ንኣምላኽ ቅረቦ
ነቶም ስቡር ዝልቦም ዚኸውን መጸናንዒ
‘የሆዋ ፈጺሙ ኣየፍቅረንን እዩ።’ ኣብ መብዛሕትኡ ኽፋል ህይወታ ብጭንቀት እትሳቐ ዝነበረት ክርስትያን ሰበይቲ ኸምዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ በለት። የሆዋ ኻብኣ ርሑቕ ኸም ዝዀነ ገይራ ንርእሳ ኣእመነታ። ብሓቂዶ ግን የሆዋ ኻብቶም እተጨነቑ ኣምለኽቱ ርሑቕ እዩ፧ ኣብ መዝሙር 34:18 ተመዝጊቡ ዚርከብ ዳዊት እቲ ጸሓፍ መዝሙር ዝጸሓፎ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ቓላት፡ ዜጸናንዕ መልሲ ይህብ እዩ።
ዳዊት፡ ብርቱዕ ጭንቂ ኣብ ሓደ እሙን ኣምላኺ የሆዋ ኼሕድሮ ዝኽእል ጽልዋ ይፈልጥ ነበረ። መንእሰይ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ በቲ ኪቐትሎ ተላዒሉ ዝነበረ ሳኦል ዚበሃል ቀናእ ንጉስ እናተሃድነ ይነብር ነበረ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ናብቲ ሳኦል ኪመጾ ዘይክእል ኢሉ ዝሓሰቦ ቦታ፡ ማለት ናብ ጋት እትበሃል ኣብ ክሊ ፍልስጥኤማውያን እትርከብ ከተማ ጸላኢ ኸይዱ ተዓቝበ። መን ምዃኑ ምስ ተፈልጠ ግን፡ ከም ጽሉል መሲሉ ኻብ ሞት ንስክላ ኣምለጠ። ድሕርዚ፡ ኣምላኽ ከም ዘናገፎ ገለጸ፣ ኣብዚ ተመክሮኡ እዚ ተመርኲሱ ድማ፡ ንመዝሙር 34 ጸሓፋ።
ዳዊት፡ ኣምላኽ ካብቶም ጭንቂ ምስ ኣጋጠሞም ዚድቈሱ ወይ ብእኡ እተረስዑ ዀይኑ ዚስምዖም ሰባት ርሑቕ ከም ዝዀነ ይኣምን ነይሩ ድዩ፧ ኣይፋልን፡ ዳዊት ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ፦ “እግዚኣብሄር [“የሆዋ፡” NW] ነቶም ስቡር ልቢ ዘለዎም ቀረባኦም እዩ፡ ነቶም ቅጥቁጥ መንፈስ ዘለዎም ድማ የድሕኖም።” (ቍጽሪ 18)እዘን ቃላት እዚኣተን፡ ብኸመይ ከም ዜጸናንዓን ተስፋ ኸም ዚህባን እስከ ንርአ።
‘የሆዋ ቐረባ እዩ።’ ብመሰረት ሓደ መወከሲ ጽሑፍ፡ እዛ ሓረግ እዚኣ፡ “ጐይታ ብንቕሓት ዚከታተልን ዚሕሉን ከም ዝዀነ፡ ወትሩ እውን ንህዝቡ ንምሕጋዝን ንምድሓንን ድሉው ምዃኑ” እያ እትገልጽ። የሆዋ ንህዝቡ ኸም ዚሕልዎም ምፍላጥና፡ የበራትዓና እዩ። ኣብዚ “ኽፉእ ዘመን” እንታይ የሕልፉ ኸም ዘለዉ ይርኢ፡ ናይ ውሽጢ ስምዒቶም እውን ይፈልጥ እዩ።—2 ጢሞቴዎስ 3:1፣ ግብሪ ሃዋርያት 17:27።
“ነቶም ስቡር ልቢ ዘለዎም።” ኣብ ገሊኡ ባህልታት፡ “ስቡር ልቢ” ኺበሃል ከሎ፡ ፍቕሪ ሂብካ፡ ፍቕሪ ዘይምርካብ እዩ ዜመልክት። ብመሰረት ሓደ ምሁር ግን፡ እተን እቲ ጸሓፍ መዝሙር እተጠቕመለን ቃላት፡ “ንሓፈሻዊ ጓህን ሓዘንን” እየን ዜመልክታ። እወ፡ እሙናት ኣምለኽቲ የሆዋ እውን ከይተረፉ፡ ሓድሓደ ግዜ ብሰንኪ ኸቢድ ጸገም፡ ልቦም ይስበር እዩ።
“ነቶም ቅጥቁጥ መንፈስ ዘለዎም።” እተደቝሱ ሰባት ንርእሶም እምብዛ ኣትሒቶም ስለ ዚርእይዋ፡ ንግዜኡ ፈጺሞም ተስፋ ኪቘርጹ ይኽእሉ እዮም። ብመሰረት ሓደ ንተርጐምቲ መጽሓፍ ቅዱስ እተዳለወ መምርሒ፡ እዛ ሓረግ እዚኣ፡ “ነቶም ተስፋ ዚበሃል ዘይብሎም” ተባሂላ ኽትትርጐም ትኽእል እያ።
የሆዋ ነቶም “ስቡር ልቢ ዘለዎም”ን “ቅጥቁጥ መንፈስ ዘለዎም”ን ብኸመይ እዩ ዚርእዮም፧ ፍቕሩን ቈላሕታኡን ከም ዘይግብኦም ገይሩ ብምርኣይ፡ ካብኦም ይርሕቕ ድዩ፧ ኣይፋሉን! ከምቲ ፈቃር ወላዲ ንዝጨነቖ ውሉዱ ዚሓቝፎን ዜጸናንዖን፡ የሆዋ ድማ ነቶም ሓገዙ ደልዮም ናብኡ ዜእውዩ ኣምለኽቱ ቐረባኦም እዩ። ነቲ ስቡር ልቦምን ቅጥቁጥ መንፈሶምን ኬጸናንዕን ኬደዓዕስን ይደሊ እዩ። ንዜጋጥሞም ዝዀነ ይኹን ፈተና ኺጻወሩ ዜኽእሎም ጥበብን ሓይልን ኪህቦም ይኽእል እዩ።—2 ቈረንቶስ 4:7፣ ያእቆብ 1:5።
ንየሆዋ ብኸመይ ብዝያዳ ኽትቀርቦ ኸም እትኽእል ስለምንታይ ዘይትምርምር፧ እዚ ርሕሩሕ ኣምላኽ እዚ፡ “ንመንፈስ ትሑታት ህያው ክገብሮ፡ ንልቢ ድቑሳት ከኣ ህያው ክገብሮስ፡ ምስቲ ድቑስን ትሑትን መንፈስ ዘለዎ ሰብ ድማ እነብር አሎኹ” ኢሉ ተመባጺዑ ኣሎ።—ኢሳይያስ 57:15።
ንሰነ ዚኸውን ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