ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w11 1/6 ገጽ 28-31
  • ሕልመይ፡ ኣብ ተሽከርካሪ ምንባር እዩ ነይሩ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሕልመይ፡ ኣብ ተሽከርካሪ ምንባር እዩ ነይሩ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ሓድሽ ህይወት ጀመርኩ
  • ከቢድ ጌጋ
  • ስንክልና እኳ እንተ ኣሎኒ፡ ሕጉስቲ እየ
  • ኣብ ቡልጋርያ እተገብረ ፍሉይ ወፈራ ተዓዊቱ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2010
  • ፈትዮም ይመጹ—ቡልጋርያ
    ተመክሮታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
w11 1/6 ገጽ 28-31

ሕልመይ፡ ኣብ ተሽከርካሪ ምንባር እዩ ነይሩ

ዞያ ዲሚትሮቫ ዘዘንተወቶ

ጓል 15 ዓመት ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን፡ እቲ ዝሓልሞ ዝነበርኩ ጋህዲ እዩ ዀይኑለይ፣ ምስ ሓደ ጕጅለ ሰርከስ እናዓየኹ፡ ፈቐዶ ዓዲ ብተሸከርካሪ እዘውር ነበርኩ። ድሕሪኡ ግን፡ ብ4 መስከረም 1970፡ ሓደጋ ኣጋጠመኒ። ኣብ ኣየር እናተገለባበጥኩ ኸለኹ፡ ብሃንደበት ካብ ላዕሊ ተወርዊረ ናብ ባይታ ወደቕኩ።

ብ16 ታሕሳስ 1952 እየ ተወሊደ፣ ምስ ወለደይን ምስ ሓብተይን ከኣ፡ ኣብታ ኣብ ቡልጋርያ እትርከብ ከተማ ሶፍያ እነብር ነበርኩ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ቡልጋርያ ብስርዓት ኮምዩኒስት እትመሓደር ሃገር እያ ነይራ። ኣብ ትሕቲ እቲ ስርዓት እቲ ኸኣ፡ ሃይማኖት እኳ እንተ ዘይተኣገደ፡ ኣይተባባዕን እዩ ነይሩ። መብዛሕትኦም ሰባት ኣብ ኣምላኽ ኣይኣምኑን እዮም ነይሮም፣ እቶም ዚኣምኑ ኸኣ፡ ንእምነቶም ብምስጢር እዮም ዚሕዝዎ ነይሮም። ስድራ ቤትና ንስሙ ኦርቶዶክስ እትበሃል እኳ እንተ ነበረት፡ ሃይማኖተኛ ገይሮም ኣይኰኑን ኣዕብዮምኒ፡ ብዛዕባ ኣምላኽ እውን ኣይሓስብን እየ ነይረ።

ገና ኻብ ቍልዕነተይ ኣትሒዘ ዅሉ ስፖርታዊ ንጥፈታት፡ ብፍላይ ከኣ ጂምናስቲክ ከም ዝፈቱ ንጹር ኰነ። ጓል 13 ዓመት ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን፡ ሓደ ሰብኣይ ንሰርከስ እትስልጥን ጓል ደልዩ፡ ናብ ቤት ትምህርትና መጸ። ናይ ጂምናስቲክ መምህረይ፡ ንዓይ ኪወስደኒ ነገሮ። እቲ ኣካያዲ ስራሕ በታ ኣብ ኣመሪካ እተሰርሐት ማኪናኡ ገይሩ፡ ቃለ-መጠይቓት ናብ ዚገብሩን ፈተናታት ናብ ዚህቡን ኣሰልጠንቲ ኺወስደኒ ኸሎ፡ ተሃንጥየ ነበርኩ። እቲ ዜሕጕስ ድማ፡ ንሳቶም እውን ሓረዩኒ። ድሕርዚ፡ ልዕሊ ኽልተ ዓመት ዝወሰደ ጽዑቕ ስልጠናን ልምምድን ገበርኩ። ድሕሪኡ፡ ጓል 15 ምስ ኰንኩ፡ ስልጠናይ ኣብቅዐ። ኣነ እውን ምስ ጕጅለ ሰርከስ እናዞርኩ ኣብ ተሽከርካሪ ኽነብር ጀመርኩ። ኣብ ፈለማ፡ ኣብ ቡልጋርያ ዞርና፣ ድሕሪኡ ኸኣ፡ ኣብ ሃገራት ሕብረት ሶቭየት ነበር፡ ኣብ ኣልጀርያ፡ ኣብ ሃንጋሪ፡ ከምኡውን ኣብ ዩጎስላቭያ ነበር ዞርና።

