መጽሓፍ ቅዱስ መዓስ ተጻሒፉ፧
መጽሓፍ ቅዱስ፡ ፍሉይ መጽሓፍ እዩ። ልዕሊ ሰለስተ ቢልዮን ዚዀኑ ሰባት፡ ቅዱስ መጽሓፍ ገይሮም እዮም ዚርእይዎ። ኣብ ታሪኽ ወዲ ሰብ፡ ብብዝሒ መሸጣ ቐዳማይ ቦታ ኸም ዝሓዘ እዩ ዚፍለጥ፣ ብልዕሊ 2,400 ቋንቋታት፡ ብግምት 6,000,000,000 ዚኸውን ቅዳሓት (ብምሉእ ወይ ብኸፊል) ተሓቲሙ እዩ።
መጽሓፍ ቅዱስ ብሰፊሑ እተነብበ መጽሓፍ እኳ እንተ ዀነ፡ ብፍላይ ብዛዕባ እቲ መብዛሕትኡ ግዜ ብሉይ ኪዳን ተባሂሉ ዚጽዋዕ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ እተጻሕፈሉ እዋን ግን፡ እተፈላለየ ኣረኣእያ እዩ ዚወሃብ። ምናልባት ነዚ ዚምልከት ሓሳባት ኣብ መጽሔታትን መጻሕፍትን ኣንቢብካ፡ ወይ ምሁራት ኣብ ተለቪዥን ብዛዕባ እዚ ኺገልጹ ኸለዉ ርኢኻ ትኸውን ኢኻ። ገለ ኻብቲ ዚወሃብ ሓሳባት እንሆ።
▪ “ጽሑፋት መጽሓፍ ቅዱስ ብሰፊሑ እተጻሕፈ፡ ኣብ መንጎ መበል ሻምናይን ሻድሻይን ዘመን ቅ.ክ.፡ ወይ ከኣ ኣብ መንጎ እቲ ነብዪ ኢሳይያስን ነብዪ ኤርምያስን ዝነበሩሉ እዋን እዩ።”
▪ “ኣብ ዝሓለፈ ኽልተ ሚእቲ ዓመት ዝነበሩ ምሁራት መጽሓፍ ቅዱስ፡ መብዛሕትኡ ኽፋል መጽሓፍ ቅዱስ እብራይስጢ እተጻሕፈን እተሰናደወን ብዘመነ ፋርሳውያንን ሄለናውያንን [ግሪኻውያን] (ካብ ሓምሻይ ክሳዕ ካልኣይ ዘመን ቅ.ክ.) ከም ዝዀነ እዮም ዚሓስቡ ነይሮም።”
▪ “እዚ ሕጂ ዘሎ መጽሓፍ ቅዱስ እብራይስጢ ብዘመነ ሄለናውያን (ካብ 2ይ-1ይ ዘመን [ቅ.ክ.] ኣብ ዝነበረ ግዜ እውን ከይተረፈ) እተጻሕፈ እዩ።”
ቅዱሳት ጽሑፋት ብምሉኡ “መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ” ምዃኑ ዚኣምን ክርስትያን፡ ነዚ ንሓድሕዱ ዚጋጮ ሓሳባት ብኸመይ ኪርእዮ ኣለዎ፧ (2 ጢሞቴዎስ 3:16) መልሱ ንምርካብ፡ ብዛዕባ እዚ ንዚወሃብ ክልተ በበይኑ ዝዀነ ሓሳባት እስከ ንመርምር።
መጽሓፍ ቅዱስ ባዕሉ ዚሕብሮ ሰሌዳ ግዜ
መጽሓፍ ቅዱስ እብራይስጢ፡ እተፈላለየ መስርዕ ፍጻመታት ሒዙ ኣሎ። እዚ ኸኣ፡ እተን ናይ መጀመርታ መጻሕፍቲ፡ 3,500 ዓመት ኣቢሉ ይገብር ኣብ ግዜ ሙሴን እያሱን ከም እተጻሕፋ ይሕብር።a ኣብ መበል 11 ዘመን ቅ.ክ. ድማ፡ ሳሙኤልን ዳዊትን ሰሎሞንን ካልኦትን ተወሳኺ ኽፋላት መጽሓፍ ቅዱስ ጽሒፎም እዮም። ድሕሪኡ፡ ታሪኽን ግጥምን ትንቢትን ዝሓዘ መጻሕፍቲ፡ ካብ ታሽዓይ ክሳዕ ሓምሻይ ዘመን ቅ.ክ. ኣብ ዘሎ ግዜ ተጻሕፈ።
