ንክርስቶስ፡ ነቲ ፍጹም መራሒና፡ ንስዓቦ
ንሰብኣውያን ገዛእቲ ዚስዕቡ ሰባት፡ ዝበዝሕ ግዜ ዜጕሂ ነገራት የጋጥሞም እዩ። እቶም ንመሪሕነት ክርስቶስ ዚስዕቡ ዘበሉ ግን፡ ከምኡ ኣየጋጥሞምን እዩ። የሱስ፡ “ኣቱም ኵልኹም እትጽዕሩን ጾር ዝኸበደኩምን፡ ኣነ ኸዕርፈኩም ናባይ ንዑ። ኣነ ለዋህ እየ፡ ልበይውን ትሑት፡ . . . ኣርዑተይ ጹሩ ኻባይውን ተምሀሩ፡ ንነፍስኹም ከኣ ዕረፍቲ ኽትረኽቡ ኢኹም” በለ። (ማቴ. 11:28, 29) እወ፡ ብመሪሕነት የሱስ፡ ሓጐስን ዕግበትን ይርከብ እዩ። የሱስ ነቶም ትሑታትን እተደቝሱን ይግደሰሎም እዩ፣ ነቲ ፈኵሽ ኣርዑቱ ኺስከሙ ኸኣ ዓዲምዎም ኣሎ። ንመሪሕነት የሱስ ምስዓብ ግን እንታይ የጠቓልል፧
ሃዋርያ ጴጥሮስ፡ “ክርስቶስ ከኣ፡ ምእንቲ ኣስኣሰሩ ኽትስዕቡ፡ ኣርኣያ ሐዲጉልኩም ምእንታኹም መከራ ጸገበ” ኢሉ ጸሓፈ። (1 ጴጥ. 2:21) ኣስኣሰር ክርስቶስ ምስዓብና ኽሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ እዩ፧ ነታጒ ብዘለዎ ኸባቢ ትሓልፍ ከም ዘለኻ ጌርካ እሞ ኣብ ኣእምሮኻ ስኣል፣ ካብቶም ምሳኻ ዘለዉ ሓደ ጥራይ እዩ በቲ ነታጒ ዘይተቐብሮ ቦታ ኺመርሓካ ዚኽእል። እሞኸ ኣስኣሰሩ እናረገጽካዶ ኣይምሰዓብካዮን፧ ብተመሳሳሊ፡ ዜተኣማምን መጻኢ ኺህልወና ዚኽእል፡ ህይወትና በቲ የሱስ ዝሓደጎ ኣብነት ምስ እንመርሕ እዩ። እዚ ኸኣ፡ ንዕኡ ሰሚዕና ኽንእዘዞን ምስቶም ተወከልቱ ኽንተሓባበርን ኣሎና ማለት እዩ።
ሰሚዕካ ተኣዘዝ
የሱስ ኣብ መወዳእታ እቲ ኣብ ከረን ዝሃቦ ስብከቱ፡ “ነዚ ነገረይ ሰሚዑ ዚገብሮ ዅሉ፡ ቤቱ ኣብ ከውሒ ዝሰርሔ ብልሂ ሰብኣይ ይመስል። ዝናም ዘነመ፡ ውሒዝ ወሐዘ፡ ንፋስውን ነፈሰ፡ ነታ ቤት ከኣ ደፍእዋ። ኣብ ከውሒ ተሰሪታ እያ እሞ፡ ኣይወደቐትን” በለ።—ማቴ. 7:24, 25።
የሱስ፡ ንቓሉ ሰሚዑ ዚእዘዝ ሰብ፡ “ብልሂ” ኸም ዝዀነ እዩ ገሊጹ። ካብ ልብና እዙዛት ብምዃን፡ ነቲ የሱስ ዝሓደጎ ኣብነት ኣኽብሮትን ሞሳን ከም ዘሎና ነርኢ ዲና፡ ወይስ የሱስ ካብ ዝሃበና ትእዛዛት ነቲ ዝቐለለ ወይ ዚሰማምዓና ጥራይ ኢና እንእዘዝ፧ የሱስ፡ “ኵሉ ሳዕ [ንኣምላኽ] ባህ ዜብሎ እገብር እየ” ኢሉ እዩ። (ዮሃ. 8:29) እምበኣር፡ ነቲ የሱስ ዝሓደጎ ኣብነት ክንስዕብ ንጽዓር።
ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ሃዋርያት፡ ንመሪሕነት የሱስ ስለ እተኣዘዙ፡ ጽቡቕ ኣብነት ሓዲጎምልና እዮም። ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ፡ ጴጥሮስ ንየሱስ፡ “እንሆ ንሕና ዅሉ ሐዲግና ሰዐብናካ” በሎ። (ማር. 10:28) እወ፡ ሃዋርያት ንመሪሕነት የሱስ ኣኽቢሮም ስለ ዝረኣይዎ፡ ብፍቓዶም ካልእ ሓዲጎም ስዒቦምዎ እዮም።—ማቴ. 4:18-22።
ምስ ተወከልቲ ክርስቶስ ተሓባበር
የሱስ ቀቅድሚ ሙማቱ፡ ንመሪሕነቱ ኽንስዕብ እንኽእለሉ ኻልእ መገዲ ኺጠቅስ ከሎ፡ “ነቲ ዝለአኽክዎ ዚቕበል ንኣይ ይቕበል” በለ። (ዮሃ. 13:20) ነቶም ቅቡኣት ዝዀኑ ተወከልቱ፡ “ኣሕዋተይ” ኢሉ ጸዊዕዎም ኣሎ። (ማቴ. 25:40) የሱስ ካብ ምዉታት ተንሲኡ ናብ ሰማይ ምስ ከደ፡ እቶም ‘ኣሕዋቱ፡’ “ኣብ ክንዲ ክርስቶስ” ከም ኣምባሳደራት ኰይኖም፡ ሰባት ምስ የሆዋ ኣምላኽ ምእንቲ ኺዕረቑ ንኺዕድሙ ተሸይሞም እዮም። (2 ቈረ. 5:18-20) ስለዚ፡ ንመሪሕነት ክርስቶስ እንተ ተቐቢልና፡ ‘ንኣሕዋቱ’ ኽንእዘዞም ኣሎና።
