ። ንሳ ኻብቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ እኳ እንተ ደሓነት፡ ወለዳ ግን ኣይደሓኑን።

መርትዖታት እንታይ ይሕብር፧ ጥሪ 2010 ኣብ ሀይቲ ዘጋጠመ 7.0 ሬክተር ዝዓቐኑ ምንቅጥቃጥ ምድሪ፡ ንልዕሊ 300,000 ሰባት ቀተለ። ብዘይካዚ፡ 1.3 ሚልዮን ሰባት፡ ብኡንብኡ ብዘይ መጽለሊ ተረፉ። እዚ ኣብ ሀይቲ ዘጋጠመ ሓደጋ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዝኸፍአ እኳ እንተ ዀነ፡ ሓድሽ ተርእዮ ግን ኣይኰነን። ካብ ሚያዝያ 2009 ክሳዕ ሚያዝያ 2010፡ እንተ ወሓደ 18 ዓበይቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኣብ መላእ ዓለም ኣጋጢሙ እዩ።

ብተደጋጋሚ ዚስማዕ ተቓውሞ እንታይ እዩ፧ ሎሚ ሳላ ዘመናዊ ተክኖሎጂ፡ ቀደም ካብ ዝነበሩ ሰባት ብዝያዳ ግንዛበ ስለ ዘሎና ደኣ እምበር፡ እዚ ኣብ ዘመንና ዚርአ ዘሎ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኻብቲ ናይ ቀደም ዝበዝሐ ኣይኰነን።

እዚ ተቓውሞ እዚ ርትዓዊ ድዩ፧ ነዚ ዚስዕብ እስከ ሕሰበሉ፦ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ንብዝሒ እቲ ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት ዜጋጥም ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኣይኰነን ዜጕልሕ። የግዳስ፡ “በብቦታኡ” “ዓብዪ ምንቅጥቃጥ ምድሪ” ኸም ዚኸውን እዩ ዚገልጽ፣ እዚ ኸኣ ሓደ ኻብቲ ኣብ ታሪኻዊ እዋን ንነብር ከም ዘለና ዜርኢ ንጹር መርትዖ እዩ።—ማርቆስ 13:8፣ ሉቃስ 21:11።

ንስኻኸ እንታይ ይመስለካ፧ ከምቲ መጽሓፍ ቅዱስ እተነበዮ ዝዓይነቱ ዓብዪ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ድዩ ዜጋጥም ዘሎ፧

ምንቅጥቃጥ ምድሪ በይኑ፡ ኣብ ዳሕሮት መዓልትታት ንነብር ከም ዘሎና መርትዖ ኣይኰነናን እዩ። እዚ ኻብቲ ፍጻሜኡ ዚረክብ ዘሎ ትንቢታት ሓደ ጥራይ እዩ። ነቲ ኻልኣይ እስከ ንመርምሮ።

[ኣብ ገጽ 4 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

“ንሕና [ተመራመርቲ ጂኦፊዚክስ] ዓብዪ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኢልና ኢና እንጽውዖ። ካልእ ሰብ ከኣ፡ ዜስካሕክሕ እዩ ዚብሎ።”—ኬን ሁድነት፡ ጂኦሎጅያዊ መጽናዕቲ ሕ.መ.ኣ።

[ኣብ ገጽ 4 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

© William Daniels/Panos Pictures

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