ጥቕላላት ምዉት ባሕሪ፡ ብዘይካ መጽሓፍ ኣስቴር፡ ቅዳሓት ወይ ቍርጽራጻት ኵሉ መጻሕፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ እብራይስጢ ሒዙ ኣሎ። ዕድመ እቲ ጥቕላላት ንምፍላጥ ተባሂሉ ብሓገዝ ካርቦን-14ን (ጸርገ-ንጡፍ) ፓለዮግራፊን (መጽናዕቲ ጥንታዊ ጽሑፋት) እተገብረ መጽናዕቲ፡ እቲ ብጥንታውነቱ ቐዳማይ ቦታ ዝሓዘ ኽፋል፡ ካብ ከባቢ 200 ቅ.ክ. ክሳዕ 100 ቅ.ክ. ዝነበረ ምዃኑ ኣረጋጊጹ እዩ።
ሓያስያን እንታይ ይብሉ፧
ብዛዕባ ሰሌዳ ግዜ መጽሓፍ ቅዱስ እተፈላለየ ሕቶታት ዚለዓለሉ ቐንዲ ምኽንያት፡ መጽሓፍ ቅዱስ ባዕሉ ብመንፈስ ኣምላኽ ከም እተጻሕፈ ስለ ዚገልጽ እዩ። ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ፡ ፕሮፌሰር ዋልተር ሲ. ካይሰር ጁንየር ኣብታ ዘ ኦልድ ተስታመንት ዶክመንትስ ዘርእስታ መጽሓፉ፡ “እቲ ጽሑፍ [መጽሓፍ ቅዱስ] ብመንፈስ ኣምላኽ ከም እተጻሕፈ ስለ ዚገልጽ፡ ማለት ብዛዕባ ተኣምራትን ኣምላኽን ስለ ዚዛረብ እዩ ገበነኛ ዀይኑ” ኢሉ ጸሓፈ። ዓለማዊ ኣተሓሳስባ ዘለዎም ምሁራት፡ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ካልኦት መጻሕፍቲ ብሒሳዊ መገዲ ኺምርመር ከም ዘለዎ እዮም ዚኣምኑ።
ሰባት ኣብቲ ብዛዕባ ፍልቀት ዚገልጽ ክልሰ-ሓሳብ ዳርዊን ተመርኲሶም፡ ሃይማኖት ደቂ ሰብ ድሕሪ ግዜ ብኸመይ ከም እተለወጠ ኺገልጹ ጸኒሖም እዮም፣ ሃይማኖት፡ ካብ ነፍስነት (ግኡዝ ነገራት ነፍሲ ኸም ዘለዎን ኪምለኽ ከም ዘለዎን ዚገልጽ እምነት) ናብ ብዙሐ-ዝሄርነት፡ ቀጺሉ ኸኣ ናብ ሓደ-ዝሄርነት ከም እተለወጠ እዮም ዚገልጹ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ እዮም ገሊኦም ሰባት፡ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ናይ መጀመርታ መጻሕፍቲ ብዛዕባ ኣምልኾ ሓደ-ዝሄርነት ስለ ዚገልጽ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ካብቲ ባዕሉ ዚሕብሮ እዋን ነዊሕ ጸኒሑ ኸም እተጻሕፈ ዚሓስቡ።
ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዙ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብእተፈላለየ መገዲ ሒስ ኪወሃቦ ጸኒሑ እዩ። ንኣብነት፡ ኣብዚ ቐረባ እዋናት እተሓትመ መዝገበ-ቓላት ብሉይ ኪዳን፡ ከም ታሪኻዊ ሒስ፡ ስነ-ጽሑፋዊ/ዛንታዊ ሒስ፡ ታሪኽ ፐንታትዩካዊ ሒስ፡ ያታውን ታሪኻውን ሒስ ዝኣመሰለ እተፈላለየ ዓይነት ሒስ ዚገልጽ ዓንቀጻት ሒዙ ኣሎ።