ንሰለስተ ባህ ዜብላ ዓመታት፡ ከምቲ ዝሓልሞ ዝነበርኩ እየ ዝነብር ነይረ። ድሕሪኡ፡ ኣብ ቲቶቭ ቨለስ፡ ማሰዶንያ፡ ምርኢት እናኣቐረብኩ ኸለኹ፡ እቲ ኣብ መእተዊ ዝጠቐስክዎ ሓደጋ ኣጋጠመኒ። ኣብ ላዕሊ ዀይነ እናተገላበጥኩ ምርኢት አርኢ ነበርኩ። ብጻየይ ንቝልቁል ኣፉ ጠልጠል ኢሉ፡ ንዓይ ናብ ኣየር ድሕሪ ምድርባይ፡ ቅድሚ ምውዳቐይ ተመሊሱ ይቘልበኒ ነበረ። ኣብታ ህሞት እቲኣ፡ ኣእዳዉ ሰሓትክወን፣ እቲ ንድሕነተይ ተባሂሉ ተኣሲሩለይ ዝነበረ ገመድ ስለ እተበጠሰ ኸኣ፡ ካብ 6 ሜተር ዚኣክል ብራኸ ናብ ባይታ ወደቕኩ። ተጓዪዮም ናብ ሆስፒታል ወሰዱኒ፣ ኣብኡ ኸኣ ሓደ ኢደይን እተወሰነ መሰናግለይን ዓንዲ ሕቘይን ከም እተሰብረ ተፈልጠ። ንሒደት መዓልትታት ሃለዋተይ ኣጥፋእኩ፡ እንታይ ከም ዝዀነ እውን ኣይዝክሮን እየ። ምስ ነቓሕኩ፡ ካብ ሕቘይ ንታሕቲ ኸም ዝለመስኩ ፈለጥኩ። ንእሽቶ ስለ ዝነበርኩ ግን፡ ብሕክምና ወይ ብመጥባሕቲ እንደገና ብእግረይ ክኸይድ ከም ዝኽእል፡ ምናልባት እውን ኣብ ሰርከስ ምርኢት ከቕርብ ከም ዝኽእል ተስፋ ገይረ ነበርኩ።

ንዚቕጽል ክልተ ዓመትን መንፈቕን፡ ኣብ እተፈላለየ ቦታታት ሕክምና ተዋህበኒ፣ ክጥዒ ዝነበረኒ ተስፋ እውን ኣይቀሃመን ነይሩ። ኣብ መወዳእታኡ ግን፡ ሕልመይ በኒኑ ኸም ዝተረፈ ክቕበሎ ነበረኒ። እቲ ዜገርም፡ ካብቲ ዝሓልሞ ዝነበርኩ ብእተፈልየ መገዲ፡ “ኣብ ተሽከርካሪ ኽነብር” ጀመርኩ፣ እወ፡ ኣብ ብሽክለታ ስንኩላን ክነብር ተገደድኩ።

