ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w11 15/5 ገጽ 6
  • “ንፉዕ ሓላውን ፍቑር ብጻይን”

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • “ንፉዕ ሓላውን ፍቑር ብጻይን”
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ፍሉይ ምልክታ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2001
  • “እነና፡ ልኣኸና!”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2020
  • ንደቅኻ ኻብ ዚርብሽ ዜናታት ኣዕቍቦም
    ንስድራ ቤት
  • ተመረቕቲ ጊልዓድ ልቢ ዚትንክፍ ትምህርቲ ተዋሂብዎም
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2007
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
w11 15/5 ገጽ 6

“ንፉዕ ሓላውን ፍቑር ብጻይን”

ኣባል ኣመሓዳሪ ኣካል ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኰይኑ ዜገልግል ዝነበረ ጆን (ጃክ) ባር፡ ቀዳም ንግሆ፡ 4 ታሕሳስ 2010 ኣብ 97 ዓመት ዕድሜኡ ምድራዊ ህይወቱ ዛዘመ። “ንፉዕ ሓላውን ፍቑር ብጻይን” እውን እዩ ነይሩ።

ሓው ጃክ ባር ኣብ ኣበርዲን፡ ስኮትላንድ እዩ ተወሊዱ፣ ካብቶም ክልተ ኣሕዋቱ ኸኣ እቲ ዝነኣሰ እዩ ነይሩ። ወለዱ ቕቡኣት ክርስትያናት እዮም ነይሮም። ሓው ባር፡ ብንእስነቱ ብዛዕባ ዘሕለፎ ናብራ ስድራ ቤት ባህ ኢልዎ እዩ ዚዛረብ ነይሩ፣ ነቲ እቶም ፍቑራት ኣቦኡን ኣዴኡን ዘርኣይዎ ብሉጽ ኣብነት ከኣ የማስወሉ እዩ ነይሩ።

ጃክ ኰተት ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ንዘይፈልጦም ሰባት ምዝራብ ኣዝዩ ይኸብዶ ነበረ። ይኹን እምበር፡ ነዚ ጸገም እዚ ንኺዋጽኣሉ ኣበርቲዑ ዓየየ፣ ብ1927 ወዲ 14 ዓመት ምስ ኰነ ኸኣ፡ ሓደ ሰንበት ድሕሪ ቐትሪ ንኣቦኡ፡ ካብ ቤት ናብ ቤት ኣብ ዚግበር ዕዮ ስብከት ምስኡ ኪኸይድ ከም ዚደሊ ነገሮ። ካብዚ እዋን እዚ ኣትሒዙ እዩ ንየሆዋ ኼገልግሎ ዝጀመረ። ካብ ሽዑ ንደሓር ከኣ፡ ቀናእ ሰባኺ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ኰነ።

ኣደ ጃክ ዜሕዝን ሓደጋ ኣጋጢሙዋ ኻብ ሞት ንስክላ ምስ ደሓነት፡ ጃክ ብዛዕባ ዕላማ ህይወቱ ብርዝነት ኪሓስብ ጀመረ፣ ብ1929 ርእሱ ንየሆዋ ወፈየ፡ ብ1934 ከኣ ነቲ ዝረኸቦ ናይ መጀመርታ ኣጋጣሚ ተጠቒሙ፡ ወፈያኡ ብጥምቀት ኣርኣየ። ድሕሪኡ፡ ብ1939 ኣባል እቲ ኣብ ለንደን፡ ዓዲ እንግሊዝ ዚርከብ ስድራ ቤትኤል ኰነ። እቲ ን71 ዓመት ዝቐጸለ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎቱ ዝጀመሮ በዚ ኸምዚ እዩ።

ሓው ባር፡ ኣብ 29 ጥቅምቲ 1960 ነታ ፈላሚትን ሚስዮናዊትን ኰይና ንነዊሕ እዋን ብቕንኣት ዘገልገለት ሚልድረድ ዊለት ተመርዓዋ፣ በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ ነቲ ንሱ ባዕሉ፡ “ፍሉይን ዝኸበረን ዝምድና” ኢሉ ዚጽውዖ ርክብ ምስኣ መስረተ። ክሳዕ እቲ ሚልድረድ ኣብ ጥቅምቲ 2004 ምድራዊ ህይወታ ዝዛዘመትሉ እዋን፡ ሓው ባርን ሚልድረድን፡ ኣብነት ዝዀኑን ውፉያትን ሰብ ሓዳር እዮም ነይሮም። ብዘይካዚ፡ መዓልታዊ እተወሰነ ኽፋል መጽሓፍ ቅዱስ ሓቢሮም የንብቡ ነበሩ።

እቶም ንጃክ ባር ዚፈልጥዎ ዘበሉ፡ ብዛዕባኡ ኺለዓል ከሎ፡ ነቲ ዚህቦ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እተመስረተ ሚዛናውን ጽቡቕን ምኽሪ ይዝክርዎ እዮም። ሓው ባር፡ ጻዕራምን ሓላዪን ሰራሕተኛ፡ ፈቃር ሓላዊ፡ እሙን ብጻይ እዩ ነይሩ። እቲ ዜቕርቦ ዝነበረ ሓሳባትን መደረታትን ጸሎትን፡ ዕምቈት መንፈሳውነቱን ምስ የሆዋ ዘለዎ ጥብቂ ርክብን ዜርኢ እዩ ነይሩ።

ሓው ባር ስለ እተፈለየና ሓዚንና እኳ እንተ ዀንና፡ ነቲ ብሃንቀውታ ዚጽበዮን ወትሩ ዚዛረበሉን ዝነበረ ውህበት ዘይሓልፍ ህይወት ብምርካቡ ግን ንሕጐስ ኢና። ሓሳብ ልቡ ሰሚሩሉ እዩ።—1 ቈረንቶስ 15:53, 54።a

[እግረ-ጽሑፍ]

a ታሪኽ ህይወት ጆን ኢ. ባር ከተንብብ እንተ ደሊኻ፡ ኣብ ናይ 1 ሓምለ 1987 ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ)፡ ኣብ ገጽ 26 ክሳዕ 31 ርአ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