ምሁራት ብዛዕባ ዕድመ መጻሕፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ እተፈላለየ ርእይቶ እኳ እንተ ኣለዎም፡ ብዙሓት ግን ነቲ ፕሮፌሰር ሪቻርድ ኢልዮት ፍረድማን ዘበገሶ ኽልሰ-ሓሳብ ይድግፍዎ እዮም። ንሱ ኸምዚ ኢሉ ጸሓፈ፦ “ጥንታውያን ጸሓፍቲ፡ ግጥምን ተራ ጽሑፍን ሕግን ዝሓዘ ሰነዳት ንኣማእታት ዓመታት ኣዳልዮም እዮም። ድሕሪኡ፡ ኣሰናደውቲ ነዚ ጽሑፋት እዚ ኸም ምንጪ ተጠቕሙሉ። በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ኣዳለዉ።”
ፈይዝ፡ ትራድሽን፡ ኤንድ ሂስትሪ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ብዛዕባ እዝን ካልእ ንመጽሓፍ ቅዱስ ዚምልከት ሒሳዊ ርእይቶን ትገልጽ እያ። ኣብ መወዳእታ ድማ፡ “ኵሎም ምሁራት ንቕዱሳት ጽሑፋት ዚጠራጠርዎ፡ ብናይ ገዛእ ርእሶም ክልሰ-ሓሳብ ከኣ ምሉእ ብምሉእ ዚተኣማመኑ እኳ እንተ ዀኑ፡ ንሓድሕዶም ግን ይነቓቐፉ እዮም” በለ።
ንሰሌዳ ግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ዚድግፍ መርትዖታት
ጥንታዊ ጽሑፋት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣብ ዚበላሾ ናውቲ ጽሑፋት እዩ ተጻሒፉ። ስለዚ ኸኣ፡ ነቲ በዅሪ ጽሑፋት፡ ወይ ነቲ ብግዜ ሙሴ፡ ብግዜ እያሱ፡ ብግዜ ሳሙኤል፡ ወይ ብግዜ ዳዊት ዝነበረ ጽሑፋት ንኽንረክብ ትጽቢት ኪህልወና ኣይግባእን። ይኹን እምበር፡ ከምቲ ብዙሓት ምሁራትን ተመራመርቲ ስነ-ጥንትን ዚገብርዎ፡ ነቲ ተዘዋዋሪ ታሪኻዊ መርትዖታት ከተጽንዖ ትኽእል ኢኻ፣ እዚ ኸኣ፡ ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ባዕሉ ዚሕብሮ ሰሌዳ ግዜ ምቕባሉ፡ ርትዓዊ ከም ዝዀነ ዜርኢ እዩ። ካብዚ መርትዖታት እዚ እንታይ ንመሃር፧ ሒደት ኣብነታት እስከ ንርአ።
▪ ከምቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚሕብሮ፡ 3,500 ዓመት ኣቢሉ ይገብር፡ ሙሴን እያሱን ኣብ ዝነበሩሉ እዋን፡ ኣብ ጥንታዊ ማእከላይ ምብራቕ ጽሑፋት ነይሩ ድዩ፧ ኣብ ጥንታዊት መሶጶታምያን ጥንታዊት ግብጽን፡ ታሪኻውን ሃይማኖታውን ሕጋውን ስነ-ጽሑፋውን ጽሑፋት ነይሩ እዩ። ብግዜ ሙሴን ብግዜ እስራኤላውያንንከ፧ ዲክሽነሪ ኦቭ ዘ ኦልድ ተስታመንት፡ ፔንታቲዩክ ዚበሃል መዝገበ-ቓላት መልሲ ኺህብ ከሎ፡ “ኣብ ከባቢ መወዳእታ መዋእለ ብሮንዞ [ካብ 1550 ክሳዕ 1200 ቅ.ክ. ኣቢሉ]፡ ኣብ ከነኣን ጽሑፋት ከም ዝነበረ ዜጠራጥር ምኽንያት የልቦን” በለ። ወሲኹ እውን፡ “ብዓይኒ ጥንታዊ ልምዲ ጽሑፋት ኪርአ ኸሎ፡ ሙሴ ዝጸሓፎ ጽሑፋት ኰነ መብዛሕትኡ ዝተረፈ ጽሑፋት ኣይነበረን ንምባል ዜብቅዕ ዋላ ሓንቲ ምኽንያት የልቦን” በለ።—ዘጸኣት 17:14፣ 24:4፣ 34:27, 28፣ ዘሁልቍ 33:2፣ ዘዳግም 31:24።