ሓድሽ ህይወት ጀመርኩ

ንጡፍ ህይወት ክመርሕ ድሕሪ ምጽናሐይ፡ ንኸምዚ ዝኣመሰለ ለውጢ ኽጻወሮ ዝኽእል ኣይመሰለንን ነይሩ። ፈጺመ ተስፋ ስለ ዝቐበጽኩ፡ ጭንቀት ኣሕደርኩ። ድሕሪኡ፡ ብ1977 ስቶያን ዝስሙ መንእሰይ ናብ ገዛይ መጸ። ንሓንቲ ኣቐዲማ መሳርሕተይ ዝነበረት ሓዋ ምዃኑ ምስ ፈለጥኩ፡ ናብ ገዛ ኺኣቱ ብኡንብኡ ዓደምክዎ። ኣብ መንጎ ዝርርብና፡ ክጥዒ ተስፋ እንተ ኣልዩኒ ሓተተኒ። ብህይወተይ ተስፋ ስለ ዝቘረጽኩ፡ ዋላ ሓንቲ ተስፋ ኸም ዘይብለይ ነገርክዎ። ኣምላኽ ጥራይ ኪሕግዘኒ ኸም ዚኽእል ምስ ነገረኒ፡ “ኣምላኽ እንተ ኣልዩ ደኣ፡ ስለምንታይ እየ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት ዘለኹ፧” ኢለ ኣምሪረ መለስኩሉ።

እቲ ናይ የሆዋ ምስክር ካብ ዚኸውን ነዊሕ ዘይገበረ ዝነበረ ስቶያን፡ ኣብ ኣመሪካ ኣባል ጕጅለ ሰርከስ ኰይኑ ኺዓዪ ኸሎ እዩ ሓቂ ተቐቢሉ። ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ኢልና ድሕሪ ምዝርራብና ኸኣ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ መጻኢ ሒዝዎ ዘሎ ዜደንቕ መብጽዓታት ብለውሃት ገለጸለይ። ድሕሪ ሓጺር ግዜ፡ ምድሪ ገነት ከም እትኸውን ምፍላጠይ ኣሐጒሱኒ እዩ። “ድሕሪ ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን፡ ድሕሪ ደጊምውን ሓዘን፡ ወይ ጫውጫው፡ ወይ ጻዕሪ ኣይኪኸውንን እዩ” ዚብል መብጽዓ እውን ንልበይ ተንክይዎ እዩ። (ራእይ 21:4) ጥዕናይ ክምለሰለይ ሓያል ሃንቀውታ እዩ ነይሩኒ። ብኡንብኡ፡ ስሩዕ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክጅምር ተሰማማዕኩ። በዚ ኸምዚ፡ ሓድሽ ህይወት ጀመርኩ። ኣብ መወዳእታ፡ ንናይ ሓቂ ተስፋ ዚኸውን መሰረት ረኸብኩ።

ነቲ ሰሙናዊ ዝገብሮ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብሃንቀውታ እየ ዝጽበዮ ነይረ። ኣብ ፈለማ፡ ምስ ስቶያን፡ ድሕሪኡ ኸኣ ምስ ቶትካ ዝስማ ለዋህ ናይ የሆዋ ምስክር አጽንዕ ነበርኩ። ብሓገዝ ቶትካ፡ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበረኒ ፍልጠት ብቕልጡፍ ዓበየ፣ ህይወተይ እውን ንየሆዋ ኣምላኽ ወፈኹ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ኣብ ሶፍያ ኼጠምቕ ብቕዓት ዝነበሮ ዋላ ሓደ ስለ ዘይነበረ፡ ሓደ ሓው ካብ ማሰዶንያ ኽሳዕ ዚመጽእ ክጽበ ነበረኒ። ብ11 መስከረም 1978 ግን፡ ማለት ካብቲ መጽናዕቲ ዝጀመርኩሉ ሓደ ዓመት ኣቢሉ፡ ኣብ ኣፓርታማይ ኣብ እትርከብ ባስካ ተጠመቕኩ። ናይ የሆዋ ምስክር ኰይነ ምጥማቐይ፡ ብዙሕ ሓጐስ እዩ ኣምጺኡለይ፣ ህይወተይ እውን ናይ ሓቂ ትርጕም ኪህልዋ ኸኣለ።

