ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w11 1/6 ገጽ 24-25
  • ጥዑም ሙዚቃ ይመስል

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ጥዑም ሙዚቃ ይመስል
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ንየሆዋ ኸነገልግሎ ቘሪጽና ኢና
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2006
  • ፈትዮም ይመጹ—ማዳጋስካር
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2018
  • ንህይወተይ ዝቐየረት ሓጻር መልእኽቲ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2003
  • ንክርስትያን ኣንስቲ ደግፈን
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2020
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
w11 1/6 ገጽ 24-25

ካብ ማዳጋስካር እተላእከት ደብዳበ

ጥዑም ሙዚቃ ይመስል

ኣነን ብዓል ቤተይን ናብታ ኸም ሚስዮናውያን ኴንና እተመደብናላ ደሴት ማዳጋስካር ኣብ ዝነቐልናሉ እዋን፡ ንፈተውትና ተሰናቢትና፡ ንብዓትናን ፍርህናን ውሒጥና፡ የሆዋ ኣብ ዝተኸለና ኸም እንበቍል ተኣማሚንና ተበገስና።

ኣብቲ ሓድሽ ምድብና ንፈለማ ግዜ ኣብ ኣኼባ ጉባኤ እተኣከብናሉ ግዜ ፈጺምና ኣይንርስዖን ኢና። እቲ መጽናዕቲ ግምቢ ዘብዐኛ ዚመርሕ ዝነበረ ሓው፡ ሲምፎኒ ኦርኬስትራ ዚመርሕ ዝነበረ እዩ ዚመስል ነይሩ። ነቲ ቛንቋ ኣይንርድኦ ስለ ዝነበርና፡ እቲ ዚዝረብ ዝነበረ ቓላት ጥዑም ሙዚቃ ይመስል ነበረ። እንታይ ይበሃል ከም ዝነበረ ንምፍላጥ፡ ነዊሕ እዩ ወሲዱልና።

ንፈለማ ግዜ ተወሳኺ ሕቶ ተሓቲቱ እተረድኣኒ እዋን፡ ብድንገት ዓው ኢለ መለስኩ። እቶም ኣብ ጥቓይ ኮፍ ኢሎም ዝነበሩ ሰምዑኒ፣ ኣነ እውን ንሰሓቐይ ብኣእዳወይ ዓፈንክዎ። በቲ ተግባረይ እኳ እንተ ሓፈርኩ፡ ነቲ እተባህለ ኽርዳእ ብምኽኣለይ ግን ብሓጐስ ፍንጭሕ በልኩ!

ኣብ ኣገልግሎት ንኻልኦት ኣብነት ኣብ ክንዲ ዝኸውን፡ ብኢደይ ተታሒዘ ታተ ዝብል ዘለኹ ዀይኑ ተሰምዓኒ። እቶም ኣሕዋትን ኣሓትን ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ እንታይ መእተዊ ኸም ዝጥቀም፡ ማለት እንታይ ከም ዝብልን እንታይ ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዝጥቀምን ብፍቕራዊ መገዲ ነገሩኒ።

ሓደ መዓልቲ፡ ኣብ ኣገልግሎት ከለኹ፡ ሓደ ቘልዓ፡ “ቫዛ! ቫዛ!” ኢሉ ኺጽውዓኒ ትዝ ይብለኒ። ብቛንቋ ማላጋሲ፡ ን“ወጻእተኛ” ኸምኡ ኢሎም እዮም ዚጽውዕዎ። ካልኦት ቈልዑ ተኣኻኺቦም ጫውጫው ከይብሉ ኢልና፡ ቅልጥፍ ቅልጥፍ እናበልና ኽንስጕም ጀመርና። ድሕሪኡ፡ ሓደ ወዲ ነቲ ዚጭድር ዝነበረ ቘልዓ፡ “ወጻእተኛ ኣይኰነትን፡ ቋንቋና ኽትዛረብ ትኽእል እያ!” ኢሉ ገንሖ። ብሰንኪ ፍጥነት ዘረባኦም እንታይ ይብሉ ኸም ዝነበሩ ስለ ዘይተረድኣኒ፡ እታ ምሳይ ዝነበረት ሓብቲ፡ ዘረባኦም ተርጐመትለይ። ሽዑ፡ በቲ ዝሰማዕክዎ ብዙሕ ዕግበት ተሰምዓኒ። ኣብ መወዳእታኡ፡ ማዳጋስካር ከም ዓደይ ኰይና ኽትስምዓኒ ጀመረት።

ጽምዋ ኣብ እተሰምዓኒ እዋናት፡ ንኣሽቱ ቘልዑ ኢደይ ብምጭባጥ ኣጸናንዖምኒ እዮም። ምሳታቶም ክዘራረብ እኳ እንተ ዘይከኣልኩ፡ እቲ ፍሽኽታ ዝመልኦ ገጾም ግን፡ ኣብ መንጎኦም ምህላወይ ከም ዘሐጐሶም ይገልጽ እዩ። እቶም ኣብ ጉባኤና ዘለዉ ቘልዑ፡ ካብ የሆዋ እተዋህቡና በረኸት እዮም። ሃሲን ዝስማ ቘልዓ፡ ናይ ብሕቲ ተርጓሚት ኰይናትለይ ኣላ። ካልኦት ኪርድኡኒ ኣብ ዘይከኣሉሉ እዋን፡ ንሳ ትርድኣኒ እያ። ነቶም ኣብ ጉባኤ ዘለዉ ፈተውተይ ሓሳበይ ምግላጽ ኬሸግረኒ ኸሎ፡ ንሳ መጺኣ እንታይ እብል ከም ዘለኹ ትገልጸሎም እያ።