▪ ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ጥንታዊ ጽሑፋት ይወከሱ ነይሮም ድዮም፧ እወ፡ ገሊኦም ‘ንመጻሕፍቲ’ ጠቒሶም እዮም፣ እዚ ኸኣ፡ ንሰነዳት መንግስቲ፡ ንመዛግብቲ ወለዶ፡ ንታሪኻዊ ጽሑፋት፡ ከምኡውን ንሰነዳት ነገድን ማይ ቤትን ዜመልክት ኪኸውን ይኽእል እዩ።—ዘሁልቍ 21:14፣ እያሱ 10:13፣ 2 ሳሙኤል 1:18፣ 1 ነገስት 11:41፣ 2 ዜና መዋእል 32:32።
▪ ቅድሚ ጥቕላላት ምዉት ባሕሪ ዝነበረ ጥንታዊ ሰነዳት መጽሓፍ ቅዱስ ዘይተረኽበ ስለምንታይ እዩ፧ ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ፡ ብብሊካል ኣርኪዮሎጂ ረቪው ዚበሃል መጽሔት ከምዚ በለ፦ “ኣብ መብዛሕትኡ ፍልስጥኤም ዝነበረ ፓፒሩሳትን ብራናታትን ኣይተረኽበን፣ እቲ ኣብ ከም ከባቢ ምዉት ባሕሪ ዝኣመሰለ ኣመና ደረቕ ቦታታት ዝነበረ ጥራይ እዩ ተረኺቡ። እዚ ናውቲ እዚ፡ ጠሊ ኣብ ዘለዎ ሓመድ ይምሽምሽ እዩ። እምበኣር፡ እዚ ኺርከብ ዘይምኽኣሉ፡ ኣይነበረን ማለት ኣይኰነን።” ከም ሓቂ፡ ነዚ ሰነዳት እዚ ንምሕታም ዜገልግል ዝነበረ ብኣማእታት ዚቝጸር ማሕተማት ካይላ ተረኺቡ እዩ። ኣብ ፓፒሩሳትን ብራናታትን እተጻሕፈ ሰነዳት፡ ብሰንኪ ሓዊ ወይ ብሰንኪ ጠሊ ዘለዎ ሓመድ እኳ እንተ ጠፍአ፡ እቲ ማሕተማት ካይላ ግን ተረኺቡ እዩ። እዚ ማሕተማት እዚ፡ ብግምት ካብ ታሽዓይ ክሳዕ ሓምሻይ ዘመን ቅ.ክ. ዝነበረ እዩ።
▪ ኢደ-ጽሑፋት መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ እዩ ተዓቂቡ፧ ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ፡ ዘ ባይብል ኣዝ ኢት ዎዝ ዘርእስታ መጽሓፍ ከምዚ በለት፦ “እቲ ኽፍሊ መጽሓፍ ቅዱስ ኰይኑ ሎሚ ናባና በጺሑ ዘሎ ዛንታታትን መዝሙራትን ሕግታትን ትንቢታትን፡ ዋላ እውን ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ብዙሕ ሳዕ ተቐዲሑ ኪኸውን ኣለዎ። . . . እዚ ጽሑፋት እዚ ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ እውን ከይተረፈ ብዙሕ ሳዕ እንተ ተቐዲሑ፡ ኣብ ጥቕሚ ይውዕል ብምንባሩ እዩ ኸምኡ ተገይሩ፣ ኣብ መዓልታዊ ህይወት እተወሰነ ግደ ይጻወት ነይሩ እዩ። . . . ብዘይ ዕላማ ጽሑፋት ዚቐድሕ፡ ዋላ ሓደ የልቦን።”—ዘዳግም 17:18፣ ምሳሌ 25:1።
ከምዚ ኺበሃል ከሎ፡ እተን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከባ ቐዳሞት መጻሕፍቲ፡ ክሳዕ ቀዳማይ ዘመን ድ.ክ.፡ ንኣስታት 1,500 ዓመት ተቐዲሐን ማለት እዩ። እዚ ብልክዕ ናይ ምቕዳሕ መስርሕ፡ “ከምቲ ኣብ ጥንታዊ ቐረባ ምብራቕ ልሙድ ዝነበረ መስርሕ፡ ግዜኡ ዝሓለፎ ሰዋስዋዊ ቕርጽታትን ፊደላትን ዘመናዊ ምግባር” የጠቓልል ከም ዝነበረ፡ ኦን ዘ ሪላያቢሊቲ ኦቭ ኦልድ ተስታመንት ዘርእስታ መጽሓፍ ትገልጽ።b እዚ ኸኣ ነቲ ኣብ ቅርጽታትን ኣገባባትን ጽሑፍ ተመርኲስካ ዚወሃብ ሒስ ኣብ ሕቶ እዩ ዜእትዎ።