እቲ እተመሃርክዎ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሓቂ፡ ኣብ ውሽጠይ ከም ሓዊ ይቃጸል ነበረ። ነቲ ሓድሽ ዝረኸብክዎ ተስፋይ፡ ናብ ቤተይ ንዝመጸ ዘበለ ሰብ ብሃንቀውታ አካፍል ነበርኩ። ብሰንኪ እቲ ሓደጋ ኣተሓሳስባይ እተመዛበለ ግዲ መሲልዎም ግን፡ ዝሰምዓኒ ሰብ ኣይነበረን።

ከቢድ ጌጋ

ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ኣብ ቡልጋርያ ዝነበሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ትሕቲ እገዳ እዮም ነይሮም፣ ኣብ ምልእቲ እታ ሃገር እውን ሒደት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ጥራይ እዮም ነይሮም። ኣነ ኽእከበሉ ዝኽእል ኣኼባታት ጉባኤ ኣይነበረን፣ ምስቶም ከም ናተይ ዓይነት እምነት ዝነበሮም ካልኦት ክርስትያናት ዝነበረኒ ርክብ እውን ውሱን እዩ ነይሩ። ኣብ ልዕሊ እዚ ድማ፡ ምስቶም ብስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ዘይመላለሱ ምቅርራብ ዜስዕቦ ሓደጋ ስለ ዘየስተውዓልኩ፡ ከቢድ ጌጋ ገበርኩ።

ሕልናይ ብዘይምቍራጽ ኣሳቐየኒ፣ ካብ የሆዋ ኣምላኽ ስለ እተፈለኹ እውን፡ ብርቱዕ ስቓይ ኣሕለፍኩ። ስለ እተደቘስኩን ብተግባረይ ስለ ዝሓፈርኩን፡ የሆዋ በደለይ ምእንቲ ኺሓድገለይ፡ ልበይ ብጸሎት ናብኡ ኣፍሰስኩ። ድሕሪ ግዜ፡ ብሓገዝ ፈቃራት ክርስትያን ሽማግለታት፡ ብመንፈሳዊ መዳይ ጠዓኹ፣ በቲ ንየሆዋ ዘቕርቦ ኣገልግሎት ድማ፡ ከም ብሓድሽ ሓጐስ ክረክብ ጀመርኩ። ንየሆዋ ብንጹህ ሕልና ኸገልግሎን ምስቲ ንጹህ ውድቡ ኽሓብርን ምኽኣለይ፡ ኣኽቢረ እየ ዝርእዮ።

ስንክልና እኳ እንተ ኣሎኒ፡ ሕጉስቲ እየ

ቅድሚ 40 ዓመት ዘጋጠመኒ ሓደጋ፡ ምርኢት ንከቕርብን ናብ እተፈላለየ ቦታታት ንኽዘውርን ዝነበረኒ ሕልሚ በኒኑ ኸም ዚተርፍ ኣብ ርእሲ ምግባሩ፡ ብብሽክለታ ስንኩላን ከም ዝንቀሳቐስ እዩ ገይሩኒ። ኰይኑ ግን፡ ንህይወተይ ብላሽ ከም ዝዀነት ገይረ ስለ ዘይርእያ፡ ብጓህን ጣዕሳን ኣይሳቐን እየ። ምስቲ ኣብ ሰርከስ ዝነበረኒ ህይወት ብዚተሓሓዝ ዝሓልሞ ዝነበርኩ ሓጐስን ዕግበትን፡ ብዙሕ ዋጋ ኸም ዘይብሉ፡ ካብቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሓቂ ተገንዚበ እየ። ኣብ ጕጅለ ሰርከስ ዝቐጸሉ ናይ ቀደም መሳርሕተይ፡ ኣብ ህይወቶም መሪር ጓሂ ኸም ዘጋጠሞም ብዓይነይ ርእየ እየ። ኣነ ግን፡ ካብ ኵሉ ዚበልጽ ክቡር መዝገብ ረኺበ እየ፣ ማለት ምስቲ ፈጣርየይ ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ ብሕታዊ ርክብ ክምስርት ክኢለ እየ። እዚ ድማ፡ ካብቲ ኣብ ሰርከስ ክረኽቦ ዝኽእል ኣዝዩ ዚበልጽ ሓጐስ ኣምጺኡለይ እዩ።