ብዛዕባ እቲ ብመጽሓፍ ቅዱሳዊ ጽሑፋትና ኣቢሉ ንዚወሃበና እዋናዊ ምኽርታት እንህቦ ምላሽ ምምርማርና ኣገዳሲ እዩ። ቅዱሳት ጽሑፋት ምጽናዕን ኣብ ኣኼባታት ምእካብን እውን፡ ንቓል ክርስቶስ ክንዝክሮ ይሕግዘና እዩ። (2 ጴጥ. 3:1, 2) ብዘይካዚ፡ ነቲ ዚቐርበልና መንፈሳዊ ምግቢ ኣዘውቲርና ምስ እንምገብ፡ ሞሳ ኸም ዘሎና ነርኢ ኢና። ብዛዕባ ሓደ ነገር ብተደጋጋሚ ምኽሪ ኺወሃበና ኸሎ ግን፡ እንታይ ምላሽ ኢና እንህብ፧ ንኣብነት፡ ቃል ኣምላኽ ንክርስትያናት፡ “ብእግዚኣብሄር ጥራይ” ኪምርዓዉ ይመክር እዩ። (1 ቈረ. 7:39) ንልዕሊ ሓደ ዘመን ዚኸውን፡ ብዛዕባ እዚ ኣብ መጽሔት ግምቢ ዘብዐኛ በብእዋኑ ወጺኡ እዩ። ኣሕዋት ክርስቶስ ነዝን ንኻልእ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ምኽርታትን ዝሓዘ ዓንቀጻት ብምሕታም፡ ንመንፈሳዊ ድሕንነትና ዘለዎም ፍቕራዊ ተገዳስነት ኣርእዮም እዮም። ነዚ መዘኻኸሪታት ኣቓልቦ ምግባር፡ ሓደ ኻብቲ ነቲ ፍጹም መራሒና ዝዀነ ክርስቶስ ከም እንስዕብ እነርእየሉ መገዲ እዩ።
ምሳሌ 4:18፡ “መገዲ ጻድቃን ግና ከም ብርሃን ወገግታ እያ፡ ፍጹም መዓልቲ ኽሳዕ ዚኸውን ከኣ፡ እናወሰኸት ትበርህ” ትብል። እወ፡ መሪሕነት የሱስ ድስኩል ዘይኰነስ፡ ንጡፍ እዩ። ምስ ‘ኣሕዋት’ ክርስቶስ እንተሓባበረሉ ኻልእ መገዲ፡ እቲ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” ኣብቲ ብዛዕባ ቕዱስ ጽሑፋዊ ሓቅታት ብዛዕባ ዝነበረና ምርዳእ ዝገበሮ ምትዕርራያት ብጽሑፋት ኬውጽእ ከሎ፡ ኣወንታዊ ኣመለኻኽታ ብምሓዝ እዩ።—ማቴ. 24:45።
ምስቶም ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ እተሸሙ ሓለውቲ ብምትሕብባር እውን፡ ን‘ኣሕዋት’ ክርስቶስ ተገዛእቲ ኸም ዝዀንና ነርኢ ኢና። ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “ንመራሕትኹም ተአዘዝዎምን ተገዝእዎምን። ንሳቶም . . . ምእንቲ ነፍሳትኩም ነቒሖም ይሕልዉ አለዉ” በለ። (እብ. 13:17) ንኣብነት፡ ሓደ ሽማግለ፡ ኣምልኾ ስድራ ቤት ኣዘውቲርና ኽንገብር የተባብዓና፡ ወይ ብዛዕባ ገለ መዳይ ኣገልግሎት ወፍሪ ሓሳብ የካፍለና ይኸውን። ሓደ ገያሺ ሓላዊ ድማ፡ ብዛዕባ ገሊኡ መዳያት ክርስትያናዊ ናብራና፡ ጠቓሚ ቕዱስ ጽሑፋዊ ምኽሪ ይህበና ይኸውን። ነዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ምኽሪ ኣብ ግብሪ ምውዓልና፡ ነቲ ፍጹም መራሒና ዝዀነ የሱስ ከም እንስዕቦ ዜርኢ እዩ።
እቲ ዜሕዝን፡ ዓለም ውጽኢታዊ ዝዀነ መሪሕነት ኣይረኸበትን። ነቲ ፍቕራዊ መሪሕነት ክርስቶስ ምስዓብ ግን፡ ዕረፍቲ እዩ ዜምጽእ። እምበኣር፡ ንመራሒና ንተኣዘዞ፡ ምስቶም ሎሚ ዚጥቀመሎም ዘሎ ተወከልቱ ድማ ንተሓባበር።
[ኣብ ገጽ 27 ዘሎ ስእሊ]
ነቲ ምስ ዘይኣምን ኣብ ሓደ ኣርዑት ከይትጽመድ እተዋህበካ ቕዱስ ጽሑፋዊ ምኽሪ ትቕበሎ ዲኻ፧