መጽሓፍ ቅዱስ መዓስ ተጻሒፉ፧
ኣብዚ እዋን እዚ፡ ብግዜ ሙሴን ብግዜ እያሱን ብግዜ ሳሙኤልን ኣብ ካልእ እዋናትን ዝነበረ ኢደ-ጽሑፋት ስለ ዘይተረኽበ፡ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ መጻሕፍቲ ኣብቲ ባዕሉ ዚገልጾ እዋን ከም ዘይተጻሕፈ ጌርካ ምድምዳምሲ ግቡእ ድዩ፧ ብዙሓት ምሁራት፡ መርትዖ ኺርከብ ዘይምኽኣሉ፡ መርትዖ ኸም ዘይነበረ ዚሕብር ዘይምዃኑ ይሰማምዑሉ እዮም። ሕስብ እሞ ኣብሎ፡ ክንደይ ዚኣክል ኣብ ዚበላሾ ናውቲ እተጻሕፈ ጽሑፋት እዩ ተዓቂቡ ኺጸንሕ ዚኽእል፧ ንኣብነት፡ ከነት ኣንደርሰን ኪችን ዝስሙ ብዛዕባ ጥንታዊት ግብጺ ዜጽንዕ ተመራማሪ፡ ዳርጋ ዅሉ እቲ ቕድሚ ግዜ ግሪኻውያንን ሮማውያንን ዝነበረ ኣብ ፓፒሩስ እተጻሕፈ ጽሑፋት ግብጻውያን ከም ዝጠፍአ ገሚቱ እዩ።
እቶም ንመጽሓፍ ቅዱስ ኣኽቢሮም ዚርእይዎ ዘበሉ ንርእሶም፡ ‘የሱስ ንመጽሓፍ ቅዱስ እብራይስጢ ብኸመይ ይርእዮ ነይሩ፧’ ኢሎም ኪሓትቱዋ ኣለዎም። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ዕድመ ጽሑፋት ኣየተሓታትትን እዩ ነይሩ። የሱስ ከም መብዛሕትኦም ኣይሁድ፡ ነቲ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ዚርከብ ብዛዕባ መስርዕ ፍጻመታት ዚገልጽ ሓበሬታ ይኣምነሉ ነይሩ እዩ። እተን ቀዳሞት ክፋላት መጽሓፍ ቅዱስ፡ በቶም ከም ጸሓፍተን ጌርካ እተጠቕሱ ሰባት ከም እተጻሕፋኸ ይኣምን ነይሩ ድዩ፧
የሱስ ካብቲ ሙሴ ዝጸሓፎ ጽሑፋት ጠቒሱ እዩ። ንኣብነት፡ ን“መጽሓፍ ሙሴ” ጠቒስዎ ኣሎ። (ማርቆስ 12:26፣ ዮሃንስ 5:46) ብዘይካዚ፡ ካብ ጸብጻባት ዘፍጥረት (ማቴዎስ 19:4, 5፣ 24:37-39) ዘጸኣት (ሉቃስ 20:37)፡ ዘሌዋውያን (ማቴዎስ 8:4)፡ ዘሁልቍ (ማቴዎስ 12:5)፡ ዘዳግም (ማቴዎስ 18:16) ጠቒሱ ኣሎ። “ኣብ ሕጊ ሙሴን ነብያትን መዝሙራትን ብዛዕባይ እተጻሕፈ ዅሉ ኺፍጸም ይግብኦ እዩ” እውን በለ። (ሉቃስ 24:44) ሙሴን ካልኦትን ንኽፋላት መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዝጸሓፉ እንተ ኣሚኑሉ፡ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እብራይስጢ ዘሎ ብዛዕባ መስርዕ ፍጻመታት ዚገልጽ ሓበሬታ ይኣምነሉ ኸም ዝነበረ ኣየጠራጥርን እዩ።