ብተወሳኺ፡ ብዙሓት ሰባት ፍልጠት መጽሓፍ ቅዱሳዊ ሓቂ ኺረኽቡን ህይወቶም ነቲ ፈቃር ኣምላኽና የሆዋ ኺውፍዩን ብምርኣየይ፡ ሓጐስ ረኺበ እየ። ብ1977 መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክጅምር ከለኹ፡ ኣብ ቡልጋርያ ዝነበሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሒደት እዮም ነይሮም። ኮምዩኒስታዊ ስርዓት ኣብ ዝወደቐሉን ብ1991 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ቡልጋርያ ንፈለማ ግዜ ኣብ እተመዝገቡሉን እዋን እኳ ኸይተረፈ፡ ኣብ ምልእቲ እታ ሃገር ካብ ሚእቲ ዘይበዝሑ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እዮም ነይሮም። ብዝሒ ኣስፋሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ ብቐጻሊ እናወሰኸ ብምኻድ፡ ሕጂ ዳርጋ 1,800 ኪበጽሕ ምርኣየይ ብዙሕ እዩ ዜሐጕሰኒ።

ኣብ ቡልጋርያ ገና ብዙሕ ዚዕየ ዕዮ ኣሎ። ብዙሓት ሰባት፡ ፍልጠት ቃል ኣምላኽ ኪረኽቡ ይደልዩ እዮም። ኣብ ናይ 2010 በዓል ዝኽሪ ሞት ክርስቶስ ዝነበረ ብዝሒ ተኣከብቲ 3,914 ምዃኑ፡ ነዚ ዚሕብር እዩ። የሆዋ ነቲ ኣብ ቡልጋርያ ዝነበረ ንእሽቶ ጅመራ ኸም ዝባረኾ ምርኣየይ የሐጕሰኒ እዩ። ከምቲ ኣብ ኢሳይያስ 60:22 ብትንቢት እተነግረ፡ “እቲ ንእሽቶ” ዓብዩ፡ “ብርቱዕ ህዝቢ” ኪኸውን ከሎ፡ ብኣዒንተይ ርእየ እየ።

ናይ ቅዱሳት ጽሑፋት ትርጕም ሓዳስ ዓለም ብቡልጋርያኛ ምውጻኡ እውን፡ ኣብ ህይወተይ ምንጪ ሓጐስ ኰይኑለይ እዩ። እዚ ድማ፡ ኣብቲ ኣብ ነሓሰ 2009 ኣብ ሶፍያ እተገብረ፡ “ንቕሑ!” ዚብል ፍረ ነገር ዘለዎ ኣኼባ ኣውራጃ እዩ ወጺኡ። እዚ መጽሓፍ ቅዱስ እዚ፡ ብቛንቋይ ምውጻኡ፡ ሕልመይ ጋህዲ ዀይኑለይ እዩ። ኣብ ቡልጋርያ ንዚርከቡ ብዙሓት ሰባት ፍልጠት መጽሓፍ ቅዱሳዊ ሓቂ ንኺረኽቡ ኣብ ምሕጋዝ ጠቓሚ ኸም ዚኸውን እውን ኣየጠራጥርን እዩ።