ኣነን ብዓል ቤተይን ኣብ ሓንቲ ተመቒላ ሓድሽ ጉባኤ ኽትምስርት ዝቐረበት ጉባኤ ኢና ኔርና። በዚ ምኽንያት እዚ፡ ገሊኦም መጽናዕትታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ክሊ እታ ሓዳስ ጉባኤ ስለ ዚርከቡ፡ ናብ ካልኦት ኪመሓላለፉ ነይርዎም። ሓንቲ ሓብቲ፡ ንሓንቲ ኻብተን መጽናዕትታታ፡ ኣነ መጽናዕቲ ኽመርሓላ ኣተባብዓትኒ። እዚ ሓላፍነት እዚ ስለ ዘፍርሃኒ፡ ድልውቲ ዘይምዃነይ ነገርክዋ፣ ንሳ ግን ደፋፍኣትኒ። ብሓገዝ የሆዋ፡ መጽናዕቲ ኽመርሕ ከም ዝኽእል ኣረጋገጸትለይ። ኣብ ኣዒንታ ሕያውነት እናተነብበ፡ ከም ድላየይ ገይረ ዝምህረሉ ግዜ ርሑቕ ዘይምዃኑ ብቐሊል ቃላት ገይራ ነገረትኒ። እተን ቃላታ፡ ብዙሕ ኣተባቢዐናኒ እየን።

ካብቲ ግዜ እቲ ንነጀው፡ እታ ተመሃሪት ጽቡቕ ዕቤት ገይራ ኣላ። ሓደ መዓልቲ፡ ኣብ ደገ ኸለኹ፡ ጸውዓትኒ። ንሳን ሰብኣያን፡ መርዓኦም ብሕጊ ኼመዝግቡ እዮም ዚኸዱ ነይሮም። ንሱ እውን መጽናዕቲ ጀሚሩ ኣሎ። ክልቲኦም ከኣ ኪበጽሕዎ ዚደልዩ መንፈሳዊ ሸቶታት ኣውጺኦም ኣለዉ፣ ሓደ ኻብዚ ድማ ጥምቀት እዩ። ንሰብ ናብ የሆዋ ዚስሕቦ፡ የሆዋ ባዕሉ ደኣ እምበር፡ ንሕና ኸም ዘይኰንና እፈልጥ እኳ እንተ ዀንኩ፡ እቲ ስጕምቶም ኣሐጒሱኒ እዩ።

ኣብዚ ሓድሽ ምድብና፡ ብዙሕ ኢና ተማሂርና። ነቶም ኣብ ዓድና ዝሓደግናዮም ፈተውትናን ቤተሰብናን ንናፍቖም እኳ እንተ ዀንና፡ ገሊኦም ግን ምሳና ኸም ዘለዉ ዀይኑ እዩ ዚስምዓና። ኣብዚ ንዘለዉ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ብዛዕባኦም ብዙሕ ኢና እንነግሮም፣ ንሳቶም እውን ብዛዕባኦምን ብዛዕባ ሃለዋቶምን ይሓቱና እዮም። ክልቲኦም “ቤተሰብና” ዚራኸቡሉ እዋን ብሃንቀውታ ኢና እንጽበ።

ሎሚ እውን፡ ሰባት ኪዛረቡ ኸለዉ፡ “ሙዚቃ” ዝሰምዕ ዘለኹ እዩ ዚመስለኒ። ሕጂ ግን፡ ነቲ ዘረባኦም እርድኦ እየ። ከም ጥሩምባ ሓሓሊፈ ሓጺር ደሃይ ጥራይ ኣብ ክንዲ ዘስምዕ፡ ምሳታቶም ተሳንየ ንጽባቐ እቲ ሙዚቃ እጃመይ ዘበርከትሉ እዋን ሃረር እብል እየ። የሱስ፡ “ጽባሕ ንርእሳ ትጭነቕ እያ እሞ፡ ንጽባሕ ኢልኩም ኣይትጨነቑ” ኢሉ እዩ። (ማቴዎስ 6:34) ስለዚ፡ በብቝሩብ “ኖታ” ወይ ቃል ካብ ምጽናዕ ዓዲ ኣይክንውዕልን ኢና። እምበኣር ንግዜኡ፡ ጐድኒ ጐድኒ እቶም ኣብዚ ኣብ ማዳጋስካር ዘለዉ ዕጉሳትን ፈቃራትን ኣሕዋትናን ኣሓትናን ከገልግል ምእንቲ ክኽእል፡ ኣእዛነይን ኣእምሮይን ልበይን ክቓንዮ እየ።

[ኣብ ገጽ 25 ዘሎ ስእሊ]

ምስ ሃሲን ክንሰብኽ ከለና

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