እሞ ደኣ፡ መጽሓፍ ቅዱስ መዓስ እዩ ተጻሒፉ፧ እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ባዕሉ ዚሕብሮ ሰሌዳ ግዜ ዜተኣማምን ድዩ፧ ምሁራት ብዛዕባ ዚህብዎ ሒሳዊ ርእይቶታት፡ መጽሓፍ ቅዱስ ባዕሉ ብዛዕባ ዚህቦ ሓበሬታ፡ ብዛዕባ ተዘዋዋሪ ታሪኻዊ መርትዖታት፡ ከምኡውን የሱስ ብዛዕባ ዝነበሮ ኣመለኻኽታ ርኢና ኢና። እሞኸ ነቲ የሱስ ናብ ኣቦኡ የሆዋ ኣምላኽ ኣብ ዘቕረቦ ጸሎት፡ “ቃልካ ሓቂ እዩ” ኢሉ እተዛረቦ ቓል ትሰማምዓሉ ዲኻ፧—ዮሃንስ 17:17።
[እግረ-ጽሑፋት]
a ብዛዕባ መስርዕ ፍጻመታት መጽሓፍ ቅዱስ ዓሚቝ ምርምር ክትገብር እንተ ደሊኻ፡ ኣብቲ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመ፡ ኢንሳይት ኦን ዘ ስክሪፕቸርስ፡ 1ይ ጥራዝ፡ ገጽ 447-467 ተወከስ።
b ኣብ ናይ 15 መጋቢት 2007 ግምቢ ዘብዐኛ፡ ኣብ ገጽ 18-20 እትርከብ፡ “ጥንታውያን ጸሓፍትን ቃል ኣምላኽን” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።
[ኣብ ገጽ 20-23 ዘሎ ሰሌዳ/ስእልታት]
(For fully formatted text, see publication)
(መጻሕፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብግምት መዓስ ከም እተዛዘመ ዚሕብር ሰሌዳ ግዜ)
2000 ቅ.ክ.
1800
[ስእሊ]
ቅድሚ ግዜ ሙሴ፡ ግብጻውያን ጸሓፍቲ፡ ጽሑፋት የዳልዉ ነበሩ
[ምንጪ ስእሊ]
© DeA Picture Library/Art Resource, NY
1600
[ስእሊ]
ሙሴ ንመጽሓፍ ዘፍጥረት፡ ብ1513 ቅ.ክ.፡ ኣብ ዚበላሾ ናውቲ ጽሑፋት ጽሒፉ ዛዘማ
ዘፍጥረት 1513 ቅ.ክ.
እያሱ
1400
1200
ሳሙኤል
1000 ቅ.ክ.
[ስእሊ]
ብኣማእታት ዚቝጸር ማሕተማት ካይላ ተረኺቡ ኣሎ
ካብ 900 ኽሳዕ 500 ቅ.ክ. ዝነበረ
ዮናስ
800
ኢሳይያስ
600
ኤርምያስ
ዳንኤል
[ስእሊ]
ብድባራ ተኣሲሩ ማሕተም ካይላ እተገብረሉ ጥቕላል ሰነድ ፓፒሩስ
ብ449 ቅ.ክ. ዝነበረ
[ምንጪ ስእሊ]
Brooklyn Museum, Bequest of Theodora Wilbour from the collection of her father, Charles Edwin Wilbour
400
200
[ስእሊ]
ጥቕላላት ምዉት ባሕሪ ብልሕጺ እንጣጢዕ ተጠቕሊሉ ኣብ ሳርማታት ተዓቂቡ ነበረ። ክሳዕ ሕጂ ኻብ እተረኽበ ጽሑፋት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብጥንታውነቱ ቐዳማይ ቦታ ሒዙ ኣሎ
ካብ 200 ኽሳዕ 100 ቅ.ክ. ዝነበረ
[ምንጪ ስእሊ]
Shrine of the Book, Photo © The Israel Museum, Jerusalem