ስንክልናይ ነቲ ኣብ ስብከት ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ክገብሮ ዝኽእል ነገር ዚድርት እኳ እንተ ዀነ፡ ንጐረባብተይን ናብ ቤተይ ንዚመጽእ ዘበለ ሰብን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሓቂ ብምክፋል፡ ብዙሕ ሓጐስ እረክብ እየ። ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ፡ ኣብ ሰገነተይ ኰይነ ንሓንቲ ትሓልፍ ዝነበረት ጐረቤተይ ተደሃኽዋ። ጻውዒተይ ተቐቢላ ናብ ገዛይ መጸት። ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ዜተባብዕ ሓሳባት ምስ ነገርክዋ ድማ፡ ነቲ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክትገብር ዘቕረብኩላ ዕድመ ብኡንብኡ ተቐበለቶ። ጸኒሓ፡ መንፈሳዊት ሓብተይ ኰይና ምስ ተጠምቀት፡ ብዙሕ እየ ተሓጒሰ። ንኣርባዕተ ደቂ ኣንስትዮ፡ ህይወተን ንየሆዋ ኽሳዕ ዚውፍያ ናይ ምሕጋዝ ኣጋጣሚ ረኺበ እየ።

ምስቶም ከም ቤተሰበይ ገይረ ዝርእዮም ልዕሊ ሚእቲ ዝዀኑ ኣሕዋትን ኣሓትን ኣዘውቲረ ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ክእከብ ምኽኣለይ፡ ልዕሊ ዅሉ የሐጕሰንን የተባብዓንን እዩ። ንኣረጋውያንን ንስንኩላንን ተባሂሉ ዚዳሎ ፍሉይ ኣገልግሎት መጓዓዝያ ኣብ ዘይብላ ሃገር ስለ ዝነብር፡ ናብ ኣኼባታት ጉባኤ ምኻድ በዳሂ ይዀነኒ እዩ። እንተዀነ ግን፡ ኣብዚ መዳይ እዚ፡ ካብ ሓደ መንእሰይ ሓው ክንክን እረክብ ብምህላወይ፡ ከመስግን እፈቱ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣኼባ፡ ካብ ኣፓርታማይ ናብ ማኪናኡ፡ ድሕሪኡ ድማ ካብ ማኪናኡ ናብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ተሰኪሙ ይወስደኒ እዩ፣ ከምኡ ገይሩ እውን ናብ ገዛይ ይመልሰኒ እዩ። ኣባል ከምዚ ዝኣመሰለት ፈቃር መንፈሳዊት ስድራ ቤት ክኸውን ኣጋጣሚ ስለ ዝረኸብኩ፡ ንየሆዋ ኣዝየ እየ ዘመስግኖ።

ንድሕሪት ምልስ ኢለ ኽሓስቦ ኸለኹ፡ ካብቲ ብንእስነተይ ዝሓልሞ ዝነበርኩ ኣዝዩ እተፈልየ ህይወት እዩ ዘሎኒ። ንየሆዋ ብምግልጋለይ፡ ሕጂ ኻብ ኵሉ ዝበለጸ ሓጐስ ክረክብ ክኢለ ኣለኹ፣ ብዛዕባ መጻኢ እውን ዜደንቕ ተስፋ ኣሎኒ። ነቲ ኣምላኽ ኣብታ ገነት እትኸውን ምድሪ፡ “ሓንካስ ከም እራብ ኪሰርር” ምዃኑ እተመባጽዖ መብጽዓ፡ ኣኽቢረ እየ ዝርእዮ። (ኢሳይያስ 35:6) ነታ ምሉእ ጥዕናን ሓይልን ረኺበ፡ ካብ ብሽክለታ ስንኩላን ዘሊለ ዝትንስኣላ መዓልቲ፡ ብምሉእ ምትእምማን እየ ዝጽበያ።

[ኣብ ገጽ 30 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

“ኣዘውቲረ ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ክእከብ ምኽኣለይ፡ ልዕሊ ዅሉ የሐጕሰንን የተባብዓንን እዩ”

[ኣብ ገጽ 31 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

“ናይ ቅዱሳት ጽሑፋት ትርጕም ሓዳስ ዓለም ብቡልጋርያኛ ምውጻኡ፡ ኣብ ህይወተይ ምንጪ ሓጐስ ኰይኑለይ እዩ”

[ኣብ ገጽ 29 ዘሎ ስእሊ]

ጓል 15 ኸለኹ እየ ምርኢት ከቕርብ ጀሚረ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